Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
ኣካላትቤት ጽሕፈታትምሕታትን ንምርካብ ናይ RSA ሓገዝ

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲሃገር ኣልባ ሰባት, ሓተትቲ ዑቕባ, ዜጋታት ፈረንሳ, ስደተኛታት, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ

ዋጋ

ብነጻ

ኩነታት

መንበሪ ፍቓድ ካርድ ወይ ወረቐት ምህላው
ናይ ባንክ ሕሳብ ምህላው

ምሕታትን ንምርካብ ናይ RSA ሓገዝ

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 2 mois

RSA (ናይ ሓገዝ) እዚ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ን ስራሕ ዘይብሎም ወይ እውን ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ኣካል ሕብረተሰብ ዝተመደ እዩ

ናይ ኤረሳ (ሓገዝ )ተጠቀምቲ ክትኮኑ ትኽእሉ፣ ኤረሳ ናይ ነጻ ሓገዝ ኮይኑ ንደቂ ሰባት ውሑድ ኣታዊ ዘለዎም ፣ ወይ ስራሕ ዘይብሎም ዕድሚኦም ልዕሊ 25 ዓመት ንዝኾኑ ሰባት ሓገዝ ይህብ ኣብ ፈረንሳ ን ዝነብሩን ዝወሃብ ሓገዝ እዩ ።

እቲ መጠን ገንዘብ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ዝፈላለ ኮይኑ ኣብ ኩነታት ስድራቤት (ንጽል፡ መሻርኽቲ ወዘተ)፡ ብዝሒ ቆልዑ፡ ካልእ ዝረኽቦ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ከምኡ’ውን ጸጋታት (ደሞዝ፡ ኣበል ወዘተ) ይምርኮስ

Le montant est différent d’une personne à l’autre et dépend :

  • de la situation du foyer (une personne célibataire, un couple...),
  • du nombre d’enfants,
  • des autres aides financières reçues (allocations familiales, aide au logement…),
  • et des ressources (salaires des personnes du foyer, indemnités de chômage…).
ፍላጡ ዝገድስ! መመልከቲኻ ተቐባልነት ምስ ረኸበ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ናይ RSA ዝውውር ንቡር ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ይመጽእ እዩ።ገለ ክፋል ናይቲ ኣዋጅካ ድሮ ተዛዚሙ ኣሎ።
ደሞዝን ካልእ ጸጋታትን (ናይ ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝ፡ ናይ ሕማም ደሞዝ፡ ናይ ስንክልና ወይ ናይ ጡረታ ጡረታ ወዘተ) ምጽሓፍ ኣድላዪ ኣይኮነን። እቲ ሓበሬታ ብቐጥታ ናብ ካፍ ይኸይድ።

.ካብ ገንዘባዊ ሓገዝ ብተወሳኺ ካብ በዓል ሞያ ዝረኽብዎ ደገፍ እውን ኣሎ። ቅድሚ RSA ምቕባልካ፡ ንሓድሕዳዊ ውዕል ውዕል contrat d’engagement réciproque ትፍርም: እዚ ማለት ነዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምልዋጥ፡ ስራሕ ክትደሊ ትሰማማዕ።

Chaque personne qui reçoit le RSA (et la personne qui partage le foyer) est automatiquement inscrite à France Travail (anciennement Pôle emploi) depuis le 1ᵉʳ janvier 2025.
A lire : la fiche Réfugiés.info "Être inscrit automatiquement à France Travail"
ዑቕባ ምስ ኣመልከትካ ኣብ CAF ክትምዝገብን ንRSA ከተመልክትን ኣማራጺ ኣለካ። ካብ OFPRA ወይ CNDA ብዛዕባ ኣህጉራዊ ሓለዋኻ (ስደተኛ፡ ንኡስ ሓለዋ፡ ሃገር ዘይብሉ ሰብ) ኣወንታዊ መልሲ ምስ ዝረኸብካ፡ ነቲ ሰነድ ናብ CAF ስደዶ፡ እዚ ድማ ካብታ ሕቶኻ ዘቕረብካላ ህሞት ጀሚሩ RSA ናትካ ከሕስቦ እዩrétroactivité des droits። እዚ ድማ “ምምላስ መሰላት” ይበሃል።
ብስልኪ ቁጽሪ 3230 ንሓደ ​​ኣማኻሪ ክትራኸቡ un mail à la CAF dወይ ኣብ ክፍልኹም ናብ ዝርከብ CAF ኢመይል ክትሰዱ ድሕር ኣይትበሉ።

ከመይ ንገብሮ?

ን RSA ንምሕታትክማልኡ ዘለዎም ነገራት

  • ኣታዊኹም ጸጋታትኩም ትሑት ምዃኑን ካብቲ “ደረት” (ነዚ ሓገዝ እዚ መሰል ዝህበካ ደረት) ዝሓለፈ ክኸውን የብሉን
  • ኣብ ዓመት እንተወሓደ 9 ኣዋርሕ ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩን ኣድራሻ (ዋላ መንበሪ ገዛ) ዘለዎምን እዮም። ወይ እቲ ብ ደሞሲላሽን ዝበሃል ዘለዎ .(même une domiciliation).
  • ኣህጉራዊ ሓለዋ (ናይ ስደተኛ ደረጃ፣ ሃገር ዘይብሉ ሰብ፣ ወይ ተጠቃሚ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ)፣ ወይ ናይ 10 ዓመት መንበሪ ፍቓድ፣ ወይ ብውሑዱ ን5 ዓመት ናይ ምስራሕ ፍቓድ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎእ
  • ድሮ ካልእ ዝርከብ ገንዘባዊ ሓገዝ ሓቲቱ ዝነበረ ፣ ን ኣብነት ኣብ ፣ ከም ናይ ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝ ካብ ፈረንሳ ትራቫይል France Travailወይ ድማ መሰል እንተሃልዩኩም ናይ ጡረታ ጡረታ፣ ካልእን ሓቲቱ ዝፈልጥ ምስ ዝኸውን
  • 25 ዓመት ዕድመ ዝኾነ ሰብ።

እንተኾነ ክልተ 2 ፍሉይ ኩነታት ኣሎ

  • እንተድደኣ ዕድኹም ኣብ መንጎ 18 ን 25 ዓመትን ኮይኑ፣ እሞ ቆልዓ እንተዘይብልኩም፣ ንዝሓለፈ 2 ዓመታ ኣብ ውሽጢ 3 ፍልልይ ዝሰራሕኩም ምስ እትኾኑ
  • ሓደ ወይ ልዕሊኡ ውላድ ዘለዎም፣ በይኑ ወይ በይና ውላዶም ዘዕብዩ ወለዲ፣ ዘዕብዩ ንጽል ወላዲ እንተይንኩም። ወይ ነፍሰጾር ምዃን ዝተረጋገጸ እዩ።

ቅድሚ ሕቶ ምቕራብካ፡ ውልቃዊ ኩነታትካ ነቲ RSA ክትቅበል ዘኽእለካ እንተኾይኑ ንምፍላጥ፡ መጀመርታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ CAF ምምሳል ክትገብር ኣለካ። faire une simulation sur le site de la CAF

:ዝተፈላለዩ ሕቶታት ንምምላስ፤
- ስድራቤታዊ ኣቃውማ ገዛኻ ኣብ ፈረንሳ ዘለካ ኩነታት እዩ: ሓዳር እንተሃልዩኩም ግን ብሓባር ምሳኻ ዘይነብሩ ምስ እትኾኑ “ንውልቂ“seul”.” ክትምርምር ኣለካ።
- “ንልዕሊ 5 ዓመት ኣብ ፈረንሳ ተቐሚጥካ፣ ክትሰርሕ ፍቓድ ዝህበካ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ” ንዝብል ሕቶ እወ ክትምልስ ኣለካ።
-ኣታዊታት “ጸጋታት” ዝብል ክፍሊ ብኹሉ ኣብ ዝሓለፈ 3 ኣዋርሕ ዝረኸብካዮ ገንዘብ፡ ብኣኻን ምሳኻ ዝነብሩ ሰባትን: ደሞዝ: ናይ ሕማም ዕረፍቲ ሓገዛት: ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ሓገዛት: ናይ መናበዪ ገንዘብ: ናይ መንበሪ ኣበል: ናይ ስድራቤት ኣበል ክትውድእ ድሉው ኩን። .
  • እቲ ስሚዩለተር ነቲ RSA ክትቅበል መሰል ከም ዘለካ እንተ ኣመልኪቱ፡ ግምታዊ መጠን ገንዘብ የመልክት። ርግጸኛ ንምዃንን ክንደይ ምዃኑ ብልክዕ ንምፍላጥን፡ ኣብ CAF ክትምዝገብን ብወግዒ “ናይ ኣገልግሎት ሕቶ” ከተቕርብን ኣለካ (ደረጃ 3)
  • እቲ ስሚዩለተር ነቲ RSA ክትቅበል መሰል ከምዘይብልካ እንተ ኣመልኪቱ መብርሂ ይወሃብ።
  • ሕቶታት ክትምልስ ከለኻ ጌጋ እንተፈጺምካ፡ እንደገና ክትጅምር ትኽእል ኢኻ
  • “Faire la déclaration trimestrielle à la CAF”
ኣግዳሲ ሓበሬታ!
:ዝተፈላለዩ ሕቶታት ንምምላስ፤
- ስድራቤታዊ ኣቃውማ ገዛኻ ኣብ ፈረንሳ ዘለካ ኩነታት እዩ: ሓዳር እንተሃልዩኩም ግን ብሓባር ምሳኻ ዘይነብሩ ምስ እትኾኑ “ንውልቂ“seul”.” ክትምርምር ኣለካ።
- “ንልዕሊ 5 ዓመት ኣብ ፈረንሳ ተቐሚጥካ፣ ክትሰርሕ ፍቓድ ዝህበካ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ” ንዝብል ሕቶ እወ ክትምልስ ኣለካ።
-ኣታዊታት “ጸጋታት” ዝብል ክፍሊ ብኹሉ ኣብ ዝሓለፈ 3 ኣዋርሕ ዝረኸብካዮ ገንዘብ፡ ብኣኻን ምሳኻ ዝነብሩ ሰባትን: ደሞዝ: ናይ ሕማም ዕረፍቲ ሓገዛት: ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ሓገዛት: ናይ መናበዪ ገንዘብ: ናይ መንበሪ ኣበል: ናይ ስድራቤት ኣበል ክትውድእ ድሉው ኩን። .

ሰነዳት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብቲ ገዛ ዝነብሩ ሰባት

ኣህጉራዊ ሓለዋ ዝህብ ውሳነ ኦፍፕራ ዘለዎ ደብዳበ (ደረጃ ስደተኛ፣ ሃገር ዘይብሉ ሰብ ወይ ተጠቃሚ ንኡስ ሓለዋ) ወይ ውሳነ CNDA ሲኤንዲኤ ዘለዎ ደብዳበ (ውልቃዊ ታሪኽካ ኣብቲ ናብ ካፍ ዝተላእከ ሰነድ ክትሓብኦ ትኽእል ኢኻ)

  • Acte de naissance de l’OFPRAወይ Attestation ናይ l’OFII (voir “Bon à savoir” ዝብል ኣብ ታሕቲ ተዓዘቡ)
  • ካርድ ቪታል carte Vitale (ወይ ከም ዘለኩም ዝሕብር ሰነድ እንተለኩም )
  • እንተ ካድር ናይ mutuelle እንሃልይኩም
  • RIB (RIB (relevé d’identité bancaire) ናይ ባንኪ ሕሳብ ወይ ናይ livret épargne
  • ሞያዊ ንጥፈት ዋና እንተኲይንኩም (ርእስኻ ዝሰርሕ፣ ነጋዳይ፣ ኢደ ጥበባዊ፣ ሊበራላዊ ሞያ ወዘተ) እንተሃልዩካ ናይ ትካል ምዝገባ ምስክር ወረቐት
  • መረጋገጺ መርትዖ ናይ ኩሉ ናይ ዝሓለፈ 3 ኣዋርሕ ኣታዊ ስድራቤትካ (ናይ ክፍሊት ስሊፕ፣ France Travail,ናይ ናይ ክፍሊት ምስክር ወረቐት፣ ናይ ጥዕና መድሕን ሓገዛት፣ ናይ ስንክልና ወይ ናይ መናበዪ ጡረታ፣ ናይ ጡረታ ወዘተ) እንተሃልይኩም ምቕራብ

ከምኡ ውን ከከም ኩነታትኩም እዚ ዝስዕብ ሰነዳት እንተሃልይኩም ኣቕርቡ

  • ሰርቲፊኬት ናይ l’ADA(allocation pour demandeur d’asile) ወይ l’OFII ወይ ናይ መወዳእታ ክፍሊት
  • እንተደኣ ጥንስቲ ሰበይቲ ሃልያትኩም፣ ወይ ጥንስቲ እንተኲይንኪ ብሓኪም ዝግበር መረጋገ ጥንሲ ምህላው
  • ፍቱሓት እንተኴንኩም ናይ ፍትሕ ወረቐት
  • ምርዕዋት እንተኲይንኩምacte de mariage ናይ መርዓ ሰነድ
  • እንተደኣ ተፈላሊኹም ኲይንኩም ናይ ፍልልይ ሰነድ
  • ናይ ቤተሰብ ኩፖን livret de famille ከምኡ ውን ናይ ዕለተ ልደት ሰነድ ናይ ህጻናት
እንተደኣ ገና ካብ OFPRA ናይ ልደት ምስክር ወረቐትካ እንተዘይተቐቢልካ፡ እቲ ዝቐለለ መንገዲ “ግዝያዊ ናይ ስድራቤት ምስክር ወረቐት” ንምርካብ ምስ contacter l’OFII poምርካብ እዩ። ብተወሳኺ፡ attestation familiale ድሕሪ ደጊም እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዘይትረክብ ንምርግጋጽ፡ ናይ መወዳእታ ክፍሊት ናይ ሓታቲ ዑቕባ ኣበል (ADA) ምስክር ወረቐት ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ (እዚ ሰነድ ግን ንRSA ንምሕታት ኣየድልን)።
ነዞም ምስክር ወረቐታት ንምርካብ፡ ናብቲ ፋይልካ ዝመርሕ OFII ኢመይል ክትጽሕፍ ትኽእል ወይ ድማ ብቐጥታ ናብቲ እትነብረሉ ናይ au guichet de l’OFII ቆጸራ ንምሓዝ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።

ሕጂ ነቲ ሕቶ ብኢንተርነት (ደረጃ 3)፡ ኣብቲ ቦታ ቆጸራ ብምሓዝ ( 4ደረጃ 4)

እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ኩሉ ሰነዳትካ ብዲጂታላዊ መልክዕ ምህላው እዩ።

> ንዝያዳ ሓበሬታ : la fiche Réfugiés.info “Scanner un document”

ድሕሪኡ፡ ድሮ ኣብ CAF ተመዝጊብኩም እንተኾይንኩም፡ ናብ ውልቃዊ ቦታኹም ኣቲኹም፡ l, en cliquant ici.

እንተዘይተመዝጊብካ ቅድሚ ኣካውንት ምፍጣርኩም መጀመርታ ብኢንተርነት ኣገልግሎት ክትሓትት ኣለካ። እንተደኣ ናይ ገዛእ ርእስኹም ሕሳብ ዘይብልኩም ኮይኑ ከምይ ከም ዝግበር ኣብ la fiche Réfugiés.info “S'inscrire et demander une aide à la CAF” ተወከሱ


ከምኡ ውን ብ ሕሳብ ናይ France Connect.እውን ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹል፣ ንዝያዳ ሓበሬታ

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ረፉጂ ኣንፎ ተወከሱ Réfugiés.info"Utiliser FranceConnect pour se connecter à un site internet"ኣብFranceConnect. ዝብልወብሳይት ክፈትዎ

ኣብዚ ጠውቑ በብ ተርታ

  • ኣብ “Aide et démarches” ብምቕጻል ኣብቲ
  • ብድሕሪኡ Rubrique Mes démarches
  • Accéder à mes démarches ከምኡውን
  • Faire une demande de prestations en ligne
  • ድሕሪኡ“Vie professionnelle”
  • (RSA) Revenu de Solidarité Active ከምኡውን
  • “Revenu de solidarité active” ከምኡ’ውን “
  • “Faire la demande”ዝብል ጠውቕ።

ሕቶታት መልሱ፣ ከምቲ ንናይ ስሚዩሽን (ደረጃ 1) እሞ ሰነዳትኩም ስደዱ።

ምፍላጡ ዘገድስ ፣ንኹሉ ብትኽክል ከም እትውድኦ ንምርግጋጽ፡ ካብ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ሓገዝ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ። ንማእከል መንበሪኹም፡ ማሕበርኩም ወይ ንኣዳራሽ ከተማኹም ብዛዕባ እቲ ንRSA ኣብ ኢንተርነት ከተመልክቱ ክሕግዘኩም ዝኽእል ኣገልግሎት ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።
“ምስ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ቆጸራ ንምሓዝ ምስ እትደልዩ ፣ > ንዝያዳ ሓበሬታ : lብኸመይ ከም እትረኽቡን ኣብ ረፉጂ ኣንፎ
ተወከሱ Réfugiés.info "Prendre rendez-vous avec un assistant social"

ናይ ኤረሳ ክፍሊት RSAዝመጸኩም ካብ እቲ ዝሓተትኩምሉ እዋን ኣትሒዙ እዩ (ወላ እቲ ዶክመንትኹም ምሉእ ኣይኹን ). ስለዚ እንተደኣ እቶም ኣሲስታንስ ሶሻል
ቆጸራ ናይ ናይ ምርካብ ተኣሎታት ዝናዋሕ መሲሉ። ብ ቐጥታ ኣብቲ ናይ ኤረሳ ቤትጽሕፈት ብቐጥታ ብምኻድ ምሕታት ይምረጽ። ( ኣብ ራብዓይ 4 ደረጃ ኣለኩም)

ሕቶኹም ብመገዲ ብኢነተርነት ወይ ብተሓጋገዝቲ እንተ መርጽኩም ብቀጥታ ናብ ዝቅጽል ደረጃ ስገሩ፣ ናብ 5 ደረጃ

እንተደኣ RSA ንምጥላብ ምስ ቖጸራ ንምሓዝ ኢመይል ኣድራሻ ከድልየኩም ኢዩ ፣ ኢመይል ኣለኩም እንተ ኮይኑ ናብ ዌብ ሳይት CAF sur le site de la Caf. ብድሕሪ እዚ ኣብቲ “Ma CAF” ዝብል ብምጥዋቕ

ብድሕሪኡ ኢኹም ቆጸራ ክትሕዙ እትኽእሉ

  • ብናይ ካፍ ሊንክ ጠውቑ " internet “Nous contacter” " ካብኡ " Demander un rendez-vous ጠውቑ። ብድሕሪ እዚ ዘሎ መስርሕ ተኸቲልኩም ቆጸራ ሕዙ
  • ብቴለፎን 32 30 (ብ ስሩዕ ዋጋ ብምኽፋል ) ናብ ካፍ ምድዋል ይከኣል
  • ከምኡ እውን ብቐጥታ፣ ኣብ ኣከባቢኹም ዘሎ ካፍ ብምኻድ ክትጠልኩ ትኽእሉ፣ (እቲ ዘድልየኩም ዝርዝራት ኣብ ምስ ረኸብኩም l’agence CAF à côté de chez vous, "Trouver un point d’accueil". ኢልኩም ኣድራሽኡ ርኸቡ
ኣገዳሲ ሓበሬታ!
ወትሩ ብፍላይ ኣብ እዋን ቆጸራ ኩሉ ናይ ወረቐት ሰነዳት (ኦርጅናል + ፎቶኮፒ) ናብቲ ቆጸራ ምምጻእ ኣይትረስዑ።

እንተደድኣ ኣብ ፓሪስ ኣድራሻ እንተሃልዩኩም፡ ናብ ሓደ ናይ ፓሪስ ቦታ ንውህደት espace parisien pour l’insertion እውን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ሓደ በዓል ሞያ ቆጸራ ድሕሪ ምሓዝካ ንRSA ናይ ምምልካት ሓገዝ ርኸቡ

  • ኣብ ኢንትተርኔትብምኻድ ናይ እቲ ሓገዝ ዝትከበሉ ቦታ ንምፍላጥ ኣብዚ ተውቑ : cliquez ici, ኣብ ኣበይ ክልል ወይ ኣሮንዲስመ ከም ዘለኹም ንገሩ፣ ሽዑ ዝሰማኣምዓኩም ቦታን ግዜን መሪጽኩም ኪዱ። ናይ “RSA” ጠበል ሓገዝ ድማ ርከቡ።
  • ብ ቴለፎን ወይ ብ ቀጥታ ኣብቲ ቦታ ብምኻድ፣ :ምእንቲ ክትክእሉ፣ እነሀ ናይ 7እዚ ዓይነት ኣገልግሎት ዝህባ ቦታታት ኣብዚ ብምጥዋቕ ኣድራሽከን ርኸቡs ici.


CAF ብቐጥታ ኣብ ናይ Mon Compte, ከባቢኻ፣ My Procedures ዝብል ክፍሊ ወይ ኣብ Caf-Mon Compte.ሞባይል ኣፕሊኬሽን መልሲ ክህበካ እዩ።

  • እንተደኣ ብኢንተርነት እንተ ኣመልኪትኩም፡ ድሮ ዝርዝር መእተዊ ኣለኩም።
  • ኣብ ትካል CAF እንተ ኣመልኪትኩም፡ ቁጽሪ ተጠቃሚ (6 ኣሃዛትን ፊደልን)ን ናብ ውልቃዊ ቦታኹም ንምእታው ፓስዎርድን ክትረኽቡ ኢኹም።
.መመልከቲኻ ተቐባልነት ምስ ረኸበ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ናይ RSA ዝውውር ንቡር ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ይመጽእ እዩ

ብድሕሪኡ’ከ ?

ኩሉ ግዜ ኣብ ሰለስተ3 ወርሒ 'ዴክላረ' CAF ብምግባር ኣታዊኹም ምግባር።

ገለ ክፋል ናይቲ ኣዋጅካ ድሮ ተዛዚሙ ኣሎ።
ደሞዝን ካልእ ጸጋታትን (ናይ ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝ፡ ናይ ሕማም ደሞዝ፡ ናይ ስንክልና ወይ ናይ ጡረታ ጡረታ ወዘተ) ምጽሓፍ ኣድላዪ ኣይኮነን። እቲ ሓበሬታ ብቐጥታ ናብ ካፍ ይኸይድCAF።

ግን፡ ኩሉ ክትፍትሽዎን ነዞም ኣብ ኣዋጅኩም ዘለዉ መስመራት ከከም ኩነታትኩም ክትውድኦምን ኣለካ፤ 

  • እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዝእከብ ሓፈሻዊ ዕዳጋ ባዕልኻ ትሰርሕ እንተኾንካ ወይ...auto-entrepreneur
  • ናይ ህጻናት ደገፍ
  • ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝረኽቦ ኣታዊ
  • ካብ ተንቀሳቓሲ ርእሰማል ዝመጽእ ኣታዊ (ፋይናንሳዊ ወፍሪ፡ ዕቋር ሕሳብ፡ livret A ወዘተ)
  • ካልእ እቶት፡ ካብ ንብረት ክራይ ዝረኽቦ ክራይ፡ ናይ ምፍንታት ክፍሊት ወዘተ።

እዚ ድማ ካፍ ንዝቕጽሉ CAF 3 ኣዋርሕ ዝለኣኽ ሓገዝ ንኽሕስብ የኽእሎ።

> ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከሱ : la fiche Réfugiés.info “Faire la déclaration trimestrielle à la CAF”

እዚ ውዕል መሰላትን ግዴታታትን ተጠቀምቲ RSA ዘቕርብ ኮይኑ፡ ናይ ህዝባዊ መሓውራት እውን የቕርብ

ምፍላጡ ዘገድስ!
እቲ ናይ ሓድሕዳዊ ምትእስሳር ውዕል ግዴታ ኣይኮነን፣ ኣብ ክልል ይምርኮስ። እንተፈሪምካዮ ግን ከተኽብሮ ግዴታ እዩ።

ህዝባዊ መሳርዕ (ፈረንሳ ትራቫይል France Travail (ናይ ቀደም Pôle emploi) ከተማ ወይ ክፍሊ፣ CAF) ካብ ሞያዊ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ብሕታዊ ደገፍ ከቕውሙ ግዴታ ኣለዎም፣ ንዓኻ ክሕግዘካ

  • ሞያዊ ፕሮጀክትኹም ምህናጽ፣
  • ስራሕ ንምድላይ ወይ ንግድ ንጀምር፣
  • ምሓዝ ቆልዑ መፍትሒ ክንክን ህጻናት ምርካብ፣
  • ተቐበልቲ ወርሓዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ኣብ ምልውዋጥ ድማ፤

ተቐበልቲ ወርሓዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ኣብ ምልውዋጥ ድማ ግድን እዩ።

  • ስራሕ ወይ ስልጠና ምድላይ (ሲቪ CV, ምግባር፣ መመልከቲ ናይ ተወዳዳርነት ምልኣኽ ወዘተ)
  • ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ትራቫይል France Travail ንነብስኻ ኣመሓይሻ፣
  • ናብ ቆጸራታት ከይትቦኽሩ ምጽኡ፣
  • ኣታዊኹም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3 ወርሒ ኣመልክቱ
  • ውልቃዊ ኩነታትኩም እንተተቐይሩ (ንኣብነት: ሓድሽ ሰብ ናብቲ ገዛ እንተመጺኡ፡ ትግዕዝ፡ ወይ ትፈላለ)፡ ንCAF ክትሕብር ኣለካ። ሞያዊ ኩነታትኩም እንተተቐይሩ (ንዓኻ ወይ
  • ንመጻምድትኩም ዘሎ ለውጡ፣ ወይ ሓድሽ ስራሕ፡ ምጅማር ንጥፈታት፡ ምዝዛም ውዕል ስራሕ፡ ምእታው ናብ ስራሕ ልምምድ ወዘተ)፡ ነዚ እውን ክትሕብር ኣለኩም።
ናይ ባንክ ሕሳብካ እንተቐይርካ ሓድሽ ናይ ባንክ ዝርዝር ሓበሬታ ክትሰድድ ኣይትረስዕ።

ነዚ ንምግባር ኣብ መርበብ ሓበሬታ CAF ኣብ “Mon profil“, ኣብ “Declare a change” ዝብል ጠውቑ “Mon profil“ኣብ ዝብል ጠውቑ

ነፍሲ ወከፍ ለውጢ ኩነታት ናብ ሓድሽ ስሌት ናይ ገንዘባዊ ሓገዝካ ይመርሕ: ደሞዝካ ወይ ክራይ ገዛኻ እንተተቐይሩ፡ CAF ይውሓድ ይብዛሕ ገንዘብ ይሰደልካ።

ምፍላጥ ዘገድስ!
ካፍ ካብ ካልኦት ምምሕዳራት ሓበሬታ ክረክብ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ግብሪ። ዝተፈላለየ ሓበሬታ እንተ ኣዊጅካ ወይ እንተተጋግኻ ነዚ ናብ CAF እውን ክትሕብር ኣለካ።
CAF ምስ ኩነታትካ ተኣሳሲሩ ብዙሕ ገንዘብ እንተሰዲዱልካ (ልዕሊ ዓቐን ክፍሊት)፡ ክትመልስ ናይ ምሕታት ኣማራጺ ኣለዎ። ግን ተጠንቀቑ፣ ጌጋ እንተዘይሓቢርኩም “ምትላል” እዩ። እገዳ ክግበረልካ ይኽእል እዩ።

ተቐበልቲ RSA እውን መሰል ኣለዎም፤

ናይ RSA መመልከቲኻ እንተተነጺጉ ፡ መብርሂ ንምሕታት ምስ CAF (ብፖስታ፡ ብተሌፎን፡ ወይ ብኢመይል) ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ ።

እቲ መልሲ ዘይሰማማዓኩም እንተኾይኑ ፡ Conseil départemental ክፍላዊ ቤት ምኽሪ ዞባኹም ደብዳበ ስደዱ ።

ድሕሪ ምእባዩ ንመመልከቲ ዳግመ ግምት ምሕታት 2 ወርሒ ኣለኩም ።

ኣብዛ ደብዳቤ እዚኣ ክትገልጹ ኣለኩም፤

  • መን ምዃንኩም (ቀዳማይ ስም፡ መወዳእታ ስም፡ ኣድራሻ፡ ቁጽሪ ተጠቃሚ ወዘተ)
  • ስለምንታይ ምስ እምቢታ RSA ዘይትሰማምዑ
  • ስለምንታይ ፋይልኩም ክግምገም ትሓትት ኣለኩም።

ዝኾነ ንመመልከቲኹም ንምድጋፍ ክሕግዙ ዝኽእሉ ሰነዳት ክትውስኽ ኣለካ ፣ ከም፤

  • ቅዳሕ ናይቲ መንነት ሰነድካን ናይቶም ኣብ ገዛኻ ዘለዉ ሰባትን እዩ።
  • እቲ ናይ RSA ናይ ምእባዩ ደብዳበ
  • ናይ ደሞዝ ስሊፕካ
  • ናይ ምዝውዋር መግለጺታትኩም
  • ናይ ግብሪ ምልክታኹም
  • ናይ ክብሪን ቀረጽን ሕሳብኩም ወይ avis d’imposition...

ነዚ ደብዳቤ ብመዝገብ ፖስታ ምስ ምቕባል ኣፍልጦ ስደድዎ እሞ መልሲ ክፍላዊ ቤት ምኽሪ ተጸበዩ።

ምስ ውሳነ ቤት ምኽሪ ክፍሊ እንተዘይተሰማሚዕኩም ፡ ንተጣባቒ መሰላት au Défenseur des droits.ሓገዝ ናይ ምሕታት ተኽእሎ ኣሎኩም .

ድሕሪ ’ ዚ ተግባራት ’ ዚ ፍታሕ እንተዘይተረኺቡ ናብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ Tribunal administratif.ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም ።

ኣብ ላዕሊ ገጽ

23 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

marianne georgesmarianne georgesምምሕዳር
claudia mclaudia mምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
hugo stéphanhugo stéphanምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
utilisateur_84344799utilisateur_84344799ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
alinalalinalተርጓሚ/ሚት
utilisateur_61623907utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
nalothmannalothmanተርጓሚ/ሚት
aman expertaman expertተርጓሚ/ሚት
alhindi nouralhindi nourተርጓሚ/ሚት
yassin nabelsiyassin nabelsiተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
utilisateur_72712685utilisateur_72712685ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
areknazareknazተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
relorefrelorefኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
utilisateur_93887086utilisateur_93887086ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ