Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምርካብ 'ካርት ሰጁኽ 'ወይ መንበሪ ካርድ

ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 2 jours

ከም ስደተኛ፡ ሃገር ኣልቦ ሰብ ወይ ተጠቃሚ ንኡስ ሓለዋ ዘለካ ኩነታት ብዝምልከት ካብ ኦፍፕራ ወይ ሲኤንዲኤ ዝረኸብካዮ ኣወንታዊ መልሲ፡ ንነዊሕ እዋን ክትሰፍርን ኣብ ፈረንሳ ክትሰርሕን መሰል ኣለካ።

መንበሪ ፍቓድ ("መንበሪ ካርድ" ተባሂሉ'ውን ይጽዋዕ) ከተመልክት ኣለካ፤

  • እንተደኣ ስደተኛታት ናይ 10 ዓመት "መንበሪ " ፍቓድ ኮይንኩም ኣትደልዩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ANEF (Étrangers en France). ከመልክቱ ይግባእ።
  • ኣንተደኣ ተጠቀምቲ ንኡሳን ሓለዋታት ክሳብ 4 ዓመት ዝጸንሕ ናይ ብዙሕ ዓመታት መንበሪ ፍቓድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ANEF (Étrangers en France) ከመልክቱ ይኽእሉ።
  • ሃገር ኣልባ ሰባት ኣብቲ ፕረፈክቸር ክሳብ 4 ዓመት ዝጸንሕ ናይ ብዙሕ ዓመታት መንበሪ ፍቓድ ከመልክቱ ይግባኣ préfecture

ንኹሉ መመልከቲታትን ንኹሉ ኩነታትን፡ ኣብቲ ፕረፈክቸር ኣሰር ኣጻብዕትኻ ከተቕርብ፡ ሰነዳትካ ክትሰድድ ወይ ከተቕርብ፡ ከምኡ’ውን መንበሪ ፍቓድካ ንምእካብ ቆጸራ ክትሕዙ ኣለኩም።

ይኹን እምበር፡ ዝርዝር ናይቶም ዘድልዩ ሰነዳት ከከም ኩነታትኩም ይፈላለ እዩ።

ኣዝዩ ኣኣገዳሲ ሓበሬታ
ካብ 1 ጥሪ 2026 ጀሚሩ፡ ንፈለማ እዋን ናይ ብዙሕ ዓመታት መንበሪ ፍቓድ ወይ ነባሪ ካርድ ንምምልካት ሓደስቲ ረቛሒታት ኣለዉ፤

- ደረጃ A2 ብቋንቋ ፈረንሳ ንብዙሕ ዓመታት ዝጸንሕ መንበሪ ፍቓድ ንምሕታት carte de séjour pluriannuelle  
- ናይ 10 ዓመት ነባሪ ካርድ ንምምልካት ብቋንቋ ፈረንሳ ደረጃ B1 carte de résident de 10 ans
- ሲቪክ ፈተና ከም ዝሓለፈ መረጋገጺ l’examen civique (ናይ ብዙሕ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ወይ ነባሪ ካርድ ምስ ምጥቃስ)።

ካብ ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ስደተኛታትን ሃገር ዘይብሎም ሰባትን ፈረንሳ ኣህጉራዊ ሓለዋ ዘለዎም ውልቀሰባት (ስደተኛታት፡ ተጠቀምቲ ንኡስ ሓለዋ፡ ሃገር ዘይብሎም ሰባት)ን ስድራቤቶምን ነዚ ረቛሒታት እዚ ከምዘይግዛእ ኣስተውዕሉ

ከመይ ንገብሮ?

ናይ ካርድ ፣ መንበሪ ንምሕታት ዘድልየኩም ዶክሜንታትcarte de séjour መንበሪ ካርድ ምሕታት :

  • Contrat d’engagement ምኽባር መትከላት ሪፓብሊክ ፈረንሳ ንምኽባር

    ነቲ ብፈረንሳ ዝተጻሕፈ ናይ ቃል ኪዳን ስምምዕ contrat d'engagement ከተንብቡ፡ ክትሕትሞዎ፡ ክትመልእዎ፡ ዕለተ ክትገብረሉን ክትፍርምን ኣለኩም። እዚ ሰነድ እዚ ንመትከላት ሪፓብሊክ ፈረንሳ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ውልቃዊ ናጽነት፡ ናይ ሓሳብኩም ምግላጽን ሕልናን ናጽነት፡ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ጭርሖን ምልክታትን ሪፓብሊክ፡ ግዝኣታዊ ቅንዕና ፈረንሳ፡ ከምኡ’ውን ዓለማውነት። ነዚ ሰነድ ብምፍራም፡ ኣብ ፈረንሳ እናነበርኩም ነዞም ክብርታት ከተኽብር ቃል ትኣቱ።

    እዚ ውዕል ካብቲ OFII (ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽንን ውህደትን ፈረንሳ) ሪፓብሊካን ውህደት ውዕል (CIR)contrat d'intégration républicaine (CIR) d ዝተፈልየ ምዃኑ ኣስተውዕሉ። ኣብ Refugees.info ዝብል ወረቐት "ምፍራም CIR" ርአዩ "Signer le CIR"።
እቲ ዝርዝር ናይቲ ኮንትራት ብ እዞም ዝስዕቡ ቋንቋታት ኣለውኹም langues : anglais, arabe, pachto, persan/dari, tigrinya, russe, እቲ ናይ ሕጸ ውዕል ኣብ ሓያሎ ይርከብ።እቲ ናይ ሕጸ ውዕል ብብዙሕ ቋንቋታት ይርከብ፡ langues : እንግሊዝኛanglais, arabe, pachto, persan/dari, tigrinya, russe, እንግሊዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ፓሽቶ፡ ፋርስ/ዳሪ፡ ትግርኛ፡ ሩስያ፡ ቻይናዊ፡ ኣልባንያ፡ ኮሞርያዊ፡ ሶማል፡ ኡርዱ፡ ታሚል፡ ቤንጋሊ... እዚ ነቲ ጽሑፍ ንምርዳእ ይሕግዘኩም ኮይኑ፡ እንተኾነ ግን ነቲ ናይ ፈረንሳ ቅዳሕ ክትፍርምን ብቋንቋ ፈረንሳን ክትሰድዎ ይግባእ።
  • Justificatif de domicile ምህላው ናይ ትሕቲ 6 ኣዋርሕ ዕድመ ዘለዎ (ናይ ገዛ ሰነድ ፣ እዚ ናይ ክራይ ውዕል፣ ወይ ናይ ጽግዕተኛ ሰነድ ክኸውን ፣ ከማኡውን ናይ ዝተፈላለዩ ፋክቱራት ይኽእል )

- እንተደኣ ርጉእ መንበሪ ገዛ ወይ መንበሪ እንተዘይብልኩም ኲይንኩም፡ መርትዖ ኣድራሻ ምስቲ ፖስታ ዝቕበለሉ ኣድራሻ ክትሰድድዱ ኣለኩም ።
- ወይ ምስ ካልእ ሰብ (ስድራቤትካ፡ ዓርኪ፡ ወለንተኛ ወዘተ) ትሓድር እንተኾንኩም፡ ካብቲ ዘአንግደካ ሰብ ናይ መንበሪ ደብዳቤ፡ ቅዳሕ ናይ መንነት ወረቐት (ወይ መንበሪ ፍቓድ)፡ ከምኡ’ውን መረጋገጺ ኣድራሻ ብስሙ (ናይ ኤሌክትሪክ ወይ ናይ ቴሌፎን ሕሳብ) ክትሰድድ ኣለኩም።

እቲ ምምሕዳር ከከም ኩነታትካ ካልኦት ሰነዳት ክሓተካ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፤

  • በዓል ሓዳርን ካብታ ንብዙሓት ኣንስቲ እትፈቅድ ሃገር ዝመጻእካን እንተኾንካን: ኣዋጅ ብዛዕባ ክብሪ ዘይብዙሓት ኣንስቲ (ኣብ ፈረንሳ ምስ ሓያሎ ሰባት ዘይምርዓው)።
  • ኣብ ስልጠና ውዕል ውህደት ሪፓብሊካን (CIR) ምስ OFII እንተተሳቲፍካ: እቲ ዝተፈረመ CIR

    ንዝያዳ ሓበሬታ Réfugiés.info : "Signer le contrat d’intégration républicaine (CIR)" ዝብል ሰነድ ተወከሱ

እንተደኣ ናይ ስደተኛ ኩነታት ወይ ናይ ንኡስ ሓለዋ ወረቐት እንተሃልዩኩም፡ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ብኢንተርነት መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ኣለኩል። https://administration-etrangers-en-france.interieur.gouv.fr

  • ናብ ANEF (Foreigners in France) ኣካውንትካ እቶ፡ ድሕሪኡ ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ኩርናዕ ናይቲ መእተዊ ገጽ ስምካ ጠውቕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ "Access my account" ጠውቕ።
  • ወይ ድማ ከምኡ ጌርካ ዘይትፈልጥ እንተኾንካ ኣካውንትካ ፍጠር።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣኣብ ተወከሱ Réfugiés.info : "Créer un compte personnel sur Etrangers en France (ANEF)"


- እንተደኣ ሃገር ኣልቦ ኮይንኩም፣ ብዛዕባ ጉዳይኩም ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ መንበሪ ፍቓድ፣ ብቀጥታ ካብ ፕረፈክቱር ክትሓትት ኣይትኽእሉን ኢኹም à la préfecture ፤ እንታይ ደኣ መመልከቲኻ እቶም ዘድልዩ ሰነዳት ከምቲ ናይ ኦንላይን መመልከቲ እዮም፣ ከምኡ’ውን ነቲ ደብዳበ ምስቲ ካብ OFPRA ወይ CNDA ዝመጸ ውሳነ ሃገር ኣልቦነት ዝህበካ ክትሕውሶ ኣለኩም። - ናይ ወጻኢ ቁጽሪ ወይ ቁጽሪ ቪዛ እንተዘይብልኩምኣብዚ መርበብ ሓበሬታ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ብ ኦንላይን ናብ ፕረፈክቸርt à la préfecture ናይ እቲ ዞባኹም ክትከዱ ኣለኩም

1. ኣብ እቲ ብ ላኔፍ ዝፍለጥ ወብሳኣይት sur le site de l'ANEF (Étrangers en France) ጠውቑ "Je demande ou renouvelle un titre de séjour"

2. ሽዑ ነቲ ፎርም ብምምላእ ነቲ ሰነዳት ብፒዲኤፍ ወይ ብመልክዕ፣ ኣገባብ ምስሊ ስደዶ ምዃኑ ፍለጡ ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ Réfugiés.info : "Scanner un document"

ምፍላጡ ዘገድስ ነቲ ውዕል contrat d'engagement, ክትሕትምዎ ፡ ዕለቱ ክትጽሕፎን ክትርምፍሉን ኣለኩም። >እንትደኣ መንበሪ ፍቓድ ብኢንተርነት እንተ ኣመልኪትኩም፡ ስካን ብምግባር ጌርካ ኣብቲ "ደገፍቲ ሰነዳት" ዝብል ክፍሊ፡ ኣብ ትሕቲ "መረጋገጺ ኣድራሻ" ክትሰቕሎ ኣለኩም። > እንተደኣ ንመንበሪ ፍቓድኩም ብቐጥታ ኣብቲ ፕረፈክቸር ብ ደብዳቤ ምሕታትን ከምኡውን demarche.numerique.gouv.fr. ተወሳኺ ሓበሬታን ክትትልን ምህላው ይግባእ

3. ድሕሪ መመልከቲኹም ብኢንተርነት ምስ ኣቕረብኩም፡ ""confirmation de dépôt".መረጋገጺ ምቕራብ" ንምውራድ ናብ ውልቃዊ ኣካውንትካ ክትኣቱ ዝዕድመኩ` ኢመይል ብኣውቶማቲክ ወይ ብቀጥታ ይመጸኩም። እዚ ሰነድ እዚ መመልከቲኹም ብዓወት ከም ዘቕረብካ ዘረጋግጽ እዩ።
ዝኾነ ይኹን መሰል ኣይህብን፤ ቅብሊት ጥራይ እዩ።

4. መመልከቲኹም ምሉእ ኮይኑ ኣብ ዝድለ ግዜ እንተቐሪቡ "ናይ መስርሕ ምንዋሕ ምስክር ወረቐት መርትዖ" (API) "attestation de prolongation d'instruction" (API). ይቕበሉ። እዚ ኣብ ፈረንሳ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ምንባር መሰል ከም ዘለካን ክትሰርሕ ፍቓድ ከም ዘለካን ዘረጋግጽ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ እዩ። እቲ ኤፒኣይ ማሕበራዊ ሓገዛትካ ክትረክብ እውን የኽእለካ፡ ግን ከኣ መገሻ ኣይፈቅድን እዩ። እዚ ምስክር ወረቐት እዚ ነቲ ቅብሊት ዝትክእ ኮይኑ ን6 ወርሒ ዝጸንሕ እዩ። እቲ ምስክር ወረቐት ክሳብ እቲ ፕረፈክቸር ውሳነ ዝህብ ተሓዳሲ እዩ።

5. ከምኡውን እቲ ፕረፈክቸር ንመመልከቲኻ ምስ ኣጽደቐ፡ "ናይ ምቹእ ውሳነ ምስክር ወረቐት" ትረክብ፡ እዚ ድማ ክሳብ መንበሪ ፍቓድካ ዝረክብ ቅኑዕ እዩ። እዚ ምስክር ወረቐት እዚ ክትሰርሕ ብቑዕ ምዃንኩም ዘረጋግጽን ዶባት ከባቢ ሸንገን franchir les frontières de l'espace Schengen. ክትሰግር ስልጣን ዝህበኩም እዩ።

እቶም ዝተፈላላአዩ መረጋገጺታ ዓይነት ብዓይነት ኣብዚ ተዘርዚሮም ኣለውኹም ce document.

ምፍልጡ ዘገድስ
 እንተደኣ ናይ መንበሪ ፍቓድ መመልከቲኹም ናብ ፕረፈክቸር préfecture ወይ ንኡስ ፕረፈክቸር እንተድኣ ኣቕሪብኩም፡ ቅብሊት ዝበሃል ግዝያዊ ናይ መንበሪ ሰነድ ይመጸኩም። እዚ ሰነድ እዚ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ፈረንሳ ናይ ምህላው መሰል ከም ዘለካን ክትሰርሕ ፍቓድ ከም ዘለካኩም ዘረጋግጽ እዩ።


መመልከቲ ከመይ ይኸይድ ከምዘሎ ንምፍላጥ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ sur le site ANEF (Étrangers en France), ANEF ናብ ኣካውንትካ ኣቲኻ፡ ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ኩርናዕ ናይቲ መእተዊ ገጽ ስምካ ጠውቕ፡ ድሕሪኡ ኣብ "Accéder à mon compte".

መመልከቲኹም ከመይ ይኸይድ ከምዘሎ ንምፍላጥ፡

መንበሪ ፍቓድ ኣሎ: ካርድኹም ድሉው እዩ:

  • ዝቐረበ መመልከቲ፦
  • መመልከቲኹም በፂሑ ኣሎ።
    መስርሕ ይካየድ ኣሎ፦ እቲ ፕረፈክቸር ንመመልከቲኻ ክምርምሮ ጀሚሩ ኣሎ፤
  • ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መስርሕ ይርከብ።
    ውሳነ:- መመልከቲኻ ተሰሪሑ: ውሳነ እውን ተዋሂቡ እዩ።
  • መንበሪ ፍቓድ ኣሎ: ካርድኹም ድሉው እዩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፕረፈክቸር ናይ መስርሕ ግዜ ይፈላለ እዩ።

: መንበሪ ፍቓድኩም ምስ ዝህሉ፤

  • እቲ ፕረፈክቸር መልእኽቲ (ኤስኤምኤስ ወይ ኢመይል) ክሰደልኩም እዩ።
    እቲ መልእኽቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ፕረፈክቸርኩም ቆጸራ ክትሕዙ. le site internet de votre préfecture ou ከምዘለኩም ወይስ ኣብ ዝተወሰነ ዕለት ብቐጥታ ናብቲ ፕረፈክቸር ክትከዱ ከምዘለኩም ክገልጽ እዩ። 
ምፍላጡ ዘገድስ እንተደኣ ሓደ መልኽእቲ እንተለኩም፣ de votre préfecture ነዚ ንምሕታትን ንምክትታልን ኣብ ወባይት ናይ ፍረፈክቱር ናይ ከባቢኹም ተወከሱ
ን ኣብነት እዚ ናይፓሪስ እዩ Préfecture de Police de Paris.

1.ምግዛእ ቴምፕር ናይ €25 ናይ ግብሪ ማሕተም ምግዛእ። timbres.impots.gouv.fr ወይ ካብ ሸያጢ ትምባኾ ናይ ግብሪ ማሕተም ምግዛእ።

2. ኣብታ መንበሪ ፍቓድኩም እትእክበሉ መዓልቲ ማሕተምን መረጋገጺ ክፍሊትን ሒዝኩም ምጹ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ Réfugiés.info qui explique comment acheter un timbre fiscal.

መንበሪ ፍቓድኩም ቅቡን ኮይኑ እዩ ዘገልግል።

  • 10 ዓመት ናይ ስደተኛ ደረጃ እንተሃልዩካ "መንበሪ " ካርድ እዩ።
  • ከማኡውን 4 ዓመት ንኡስ ሓለዋ ወይ ሃገር ኣልቦ ኩነታት እንተሃልዩኩም "ናይ ብዙሕ ዓመት" ካርድ እዩ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ቴክኒካዊ ጸገም (ዝተዓጽወ ገጽ፡ መልእኽቲ ስሕተት ወዘተ) ምስ ዝህልወካ፡ ምስ ማእከል ርክብ ዜጋታት (CCC) ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኻ።

  • ቴለፎን ወይ 0 806 001 620 (እቲ ቴሌፎን ነጻ እዩ ),
  • ወይ ድማ በቲ formulaire de contact ወይ ድማ ነቲ ናይ ርክብ ቅጥዒ (ኣብ ታሕቲ ጸጋማይ ሸነኽ ናይቲ ስክሪን ዘሎ "ርክብ" ዝብል መጠወቒ) ብምጥቃም። ጸገምካ ብንጹር ክትገልጾን ስክሪን ሾት (ዌብሳይት፡ ዕለትን ሰዓትን ዘርኢ) ምስቲ ናይ ጌጋ መልእኽቲ እንተሃልዩካ ክትሰድድ ኣለካ።

ብኢንተርነት ከተመልክቱ እንተዘይክኢልኩም፡ ኣብ ክፍልኹም ኣብ ዝርከብ ዲጂታላዊ መእተዊ ነጥቢ፡ ኣብ ፕረፈክቸር ወይ ንኡስ un point d’accueil numérique de votre ፕረፈክቸር ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብኡ ድማ ኢንተርነት ዘለዋ ኮምፒተር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፡ ሰብ ሞያ ድማ ብዛዕባ መርበብ ሓበሬታ ANEF (Foreigners in France) መብርሂ ክህቡ ይኽእሉ።

ኣዝዩ ኣገዳሲሓበሬታ እቶም ብ CCC .እቶም ሲሲሲን ዲጂታላዊ መእተዊ ነጥብታትን ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ጥራይ እዮም ክሕግዙኹም ዝኽእሉ።ኣብ ፍሉይ ኩነታት፡ ሲሲሲ ነቲ መመልከቲ ብኢንተርነት ምቕራብ ከምዘይከኣል ዘረጋግጽ ምስክር ወረቐት ክህብ ይኽእል። እዚ ምስክር ወረቐት እዚ ቆጸራ ንምሓዝ ምስቲ ፕረፈክቸር ክትራኸብ የኽእለኩም።

እንተደኣ ካብቲ ፕረፈክቸር መልሲ እንተዘይረኺብካ ወይ ኣብ ሕቶ መንበሪ ፍቓድካ ኣሉታዊ መልሲ እንተዘይረኺብካ፡ ነዚ ውሳነ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ (ከምዘይሰማማዓካ ግለጽ)።

ነቲ ውሳነ ይግባይ ንምባል፤

  • ኣብ ቀረባኻ ንዝርከብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ክትራኸብ ኣለካ። ኣብ ክፍልኹም ዝርከብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ዝርዝር ርክብ ንምርካብ፡ cliquez ici.
  • ካብ ጠበቓ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእልun avocat. ኢኻ። ብዙሕ ገንዘብ እንተዘይብልካ፡ ንኹሉ ወይ ገለ ክፋል ናይ ሕጊ ክፍሊትካ ንምኽፋል ሕጋዊ ሓገዝ ከተመልክት ትኽእል ኢኹም ። እቲ ብዛዕባ ሕጋዊ ሓገዝ ዝምልከት ናይ Refugees.info: la fiche Réfugiés.info sur l'aide juridictionnelle.።
  • ካብ ወጻእተኛታት ዜጋታት ዝሕግዝ ማሕበር ሓገዝ ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ከምኡውን Défenseur des droits, ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰባት መሰሎም ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ምምሕዳር ተሓላቒ መሰላት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ANEF (ወጻእተኛታት ኣብ ፈረንሳ) ክትእውጁ ኣለኩም

  • እንተ ኣብ ካልእ እንተተሰጋጊርካ ኣድራሻኻ እንተቐይርኩም
  • እንተደኣ መንበሪ ፍቓድኩም ጠፊኡ
  • መንበሪ ፍቓድካ እንተቐዲዱ፡ እንተተበላሽዩ ወይ ንምንባብ ኣጸጋሚ እንተኾይኑ
  • ከምኡውን መንበሪ ፍቓድኩም ተሰሪቑ እንተኾይኑ።

ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ናብ ኣቲኹም ተዓዘቡ: "Déclarer un changement de situation sur Étrangers en France (ANEF)".ናይ ኢንተርነት ሳይት ናይ ትኸዱ

ምፍላጡ ዘገድስ !
ኣድራሻ ኣብ ዝቕየርሉ እዋን ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ምቕራብ ግዴታ ኣይኮነን። ነቲ ኣዋጅ ክትገብር ከለኻ፡ choisir la fabrication ou non ሓድሽ ኣርእስቲ ከተፍሪ ወይ ዘይትሰርሕ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። መንበሪ ፍቓድካ ክሳብ እቲ ዝውድኣሉ መዓልቲ ይጸንሕ፣ ዋላ ምስቲ ናይ ቀደም ኣድራሻኻ።
ሓድሽ ኣድራሻኻ ንምርግጋጽ፡ ሓድሽ ኣድራሻኻ ዘለዎ ምስክር ወረቐት ኣብ ውልቃዊ ኣካውንትካ ANEF ክህሉ እዩ።

እንተደኣናይ ስደተኛ፣ ሃገር ኣልቦ ሰብ ወይ ናይ ንኡስ ሓለዋ ኩነታት እንተሃልዩኩም፣ ገለ ኣባላት ስድራቤትካ ከማኻ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህልዎም ይኽእል እዩ፤

  • እቲ ዝተመርዓኻዮ ሰብ፡ ኣብ ሲቪላዊ ሽርክነት ወይ መጻምድትኻ፡ ምስ ምጥርናፍ ስድራቤት ኣብ ፈረንሳ ክጸንሑ ፍቓድ እንተተዋሂብዎም፡
  • እቲ ዝተመርዓኻዮ ሰብ፡ ኣብ ሲቪላዊ ሽርክነት ወይ መጻምድትኻ፡ ምስ ምጥርናፍ ስድራቤት ኣብ ፈረንሳ ክጸንሑ ፍቓድ እንተተዋሂብዎም፡
    - እቲ ሰብ ልዕሊ 18 ዓመት እዩ፣
    - እንተወሓደ ሓደ ዓመት ብሓባር ትጸንሑ፣
    - ክሳብ ሕጂ ብሓባር ትነብሩ።
  • ትሕቲ 19 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቅኹም።
  • ገና ትሕቲ ዕድመን ዘይተመርዓወትን እንተኾንካ ወለድኩም።

> ንዝያዳ ንባብ : la fiche Réfugiés.info "Faire une demande de réunification familiale"

ኣገዳሲ ሓበሬታ!
ኣባላት ስድራቤትካ መንነቶምን ኣብ መንጎኹም ዘሎ ስድራቤታዊ ርክብን ከረጋግጹ ኣለዎም (ንኣብነት ምስክር ወረቐት ሓዳር፣ መዝገብ ስድራቤት፣ ምስክር ወረቐት ልደት)።

እቲ ንኣባላት ስድራቤትካ ዝወሃብ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ፈረንሳ ክሰርሑ ፍቓድ ይህቦም

ኣዝዩ ዘገድስ ሓበሬታ !
ትሕቲ ዕድመ ህጻናት መንበሪ ፍቓድ ኣየድልዮምን እዩ። ካብ 16 ዓመት ዕድሚኦም ጀሚሮም ግን ክሰርሑ ወይ ሞያዊ ልምምድ ክገብሩ እንተደልዮም መንበሪ ፍቓድ ከመልክቱ ይኽእሉ። ከከም ኩነታቶም ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ወይ ነባሪ ካርድ ክህልዎም ይኽእል እዩ (retrouvez les conditions en cliquant ici). (ኣብዚ ብምጥዋቕ ኩነታት ርኸብ)።

ንምጉዓዝ፡ ሓደ ናይ ወጻኢ ቆልዓ (ትሕቲ ዕድመ) ካብዞም ክልተ ሰነዳት ሓደ ክህልዎ ይኽእል፤

  • እቲ DCEM (ናይ ዑደት ሰነድ ንትሕቲ ዕድመ ወጻእተኛታት)
  • ወይ ድማ TIV (ናይ መንነትን ናይ ጉዕዞ ሰነድን)።

> ንዝያዳ ሓበሬታ Réfugiés.info “Demander un DCEM” / “Demander un titre de voyage”.

.እቲ ዝምልከቶ ትሕቲ ዕድመ ናይ መገሻ ሰነድ (ፓስፖርት) እንተሃልይዎ፡ ንDCEM ከመልክት ይኽእል። እቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ናይ ጉዕዞ ሰነድ እንተዘይብሉ ናይ TIV መመልከቲ ክቐርብ ኣለዎ።
ቲኣይቪ ብዲሲኢኤም ክስነ ኣየድልዮን እዩ። ካብ ፈረንሳ ክትወጽእን ክትኣቱን የኽእለካ።


እቲ መመልከቲ ቅድሚ እቲ መንበሪ ፍቓድ ምውዳእ ካብ 4 ወርሒ (120 መዓልታት) ክሳብ 2 ወርሒ (60 መዓልታት) ክቐርብ ኣለዎ፤

  • ብኢንተርነት sur le site Étrangers en France (ANEF) ስደተኛ ወይ ተጠቃሚ ንኡስ ሓለዋ እንተኾንካ (ኣቲኹም ኣብ ተመሳሳሊ “መንበሪ ፍቓድ ሕተቱ ወይ ኣሐድሱ” ዝብል ቁልፊ ጠውቕ እሞ ስጉምትታት ተኸተሉ)፣
  • ኣብቲ ፕረፈክቸር préfecture s ሃገር ኣልቦ ሰብ ደረጃ እንተሃልዩካ።.
ድሕሪ ናይ 4 ዓመት ጻንሖት ኣብ ፈረንሳ ብተጠቃሚ ካርድ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ሓለዋ ወይ ሃገር ኣልቦ ሰብ ደረጃ፡ ብቐጥታ ንነባሪ ካርድ (10 ዓመት) ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።


መንበሪ ፍቓድኩም ግዜኡ እንተወዲኡ፡ ግን ከኣ ገና እቲ ሓድሽ እንተዘይተቐቢልካዮ፡ ግዝያዊ ናይ መንበሪ ምስክር ወረቐት ስሩዕ ኩነታትካ ከተረጋግጽን ኣብ ፈረንሳ መሰላትካ ክትከፍት ወይ ክትዕቅብን የኽእለኩም ምስርሕ እዩ። > ንዝያዳ ሓበሬታ : la fiche Réfugiés.info "Renouveler le titre de séjour".


ናይ ልደት ምስክር ወረቐትካ ምስ ተቐበልካ፡ ምስቲ ኣብ መንበሪ ፍቓድካ ዘሎ ሓበሬታ ፍልልይ እንተሃልዩ፡ ኦፍፕራ ናይ ምትእስሳር ምስክር ወረቐት ይሰደልኩም ።

እቲ ናይ ምትእስሳር ምስክር ወረቐት ናይ ምዕሩይነት ምስክር ወረቐት እውን ይበሃል።
ኣብ ሰነዳትካ ዘሎ ሓበሬታ ዝተፈላለየ ይኹን (ንኣብነት ዝተፈላለየ ቀዳማይ ወይ መወዳእታ ስም) ሓደ ሰብ ምዃንካ የረጋግጽ።

እንተደኣ Ofpra ብኣውቶማቲክ እንተዘይሰዲዱዎ፡ ብፖስታ ናብዚ ኣድራሻ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፡ Ofpra - Pôle Protection - 201 rue Carnot - 94136 Fontenay-sous-Bois Cedex።

ብድሕሪኡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወጻእተኛታት ኣብ ፈረንሳለውጢ ኩነታት ” un “changement de situation” sur le site Étrangers en France ብምግባር ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሕቶ ብነጻ እዩ .

21 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • nourምምሕዳር
  • aman expertተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • mohannadybተርጓሚ/ሚት
  • alhindi nourተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • nalothmanተርጓሚ/ሚት
  • claireተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • innaተርጓሚ/ሚት
  • david_hedrich_jrsኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • utilisateur_93887086ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • ibrahimተርጓሚ/ሚት
  • marianne georgesተርጓሚ/ሚት

Liens utiles