Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ንምስላጥ መስርሕ ንምጥርናፍ ስድራቤት ንምግባር

ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 9 jours

እቲ ብ "réunification familiale ምጥርናፍ ቤተሰብ " ዝፍለጥ መስርሕ፣ ነቶም ፣ ሰብ ናይ ዝተፈላለዩ ወረቐት ናይ ዑቕባ ንዘለዎም ሰባት ዝምልከት እዩ፣ (ሕጋዊ ስደተኛ፡ ተጠቃሚ ንኡስ ሓለዋ ወይ ሃገር ዘይብሉ ሰብ ኮይንኩም ስድራኹም ከተምጽኡ ክትጠልቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እዚ ማለት ድማ ናይ ውልቂ ወይ መሰልኩም ኣብ ፈረንሳ እዩ

ምፍላጡ ኣገዳሲ!
ምጥርናፍ ስድራቤት ፡ክሕተት ዝግብኦም ቅድሚ፣ ምሕታት ዑቕባ ድሮ ዝነበሩን ናብ
ቤተሰብ ፣ ምዝጉባት ኣቐዲሞም ሓተትቲ ዑቕባ ቅድሚ ምሕታቱ ዝነበሩ ክኾኑ ይግባእ l’OFPRA ( ኣቐዲሙ ዝነበረ መርዓወይ ውላድ ቅድሚ ናይ ኦፍራ መልሲ ምርካብኩም l’OFPRA ወይ CNDA). ጥራይ ዝምልከት እዩ።

እንተደኣ ድሕሪ ናይ ዑቕባ ምሕታትኩም APRES ተመርዒኹም ምጥርናፍ ስድራቤት ኣይከኣልን እዩ፡ እንተኾነ ግን "ምጥርናፍ ስድራቤት"regroupement familial ምጥርናፍ ቤተሰብ ”" ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም ። ንምጥርናፍ ስድራቤት ኣብብ እቲt familial sur le simulateur de l’OFII. ዝብል ብምጥዋቕ፣ ኣቐዲምኩም እቲ ቀጥዒ ተማልኡ እንተኲንምን ዘይኮንኩምን ፣ ኣቐዲምኩምኣጻርዩ።
ስድራ ንምጥርናፍ ዝቐርብ ሕቶ ነዊሕን ተሓላለኸን እዩ ነዊሕን ዝተሓላለኸን እዩ። ፍሉያት መዐቀኒታትን ክኽተሉ ዘለዎም ሓያሎ ስጉምትታትን ኣለዉ። ነዚ ንምግባር ድማ ካብ ካብ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ወይ ሶሻል ኣሲስታንስ ሓገዝ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ፣ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ እዚ ዝስዕብ ሰነድ ናይ ።
> ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ እቲ Réfugiés.info ዝብል ሊንክ ብምጥቃቕ ተወከሱ : la fiche Réfugiés.info "Prendre rendez-vous avec un assistant social"
ምፍላጡ ዘገድስ ዋላ ሓዳርኩም ኣብ OFPRA እንተዘይተመዝገበን ናይ ሓዳር ምስክር ወረቐት ወይ መዝገብ ስድራቤት እንተዘይብልኩምን ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት መመልከቲ ይከኣል እዩ። እዚ ድማ መመልከቲኻ ካብ መስርሕ ኣይዓግቶን።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራቤት፤

  • እዛ ቪድዮ ብፈረንሳኣብዚ ቪድዮ cette vidéo en HCR (ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት)ን ቀይሕ መስቀል ፈረንሳን እያ። እቲ ቪድዮ ብእንግሊዝኛን ዓረብኛን እውን ኣሎ en anglaisen arabe
  • ኣብዘን ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ካብ ቀይሕ መስቀል ፈረንሳ ዝተረኽበ ምስልታት ብ7 ቋንቋታት ማለት ፈረንሳ፡ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ዳሪ፡ ፓሽቶ፡ ሶማል፡ ትግርኛ ይርከብ en 7 ቋንቋታት ኣለኩም ፣ መላት : français, anglais, arabe, dari, pachto, somali, tigrinya.

ከመይ ንገብሮ?

ነዚ ንምግባር ዝግባኦም ቅድመ ኩነት ክማልኡ ዝግብኦም ነገራት እዞም ዝስዕቡ እዮም

  • ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ናይ ሃገራዊ ዑቕባ ወይ ናይ ስደተኛ ኣለኩም ; ሓደ ረሲፕሲ፣ ሰነድ ብሃገራዊ ምክላኻል ወይ ካርት መንበሪ ካርድ ሰጁኽ ክህልወኩም ኣለዎ::
  • ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ናይ ሃገራዊ ዑቕባ ወይ ናይ ስደተኛ ምስ ዝህልወኩም ፣ ሓደ ረሲፕሲ ብሃገራዊ ምክላኻል ወይ ካድት ሰጁኽ ወይ መንበሪ ካርድ ክህልወኩም ኣለዎ::
  • ሓደ ዝኾነ ነገር ጭብጢ ናይ መርዓ ሰብ ሓዳር ምህላውኩም ወይ ብሓንሳብ ከም እትነብሩ ዘረጋግጽ ወረቐት ፣ ቅድሚ ዑቕባ ምሓታጥኩም ዝነበረ ወረቐት ክህልወኩም ይግባእ።
  • ኣብ ኦፍራ፣ l'OFPRA ምላእ ቅጥዒ ብዛዕብኦም እንተሓቢርኩም ኔርኩም እንተኴንኩም
ምፍላጡ ዘገድስ ኩነታት ናብራኹም ኮነ ናይ ስራሕ ኩነታትኩም ምኽንያት ዘይመሕተቲኹም ክኸውን ኣይግብኦን ስለዚስራሕ ኮነ መንበሪ እንተዘይብልኩም እውን ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም

ኣብ ከምዚ ኩነታት እንተሃሊኻ፡ ዝተወሰኑ ኣባላት ስድራቤትኩም ከም ኣካል ናይ ስድራቤት ምጥርናፍ ክጽንበሩ ዝኽእሉ

  • መጻምድዲ፣ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ፓክስ ሕጸ ወይ partenaire de PACS ሕጸ ወይ ብፍቕሪ ብሃንሳብ ትነብሩ ቅድሚ ናብ ፈረንሳ ምብጻሕኩም ኣብ ካልእ ሃገርኩም ከም መጻምድቲ ዝነበርኩምሉ ሰብ ምስ እትኾኑ። ኣስተውዕሉ፡ ቅድሚ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ምሕታትኩም ፡ ብሓባር ርጉእን ቀጻልን ህይወት ከም ዝነበርኩም ከተረጋግጹ ክትክእሉ ኣለኩም።
  • ውሉዳት ትሕቲ 19 ዕድሚኦም ምስ እትኾኑ ካልእ ሓብሓቢ ከም ዘይብሎም ፍሉይ መረጋገጺ ካብ ቤት ፍርዲ ምስ ዝህልወኩም ይግባእ።
  • ህጻናት ትሕቲ ትሕቲ 19 ዓመት ናይ እዚ ምሳኹም ዘለዉ መጻምዲ ወይ መጻምድኹም፣ ወይ PACS ወይ ኣፍቀርቲ ብሕጊ ምስኦም ንኽኾኑ ዝተወሰነ ውሳነ ብ ቤት ፍርዲ ዝተወደአን ፣ ተጠንቀቑ እንተድደኣ ነቲ ናይ ሕጋዊ ወረቐት ከተምጽዎ እንተኾይንንኩም ፣ ፍቓድ ናይ ወለዲ ክህልወኩም
  • ትሕቲ 19 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ናይቲ ሕጂ ዘሎ ሰብኣይካ ወይ በዓልቲ ቤትካ፡ መጻምድትኻ PACS ወይ እቲ ምስኡ ርክብ ዝነበርካ ሰብ፡ ድሕሪ ናይ ወጻኢ ቤት ፍርዲ ውሳነ ምእላይነት ዘለዎ። ኣስተውዕሉ፡ ወግዓዊ ሰነድ ናይቲ ፍርዳዊ ውሳነን ነቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ናብ ፈረንሳ ክመጽእ ፍቓድ ዝህብ ካብቲ ካልእ ወላዲ ዝተዋህበ ፍቓድን ከተተሓሕዙ ክትክእሉ ኣለኩም።
ድሕሪ ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ መጻምድትኹም ኩሎም ደቂ ናብ ኦፍፕራ ምእዋጅ ክትዝክሩ ኣለኩም፣ እንተተኻኢሉ ቅዳሕ ናይ ልደቶም ምስክር ወረቐት ክትሰድዱ ኣለኩም።
ዘይተመርዓወ ትሕቲ ዕድመ፡ ስደተኛ ወይ ተጠቃሚ ንኡስ ሓለዋ ንኣቦኡን ኣዲኡን ስድራቤታዊ ምጥርናፍ ከመልክት ይኽእል እዩ፡ ምናልባት ብዘይተመርዓዉ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋቶም ተሰንዮም ክኾኑ ይኽእሉ። ክልቲኦም ወለዲ ድሮ ኣብ ፈረንሳ እንተሃልዮም፡ ምጥርናፍ ስድራቤት ንኣሕዋት ኣይምልከትን እዩ።

ድሕሪ ምምጻእ ስድራኹም ዝቕጽል ድማ ምጥላብ ሓደ ን ነዊሕ ከጽንሕ ዝኽእል ቪዛን መንበሪ ካርድ ምጥላብ ይግብኣኩም

ካብ ኣባላት ቤት ሰብ ወይ ካብ ስድራቤትኩምን ናብ ኤምባሲ ብምቕራብ ቪዛ ናይ ነውሕ ግዜ ንክሓቱ ኩሉ እቲ ዘድሊ ሰነድ ኣባላት ስድራቤት፡ ኣብ ኤምባሲ ወይ ቆንስል ፈረንሳ (ኣብ መበቆል ሃገሮም ወይ ኣብ ዝተተኽሉ ሃገሮም)ከቅርቡ ኣለዎም። ነዚ ከመይ ከም ዝግበር ስጉምቲ 4 ርአዩ ።-> ራብዓይ ደረጃ 4

ምፍላጡ ኣገዳሲ! ኣብ ፈረንሳ ይኹን ኣብ መበቆል ሃገር ምስ ኻብ ምስ ሰበስልጣን ሃገርኩም ኣብ እዚ ኣብ ሓደጋ ምኣተወኡም። ምስ ሰበስልጣን ፈረንሳ ጥራይ ርክብ ምግባር የድልየኩም፣ ። ምስ ሰበስልጣን መበቆ ል ሃገርኩም ክትራኸቡ የብልኩኩምን፣
ምፍላጡ ዘገድስ ስድራትኩም ኣበይ ከምዘለዉ እንተዘይፈሊጥኡም፡ ካብ RLF  (Rétablissement des liens familiaux) ኣገልግሎት ቀይሕ መስቀል ሓገዝ ክትሓትቱ ይግባእ። > ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከሱ Réfugiés.info "Retrouver sa famille avec le réseau international Rétablissement des liens familiaux”
ንናይ ስድራቤት ምጥርናፍ ፋይል፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤትካ ናይ ነዊሕ ጻንሖት ቪዛ ከመልክትን ሓያሎ ሰነዳት ክውስኽን ኣለዎ።

ምጥርናፍ ቤተሰብ ንኽትገብሩ ዘኽእለኩም ዶክሜንታት ወይ ሰነዳት :

  • ሓደ ፎርሙል ንቪዛ ናይ ነዊሕ ግዜ ውልቃዊ formulaire de demande de visa long séjour
  • ክልተ 2 ስእሊ ናይ ናይ ታሴራ ናይ ተመጣጣኒ ቅርጺ ምስ ናይ ሕብረት ኤሮፓ (ንዝያዳ ሓበሬታ ተዓዘቡ Réfugiés.info “Faire une e-photo”)
  • ወረቐት ቅዳሕ ናይ ትውልዲ መበቆል ዓዲ ወይ ሃገር ምስክር ዕለተ ልደት፣ ምስ ናይ መበቆል ዓዲ ዝሳነ ፣ ናብ ፈረንሳ ዝተተርጎመ (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ናይረፍጂ ኣንፎ ተወከሱ Réfugiés.info “Demander la traduction officielle d’un document”)
  • ቅዳሕ ምስክር ወረቐት ናይ መርዓ ካብ መበቆል ሃገር ኮፖ ናይ መርዓ ሰነድ ናይ መበቆል ዓዲ ወይ ሓደ ዝምድና ከም ዘለኩም ዘረጋግጽ ሰነድ፣
  • ክፍሊት ኣፍቲ ንበረሉ ቦታ ብመጠን ናይ ኢሮ 99 € ንሓደ ሰብ. ( እቲ ሸርፊ ድማ ከም ናይቲ እትኸፍልሉ እዋን ዝፈላለ ) ዝበሃል ክፍሊት ምኽፋል ይግባእ።
  • ሓደ ፓስፖርት ወይ ሓደ ናይ ጉዕዞ ሰነድ እንተወሓደ ናይ 3 ኣዋርሕ ዘይውደቐ ሰነድ ክህሉ ይግባእ።
ምፍላጡ ዘገድስ እንተደኣ ፓስፖርቲ ዘይብልኩም ኮይኑ እውን እንተኾነ። ናይ ቤተሰብ ጥርናፈ ንዘይምህላው ምኽንያት ትን ወይ ቅድመ ኩነት ኣይኮነን። ብፍላይ እንተደኣ ስለምንታይ ክህምወኩም ዘይከኣል ምዃኑ ግቡእ ምኽኒት ኣቕሪብኩም።

ዝምልከኹም ሰነዳት ኣብ ፋይላት ኣባላት ቤተሰብኩም ንምውሳኽ

  • ብቀጥታ መወከሲ ናይ OFPRA ፋይልካ ወይ እቲ CNDA ወይ ቅዳሕ ናይቲ መንበሪ ፍቓድ ምስ ኩነታት ከም ስደተኛ፣ ሃገር ኣልቦ ሰብ ወይ ተጠቃሚ ንኡስ ሓለዋ ጌጋ ምስ ዝህምዎ
  • ናይ ሕጂ ፖስታ ኣድራሻኹም ኣብ ፈረንሳ። ኣስተውዕሉ፣ ፖስታ ኣድራሻኹም እንተቐይርኩም ንቤት ጽሕፈት ስድራ ስደተኛታት ምሕባር ኣይትረስዑ።
ምፍላጡ ዘገድስ !
ወግዓዊ ሰነዳት ናይ ዕለተ ልደት ሰነድ ዘይብልኩምኲይንኩም፡ ንስኹምን ኣባላት ስድራቤትኩምን "éléments de possession d'état” ዝፍለጥ “ናይ መንግስቲ ዋንነት ባእታታት” ክትሰዱ ኣለኩም: ዘይወግዓዊ መርትዖ፡ ግን ከኣ ነቲ ናይ ስድራቤት ምትእስሳር ዘርኢ ንጹር መረገገጺ ክህልወኩም ኣለዎ ።
ንኣብነት፡ ስእልታት፡ ዕላል መልእኽቲ፡ ስክሪን ሾት ታሪኽ ጻውዒት፡ ዝርዝር ህያባት፡ ናይ ቪድዮ ርክባ ዕላላት፣፡ ምስክርነት ካብ እትፈትዎም ሰባት፡ ምስክር ወረቐት ናይ ዌስተርን ዩኒየን ገንዘብ ምልኣኽ ምስክር ወረቐት (ብስም እቲ ሰብ እንተዘይኮይኑ፡ በቲ ተቐባሊ ሰብ ኣብ ንጹር ወረቐት ምስክር ወረቐት ምግባር ፣ እቲ ገንዘብ ተቐቢለዮ ብምባል፣ ንምንታይ ባዕሎም ከይዶም ክእክብዎ ከምዘይክእሉ ብምግላጽ (መንነት ሰነድ የለን፣ ናይ ምግዓዝ ተኽእሎ ከም ዘይነበረ ...ምፍላጥ ይግባእ))።

እቲ ምጥላብ ቪሳ ናይ ምንዋሕ ስድራቤትኩም ፣ምእንቲ ክረኽቡ ናይ ዑቕባ ጠለብ ብመገዲ ኦፍራ l’OFPRA ምስ ናትኩም ዑቕባ ክተተኣሳስሮም ትኽእሉ ኢኹም

(ኣብ ፍራንስ ቪዛ ጉቭ ኤፍ ኣር France-Visas.gouv.fr. ከምኡውን  créer un compte.ቪዛ ንምሕታት ፋይል ከተድልዉ ትኽእሉ ድሕሪ ዶሴ ምድላው፣ ቅዳሕ ብምድላው ናብ ቆንስል ይቐርቡ።

እቲ ናይ ቪዛ መመልከቲ ዝቐርበሉ ሃገር፣ ናይ “ነዊሕ ጻንሖት” ቪዛ፣ ናይ “ስድራቤታዊ ወይ ናይ ብሕቲ ምትካል” ፕሮጀክት፣ ዓቢ ይኹን ትሕቲ ዕድመ፣ ምኽንያት “ውላድ ወይ መጻምድቲ ወይ መጻምድቲ፣ ወይ ኣቦ/ኣደ ስደተኛ፣ ተጠቃሚ ናይ... ንኡስ ሓለዋ ወይ ሃገር ዘይብሉ ሰብ” ንኽረኽቡ።

እንተደኣ ኣባላት ስድራቤትኩም መመልከቲ ፋይሎም ናብቲ ኣብ መበቆል ሃገሮም ናብ ዝቀርቦም ዝቐረበ ቆንስል ፈረንሳ ከቕርቡ ኣለዎም። እቲ ክምላእ ዘለዎ ቅጥዒ ኣብዚ ገጽ ብምጥዋቕ ይርከብ።

ቤተሰብኩም ኣበይ ፋይሎም ከእትዉ ከም ዘለዎም ዝሕብርኣ ብዚ ብምጥዋቕ ፍለጡ en cliquant ici.

እቲ ቅድመ- መመልከቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ቪዛ ምስ ተረጋገጸ፡ ቅብሊት ይመጸኩም። መመልከቲኹም ንምውዳእ፡ ድሕሪኡ ኣሰር ኣጻብዕ ክትህቡን ንቪዛ ክትከፍልን ቆጸራ ክትሕዙን ኣለኩም።

ምፍላጡ ዘገድስ እቲ ኣገባብ ከከም ሃገር ዝተፈላለየ እዩ: ቆጸራ ንምሓዝ ዝግበር ምድላዋት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቪዛ ፈረንሳ ኣብ ገጽ ናይታ መመልከቲ ቪዛ ንምቕራብ ዝተመርጸት ሃገር ተገሊጹ ኣሎ። ኩሉ ደጋፊ ሰነዳትን ዝተመልአ፣ ዝተሓትመን ዝተፈረመን ናይ ቪዛ መመልከቲ ቅጥዒ (ንነፍሲ ወከፍ ኣመልካቲ 1 ቅጥዒ) ሒዝካ ኣብ ኣገልግሎት ቆንስላዊ ኣገልግሎት ፈረንሳ ብኣካል ክትቀርብ ኣለኩም።

እተደኣ እቲ ናይ ቪዛ መመልከቲ ብስድራኹም ምስ ቀረበ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ስድራቤታት ናይ ቪዛ ንኡስ ዳይረክቶሬት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ንኹነታት ሓዳርኩምን ስድራቤትኩምን ዝምልከት ቅጥዒ ክሰደልኩምን ብፖስታ ናብዚ ኣድራሻ ክትመልኡን ክትፍርሙን ክትምለሱን ይግባእ :ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ስደድዎ።

Ministère de l'IntérieurDirection générale des étrangers en FranceSous-direction des visas

Bureau des familles de réfugiés 11, rue de la Maison Blanche 44036 Nantes Cedex 1

ምስ እርቲ ዝመላእኩሞ ቅጥዒ , ብዙሓት ዶክሜንታትን

  • ኮፒ ናይ ክልቲኡ ገጽ titre de séjour ናትኩም መንበሪ ካርድ ወይ ኣብ መስርሕ ዘሎ ካርድ ሰጁኽ ከም ዘለኩም ዝሕብር ዶክሜንት (ወይ ዝኾነ aምንዋሕ ፍቓድ ዝሕግዙ ዶክሜንታት )
  • መረጋገጺ ናይቲ እትነብርሉ መንበሪ ቤት
  • ኩሎም ኩነታት "éléments de possession d'état”. እዚኦም እቶም ዘይወግዓውያን መርትዖታት እዮም፣ ግን ከኣ ነቲ ናይ ስድራቤት ምትእስሳር ዘርእዩ እዮም: ስእልታት: ዕላል መልእኽቲ: ታሪኽ ጻውዒት: ዝርዝር ህያባት: ቪድዮታት ስነ-ስርዓት: ዌስተርን ዩኒየን ገንዘብ ምልኣኽ ምስክር ወረቐት (ብስም እቲ ሰብ እንተዘይኮይኑ ኣብ ስሩዕ ወረቐት ምስክር ወረቐት ምግባር በቲ ተቐባሊ፡ እቲ ገንዘብ ተቐቢለዮ ብምባል፡ ንምንታይ ባዕሎም ከይዶም ክእክብዎ ከምዘይክእሉ ብምግላጽ፡ መንነት ሰነድ የለን፡ ናይ ምግዓዝ ተኽእሎ እንተዘይነይሩ...)
እቲ ቀጥዒ ካብ Bureau des familles de réfugiés, ምስ ተቐበልኩም መሊእኩም ክትሰድዎ ይግባእ ናይ (እቲ ዝተጠቕሰ ኣድራሻ) ምስ ቅኑዕ ኣድራሻኹም ምዃኑ ምርግጋጽ።

እምበኣርከስ ምዕባለ ናይቲ ቪዛ መመልከቲ ንምክትታል፡ ነዚ ቅጥዒ ብኢንተርነት ክትመልእዎ ትኽእሉ ኢኹም፡ https://france-visas.gouv.fr/web/france-visas/contact-demande-bfr

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ
ኣብ ኩሉ ስጉምትታት ብትኽክል ምኽታልን ነቲ እትሰድዎ ሓበሬታ ምርግጋጽን ኣገዳሲ እዩ፣ እንተዘይኮይኑ ሕቶ ናይ ምእባዩ ሓደጋ ከጋጥም ስለ ዝኽእል ።

እቲ ናይ ቪዛ መመልከቲ ኣብ ሃገር ዝምርኮስ ኮይኑ ነዊሕ ግዜ (ብውሑዱ 2 ወርሒ) ክወስድ ይኽእል። ሰነዳት ሲቪላዊ ኩነታት ምርግጋጽ ኣድላዪ እንተኾይኑ (ካብ 4 ክሳብ 8 ወርሒ) እቲ ናይ ግዜ ገደብ ክናዋሕ ይኽእል

ብድሕሪኡ’ከ ?

ቅድሚ ናብ ፈረንሳ ምምጽኦም ቤተሰብኩም ክትገብርዎ ዝግባእ

ኣስተውዕል እቲ ቪዛ ንኣባላት ስድራቤት እንተተዋሂቡ፡ ሽዑ ኣብ ሰነድ መገሻኦም ናይ ቪዛ vignette de visa ዝበሃል ስቲከር ተጣቢቑ ምህላዉ ፍለጡ።

ኣዝዩ ኣገዳሲሓበሬታ
ንመጓዓዝያ ዝምልከት ናይ ነፋሪት ትኬት ገዚእካ እንተበዝሐ ድሕሪ 3 ወርሒ ናይ ነዊሕ ጻንሖት ቪዛ ምስ ተዋህበ ናብ ፈረንሳ ክበጽሑ ይግባእ።

ስድራኹም ኣብ ፈረንሳ ምስ በጽሑ

ድሕሪኡ ስድራቤትኩም ድሕሪ ምምጻእካ እንተበዝሐ ድሕሪ 2 ወርሒ ናብቲ ፕረፈክቸር ብምኻድ ክምዝገቡን መንበሪ ፍቓድ ክሓቱን ኣለዎም። .
> A ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ረፉጂ ኣንፎ ተወከሱ : la fiche Réfugiés.info "Avoir une carte de séjour"

እቲ ቆንስል ወይ ኤምባሲ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንሕቶ ቪዛ ክነጽግ ይኽእል እዩ፤

  • እቲ ቆንስል ወይ ኤምባሲ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንሕቶ ቪዛ ክነጽግ ይኽእል እዩ፤
  • ንስኻ ወይ ስድራቤትካ ንናይ ስድራቤት ምጥርናፍ ረቛሒታት እንተዘይተማሊእካ፤
  • እቲ ስድራቤታዊ ዝምድና ክረጋገጽ እንተዘይክኢሉ፤
    ምምጻእ ስድራቤትካ ንህዝባዊ ስርዓት ሓደጋ ዘስዕብ እንተኾይኑ፤
  • ኣብ ፈረንሳ ንኣገደስቲ መትከላት ህይወት ስድራቤት እንተዘይኣኽቢርካዮም (ንኣብነት ምኽልካል ብዙሓት ኣንስቲ)።

ጠለብ ቪዛኹም እንተተነጺጉ

  1. ኣብ ውሽጢ 1 ወርሒ ብፖስታ ናብዚ ኣድራሻ ይግባይ ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም፤ ናብ ዝስዕብ ኣድራሻ ስደዱCommission de recours contre les décisions de refus de visa d’entrée en France
    BP 83.609 - 44036 Nantes Cedex 1
  2. እንተደኣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ 2 መልሲ ዘይረኺብኩም ናብቲ ኣብ ናንተ ዝርከብ une requête devant le Tribunal administratif de Nantes.ብደብዳቤ ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም :

    Tribunal Administratif de Nante 6 allée de l’Île-Gloriette BP 24111
    44041 Nantes Cedex 01
ምፍላጡ ዘገድስ
ይግባይ ንምባል ንምቕራብ ንኽሕግዘኩም፡ ናብ ጠበቓ ክትድውል ወይ ካብ ፍሉይ ማሕበር ሓገዝ ክትሓትት ይምከር ወይ እቲ ብ un conseiller juridique. ክትውከስዎ ንኽትክእሉ ይምከር። እንተደኣ እኹም ኣታዊ ዘይብልኩም ኴይንኩም ናይ ጠበቓ ሓገዝ ክትረኽቡ ምእንቲ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ናይ
> ረፉጂ ኣንፎ ተወከሱ e Réfugiés.info "Avoir une aide juridictionnelle"

22 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • claudia mምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • xavidumምምሕዳር
  • aman expertተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • nalothmanተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_93887086ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • alhindi nourተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • marina bondarenkoተርጓሚ/ሚት
  • hugo stéphanተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • anastasiaተርጓሚ/ሚት
  • relorefኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • utilisateur_13438143ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • medተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_711391ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ

Liens utiles