ኣብ CAF ናይ 3 ኣዋርሓዊ ደክለረሽን ን ምግባር

ኣብ CAF ናይ 3 ኣዋርሓዊ ደክለረሽን ን ምግባር

ብሕጽር ዝበለ፣
መጨርሽታ ጊዜ ምሕዳስ17 mai 2022

እንታይ ኢዩ?

ኣኣብ 3 ኣዋርሕ፣ ነፍሲወከፍ ሰብ ’AAH (ሓገዝ ናይ ስንኩላን ), le RSA (ማሕበራዊ ሓገዝ ) ወይ prime d’activité ወይ ተጠቕቃምነት ምንጪ ናይ ላካፍ CAF (ን ቤተሰባዊ ሓገዝ) ይረክብ።

i ኣገዳሲ ሓበሬታ :ኣብ ወብሳይትና ማለት : Réfugiés.info "S'inscrire à la CAF" ብምባል ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

እዚ መስርሕ እዚ ድማ "déclaration trimestrielle de ressources". ይበሃል። እቲ መሕተተ ናይ ነፍሲወከፍ፣ ወርሓዊ ኣታዊኹም ብምምላእ ፣ መስመር ዘሎ ሕቶታታ ክትምልስዎ ይግባእ። (ደሞዝኩም ፣ ናይ ሾማጅ፣ les indemnités chômage ሓገዝኩም ወዘተ ብምምላእ…). ብኸምዚ ኸኣ እዩ CAF ናይ ሰለስተ ወርሓዊ ኣሎኬሽን ወይ ምምቕራሕ ከባጽሓልኩም ዝኽእል ።

ንመን ኢዩ ፧

ቦታ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ዕድመ ይሓትት
ቀጻሊ ነገር 18 ዕድመ
ቦታ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ዕድመ ይሓትት
ቀጻሊ ነገር 18 ዕድመ

ብኸመይ ይኸውን

1

ናይ ካፍ CAF መስርሕ ንምጽባይ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3 ኣዋርሕ, እቲ CAF ሓደ ፎርሙላ ናይ ደክለረሽን ይሰአልኩም። እብ ኢንተርኔት ኣቲኹም ድማ፣ ኣብ ናይ CAF. ወብሳይት ትኸዱ

i ኣገዳሲ ሓበሬታ :እቲ ኣፕሊኬሽን ኣብ CAF smartphone.ስማርት ፎን እውን ይኸውን እዩ። ከከም ዓይነት ቴለፎንኩም ድማ ዳውን ሎድ ይግበር
> Lien de téléchargement App Store (Apple)
> Lien de téléchargement Play Store (Android)

እቲ ናይ ደኪለራሽን መስርሕ ኣብዚ ብምጥዋቕ ምጅማሩ ይከኣል Mon compte Caf.fr ኣብ ዝስዕብ ወርሒ፣ ዴክሌር ክግበር ኣለዎ።

ን ኣብነት : ን ዝስዕብ ወርሒ መጋቢት-ሚያዝያ-ግንቦት፣ ኣብ ወርሒ ሰነ እዩ ዴክሌር ዝግበር።

ተጠንቀቑ! ነዚ ንምግባር ውሱን ናይ ግዜ ደረት እዩ ዘለኩም።

2

ነቲ መሕተት ናይ ደክሌረሽን ምምላእ

እት ደክሌረሽን ኣብ ወረቐት እውን ክምላእ ይኽእል እዩ። ሰለስተ ሳጹናት ፣ ናይ ጋድምን ትኹልን ሕንጻጻት ኣሎ (ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣዋርሕ).

ከከም ኩነታትኩም። ኣብኡ ክትጽሕፍሉ ትኽእል።

  • እቲ ትኽኽለኛ ዓቐን ናይ ደሞዝኩም።
    እቲ ዋጋ “net à payer avant impôt” ዝብል መስመር ናይ fiche de paie (ኣብ ታሕታይ ክፋል ናይቲ ወረቐት )ዝርከብ ናይ ዝተኸፈልክሞ ወርሒ ዝሕብር ( እንተደኣ ወርሒ መጋቢት ደሞዝኩም ኣብ ሚያዝያ ተኸፊልኩም፣ ኣብ ሚያዝያ ምልእዎ ),
  • ብ Pôle Emploi ሾማጅ ትኽፈሉ ምስ ትኾኑ
  • ናይ ደቕኩም ቀለብ ትኽፈሉ እንተኴንኩም
  • ካብ “ካልእ ምንጪታት ”፣ ትኽፈሉ እንተኲንኩምን ካፍ ሓብሩ፣ ናይ ስታጅ ሓገዝ ይኽፈለኩም እንተሎ። ካብ ስራሕ መልቀቒ ክፍሊት እንተለኩም፣ ኣብ እዋን ሕርሲ ዘሎ ዕረፍቲ ደሞዝ ብ ኣሹራንስ ማላዲ ዝኽፈል ወዘተ ኩሉ ምልእዎ።

ከምኡ እውን ፣ ናይ ምሳኹም ዝነብሩ ሰባት ደሞዝ መለት፣ ናይ መጻምድኹም፣ ናይ ደቕኹምን ካልኦት ምሳኹም ዝነበሩ ሰባትን ደሞዝ ምልእዎ።

እንተደኣ ወላሓደ ኣታዊ ኣብቲ ውሱን እዋን ዘይብልኩም። ኣብቲ “absence de ressources” ዝብል ቦታ ኣብ ታሕቲ ። ዜሮ ምልእዎ።

i ምፍላጡ ኣገዳሲ! እዚ መስርሕ CAF ደክሌረሽን ኣብ ስማርት ፎንኩም smartphone ዝቐለለ እዩ።

ኩሉ ኣታዊኹም ጽሓፉ፣ ዝኾነ ኣይትረስዑ ! እንተኾነ ግን እቲ ብ ላካፍ CAF. ዝወሃበኩም፣ ተመሊስኩም ኣይትጽሓፍዎ።

ብድሕሪኡ ዝቅጽል

ገምጋም ናይ ላካፍ CAF ምጽባይ

ክከም ደክለረሽንኩም፣ እቲ CAF ኣብ ነፍሲወከፍ 3 ወርሒ፣ ብዝመላእኩሞ መሰረት፣ ወርሓዊ መቑነንኩም ክመልኣልኩም እዩ።

ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ምምላእ ቅጥዒ ናይ ካፍ CAF ናይ መረጋገጺ ኢመይል ክመጸኩም እዩ።

እንተደኣ ኣብ እዋን ደክለረሽን ዝኾነ ጌጋ ጌርኩም፣

ኣብ እዋን ደክሌሽን ዝኾነ ጌጋ ምስ እትገብሩ፣ ን CAF ብ ቐጥታ ሓብሩ

  • እንተደኣ እቲ ጌጋ ኣብ ውልቃዊ መግለጺ ምስ ዝኸውን (መጻምዲ፣ ቆልዑ፣ ,ገዛ ...)ወይ እውን ኣብ ናይ ሞያዊ ህይወት ምስ ዝኸውን ( ስራሕ፣ምርካብ ስራሕ ...) : je me connecte à Mon Compte ኣብ ዝብል ሸነኽ ፣ ነቲ > Déclarer un changement. ዝብል ብምጥዋቕ ኣርምዎ።
  • እንተድኣ እቲ ጌጋ ኣብ ሓበሬታ ናይ ኣታዊ ኮይኑ : je me connecte à Mon Compte > ኣኣብ ዝብል ክፋል ብምእታው Contacter ma Caf > ኣብ ዝብል ቦታ ብምጽሓፍ መልእኽቲ ስደዱ

እንተደኣ ንዕኡ ብዝተመልከተ ምስ ሰራሕተኛታት ናይ CAF ተራኺብኩም፣ እቲ ሓድሽ ኣገባብ ናይ ካልኩለሽን ብምግባር ሰልዲ ክወርደልኩም እዩ። a

i ኣጋዳሲ ሓበሬታ :ተጠንቀቑ : እንተደኣ CAF እንተደኣ ኮነ ኢልኩም ጌጋ ሓበሬታ ከም ዝሃብኩም ፈሊጡ፣ ክትቅጽዑ ትኽእሉ ኢኹም (ብተግጻን መጠንቀቕታትን፣ ወይ እውን ገንዘባዊ መቕጻዕቲ). ክኸውን ይኽእል።

እንተደኣ ደንጒኹም ዴክለ ጌርኩም

እንተደኣ ካብ እቲ ዝተዋህበ ናይ ግዜ ገድደብ ኣሕሊፍኩም። እቲ ሓገዝ ናይ ብጽሒትኩም ንግዚኡ ጠጠው የብል።እቲ ክፍሊት ድማ ኣብ ዝቕጽል ደክለረሽን ምስ ገበርኩም ክስዕብ እዩ።

ብዛዕባ ኩነታትኩምን ኣታዊኹምን ዝምልከት ለውጥታት ኣብ ምሕባር ኣይትደንጉዩ

ኩነታትት ናይ ቤተሰብኩም ምስ ዝልወጥ፣ ኣብ እቲ ዝግባእ ፣ ሳጹን ብምኻድ ሓበሬታ ምልኡዎ/ ኣብ “Mon Compte” ዝብል ቦታ ብምኻድ (ሓድሽ ስራሕ ፣ ምቕያር ኣድራሻ ፣ ምውላድ ሓድሽ ህጻን፣ መርዓ፣ ሓድሽቲ ነበርቲ እኝተድደኣ ኣለውኹም ወዘተ). ሓብሩ።

ኣገዳሲ ዝኾነ ሓቤሬታት ረኺብኩም ዶ ?
ኣምስግኖም ነቶም ንዓኻ ኣብርክቶ ዝገበሩ ኣብ ተሳትፍኦም
46 🙏
ኣበርከቲ ዓድም
12እዛ ገጽ ጹቡቅ ጌርካ ኣጽናዓያ መታን ን ሕቶታት ምምላጽስ ክትጠቅመካ
Proposé par
Comité de la Démarche Accessible

Comité de la Démarche Accessible