Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲዜጋታት ፈረንሳ, ስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት

ምግዛእ ናይ ቴምፕር ፊስካል ዝበሃል ቴምብር

ኣቐድዲሙ ዝነበረ 2 місяці тому

እንታዩ’ዩ ?

ምእንቲ ተጠቀምቲ ናይ ኣመንግስታዊ ምምሕዳር መሰላትኩም ተጠቀምቲ ንኽትኮኑ ፣ ዝኽፈል ቴምብር ንምርካብ ዘኽእል ክፍሊት ፣ ናይ ግብሪ: ወይ 'ሌዛምፖ' ከም ዝተኸፍለ፣ ናይ ምምሕዳር ነገራት ምስክር ሰነድ እዩ ። ከም'እውን፣ ገለ ኣገደስቲ ወግዓውያን ዶክሜንታት ንምሓዝ ከም እኒ (ታሴራ፣ ናይ ነዊሕ እዋን ቪዛ፣ ናይ መንበሪ ካርድ፣ ናይ ጉዕዞ ካርድ ወይ ፓስፖርት... ወዘተ ) ዝኣመሰሉ ነገራት ይጠቅም።

ኣብ ውሽጢ ፈረንሳ፣ ቴምብር ፊስካል ብፍላይ "dématérialisée" ብ ኢንተርኔት (= électronique)፣ ኣብ bureau de tabac.ተባሃሉ ዝፍለጥ ድኳን እዩ ዝግዛእ ።

ኣብ እቲ 'ደፓርትመንት ኦትሜኽ ' d’Outre-Mer, 'ስግር ባሕሪ ' ዝበሃል ክፋል ናይ ፈረንሳ ምምሕዳር፣ ወረቃታዊ ቴምብር ጌና ኣብ ዕዳጋ ይርከብ እዩ።.

ምፍላጡ ዘገድስ
እቲ እትገዝእዎ ቴምብር፣ ብመሰረት ኣገባባት ድማ ማሕተም ግብሪ ኣብቲ ፋይል ከተእትዎ ኣለካ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኩሎም ካልኦት ኣብቲ ፋይል ዘለዉ ሰነዳት ድሉዋት ምስ ዝኾኑ፡ ማሕተም ግብሪ ምግዛእ ይግባእ።
ምኽንያቱ ንኻልእ ኣገባባት ድማ ነቲ ዝተሓተተ ሰነድ ዘሎ ማሕተም ናይ ብግቡእ ከም ዝገዛእኩም ኣረግግጹ።

በዚ ክልተ ኣገባባት ክትገዝኡ ትኽእሉ ኢኹም

  • ብ ኢንተርነት ዝግዛእ ቴምፕር፣ ካብቲ ዝተገዝኣሉ ኣዋን፣ 12 ኣዋርሕ የገልግል
  • ካብ ዝተገዝኣሉ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ድማ ክምለስ ይከኣል እዩ።

ማሕተም ግብሪ ከም ካርዲ ን ሓደ ሰብ ጥራይ ዘገልግል ኣይኮነን። እዚ ማለት ማለት ስም ናይቲ ዝጥቀመሉ ሰብ የለን። እቲ ማሕተም ዝገዝእ ሰብ ካብቲ ዘድልዮ ሰብ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣገዳሲ!
ወግዓዊ ኣገባብ ንምግዛእ ማሕተም እንተድኣ ደሊኹም ብቐጥታ ናብ መርበብ ሓበሬታ www.timbre.justice.gouv.fr ኪዱ።

ከመይ ንገብሮ?

እቲ ቀዳማይ ደረጃ ክንደይ ዓይነት ቴምብራት ከም ዘሎን ዋግኡን ምፍላጥ እዩ

እቲ ዋጋ ናይ እቲ ቴምብር፣ ከከም ዓይነትን ፈላለ ኮይኑ ገለ እዋን ድማ፣ ሓደ ሓደ እዋን እውን ከከም ኩነታት ናይ ምኽፋል ዓቅሙም ይፈላለ እዩ።

ኣብዚ ኢንተርኔት ሳይት ብምኻድ ጠውቑ : timbres.impots.gouv.fr.:

ኣብቲ "Acheter un timbre électronique" ዝብል ምስ ጠወቕኩም "Débuter l’achat".ዝብል ጠውቁ

ብ ኣብነት "Titre pour étrangers".እንተደሊኹም

ካብኡ ,እትደልይውዎ ዓቐን ገንዘብ ብ መልክዕ ዩሮ ምፍላጥ

ኣብቲ "Valider" ዝብል "Ajouter au panier".እንተል ጠውቑ

ሓበሬታ እትቕበልልኩ ኣጋባብ ፍለጡ ፣ ን ቴምብርኩም ብ ኢመይል ወላስ ብ ኤስ ኦም ኤስ (email ou SMS). እትደልይዎ ምስ ሓበርኩም ተጸበዩ።

ኣገዳሲ!i ንምፍላጡ ዘገድስ :

እቲ ኤሌክትሮኒካዊ ማሕተም ግብሪ ብኽልተ ኤሌክትሮኒካዊ ቅርጺ ክለኣኽ ይኽእል፤
- ብኢመይል ዝለኣኽ ኮድ ዘለዎ ፒዲኤፍ ሰነድ። ኣስተውዕል፡ እቲ ኢመይል ኣብቲ ቀንዲ ሳጹን ፖስታኹም እንተዘይመጺኡ፡ ኣገዳሲ ስፓምካ ምፍታሽ ኣይትረስዕ።
-ሓደ ብ SMS ዝመጽእ ኮይኑ 16 ኣሃዝ ዘለዎ ቁጽርታት መለለዪ ኤስኤምኤስ (ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ኣብ ስልክኹም ዝመጽእ መልእኽቲ)። እዩ ዘሎ

ነዚ ንምግባር ድማ እዚ "Validez votre panier" ብ ካርድ ናይ ባንኪ ክፈሉ


ምፍላጡ ዘገድስ
እቲ timbres.impots.gouv eዝብል መርበብ ሓበሬታን ወግዓዊ ዜናን ኣብ እዋን ጸወታታት እትገብሮ ጉዕዞታት ዝምልከት ኩሉ ሓበሬታን ዜናን ይህብ።
ክትገዝእ ከለኻ፡ ነቲ ክፍሊት ንምርግጋጽ ካብ ባንክኻ ኣብቲ ናይ ባንክ መመልከቲ ወይ ብኤስኤምኤስ ናይ ምርግጋጽ ሕቶ ይመጸካ። demande d’authentification ይበሃል እቲ ካርድ ብ ናይ Paypal ወይ par carte American Express. ምኽፋል ኣይከኣልን እዩ

ብ ውሑስ ዝኾነ ኣገባብ ፣ነቲ ዝከፈልኩምሉ መረጋገጺ ዶክሜንት ዳውንሎድ ግበርዎ።

ናብቲ “Approved point of sale” ዝብል ኣርማ ዘርኢ ሸያጢ ትምባኾ (ሸያጢ ትምባኾ እውን ይበሃል) ኪድ ። ዝርዝር ናይቶም ፍቓድ ዘለዎም ሸየጥቲ ትምባኾ ርአ ።

ነቲ ሸያጢ ናይ ግብሪ ማሕተም ንኸውጽኡ ዕጥቂ ኣለዎም ድዩ ኢልካ ምሕታት ኣብ ግምት ኣእቱ።

ዋጋ ናይቲ ዘድልየካ ናይ ግብሪ ማሕተም ግለጽ።

ብ ናይ ባንኪ ካርድ ወይ ብጥረ ገንዘብ ክትከፍል።

እቲ ሸያጢ ነቲ ኤሌክትሮኒካዊ ማሕተም ግብሪ ምስ: ቁጽሪ ማሕተም ግብሪ፣ ቁጽሪ ትራንዛክሽን፣ መጠን ገንዘብን ዕለት ዕድጊን ክህበካ እዩ።

ነዚ ሰነድኩም ብጥንቃቐ ኣቐምጥዎ!

ምፍላጡ ዘገድስ!
እቲ ብ "timbre-amende" :ዝፍለጥ ቴምብር ኣኣይትግዝኡ ፣ ንሱ ከም ኩሉ ቴምብር ድኳና ትምባኾ እውን ይሽየጥ እዩ፣ ግን ካብቲ ናይ ግብሪ ማሕተም ዝተፈለየ እዩ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ብ ገለ ጌጋ እንተደኣ እቲ ብ ኦንላይን ዝገዛእኩሞ ቴምብር ዘይተጠቒምኩምሉ፣ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ካብ እዋን ምግዝኡ፣ ተመላሲ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ን ብ ኦን ላይን ዝገዛእኩሞ ቴምብር ተመላሲ ንምግባር እዚ መስርሕ ተጠቐሙ :

  • ኣብዚ ሳይት እዚ ጠውቑ https://timbres.impots.gouv.fr.
  • ነቲ “Demander le remboursement d’un timbre électronique”/ ወይ ድማ ”accéder au remboursement”.ዝብል ጠውዑቑ
  • ብምቕጻል ነቲ un usager”. ዝብል ጠውቑPoursuivre"
  • እንተደኣ ኣብ መስመር ገዚእኩሞ ኔርኩም “en ligne”. ዝብል ጠውቑ
  • ሽዑ ኣብቲ “numéro du timbre”,ዝብል ድማ 16 ቁጽርታታ፣ ጸሓፍዎ.እንተደኣ ኣብ ቴለፎንኩም ብ PDF ወይ እውን SMS ተቐቢልኩሞ ድማ ኣብቲ ''identifiant '' ክትረኽብዎ ኢኹም።
  • ኣብ ኦን ላይን “référence de la transaction”, ኣብ ዝብል ድማ፣ እቲ ከም ዝኸፈልኩም ዝሕብር ኢመይል ኣብ ዝሰደድናልኩም መረጋገጺ ክትረኽብዎ ኢኹም፣ ኣብ ታሕቲ ክፋል ናይቲ ዶኩመንት ኣለኩም።
  • ኣብቲ “Rechercher”ዝብል ጠውዑ፣ እንተደኣ ተመላሲ ክትገብርዎ እትደለዩ ኴንኩም ዝጥይቕ ሓበሬታ ክመጸኩም እዩ፣ “confirmer” ዝብል ጠውዑ።
  • ነቲ መጸኩም መረጋገጺ ፣ ዳውንሎድ ግበርዎ፣ “télécharger le justificatif (PDF)”. ሽዑ ድማ እዩ ብዛዕባ ፣ ምምላስ ክትሕተቱ ኢኹም።
  • ብገለ መዓልታት ተጸበዩ፣ ብድሕሪኡ ን ባንክ ሕሳብኩም ተመልከቱ፣ (እቲ ቴምብር ንምግዛእ ዝተጠቐምኩምሉ)እቲ ተመላስነት ድማ በዚ መስርሕ ይፍጸም።.

ምፍላጡ ዘገድስ!
እቲ ናይ ግብሪ ማሕተም ንምዕዳግ ዝተጠቕመሉ ሕሳብ ነቲ ናይ ምምላስ ሕቶ ተቐባልነት ንኽረክብ ክፉት ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ኣካውንት ዓጽኻዮ እንተኾንካ ነዚ ቅጥዒ ብፖስታ መሊእካ ክትሰድዶ ኣለኩም ce formulaire

እንተደኣ ብ ዝኾነ ምኽንያት እቲ ዝገዛእኩሞ ቴምብር ዘይተጠቒምኩምሉ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ካብ እቲ መግዝኢኡ እዋን ክምለሰኩም ይኽእል እዩ።

ኣገዳሲ!ኣገዳሲ ሓበሬታ :

ነዚቲ ቴምብር ተመላሲ ንምግባር RIB (ናይ ባንኹም የድልየኩም) ከምኡ እውን ተሴራኹም ምስ እቲ ናይ ባንኪ ሕሳብኩም ሓደ ዝኾነ ሓበሬታ ክህልዎ ይግባእ።

እቲ ተመላስነቱ ድማ ኣብ ተጠራቓሚ ሓሳብ ማለት ( ሊቭረ ኣlivret A, un livret Jeunes,ናይ ንኣሽቱ ሕሳብ ወዘተ ኽከውን ይኽእል ).

ብ ኦልናይን ጠለብ ናይ ተመላሽነት ንምርካብ :

  • ኣብዚ ሊንክ ኺዱe https://timbres.impots.gouv.fr.
  • ኣብዚ “Demander le remboursement d’un timbre électronique”/” ወይ እውን accéder au remboursement”. ዝብል ጠውዑ
  • ኣብ ኣቲ ምድብ ናይ “un usager”.ዘሎ"Poursuivre".
  • እንተደኣ ኣብ ሓደ ናይ bureau de tabac ዓዲግኩሞ ኔርኩም ፣ ኣብቲ “auprès d’un professionnel délivrant des timbres électroniques”.ዝብል ተውቑ"OK".
  • ብዛዕባ ሪብን ፣ ታሴታኹምን ዘሎ ዝርዝራት ምስ ኣረጋገጽኩም ፣ ኣብቲ “OK”.ዝብል ጠውቑ
  • ኣብቲ “timbre 1”ከብቲ ኣብ ቴምብርኩም ዘሎ ዝብል መስመር ዘሎ (ou identifiant) ወይ 16 ቁጽርታት ጸሓፉ
  • ኣብቲ “Montant du timbre”, ዝብ ድማ፣ እቲ ክልመሰልኩም ዝግበኦ ዓቐን ገንዘብ ተእትውሉ።
  • ኣብቲ “Transaction associée”ቁጽሪ ናይ ቲኬትኩም ትጽሕፍሉ (ligne “N° transaction”).
  • እንተድደኣ ካልእ ቴምብር ገዚእኩም ኔርኩም "ajouter un timbre” ዝብል ብምውሳኽ ፣ ኩሉ ናይቲ ካልእ ቴምብር ዝትርዝራት ኣብኡ ኣእትውሉ።

ብድሕሪኡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ሰነዳት እቲ እኳ ዳውንሎድ ዝገበርኩሞ ይሓተኩም እዩ

  • ቲ እንተርኔት ሳይት ጌክኩም ፣ መምለሲ መስመር ክፈቱ .ኣብቲ “relevé d’identité bancaire au nom du demandeur”, ዝብል መስመር ነቲ “choisissez un fichier” ዝብል ብጥዋቕ ነቲ ምስ ናትኩም ዝሰባማምዕ RIB (ዝርዝራት ናይ ባንክ ኣረጋግጹ).
  • ነቲ “pièce d’identité”. ዝብል ጠውቑ ፣ እቲ ብዛዕባኹም ዘድሊ ዝርዝራት ምልእዎ።
  • ኩሉ ነገራት ናይ መንነት ። ከም እኒ፣ ስም / pስብ ኣቦ / ኣድራሻ / ኮድ ፖስታል/ እመንበሪ ቦታ / ሃገር / ቁጽሪ ቴለፎን / ኣኢመይል ኣድራሻl) / (ንምርግጋጽ ኢመይልኩም ምእታው ). ኣረጋግጹ
  • ኣቲ ኣብ ናይ ባንክ ሓበሬታ ዘሎ IBAN (ናይ ሪብኩም ጸሓፍዎ RIB) ስምኩምን ስም ኣቦኹምን ። ከም ኣብቲ ሕሳብኩም ዘሎ።

ብድሕሪ እዚ እቲ መርበብ ሓበሬታ ነቲ ጽማቕ ምስ ዝርዝር ርክብካ፡ ክምለስ ዘለዎ ሓበሬታ ማሕተምን ዝለኣኽካዮ ሰነዳትን ምቕራብ ይግባእ

ምንጽጻርን ምጽራይን ድሕሪ ምግባር

እቲ ኹሉ ዝግባእ ሓበሬታታት ፣ ናይ ባንክ ሕሳብኩም ፣ ናይ ገዛኣ ርእስኹምን ናይ ቴምብርን፣ ክምለስ ዝድለ ዘሎ ሕሳብን ምስ መላእኩም

ንተድድኣ ኩሉ ጽቡቕ ሃልዩ “je déclare que tous les renseignements ci-dessus sont exacts”. ኣብ ዝብል ተውቑ

ኩሎም እቶም ዝተሓተትኩሞም ዝርዝራት፣ ንስኹም ምዃንኩም ንምርግጋጽ ዝዓለም እዩ ነዚ ኩሉ ምስ ገበርኩም “envoyer votre demande”. ብምጥዋቕ ምሕታትኩም ጭቡጥ ግበርዎ።

ኣብ ላዕሊ ገጽ

11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

a mugniera mugnierምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
yassin bazzaziyassin bazzaziተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
gitorogitoroተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት