ኣገደቲ ሓበሬታ
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ኩነታት
ኣበይ ?
ምሕባር ዓመታዊ ኣታዊኹም ን les impôts
እንታዩ’ዩ ?
እቲ impôts ወይ እቲ ብ መልክዕ ቀረጽ ዝኣቱ ኣታዊን ብ ሓደ ሓደ ገንዘባዊ ወጻኢታት ናይታ ሃገር ንምውዓል፣ ዝጠቅም ኣወሃልላ ገንዘብ እዩ። ብ ሓባር ድማ፣ ፣ ኣብ ትምህርታዊ መዓላ፣ ሆስፒታላት፣ ን ኣብ ስራሕ ዘየለዉ ሰባት መደጎሚ፣ ን ጥሮተኛታት መኽፈሊ፣ ን ሕክምናን ን ሓኻይምን ከምኡ ውን ን ናይ መንግስቲ ገዛውቲ መኽፈሊን ካልእን ይውዕል።
ኩሎም እብ ፍረንሳ ዝነብሩ ሰባት፣ ግብሪን ቀረጽን ክኸፍሉ ይኽእል ፣ እቲ
መጠን ድማ ከከ ምኣታዊኦም ዝተመጠነ እዩ። (ደመዞምን ካልእ ክፍሊታትን,...).
- ግብሪ፣ ብሓደ ወይ ብናይ ግብሪ ስድራቤት (ሓያሎ ብሓባር ዝነብሩን ሰባት፡ንኣብነት ከም ስድራቤት ወይ በዓል ሓዳር ወይ PACS መጻምድቲ) ባሓባር ይኽፈልዎ ዓመታዊ ክፍሊት እዩ።
- ግብሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ገዛ “ግብሪ ዝኽፈል” እዩ።
- ግብሪ፣ ክኸውሉ ዘይግብኦም ሰብ ወይ ስድራቤት “ግብሪ ዘይክፈሎ” (ትሑት እቶት ወይ ፍሉይ ኩነታት) ኣሎ እዩ።
ካብ 2019 ንደሓር ሌዛምፖ ምኽፋል ናይ ግብሪ ፣ ብቀጥታ ስለ ዝወስዶ፣ ኣብ ናይ ደክሌረሽን ምምላእ ኣየድሊን እዩ። እንተኾነ ግን ነብስወከፍ ዓመት ምምላእ ናይ ዲክለረሽን ዘይምርሳዕ።
ከመይ ንገብሮ?
ኣታዊ ብምፍላጥ ዝግብእ ግብሪ (ብምምሕዳራዊ ኣጸዋውዓ fiscale, ወይ fisc) ብምባል ይጽውዑ እዮም ምኽፋል የኽእለኩም። እቲ መስርሕ፣ "déclarer"ይበሃል። " ምሕባር ወይ ደክሌር ምግባር" ኩሉ ኣታዊ ናይታ ዓመት እቲኣ፣ ምምዝጋብን ኩናታትኩም ምሕባርን
> እንተደኣ መርዓ ዘይፈጸምኩም ሕጹያት ወይ ፍቑራት (እሞ እንተደኣ ብሓንሳብ ብዘይመርዓ ወይ ፓክሰ ዝበሃል ውዕል ከይገበርኩም እትነብሩ ) ኴይንኩም፣, ነናትኩም 2 ዝነተፈላየ አክላርሽን ይግባእ
> እንተደኣ ምርዕዋት ወይ ብሓባር ዝነበሩ ምርዑዋትን ፍቑራትን፣ ቆልዑ እንተለውኹም፣ ከምኡውን ምሕባርን ፣ ኣታዊኹም ብሓንሳብ ዴክሌር ምግባርን ይግበኣኩም፣ እዚ ተግባር እዚ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ይፍጸም።
i ኣገዳሲ ሓበሬታ :
- s séparées.
እንተደኣ ውሉዳት (ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፣) ምስ ስድርኦም ዘይነብሩ፣ ግን ከኣ ምስ ስድርኡ ደክሌር ፣ ወይ ኣታዊኡ ንኸፍልጥ ክፍቀዶ ይኽእል። እቶም ምስ ስድርኦም ዝነብሩ ቆልዑ፣ ክሳብ 25 ዓመቶም ምስ ስድርኦም ኣታዊኦም ከፍልጡ ይኽእሉ እዮም።
እቲ: ምሕባር ወይ ደክሌር ምግባር ዓመታዊ ክግበር ኣለዎ
- ኣብ ኣብ እዋን ጽድያ ማለት ኣብ መንጎ ወርሓት ሚያዝያን ሰነን ዘሎ እዋን ኢኹም ዴክለር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣታዊኹም (ዝተጠናቐቐ ዓመት ምሉእ ). ብምግባር ኢኹም ኳልክለሽን ወይ ዝቕመር።
- ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ መንጎ ወርሓት j ሓምለ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ""avis d’impôt" " ዝበሃል፣ ስላዕ ናይ ገምጋም " "régularisation" :: እትኸፍልዎ ይንገረኩም እንተደኣ ድሮ ከፊልኩም ኲይንኩም ድማ (ብቐጥታ እንተተወሲዱ) እውን ክሕበር እዩ። እንተደኣ ብዙሕ ከፊልኩም ድማ ፣ ሕሳብኩም ተመላሲ ይኸውን።
ኣገዳሲ ሓበሬታ!
ኣገዳሲ ሓበሬታ!
መስርሕ ምውጻእን ምምላስን ካብ ናይ ባንክ ሕሳብ ኣውቶማቲክ እዩ፣ ዝኾነ ነገር ክትገብር ኣየድልየካን እዩ።
እቲ ሰነድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብፖስታ ትረኽቦ።
ድሕሪኡ እቲ ኣዋጅ ብኢንተርነት ክግበር ኣለዎ።
ምስ እትደልዩ ፣ ኣብ ገዛኻ ኢንተርነት እንተዘይብልካ ወይ ድማ ምስ ኢንተርነት ዝተኣሳሰረት ኮምፒተር ዘለዎ ቦታ ክትከይድ ምስ ዘይትኽእል ጥራይ ኢኻ ነቲ ኣዋጅ ክትመልኦን ብወረቐት ክትሰዶን ተኽእሎ ዘለካ።
እንተደኣ ብ ወረቐት ደክለር ምግባር ፈለማኹም ኮይኑ ደክለረሽን ኣብ ወረቐት ክትገብርዎ ትኽልዎ ኢኹም
ብፖስታ ናይ ወረቐት ምምላስ እንተዘይተቐቢልኩም፡ ነቲ ናይ 2022 ግብሪ ምምላስ ቅጥዒ 2022 ici. ኣብዚ ዳውንሎድ ከተውርድዎ ትኽእሉ ኢኹም ።
- ነታ “vous déposez une déclaration pour la première fois” እዝብል
- ዝርዝር ሓበሬታኻ ኣብ ገጽ 1 ምልኣዮ
- ኩነታት ስድራቤትካን ቆልዑ እንተሃልዮምኻን ዓመት ልደት ምስ ስሞምን ቀዳማይ ኣስማቶምን ኣብ ገጽ 2 ግለጽ
- እንተደኣ ኣብ 2022 ኣታዊ እንተሃልዩካ (ደሞዝ፡ ኣበል ወዘተ)፡ እቲ መጠን ገንዘብ ኣብ ገጽ 3 ጽሓፎ፡ ዋላ ሓንቲ እንተዘይተቐቢልካ ዋላ ሓንቲ ኣይትጽሓፍ።
እንተደኣ ፈለማኹም ኮይኑ ብ ኢንተርኔት ደክሌር ምግባር : ነዚ ዝስዕብ ተኸተሉ
ፈለማ መጀመርታ ኣብ ቆጸራ ወይ ብፖስታ ካብ ማእከል ህዝባዊ ፋይናንስ à votre centre des Finances publiques. “ቁጽሪ ግብሪ” ብምጥቃቕ ነቲ መለለዪ ቁጽርኹም ምልኡ ።
- እዚ ሓበሬታ ክትህቡ ኣለኩም፤.
- Vous devez communiquer ces informations :
- ምሉእ ስም፣ኣድራሻ ፣ ኢመይል
- ቅዳሕ ናይ መለለዪ ካርድኹም ወይ ታሴራኹም ማለት (récépissé ወይ ከርድ ዘይወደቀ) - መንነትካ ምስተረጋገጸ፡ እቲ ምምሕዳር ኣብ impots.gouv.fr ቁጽሪ ግብሪኻን ዕለት ልደትካን ሒዝካ ናይ ብሕቲ ቦታኻ ክትፈጥር ከም እትኽእል ዝሕብር ኢመይል ይሰደልካ
- ብድሕሪኡ ኢመይልካ ጽሒፍካ ፓስዎርድ ክትመርጽ ኣለካ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ውሽጢ 8 ሰዓታት፡ ናይ ብሕቲ ቦታኻ ንምንቅስቓስ ክትጥውቖ ዘለካ መላግቦ ዝሓዘ ኢመይል ክመጸካ እዩ።
ኣብ impots.gouv.fr ኣብ ውልቃዊ ቦታኹም ኣቲኹም “z sur “Déclarer mes revenus” ዝብል ጠውቑ :
- ነቲ “vous déposez une déclaration pour la première fois” ኣብ ዝብል ጠውቑ
- ዝርዝር ሓበሬታኻ ኣብ ገጽ 1 ምልኣዮ
- ኩነታት ስድራቤትካን ቆልዑ እንተሃልዮምኻን፡ ዓመት ልደት ምስ ቀዳማይን መወዳእታን ስሞም ኣብ ገጽ 2 ግለጽ
- እንተድደኣ ኣብ 2022 ኣታዊ እንተሃልዩካ (ደሞዝ፡ ሓገዝ ወዘተ)፡ እቲ መጠን ገንዘብ ኣብ ገጽ 3 ጽሓፎ፡ ዋላ ሓንቲ እንተዘይተቐቢልካ ዋላ ሓንቲ ኣይትጽሓፍ።
ኣድራሻኻ ንምምኽናይ ፣ ከከም ኩነታትካ ደጋፊ ሰነዳት ክትሰድድ ኣለካ
ተኻራያይ እንተኾይንካ፡ ቅዳሕ ናይቲ ናይ ክራይ ውዕልን ናይ ክራይ ቅብሊትን (ካብ ዋና ክሕተት ዘለዎ) ናይ ኣዋርሕ ታሕሳስ 2022ን ጥሪ 2023ን ስደድ።
- ተኻራያይ እንተኾይንካ፡ ቅዳሕ ናይቲ ናይ ክራይ ውዕልን ናይ ክራይ ቅብሊትን (ካብ ዋና ክሕተት ዘለዎ) ናይ ኣዋርሕ ታሕሳስ 2022ን ጥሪ 2023ን ስደድ።
- ናይ መንበሪ ኣድራሻ እንተሃልዩኩም ንዓመተ 2022 ክሳብ ሎሚ ዝሽፍን ናይ መንበሪ ምስክር ወረቐት ስደዱ።
- ምስ ሓደ ሰብ ትሓድር እንተኾንካ፡ ነቲ ሰብ ነቲ ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምስክር ወረቐት ክመልእን ቅዳሕ ናይ መንነቱ ወረቐትን ቅዳሕ ናይቲ ናይ ክራይ ውዕሉ ወይ ናይ ዋንነት ውዕል ክህበካን ክትሓቶ ኣለካ።
ምሕደራዊ ስድራቤታውን ኩነታትካ ንምፍታሽ ፡ ቅዳሕ ናይ መንበሪ ፍቓድካ፡ ናይ መጻምድትኻን ቅዳሕ ናይቲ ናይ ስድራቤት መዝገብ መዝገብእንተሃልዩካ ከተተሓሕዞ ኣለካ።በዓል መዚ ግብሪ ኣብ 1 ጥሪ 2023 ኣድራሻኹም ክፈልጡ ኣለዎም።
Pour vérifier votre situation administrative et familiale, vous devez joindre la copie de votre carte de séjour, celle de votre conjoint et la copie du livret de famille si vous en avez un.
በዓል መዚ ግብሪ ኣብ 1 ጥሪ 2023 ኣድራሻኹም ክፈልጡ ኣለዎም።
እንተደኣ ድሮ ዲክለር ጌርኩም ኲይንኩም :
ቁጽሪ ግብሪኻ ወይ ናይ ፈረንሳ ምትእስሳር ሕሳብካ ተጠቒምካ ናብ impots.gouv.fr ክትራኸብን ነቲ ዝተሓተተ ሓበሬታ ክትመልኦን ትኽእል ኢኻ።
>> ንምንባብ: እቲ Refugees.info ዝብል ወረቐት ""Se connecter à un site avec France Connect"
እቲ ኣዋጅ ብሓፈሻ ድሮ ኣቐዲሙ ዝተመልአ እዩ፣ ማለት ኩባንያታት፣ ግዝያዊ ትካላት ስራሕ፣ Pôle emploi ወዘተ ድሮ ነቲ ሓበሬታ ብቐጥታ ናብ ክፍሊ ግብሪ ሰዲዶሞ ኣለዉ።
- ኩሉ ቅኑዕ እንተኾይኑ ኣረጋግጽ: ንሰራሕተኛታትን ግዝያውያን ሰራሕተኛታትን፡ ኣብ ታሕቲ ናይቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ (ዝዛዘመ ዓመት) ናይ ደሞዝ ወረቐት "ጽሩይ ግብሪ ዝኽፈል መጠን" ርአ።
- ከምኡ’ውን ሓበሬታ ኩነታት ሓዳርን ጽግዕተኛታት ቆልዑን መርምሩ።
- እቲ ምምሕዳር ዝረሰዐ ባእታታት እንተሃልዩ ወይ ጌጋታት እንተሃልዩ ዝጎደለ ሓበሬታ ምውሳኽ።
- ኩሉ ጽቡቕ እንተኾይኑ ክልተ ኣማራጺታት ኣለዉኻ፤
- ዋላ ሓንቲ ኣይትግበር እሞ ኣብ ሓጋይ ምልክታ ናይ ኣዋጅ ኩነታት ክትረክብ ተጸበ።
- መግለጺኻ ምልኣዮን ኣረጋግጾን ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ናይ ኣዋጅ ኩነታት ምልክታኻ ከተውርድ ትኽእል።
ደረት ግዜ ናይ ደክሌር ምግባር ወይ ምሕባር፣ ኣብ ወረቐትን ኣብ
ኢንተርኔትን ሓበሬታ ኣለኩም :
- ኣቲ ሓበሬታ ናይ ምስዳድ ውሱንን እዋን ካብ መንጎ ወርሒ፣ ግንቦትን
ፈለማ ሰነን እዩ።. - ኣብ ኢንተሬት ዘሎ ናይ ግዜ ደረት ይነውሕ፣ ስለዚ ኣብኡ ክትምልኡ ትኽእሉ ኢኹም.
ደንጉዩ ምእዋጅ ንኻልኦት ምምሕዳራዊ ስጉምትታት ከም ምጽራይ ጸዓት ወይ ናይ ህጻናት ቤት ትምህርቲ ሓገዝ ከደናጉዮ ይኽእል። ግብሪ ዝኽፈል እንተኾይኑ መቕጻዕቲ (ተወሳኺ ግብሪ) ክትከፍል እውን ሓደጋ ኣለካ።
ኣብ ኣድራሻኹም ንዝመጸ ። ኣገዳሲ ዶክሜንት ብ "avis d'imposition". ምምላእ ኣይትረስዑ
እንተደኣ ብ ኢንተርኔርት ፣ ወይ ኣውን ብ ደብዳቤ ዲክለር ጌርኩም ፣ ከከም እቲ ዝገበርኩሞ፣ ናቱ ዝሕብር መረጋገጺ ክስደደልኩም እዩ
ግብሪ ዝከፈልክሉ ወረቐት ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ ፣ ንካልእ ቤት ጽሕፈታት መታን ክጥቕመና ክንሕዞ ይግባእ ፣( Caf ካልኦት ቤት ጽሕፈታትን ) ናይ ግብሪ ወረቐት ኣብ ዝኸድናዮ ቤት ጽሕፈት ቀጻሊ ኢና ክንሕተት
እንተደኣ ዝያዳ ኸፊልኩም፣ cኣን ነፍሲ ወከፍ ወርሒ መዓስ ክንደይ ከፊልኩም ፣ ሌዛምፖ ይሕበርኩም እዩ። ብ ቐጥታ ካብ ደሞዝኩም። ዝኸፈልኩሞ ዓቐን እውን ይሕብር እዩ።
እንተደኣ ዝየዳ ከፊልኩም ኴይንኩም፣ ወይ ኣውን ክትከፍሊ ኣለኩም። ክሕበረኩም እዩ።
እቲ ስርዓተ ኣከፋፋል ፣ ካብ ሕሳብኩም ወይ ናብ ሕሳብክ ባንክኹም ብቐጥታ እዩ ዝኸውን ንስኹም እትገብርዎ ነገር የሎን።
Le.
እቶም ናይ ውልቂ ስራሕ ዘለዎም (ን ኣብነት ሰብ ውልቅ ስርሓት) ቀረጽ ካብ ኣታዊታቶም እዮም ዝኸፍሉ (ሕሳቦም ብዙሕ ሻዕ ክኸፍሉይኽእል) በብ ሰለስተ ወርሓዊ. እቲ ኣከፋፍላ ከከም ኣታዊኦም ዝተወሰነ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ስራሕቶም
ቀጻሊነት ዘለዎ ከይከውን ስለ ዝኽእል።
ከምኡውን እቲ versement libératoire de l'impôt sur le revenu. ዝበሃል ምርጫ ፣ኣሎ ንሱ ድማ ፣ እቲ ን ማሕበራዊ ኣስተዋጽኦ ኣብ ዝኸፍልሉ
እዋን ን ሌዛምፖ እውን ክኸፍሉ የኽእሎም።
ብድሕሪኡ’ከ ?
ዓመት ዓመት ዴክለረሽን ምግባርኩም ኣረጋጹ፣ እንተደኣ ኣብ እዞም ዝስዕቡ ለውጥታት ጌሮም እውን ፣ ሓብሩ
- ሓበሬታታ ናይ (ኣድራሻ፣ ኢመይል፣ ቁጽሪ ቴለፎንን RIB ናይ ባኪን )
- ናይ ቤተሰብ ኩነታት (መርዓ ou ወይ ፓክሰ PACS, ፍትሕ ወይ ወይ ምፍልላይ ካብ de PACS, ሞት ናይ መጻምዲ ወይ ውላድ ቆልዓ ወዘተ ምሕባር).
ኩሉ ኩነታ ን ኣታዊኹም ክጸልዎ ስለ ዝኽልእ
ኣብ ሕሳብኩም ክፈቱ espace particulier sur impots.gouv, ኣብቲ « Gérer mon prélèvement à la source » ዝብል « Signaler un changement »ጠውቁ.
መጠን ምቑራጽ ግብሪ፡ ብቐጥታ ካብ ደሞዝካ ዝውሰድ ሚእታዊት (%) ኣታዊኻ እዩ።
ብኣገልግሎት ግብሪ ብመሰረት ኩነታትካ ዝሕሰብ ኮይኑ ኣብ ፍሉይ ቦታኻ ኣብ e espace particulier sur impots.gouv.fr,
፣votre espace particulier sur impots.gouv.fr, ኣብቲ "Gérer mon prélèvement à la source" .
ብ2 ኣማራጺታት ክትቅይሮ ተኽእሎ ኣሎ፤
- ኣብ መንጎ እቶም 2 ሰባት ኣብ ሓደ ግብሪ ዝኽፈል ስድራቤት ዓቢ ፍልልይ ኣታዊ እንተሃልዩ፡ እቲ ናይ ምቑራጽ መጠን ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ ደረጃ (ንኽልቲኦም ሰባት ሓደ ዓይነት ደረጃ) ውልቃዊ ክኸውን ይኽእል (ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ)። እቲ ደረጃታት ብክፍሊ ግብሪ እዩ ዝሕሰብ።
- ሰራሕተኛ እንተኾንካን ንውልቃዊ መጠን ምጉዳልካ ንኣስራሒኻ ክትሕብር እንተዘይደሊኻን፡ "ገለልተኛ" ደረጃ (= ብሕታዊ ዘይኮነ) ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ክፍሊ ግብሪ ኣብ እዋን ምትዕርራይ ነቲ ፍልልይ ይሕስቦ።
ጽቡቕ ምፍላጥ!
Le service des impôts calcule ensuite la différence pendant la régularisation.
ብድሕሪኡ እቲ ኣገልግሎት ግብሪ ኣብ እዋን ስሩዕ ምግባር ነቲ ፍልልይ የስልጦ።
ናይ ደቢት ደረጃኻ ክትቅይር እንተዘይደሊኻ፡ ኣብቲ ፍሉይ ቦታኻ ዝኾነ ነገር ክትገብር ኣየድልየካን እዩ።
እቲ ኣገልግሎት ግብሪ ኣስሊዑ ብኣውቶማቲክ ክጥቀመሉ እዩ።
ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ናብ ኣገልግሎት ሓበሬታ ግብሪ ብስልኪ ቁጽሪ 0809 401 401 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።
ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 8፡30 a.m ክሳብ 19 p.m (ብዘይካ ህዝባዊ በዓላት)።
ቅድሚ ምድዋልኩም፡ ቁጽሪ ግብሪኹም ኣብ ጥቓኹም ውሰዱ። ፋይልካ ረኺቡ ንጹር መልሲ ክህበካ ክሕተት እዩ።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
24 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ