ምሕታት መንበሪገዛ ናይ መንግስቲ (HLM)
ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 2 ansማሕበራዊ ኣባይቲ፡ ትሑት እቶት ዘለዎም ኣባይቲ (HLM) ተባሂሉ’ውን ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ትሑት ወይ ማእከላይ እቶት ዘለዎም ሰባት ዝተሓዝአ ኮይኑ፡ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ንምርካብ ዝጽገሙ እዮም።
ማሕበራዊ ኣባይቲ ካብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ዝተሓተ (ዝሓሰረ) ክራይ ይህብ።
ማሕበራዊ ኣባይቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሕቶኻ፡ ዓይነት መንበሪን ከተማን ይምርኮስ። ንኣብነት ኣብ Île-de-France (ፓሪስን ከባቢኣን ክፍልታት) ማሕበራዊ ኣባይቲ ንምርካብ ዝወስዶ ማእከላይ ግዜ 7 ዓመት ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ፈረንሳ ብማእከላይ ገምጋም 2 ዓመትን ፈረቓን እዩ።
ኣዝዩ ኣገዳሲ!
ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ማሕበራዊ ኣባይቲ ምርካብ ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ክኸውን ይኽእል።
ከምኡ’ውን ገለ ምኽንያታት ንሕቶኻ ቀዳምነት ክህብዎ ይኽእሉ እዮም: ንኣብነት ገዛ ዘይብልካ እንተኾንካ: ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ እንተኾንካ ወይ ስንክልና እንተሃልዩካ።
ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ማሕበራዊ ኣባይቲ ምርካብ ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ክኸውን ይኽእል።
ከምኡ’ውን ገለ ምኽንያታት ንሕቶኻ ቀዳምነት ክህብዎ ይኽእሉ እዮም: ንኣብነት ገዛ ዘይብልካ እንተኾንካ: ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ እንተኾንካ ወይ ስንክልና እንተሃልዩካ።
እቲ ናይ ማሕበራዊ ኣባይቲ መመልከቲ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ድሕሪ እቲ ካብ OFPRA ዝመጸ መልሲ ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ተጠቃሚ ናይ ንኡስ ሓለዋ ወይ ተጠቃሚ ናይ ሃገር ኣልቦ ሰብ ደረጃ ዝህበካ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ሽመት ክትረክብን ብቕልጡፍ መንበሪ ገዛ ክትረክብን የኽእለካ።
Eኣብ ሓያሎ ከተማታትን ሓያሎ ክፍልታትን ሕቶ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንኽትመርጽ ንኽሕግዘካ፡ ብዝሒ ናይቶም ዘለዉ ማሕበራዊ ኣባይቲ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመደቡ ኣሃዱታት ኣባይቲ፡ ከምኡ’ውን ብዝሒ ናይ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ኣብ ምጽራይ ዝርከቡ መመልከቲታት ክትረክብ ናብዚ መርበብ ሓበሬታ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።ce site pou ንከተማ ፓሪስ፡ ወይ ሊዮን፡ ወይ ማርሴ እንተሓቲትካ፡ ሓንቲ ወይ ልዕሊኡ ኣውራጃታት ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ፡ ወይ ድማ ንብምልእታ ከተማ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ከመይ ንገብሮ?
ብድሕሪኡ’ከ ?
20 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ
a mugnierምምሕዳር
olga b.ተርጓሚ/ሚት
alinalተርጓሚ/ሚት
aman expertተርጓሚ/ሚት
utilisateur_20876292ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
diplosamተርጓሚ/ሚት
emyanamተርጓሚ/ሚት
alhindi nourተርጓሚ/ሚት
rohullah expertተርጓሚ/ሚት
utilisateur_93887086ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
nalothmanተርጓሚ/ሚት
noorተርጓሚ/ሚት
utilisateur_39243168ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
utilisateur_2134382ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
niknameተርጓሚ/ሚት
kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
marianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaተርጓሚ/ሚት
utilisateur_92556286ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ