ኣገደቲ ሓበሬታ
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ኣበይ ?
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወጻእተኛታት ኣብ ፈረንሳ ውልቃዊ ኣካውንት ምፍጣር ምኽኣል
እንታዩ’ዩ ?
እቲ Foreigners in France ዝብል መርበብ ሓበሬታ ንወጻእተኛታት ኣብ ፈረንሳ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ኣገባባት ብኢንተርነት ክትፍጽም የኽእለካ ። ውልቃዊ ኣካውንት ብምፍጣር፡ ምዕባለ ኣገባባትካ ኣብ ሓቀኛ ግዜ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።
ክሳብ ሕጂ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ክትወስዱ እትኽእሉ ስጉምትታት እነሆ፤
- ምስ መንበሪ ፍቓድ (VLS-TS) ዝመጣጠን ናይ ነዊሕ ፃንሒት ቪዛ ምፅዳቕ፤
- ናይ ስራሕ ፍቓድ ንምርካብ መመልከቲ፤
- “ተማሃራይ” መንበሪ ፍቓድ፤
- “ተውህቦ ፓስፖርት” መንበሪ ፍቓድ፤
- “በጻሒ” መንበሪ ፍቓድ፤
- “EU/EEA/Swiss citizen” ዝብል መንበሪ ፍቓድ ንደሞዝተኛታት፤
- ለውጢ ኩነታት (ኣድራሻ፣ ኩነታት ሓዳርን ኩነታት ስድራቤትን)፤
- መንበሪ ካርድኻ እንተጠፊኡ ወይ እንተተሰሪቑ ድፕሊኬት መንበሪ ፍቓድ ምሃብ፤
- ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝኸውን ናይ ዑደት ሰነድ (DCEM)፤
- ናይ መገሻ ሰነድ ንወጻእተኛታት (TVE)፤
- ናቹራላይዜሽን ማለት ምሕታት ዜግነት ...
ጽቡቕ ክትፈልጥ !
ኣብ ሓደ ካብዞም ኩነታት እንተሃሊኻ፡ ድሮ ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ኣካውንት ኣለካ ፤
- ድሮ ኣብ ውሽጢ ዓመት VLS-TS ብኢንተርነት ኣረጋጊጽካዮ ኣለኻ። መለለዪኻ ኣብቲ ብኢመይል ዝተላእከ ሰነድ "ምርግጋጽ ምጽዳቕ ምዝገባ VLS-TSካ" ዝተጠቕሰ "መወከሲ" እዩ።
- ድሮ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ብኢንተርነት መንበሪ ፍቓድ ኣመልኪትካ ኣለኻ። መለለዪኻ "ናይ ወጻኢ ቁጽርኻ" እዩ።
ኣብ ካልእ ኩነታት ድማ ሓድሽ ኣካውንት ክትፈጥር ኣለካ።
ናይ መጀመርታ መንበሪ ፍቓድ ንምሕታት ሓበሬታ ኣብ ፍረንች ኣንፎ ኣለኩም Réfugiés.info
"Obtenir votre carte de séjour" ብምባል ርኸብዎ ።
ከመይ ንገብሮ?
ኣብ ቴለፎን ወይ ኮምፒተር ናብ መርበብ ሓበሬታ Étrangers en France ብምእታው ኣብ ላዕሊ የማናይ ሸነኽ "Connect" ዝብል ጠውቕ።
ድሕሪኡ፡ ኣብ ታሕቲ ናይቲ ገጽ ዝርከብ "PREMIÈRE VISITE ? CRÉER VOTRE COMPTE",ዝብል ጠውቕ።
ጽቡቕ ክትፈልጥ !
እንተደኣ ኣብ French contact ሓሳብ ኣለኩም ኮይኑ (ን ኣብ ነት ናይ ለዛምፖ፣ ናይ ኣሹራንስ ማላዲ ን ናይ ካልእን )ንምስላጥ ኣብ ግብዚ ጠውቑ
> ንምንባብ ፡ እቲ Refugees.info
ኣካውንትካ ንምፍጣር፡ ከምዚ ዝስዕብ ክትጽሕፍ ኣለካ፤
- ናይ ወጻኢ ቁጽሪካ ወይ ቁጽሪ ቪዛኻ
ኣብቲ መንበሪ ካርድ ዘሎ ናይ ወጻኢ ቁጽሪ 10 ኣሃዛት ኮይኑ ልዕሊ ፌርማኻ (ውልቃዊ ቁጽሪ) ወይ ኣብ ቀጥታዊ የማናይ ሸነኽ ይርከብ። ኣብቲ ቪዛ፡ ኣብ ላዕሊ የማናይ ሸነኽ ዝርከብ ቁጽሪ እዩ። ቁጽርኻ ኣበይ ከምዘሎ ስእልታት ንምፍታሽ፡ ኣብቲ ? ሰማያዊ ብየማን።
- ናይቲ ርእሰ-ማል፣ ቅብሊት፣ ወይ ቪዛ ስራሕ ዝጅምረሉ ዕለት ፤
- እቲ ሰነድ፣ ቅብሊት ወይ ቪዛ ዝወድአሉ መዓልቲ ፤
ኣብ መወዳእታ "Create an account" ዝብል ጠውቕ።
ጽቡቕ ክትፈልጥ !
: ናይ ወጻኢ ቁጽሪ ወይ ቪዛ እንተዘይብል en cliquant ici. ናይ ኢመይል ኣድራሻኻ ክትገልጽ ኣለካ። ምፍጣር ኣካውንትካ ንምርግጋጽ ኢመይል (ምስ ተጠቃሚ ስምን ግዝያዊ ምልክት ቃልን) ክመጸካ እዩ: ድሕሪኡ "Connect" ክትጥውቕ ኣለካ ድሕሪኡ ብሕታዊ ምልክት ቃልካ ክትመርጽ ኣለካ።
መንበሪ ፍቓድ ወይ ቅብሊት ናይ መንበሪ ፍቓድ መመልከቲ እንተሃልዩካ፡ ክትገብር ኣለካ፤
- ኢመይልካ ጽሓፍ
- ኢመይልካ ድሕሪ ምርግጋጽ "መሕለፊ ቃል" ምረጽ
ቪዛ እንተሃልዩካ :
- ኢመይልካ ጥራይ ጽሓፍ
- ሓደ ምምሕዳራዊ ወኪል ንሕቶኻ ምስ ኣሰላሰለ ውልቃዊ ኣካውንትካ ክረጋገጽ እዩ። ናይ ተጠቃሚ ስምካን ግዝያዊ ምልክት ቃልካን ዝሓዘ መልእኽቲ ክመጸካ እዩ።
ብድሕሪኡ’ከ ?
ናብ ውልቃዊ ኣካውንትካ ኣቲኻ ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ሸነኽ ናይቲ መበገሲ ገጽ ስምካ ጠውቕ እሞ "ACCESS MY ACCOUNT" ዝብል ጠውቕ።
ምዕባለ ናይቲ ሕቶኻ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ሓያሎ ክኾኑ ዝኽእሉ ኩነታት ኣለዉ፤
- ምቕራብ ሕቶ : ምቕራብ ሕቶኹም ኣብ ግምት ኣትዩ ኣሎ።
- ናይ ምጽባይ መስርሕ : ምምሕዳር ሕቶኹም ተቐቢልዎ ኣሎ፣ እቲ ጉዳይኩም ድማ ኣብ መስርሕ ይካየድ ኣሎ። ስለዚ ውሳኔ ካብ ምምሕዳር ምጽባይ ኣለኩም።
- ውሳነ ተዋሂቡ : ሕቶኻ ተሰሪሑ፣ ውሳነ ተዋሂቡ ኣሎ።
- ሰነድ ኣሎ : ምቹእ ውሳነ ምስ ዝህሉ ሰነድካ ክቐርብ እዩ (መንበሪ ፍቓድ፣ ናይ ዑደት ሰነድ ወዘተ)።
- ከከምቲ ዝተሓተተ ሰነድ፡ ወይ ብኢመይል ናብቲ ፕረፈክቸር ንኽትእክቦ ጻውዒት SMS ትቕበሉ
- ከከምቲ ዝተሓተተ ሰነድ፡ ወይ ብኢመይል ናብቲ ፕረፈክቸር ንኽትእክቦ ጻውዒት ይመጸካ፡ courriel ni de il faut vous connecte au site internet de votre préfecture de résidence
ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ቴክኒካዊ ጸገም እንተሃልዩካ (ገጽ ተዓጽዩ፡ ኣብ ሊንክ ክትጥውቕ ዘይከኣል፡ መልእኽቲ “ጌጋ” ወዘተ) ፡ ማእከል ርክብ ዜጋታት (CCC) ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፤
- ብስልኪ ቁጽሪ 0 806 001 620 (ናጻ ቁጽሪ)
- ወይ ድማ በቲ formulaire en ligne ናይ ኢንተርነት ቅጥዒ (ብመንገዲ "Contact" ኣብ ታሕቲ ጸጋም ወይ ኣብ ላዕሊ የማን "CONTACT US" ብምጥዋቕ)። ጸገምካ ብንጹር ክትገልጾን ስክሪን ሾት (ሳይት፡ ዕለትን ሰዓትን ዝረአ) ምስ ናይ ጌጋ መልእኽቲ እንተሃልዩካ ክትሰድድ ኣለካ።
CCC መፍትሒ ክህበካ እንተዘይተዓዊቱ፡ ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ ናይ ምጽናሕ መሰል ዘለዎም ወጻእተኛታት ዝተሓዝአ ዲጂታላዊ መቐበሊ ነጥቢ (e-MERAUDE) ንምሕታት ናብቲ እትነብረሉ ፕረፈክቸር ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
ፓስዎርድካ እንተረሲዕካዮ ንምምላስ፤
- ኣብ "Pasword ረሲዕካዮ?" depuis la page de connexion, ፣
- መለለዪኻ ግለጽ (ናይ ወጻኢ ቁጽሪካ ወይ ናይ ወጻኢ ቁጽሪ እንተዘይብልካ ኢመይልካ)።
ድሕሪኡ ሓድሽ ብሕታዊ ዝኾነ ምልክት ቃል ክትመርጽ ዘኽእለካ ናብ ኢመይልካ ዝወስድ መላግቦ ክመጸካ እዩ።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
10 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ