Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
ኣካላትብቅዓት = ክእለትመምርሒ ፍቓድ መኪና፣ ምሕላፍ ፈተና ምዝዋር መኪና ምልምማድን ብነጻ ምዝዋር

ምሕላፍ ፈተና ምዝዋር መኪና ምልምማድን ብነጻ ምዝዋር

Comité de la Démarche Accessibleኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a un mois

ፍቓድ B ክሳብ 3.5 ቶን ዝምዘንን ክሳብ 9 ሰባት ዝቕመጥን መኪና፡ ቫን ወይ ካምፐርቫን ንምዝዋር የኽእል።

125m3 ቀላል ሞተር ብሽክለታ ወይ ሰለስተ ጎማ ዘለዋ ስኩተር ክትዝውር እውን ይከኣል እዩ፡ ግን ዝተወሰነ ገደብ ኣለዎ።

ፍቓድ B ንምርካብ ክልተ ክፋላት ኣለዉዎ፤

- እቲ ፈለማ ክልሰ-ሓሳባዊ ፈተና (ኮድ ጽርግያ)

- እቲ ካልኣይ ግብራዊ ፈተና (ምዝዋር መኪና)።

ንኽትወስዶ ዕድሜኻ 17 ዓመትን ልዕሊኡን ክኸውን ኣለዎ፡ እንተኾነ ግን ካብ 15 ዓመት (ኣቐዲምካ ምዝዋር መኪና ምምሃር) ወይ 16 ዓመት (ክላሲክ ትምህርቲ) ጀሚርካ ነቲ ኮድ ክትምዝገብ ይከኣል እዩ።

ከም ናይ ብሕቲ ሕጹይ ፈተና ምውሳድ ማለት ብዘይ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ማለት እዩ: ነቲ ስልጠና ኣይትኸፍልን ኢኻ: ግን ባዕልኻ ክትዳሎ ኣለካ።


ክፍለጥ ዘለዎ !
ደገፍ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ክህልወካ እንተደሊኻ፡ እቲ "ፈተና ምዝዋር መኪናኻ ምስ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ምሕላፍ" ዝብል ወረቐት ነዚ ብኸመይ ከም እትገብሮ ይገልጽ።"Passer le permis de conduire avec une auto-école" explique comment faire.
ምፍላጡ ዘገድስ!
iምፍላጡ ኣገዳሲ!
እንተደኣ ኣብ ሃገርኩም ወይኣብ ካልእ ሃገር፣ነይ መምርሒ ፍቓድ ሃልይኩም። ክትቅይርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ብዘይ ፈተና፣ እኝተኾነ እዚ ንኹሉአን ሃገራት ኣይኮነን ዝምልከት፣ ነዚ ንምጽራይ ድማ ኣብዚ ኣቲኹም ተወከሱ dans cette fiche sur l’échange du permis de conduire.

ከመይ ንገብሮ?

ንምምዝጋብ ግድን፤

ግበኣኩም መዝገባን ፈተናን፣ ምድላዋትን ኣጻፍፉ (እቲ ዝግባእ ዕድሜ ምስ በጻሕኩም ) :

  • ወዲ 17 ዓመትን ልዕሊኡን ክኸውን (ወይ ንፍቓድ ብኣግኡ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና 15 ዓመት)
  • ናይ l’ASSR 2 ou de l’ASR si መለለዪ ምሓዝ ይግብኣኩም፣ ፣ እንተደኣ መምርሒ ፈቓድ ምውጻእ ፈለማኹም ኮይኑን ፣ እንተድኣ ድሕሪ 1988 ዝተወለድኩም ኴንኩም
  • ናይ ሕክምና ኩነታት ዝምስክር ወረቐት ክህልወኩም ይግባእ " ከከም እቲ ጠለብ ናይ መምርሒ" carte de séjour va እንተደኣ ኩነታት ናይ ሕማም ወይ ኣካል ጉድለት ሃልይኩም ኮይኑ፣ ንምርግጋጽ።
  • እንተደኣ ኣብ ኤውሮጳዊ ኴንኩም፣ምስ ውልቃዊ ወይ/ እንተላይ 6 ወርሒን ልዕሊኡን ዝከውን ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣብ ፈረንሳ ምህላው። ici.እንተደኣ ኣብ ኤውሮጳ ዘይኮንኩም፣

ክፍለጥ ዘለዎ ASR ( attestation de sécurité routière) ዝበሃል ሓደ ሓጸርቲን ቀለልቲን 20 ሕቶታታ ብሓፈሻ ኣፍልጦ ናይ ድሕነት ኣፍልጦኹም ዝሕብር፣ ሰርትፍኬት እዩ። መንእሰያት ተመሃሮ ናይ 3eme ንኽሓልፍዎ ግዴታ ስለ ዘለዎም፣ ምስ ሓለፍዎ ፣ ዝብል ሰርትፍኬት ይወሃቡ እዮም። ኣብ ፈረንሳ ኣብ 9ይ ክፍሊ ዝርከቡ ተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ ነዚ ደረጃ 2 ምስክር ወረቐት ድሕነት ጽርግያ (ASSR 2) ዝበሃል ፈተና ክወስዱ ኣለዎም።

ንፈተና ምዝዋር መኪና ንምኽፋልን ንምሕላፍን ዝተፈላለዩ ገንዘባዊ ሓገዛት ኣለዉ፣ ን፤

  • ካብ ደቂ 15 ዓመት፣ ከም ተመራርቲ ናይ ምዝዋር መጠን
  • ካብ ደቆ 18 ድማ ብስሩዕ ትምህርቲ
  • እንተደኣ ስራሕ ኣልቦ ሰባት፣
  • ከምኡውን ስንኩላን ሰባት።

ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ። ici.። ኣብ ጥቓኻ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከምዘሎ ንምፍላጥ ነዚ ስሚዩለተር ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻe simulateur

ምፍላጡ ዘገድስ፣ ድሮ ሰሪሕካ እንተኾንካ፡ ንኹሉ ምድባት ተሽከርከርቲ ናይ ምዝዋር ፈተናኻ (ክልሰ-ሓሳብን ምዝዋርን) ንምኽፋል ውልቃዊ ናይ ስልጠና ሕሳብካ (CPF) እውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።> ኣብ ምጥቃም ውልቃዊ ናይ ስልጠና ሕሳብካ (CPF) ኣብ Réfugiés.info ዝብል ናይ ሓቂ ወረቐት ኣንብብ

>ንዝያዳ ሓበሬታ Réfugiés.info Utiliser le compte personnel de formation (CPF)

ምሕላፍ ናይ ኮድ፣ ግዴታ እዩ። ምእንቲ ናይ ፈተና ምዝዋር ልምምድ ክትሓልፉ፣ ን 40 ዝተፈላለዩ ሕቶታት (ን ኣብነት ፣ : ናይ ኣተዓሻሽጋ ወይ ኣብ ፓርክ ኣገባብራ፣ ምልክታት፣ ኣብ መገዲ ከተለልዮም ዘኮካ ናይ ድሕነት ነገራት …). ወዘተ ዝምልከቱ ምስ ተሓተትኩም ፣ እኝተወሓደ ካብኦም 35 ዝኾኑ ክትምልሱ ይግበኣኩም ነቲ ፈተና ን ኽትሓልፉ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ !
ናይ ጽርግያ ኮድ ፈተና ምሕላፍ ምዝዋር መኪና ንምምሃርን ግብራዊ ናይ B ፍቓድ ፈተና ንምውሳድን ግዴታ እዩ።
  • ናብኡ ንምስታፍ ዘኽእለኩም ቦታ ንምግዛእ፣ code ኣብ እልናይን ወይ ኣብ auto-école ክትገዝኡ ኣለኩም፣
  • መብርሂ ሕግታትን ምልክታትን ዘለዎ ንእሽቶ መጽሓፍ ግዛእ ወይ ተለቃሕ
  • ሓደ ኣፕ ኣውርዱ
  • ድሉዋት ምስ ኮንኩም,፣ ፍተና ንምግባር ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹምr (ን ኣብነት : la chaîne YouTube Mon auto-école à la maison)።
ምፍላጡ ዘገድስ
ከምኡውን ብ ኢንተርኔት ኣብ le site de la sécurité routière ነዞም ዝስዕቡ 24 ሕቶታት መልሱ

እቲ ኮድ ምሕላፍ ይከኣል እዩ፤

  • ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ እንተኮይንኩም l'apprentissage anticipé de la conduite
  • እንተደኣ ካብ 16 ዓመት ኮይኑ ዕድሜኹም ነቲ ስሩዕ ኣካይዳ ይኺዱ

እዞም ሰነዳት ብዲጂታላዊ ስሪት (ስካን ወይ ስእሊ) የድልዮኩም፤

1. Document d’identité : passeport ou carte de séjour en cours de validité

1. ሰነድ መንነት: ሕጋዊ ፓስፖርት carte de séjour ወይ መንበሪ ፍቓድ

ኣየኖት ሰነዳት መንነት ተቐባልነት ከም ዘለዎም ንምፍላጥ ነዚ ce simulateur መፈተኒ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ትሕቲ ዕድመ (ትሕቲ 18 ዓመት) ወይ ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ሞግዚትነት ዘለዉ ሰባት እውን ቅዳሕ ናይቲ ሕጋዊ ወኪሎም (ወላዲ ወይ ኣላዪ) መንነት ሰነድ የድልዮም።

2. Justificatif de domicile dትሕቲ 6 ወርሒ ዝዕድሚኡ ኣድራሻ መረጋገጺ: ሕሳብ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝ: ሕሳብ ሞባይል ወዘተ።

> ንዝያዳ ሓበሬታ ናይ ስካን Scanner un document

3. Une e-photo ( photo signature numérique ዝበሃል ) ናይ ፍሉይ ናይ ፎቶ ኣሰእላ
>ንዝያዳ ሓበሬታ Réfugiés.info Faire et utiliser une e-photo

4. እንተደኣ ኣጋዳሲ ኮይኑ ናይ ሕክምነ ፍሉይ መርመራ እንተተደልዩ (formulaire cerfa n°14880)

ከከም ኩነታትኩም ካልኦት ሰነዳት ክድለዩ ከም ዝኽእሉ ኣስተውዕሉ፤

  • ድሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ተመዝጊብካ እንተኾንካ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ livret d’apprentissage
  • ናይ ካልእ ምድብ ፍቓድ እንተሃልዩካ ወይ ናይ ጽርግያ ኮድ ፈተና እንተዘይወሲድካ ቅዳሕ ናይ መዘወሪ ፍቓድካ catégorie
  • ፍቓድ መዘወሪ መኪና ናይ ምስራዝ፣ ምፍራስ ወይ ምቁራጽ ውሳነ...
ምፍላጡ ዘገድስ ኣብዚ መደብ ንምስታፍ ግድን ክህልውኹም ዘለዎም ፤
- ቁጽሪ ፋይል ፍቓድ እውን የድልየካ: እቲ ዝተሰማምዐ ቁጽሪ ምዝገባ ፕረፈክቸራል (NEPH).
ነቲ ሕቶ ባዕልኹም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ቲትረስ (ናይ ቀደም ANTS፡ ሃገራዊ ትካል ውሑስ ርእሰ-ማላት) ከተቕርቡ ኣለኩም።e sur le site France Titres ( ነቲ ሕቶ ባዕልኹም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ቲትረስ (ናይ ቀደም ANTS፡ ሃገራዊ ትካል ውሑስ ርእሰ-ማላት) ከተቕርቡ ኣለኩም።

ብተወሳኺ ምስ ናይ ፈረንሳኮኔክት ኣካውንትካ ናይ ምትእስሳር ኣማራጺ ኣለካ።
> ንዝያዳ ሓበሬታ Réfugiés.info Utiliser FranceConnect pour se connecter à un site internet

 ብድሕሪኡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝጸደቐ ማእከል መርመራ ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም፡ ኮድ ጽርግያ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም፤

ኩሉ ሓበሬታ: ዕለትን ቦታን: ኣብ መዓልቲ ፈተና ምሳኹም ክትወስዶም ዘለካ ደጋፊ ሰነዳት (ሰነድ መንነት: NEPH) ክትሕትም ብኢመይል ዕድመ ይመጸካ

እቲ ፈተና 30 ዩሮ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ኣብ ማእከል ፈተና ይኽፈል። እንተወዲቕካ፡ ነቲ ፈተና ዳግማይ ንምውሳእ ካልእ 30 ዩሮ ክትከፍል ኣለኩም።

ቋንቋ ፈረንሳ ጽቡቕ ጌርኩም ዘይትዛረቡ እንተኾይንኩም፡ ኣብ መዓልቲ ፈተና ንዝቐርቡ ሕቶታት ክትርጉሙ ብቋንቋ ዓደኹም ተርጓሚ ክትቆጽር ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣገልግሎት ክትከፍሉን ከምቲ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ሰርቲፊኬት ዘለዎ በዓል ሞያ ክትመርጹን ኣለኩም ici.
Direction départementale en charge des territoires (DDT ou DDTM) de votre département ዕለታትን ሰዓታትን ቦታታትን ፈተና ንምፍላጥ፡ ከምኡ’ውን ሒዝካ ክትመጽእ ዘለካ ሰነዳት ንምፍላጥ።

ብቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ክትድገፍ እንተደሊኻ፡ ንሳቶም፤ - ንፈተና ኮድ ጽርግያ ምድላው - መመልከቲ NEPH (ዝተሰማምዐ ቁጽሪ ምዝገባ ፕረፈክቸራል) - ኣብ ማእከል ፈተና ምዝገባ። > ነቲ Réfugiés.info ዝብል ናይ ሓቂ ወረቐት ኣንብብ፦ ናይ ምዝዋር መኪና ፈተናኻ ምስ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ምውሳድ o Passer le permis de conduire avec une auto-école
-

ከም ናጻ ሕጹይ መጠን፡ ትፈትዎ ሰብ ክትዳለዉ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ ምስኡ ዝኸይድ ሰብ ሓያሎ ቅድመ ኩነታት ከማልእ ኣለዎ፤

  • እንተወሓደ ን5 ዓመት ናይ B ፍቓድ ዝሓዙ
  • ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ፍቓድ መዘወሪ መኪናኻ ዝተሰረዘ ወይ ዘይተፈጸመé ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኦም ብምስራዝ ወይ ብምፍራስ እገዳ ዘይተገብረሎም
  • ምስቲ ምስኡ ዘሎ ናይ መራሒ መኪና ቻርተርé la charte de l’accompagnateur ፈሪሞም ኣለዉ።
  • ንመምርሒታት ድሕነት ብፍላይ ድማ ገደብ ፍጥነት ከም እትኽተል ኣረጋግጽ።

ናይቲ ዓጀብቲ መኪና መድሕን ዘለዋን እዞም ዝስዕቡ መሳርሒታት ክህልዋን ኣለዋ፤ ንተማሃራይ መራሒ መኪና: ውሽጣዊ ድሕሪት ዝርኢ መስትያት + ጸጋማይ ደጋዊ ጎኒ መስትያት + የማናይ ደጋዊ ጎኒ መስትያት

ነቲ ምስኡ ዝኸይድ መራሒ መኪና: ውሽጣዊ መስትያት ድሕሪት + የማናይ ደጋዊ ጎኒ መስትያት ወይ ተመጣጣኒ መስትያት ድሕሪት + ድርብ መቆጻጸሪ መሳርሒታት

ኣብ ድሕሪት መኪና ጀማሪ መራሒ መኪና ምዃንካ ንምርኣይ "A" (ተማሃራይ) ዝብል ፊደል ዘለዎ ዲስክ ኣሎ።

ናይ ተማሃራይ መጽሓፍካን ናይ ምዝዋር ፍቓድ ምዝገባ ምስክር ወረቐትካን (ምርመራ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ክቐርብ)።

ዝወሓደ ርሕቀት ወይ ቁጽሪ ሰዓታት ዝድለ የለን።ትምህርትኻ ክትምልእ እንተደሊኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ትምህርቲ ምዝዋር መኪና እውን ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

እንተደኣ ኣውቶማቲክ ትራንስሚሽን ዘለዋ መኪና ምዝዋር ትመሃር እንተኾንካ፡ ኣውቶማቲክ መካይን ጥራይ ክትዝውር ዘኽእለካ ፍሉይ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ማንዋል መካይን ክትዝውር እንተደሊኻ ተወሳኺ 7 ሰዓታት ስልጠና ክትውድእ ኣለኩም።

ድሕሪ ናይ ጽርግያ ኮድ ፈተና ምሕላፍን ምዝዋር መኪና ምስ ተማሃርካን፡ ናይ ምዝዋር ፈተናኻ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ድሕሪ ኮድ ጽርግያ እንተበዝሐ 5 ዓመት ክሓልፍ ኣለዎ።

1. መጀመርታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ Permisdeconduire.gouv.fr ኣካውንት ንፍጠር

ምስ ናይ ፈረንሳኮኔክት ኣካውንትካ ምትእስሳር እውን ይከኣል እዩ።
> Réfugiés.info ዝብል ወረቐት ኣንብብ ምስ መርበብ ሓበሬታ ንምትእስሳር FranceConnect ተጠቐ

ኣስተውዕሉ፣ ዝተሰማምዐ ፕረፈክቸራል ምዝገባ ቁፅርኹም (NEPH) የድልየኩም፣ ስጉምቲ 4 ርአዩ።

2. ግብራዊ ፈተና ምዝዋር መኪና ክትወስድ ቆጸራ ምሓዝ

3. ማእከል ፈተና፣ ዕለትን ሰዓትን ምምራጽ

4. ኣብ መዓልቲ ፈተና ዘሰንየካ ዘመድ ምእዋጅን ውልቃዊ ወይ ስድራቤታዊ ዝምድና ዝገልጽ ቃለ መሓላ ኣተሓሒዝካ ምጽሓፍን።

ብኢመይል ኩሉ እቲ... ሓበሬታ ንፈተና : ቦታ፣ ዕለት፣ ሰዓት፣ ዕድመ ንሕትመት።

ኣብ መዓልቲ ፈተና ምስ ደንቢ ዝሰማማዕ ድርብ መቆጻጸሪ ዘለዋ መኪና ክህልወካ ኣለዎ። እንተዘይብልካ ክትካረ እውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መዓልቲ መርመራ፡ ጻውዒትካ፡ ሰነድ መንነት ፡ ብእትፈትዎ ሰብ ዝተመልአን ዝተፈረመን ቻርተር ናይቲ ምስኡ ዝኸይድ ሰብ ናብ ተቖጻጻሪ ከተቕርቦ ኣለካ።

እቲ ፈተና ኣስታት 30 ደቓይቕ ይወስድ , ብውሑዱ 25 ደቓይቕ ምዝዋር።
ገለ ምልውዋጥ (ምዕቃብ መኪና፡ ምምላስ ወዘተ) ክትገብርን ገለ ሕቶታት ክትምልስን እውን ክትግደድ ኢኻ .
እቲ ተቖጻጻሪ ኣብ መኪና ምሳኻ ኮይኑ ካብ 31 ነጥቢ ነጥቢ ይህበካ።
ነቲ ፈተና ንምሕላፍ እንተወሓደ 20 ነጥቢ ክህልወካን ካብ ብቕዓት ናይ ምእላይ ጌጋታት ክትቁጠብን ኣለካ (ንኣብነት ቀጻሊ መስመር ምሕላፍ፡ ብጸጋም ምዝዋር፡ ምልክት ደው ምባል ዘይምኽባር ወዘተ)።

ዘይከም ሕጊ ጽርግያታት፡ ናይ ምዝዋር ፈተናኻ ብተርጓሚ ተዓጂብካ ክትወስድ ኣይከኣልን እዩ፡ ፈረንሳ ንዘይዛረቡ ሰባት ድማ ዝኾነ ዓይነት መንበሪ ኣይወሃብን እዩ። ስለዚ ነቲ ተቖጻጻሪ ብዝበለጸ ንምርዳእ ነቲ ልክዕ ቃላት ክትፈልጥ ኣለካ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ውጽኢትኩም ንብፍላጥ ኣብዚ ተውዑ les résultats en ligne sur le site de la Sécurité routière ጽባሕ እዩ ፈተና ዝገበርኩምሉ መዓልቲ ምፍላጥ ይከኣል እዩ ።

  • እንተደኣ እቲ ውጽኢት "insuffisant ዘየዕግብ" (ማለት ትሕቲ 20 ነጥብታ ወይ /ሓ ደዓቢ ጌጋ እንተጌርኩም ), መሊስኩም ግዜ ብምውሳድ ካላኣይ ሻዕ ፈትኑ
  • እንተደኣ t "favorable ተዓዊትኩም " (20 ብውሑድ ነጥብታት ብዘይ ዓቢ ጌጋ ሓሊፍኩም), እንተሓሊፍኩም ፣ እንቋዓነይ! ደውን ሎድ ግበርዎ ነቲ ምስክር ወረቐትኩም ናይ መምርሒ ፍቓድ (CEPC)

ዝከኣል እውን እዩ። demander une version papier du CEPC ናይ ምዝዋር ፈተና ከይወሰድካ ነቲ ኮድ ድሕሪ ምሕላፍካ ከተውርዶ እንተዘይክኢልካ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ!
ክፍለጥ ዘለዎ! ምስ ናይ ካድር መንነትኩም። እዚ ወረቐት ምስክር እዚ ን 4ኣዋርሕ ካብ እዋን መርመታ ከዘውረኩም ይክልእ እዩ

ኣብዚ እንተርኔት ሳይ እዚ sur le site de l’ANTS ብምኻድ pካርድ ንኽስርሓልኩም ሕተቱ፣ ኣብኡ ዘሎ መስርሕ ብምኽታል።

ምፍራይን ኣወሃህባን ፍቓድኩም ብኢንተርነት ክትከታተሉ ትኽእሉ ኢኹም።

> ፣ዝያዳ ሓበሬታ Réfugiés.info Demander la fabrication du permis de conduire ተወከሱ

11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

claudia mclaudia mምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachተርጓሚ/ሚት
nawal ghandournawal ghandourተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት