Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ንምትርጓም ግዳ ሓግዙና!

0 ድሮ ወለንተኛታት 0 ጽሑፍና ንምትርጓም ሓጊዞምና ኣለዉ። ንስኹም እውን ከምኦም፡ ብዝተኻእለ መጠን ሓበሬታ ንብዙሓት ሰባት ተበጻሒ ንምግባር ወለንታውያን ተርጎምቲ ክኑልና።

ክትርጉም ይኽእል ዶ?

ስደተኛ፡ ወይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ፡ ወይ’ውን ፈረንሳዊ ዜጋ፡ ኣብ ሓደ ማሕበር ወለንተኛ ዲኹም? ንምትርጓም ክትሕግዙና ምእንቲ ትኽእሉ ! ክማልኡ ዘለዎም ቅድመ ኩነታት እዞም ዝስዕቡ እዮም

ምልከት መበቆላዊ ቋንቋ

ዝኾነ መርትዖ ኣየድልን’ዩ፡ እንተኾነ ግን ብቋንቋ ትውልዲ፡ ዩክሬንኛ፡ ፋርስኛ/ዳሪ፡ ዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፓሽቶ፡ ሩስያ፡ ትግርኛ ጽሕፈት ኣዝዩ ጽቡቕ ክኸውንተመራጺ እዩ።

እንተወሓደ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ B1 ምዃን

ነቲ መበቆላዊ ጽሑፍ ንምርዳእን ነቲ መልእኽቲ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ጽቡቕ ጌርካ ምንባብን ምጽሓፍን ምኽኣል የድሊ።

እትጥቀመሉ ኮምፒተር ምህላው

ኣብ መዓላ ትርጉም ፕላትፎርምና ኣብ ምስ ኢንተርነት ዝተኣሳሰረት ኮምፒተር ጥራይ እዩ ዝረአ፣ ብስልክኹም ምርካብ ኣይትኽእልን ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ተርጐምቲ ኣብ:

ንሓደ ትሕዝቶ ንምትርጓም ዝውሰዱ ስጉምትታት እንታይ እዮም?

ኣስተውዕሉ፣ ትርጉም ናይ ሓደ ቅጥዒ ኣብ ኮምፒተር ጥራይ’ዩ ዝከኣል ።

1

Refugees.info ኣካውንትኩም ክፈቱ

ኢመይልን ፓስዎርድ ኣእትዉ፣ ነቲ ንትርጉም ክትጥቀመሉ ፕላትፎርም ድሉው ክኸውን እዩ።

ውልቃዊ ኣካውንተይ እፍልም
2

እትትርጉምዎ ቋንቋ ምረጹ

ቋንቋ ድሕሪ ምምራጽ፡ ንኹሎም ክትርጎም ዘለዎም ፋይላት ምርካብ ይከኣል። ኣብ ሓንቲ ካርድ ብምጥዋቕ ምትርጓም ጀምሩ።

3

ነቲ ፋይል ካብቲ ኣውቶማቲክ ፕሮፖዛል መቶርጎሚ ተርጉምዎ

ኣብቲ ፋይል ምስ በጻሕኩም፡ ቀዳማይ ትርጉም ክትረክቡ ኢኹም። ኣውቶማቲክ ምዃኑ ኣስተውዕሉ። ስለዚ ዳግማይ ክስራሕን ክእረምን ኣለዎ!

  • ፍሉይ ላህጃ ዘይብሉ ቀለልቲ ሓረጋት ተጠቐሙ
  • ንባህልን ምምሕዳርን ፈረንሳ ኣብ ግምት ብምእታው ፍሉያት ሓሳባት (ምስክርነት፡ ምሕዳስ ወዘተ) ዝግለጽ፡ ብቋንቋኹም ትርጉም እንተዘይሃልዩ ግን ኣገደስቲ ቃላት ከም ዘለዎ ሓዝዎ ወይ ኣብ ቅንፍ ወይ ብራኬት ኣእቲኹም ጸሓፍዎ።
  • ቃል ብቓል ምትርጓም ኣወግድ፣ ማሽን ትርጉም ከተዐርዮ ውን።
4

ክኢላታት ተርጎምቲ ንትርጉምኩም ብምርታዖ ብምግባር ከጽድቕዎ ክእርምዎን እዮም

ክኢላ ትርጉም፣ ንስራሕኩም ብኣተኩሮት ከንብቦ እዩ።

እቲ ብ ኣኹም ዝተተርጎመ ፋይል ኣብ መርበብ ሓበሬታ Réfugiés.info ን ኣብ ሞባይል ኣፕሊኬሽንን ምስ ተራእየ ብኡንብኡ ኢመይል ክመጸኩም እዩ።

እቲ ዝርጎርኩሞ ተዘርጊሑ 🎉

ብዝተርጎምካዮ ተሓበን ሼር ድማ ግበር!

ስም ስእል ናትኩም ኣብ ታሕቲ ዝርዝርካ ምስ ካልኦት ኣብ ምትርጓም ዝሓገዙ ኣበርከትቲ ክረአ እዩ።

ነቲ ሓበሬታ ንኣዕሩኽን ኣዝማድን ንምክፋሉ ድሕር ኣይትበል፡ ክጠቕሞም ይኽእል እዩ።

ን በይንኹም ኣይኮንኩምን

መሃርቲ ቪድዮታት

ኣብዚ ናይ ሓገዝ ማእከል፡ ፋይል ንምትርጓም ዝሕግዙ ቪድዮታትን ጽሑፋትን ምርካብ ይከኣል።

መዕለሊ ወይ ቻት

ሕተቱና፣ ንተገዳስነት እንምልሰልኩም ሰባት ኢና፣ ሕቶትታ ንምምላስ ነዕልል፣ ሮቦት ኣይኮንናን፣ ስለዚ ዝኸቡና! ነውግዕ

ዘይተመለሰ ሕቶ ኣለኩም ድዩ?

ብፍላት ንምትርም ዝኾነ መርትዖ ዘየድሊ እኳ እንተኾነ ፣ግን ነቲ ትትርጉመሉ ዘለኻ ቋንቋ ክትመልኮ ይምረጽ። ቋንቋ ኣዴኻ እንተዘይኮይኑ ተማሃራይ ቋንቋ ክትከውን ወይ ድሮ ኣብ ትርጉም ተመኩሮ ክህልወካ ይምከር። ነቲ መበቆላዊ ጽሑፍ ንምርዳእን ነቲ መልእኽቲ ንኸይጥምዝዞን ብፈረንሳ ጽቡቕ ጌርካ ምንባብን ምጽሓፍን እውን ምኽኣል የድሊ።

ከከም ቅልጣፈኹም ተርጉሙ ፣ ፍሉይ ቁጽሪ ፋይላት ምምላእ ኣይትሕተትን ኢኻ። ልዕሊ 10,000 ቃላት (ካብ 20 ክሳብ 30 ፋይላት) እንተ ጽሒፍኩም፡ ናይ ምትሕግጋዝ ትርጉም ምስክር ወረቐት ብምሃብ ተወፋይነትኩም ከነስፍሕ ንኽእል ኢና።

ብሓቂ፣ብማእከላይ ገምጋም ሓንቲ ካርድ 300 ቃላት ትቑጸር ኮይና፣ ብግምት 15 ክሳብ 30 ደቓይቕ ከም ዝወስድ ንግምት። ካልእ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣስተብህል፦ ሓረጋት ቀለልትን ምረጽ ላህጃ ኣይትጠቐም። ንባህልን ምምሕዳርን ፈረንሳ ዝምልከት ፍሉያት ሓሳባት (ምስክርነት፡ ምሕዳስ ወዘተ) ግለጽ፡ ብቋንቋኻ ትርጉም እንተዘይሃልዩ ግን ኣገደስቲ ቃላት ከም ዘለዎ ግደፍዎ ። ቃል ብቓል ምትርጓም ኣወግዱ ፣ ማሽን ትርጉም ከተዐርዮ ። ኣብ ትርጉም ፋይል ኣብ ዝኾነ እዋን ከተቋርጽዎ ትኽሉ ኢኹም። ደረጃ ምዕባለኻ ተመዝጊቡ ኣሎ፡ ድሮ ድማ ዓቢ ሓገዝ እዩ!

ናይ Refugees.info ናብ ሓድሽ ቋንቋ ምትርጓም ይከኣል’ዩ። እቲ ውሳነ ኣብቲ ሓድሽ ቋንቋ ክግደስ ዝኽእል ዜናን ድምጺ ሰባትን ይምርኮስ። ካልእ ቋንቋ ትዛረብ እንተኾንካን ትሕዝቶ ንማሕበረሰብካ ምእንቲ ተበጻሒ ንኽኸውን ክትትርጉም እንተደሊኻን ነዚ ቅጥዒ ምልኣዮ።

Refugees.info ናብ ሓድሽ ቋንቋ ምትርጓም ይከኣል እዩ። እቲ ውሳነ ኣብቲ እዚ ሓድሽ ቋንቋ ክግደስ ዝኽእል ዜናን ድምጺ ሰባትን ይምርኮስ። ካልእ ቋንቋ ትዛረብ እንተኾንካን ትሕዝቶ ንማሕበረሰብካ ተበጻሒ ንኽኸውን ክትትርጉም እንተደሊኻን ነዚ ቅጥዒ ምልኣዮ።

ንበገስ እንድያሞ!

Connectez-vous ou créez votre compte pour commencer à traduire les fiches.