ዳግማይ ምምሃር ኣብ ፈረንሳ መጽናዕቲ ምምሃር ሕክምና
ኣዳላዊ JRS France , JRS Franceኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 2 ansኣብ ሃገርካ ዲኻ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ጀሚርኩም ፣ ከይወዳእክሞ ዲኹም ? ትምህርት ወዲእኩም ግን ናይ ፈረንሳ ዲፕሎማ ንምርካብ ዳግማይ ክትጅምሮ ትመርዱ?
ኣብዘን ክልተ ኩነታት ፡ ካብ ካልኣይ ዓመት ጀሚርካ (ከምኡ’ውን ከከም ደረጃ ትምህርትኻ ክሳብ ቅድሚ መወዳእታ ዓመት ካልኣይ ዑደት) ብቐጥታ ናብ ዩኒቨርሲቲ ፈረንሳ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
እትመሃርዎ ንውሓትን ዓይነት ሞያን
- ሕክምና : ድሕሪ ባካሎሬት ከም ሓፈሻዊ ሓኪም ክትሰርሕ ንኽትክእል ትሽዓተ ዓመት መጽናዕቲ ይወስድ። ስፔሻሊስት (ሓኪም መጥባሕቲ፡ ሓኪም ህጻናት ወዘተ) ንምዃን ተወሳኺ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ይወስድ።
- ማይዩቲክስ (መሕረሲት) : ድሕሪ ባካሎሬት ናይ መንግስቲ ዲፕሎማ መሕረሲት ንምርካብ ሓሙሽተ ዓመት ይወስድ።
- ሓኪም ስኒ : ድሕሪ ባካሎሬት ሽዱሽተ ዓመት ኣብ መጥባሕቲ ስኒ ናይ ግዝኣት ዶክትሬት ንምርካብን ተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ሓኪም ምትዕርራይ ስኒ ንምዃንን ይወስድ።
- ፋርማሲ : ድሕሪ ባካሎሬት ብፋርማሲ ናይ መንግስቲ ዶክትሬት ንምርካብ ሽዱሽተ ዓመት ይወስድ።
ጽቡቕ ምፍላጥ : እቲ ብ13 ታሕሳስ 2019 ዝወጸ ኣዋጅ ፡ ኣብ ሃገሮም ገለ ክፋል ናይ ሕክምና ትምህርቶም ዝዛዘሙ ወይ ትምህርቶም ዝወድኡ ወጻእተኛታት ሕጹያት ዳግማይ ትምህርቲ ዝጅምሩሉ ኣገባብ ይገልጽ።
መጀመርታ ከተመልክት ኣለካ ፣ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ፋይል ብምቕራብ (ኣብ ዓመት ሓደ ጥራይ) ብቐጥታ ናብ ካልኣይ ዓመት ቀዳማይ ዑደት ንምእታው። ፋይልካ ተቐባልነት እንተረኺቡ ፡ ኣፋዊ . ነቲ ኣፋዊ እንተሓሊፍካ ካልኣይ ዓመት ክትኣቱ ወይ ንዝለዓለ ዓመት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ኣስተውዕል: ኣብ ሃገርካ ትምህርትኻ ዘረጋግጽ ሰነዳት እንተዘይብልካ ነዚ ኣገባብ ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብተመሳሳሊ ብውሑዱ ብቋንቋ ፈረንሳ B2 ደረጃ ቋንቋ ክህልወካ ኣትሪሩ ይምከር።
ጽቡቕ ምፍላጥ :
“መሳግሮ” (ብቐጥታ ናብ 2ᵉን 3ᵉን ዓመት ሕክምና ወይ መሕረሲት ምእታው ማለት እዩ) ዝብል ኣማራጺ እውን ኣሎ። ካብ ሃገርካ ናይ ዶክትሬት ዲግሪ፡ ናይ ፈረንሳ ማስተርስ ዲግሪ ወይ ናይ ፈረንሳ ናይ ግዝኣት ዲፕሎማ ከም ሓጋዚ ሕክምና እንተሃልዩካ፡ ናብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ዓመት ናይ ጥዕና መጽናዕቲ ቀጥታዊ ምብጻሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ ( (arrêté passerelle du 24 mars 2017). L ). ብቕዓት ኣብ ፋይልን ድሕሪ ኣፋዊ ምቕባልን ዝተመርኮሰ እዩ። ቦታታት ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።
“መሳግሮ” (ብቐጥታ ናብ 2ᵉን 3ᵉን ዓመት ሕክምና ወይ መሕረሲት ምእታው ማለት እዩ) ዝብል ኣማራጺ እውን ኣሎ። ካብ ሃገርካ ናይ ዶክትሬት ዲግሪ፡ ናይ ፈረንሳ ማስተርስ ዲግሪ ወይ ናይ ፈረንሳ ናይ ግዝኣት ዲፕሎማ ከም ሓጋዚ ሕክምና እንተሃልዩካ፡ ናብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ዓመት ናይ ጥዕና መጽናዕቲ ቀጥታዊ ምብጻሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ ( (arrêté passerelle du 24 mars 2017). L ). ብቕዓት ኣብ ፋይልን ድሕሪ ኣፋዊ ምቕባልን ዝተመርኮሰ እዩ። ቦታታት ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።
እዞም ዲፕሎማ ኣዚኣኣቶም፣ ብዝምልከት ንኣብነት እንተደኣ መጥባሕቲ ናይ ስኒ ናይ ምግባር ተመክሮ ነይርኩም፣ ከም ተሓጋግዝቲ ኴይንኩም ንምስራሕ ትኽእሉ ኢኹም። በዚድማ እቶም 6 ካብቶም 8 ተሳተፍቲ ናይ ግዝየዊ ሰራሕተኛታት ፣ ነይ ስራሕ ዕድል ዝህብ ኣጋጣሚ ኣሎ። ብዛዕባእዚን ካልእን 2 ክፍልታት ዝምልክት ኣብ ረፉጂኣብፎ ተወከሱ(o "Devenir assistant dentaire en France").
ከመይ ንገብሮ?
ብድሕሪኡ’ከ ?
14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ
a mugnier
rohullah expertተርጓሚ/ሚት
diplosamተርጓሚ/ሚት
olga b.ተርጓሚ/ሚት
hadudmak19ተርጓሚ/ሚት
marianneukraineተርጓሚ/ሚት
kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
rzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
noorተርጓሚ/ሚት