Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
ኣካላትብቅዓት = ክእለትመምርሒ ፍቓድ መኪና፣ ምክያድ ናይ መኪናኹም ዋንነት ምዝገባ

ምክያድ ናይ መኪናኹም ዋንነት ምዝገባ

Comité de la Démarche Accessibleኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 3 jours

ኣብ ፈረንሳ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር መኪና ገዚእኩም እንተመጺኹም፡ ክትምዝግብዋናይ 1 ወርሒ ደረት ናይ ግዜ ኣለኩም፡ "

ምስክር ወረቐት ከም መንነት ናይ መኪና ዋናነት ሰነድ ዝኽእል ወግዓዊ ሰነድ ካርድ ግሪዝ ብምላል ይፍለጥ ዝርዝሩ ኣብዚ ኣለኩም carte grise. እዚ ሰነድ እዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ (ዓመት ናይ መሸጣን ምንቅስቓስን፡ ቴክኒካዊ ዝርዝራት፡ ስም ዋና፡ ቁጽን፣ ታርጋንወዘተ) ዘለዎ ወግዓዊ ሰነድ ምዝገባ መኪና እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ ! እዚ ኣገዳሲ ምዝገባ ናይ መኪና ምህላው ኣገዳሲ ኮይኑ፣ ንመኪናኹም፣ ሞተር ብሽክለታ፣ ስኩተር፣ ዝተወሰኑ ፈጣን ስኩተር፣ ኳድ፣ ሞፔድ፣ ትራይሳይክል፣ ኳድሪሳይክል፣ ሞተርሆም፣ ናይ ጽዕነት መካይን፣ ቫን መኻይን ፣ ትራክተራት ወይ፣ ሕርሻዊ ማሽነሪታት፣ ዝተወሰኑ ተጎታቲ ነገራት። እቲ ግራጭ ካርድ ኣብ ወሰን ጽርግያ ኣብ ዝግበር መርመራ ከተቕርቦ ዘለካ ኣገዳሲ ሰነድ እዩ። እቲ ሰነድ ፣ ምጽራይ ናይ ድሕነት፣ ወት ቦሎ ክላውድዩ፣ ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ሰነድ ምዝገባ ተሽከርከርቲ ከተቕርቡ ኣለኩም። እንተዘይብልኩም ግን ካብ €135 ክሳብ €750 ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክትከፍሉ፣ ክሳብ ምግዳድ ወይ እውን፣ መኪናኹም ድማ ንኽትእገድ ዘኽእል ደረጃ ከብጽሓኩም ይኽእል እዩ፣ ትኽእል እያ።

እቲ ናይ ምዝገባ ክፍሊት ከከም ሓይሊ፡ ዕድመን ዞባን ናይታ መኪና ይፈላለ ምዃኑ ኣብ ግምት ከተእትዉ ይግባእ ። ስሌት ወይ ቅመራ ይከኣል እዩ ናይ ኩሉ ዝርዝራት ኣብዚ ምርካብ ይከኣል እዩ en cliquant ici.

ኣኣብዚ ሕጂ እዋን እታ መኪና ንምምዝጋብ ናብቲ ፕረፈክቸር ብኣካል ምኻድ ኣድላዪ ኣይኮነን።

ምፍላጡ ዘገድስ ካልኦት ኣብ ረፉጂ ኣንፎ Réfugiés.info ኣብ መኻይን ዝምልከት ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል እዩ።
- ምምሃር ምዝዋር መኪና ምስ ሓደ ትምህርቲቤት Passer le permis de conduire avec une auto-école
- ተወዳደርቲ ናይ ፈተና ንምዃን ምምዝጋብ ምስ እትደዩ Passer le permis de conduire en candidat libre
-ንምቕያር ናይ መዘወሪ ፍቓድኩም Échanger le permis de conduire
-ምግዛእ ሓዳቲ መኪና Acheter une voiture
-ንምህላው ናይ መኪና መድሕን Assurer une voiture

ከመይ ንገብሮ?

እቲ ሰነዳት ከከም ኩነታቱ ዝተፈላለዩ እዮም: ምዝገባ ሓዳስ ወይ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለት መኪና: ኣብ ፈረንሳ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተዓደገ: ብኣኻ ወይ ብሰብ ሞያ ምዝገባ።

ንኹሉ ኩነታት ዝኸውን ሰነዳት

  • ሓደ ዕለቱ ዘይወደቐ ታሴራ : ናይ ገዛእ ርእስኹም
  • un justificatif de domicile ን 6 ኣዋርሕ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ ዘለዎ
  • ምህላው ሓደ ፍቓድ ምዝዋር መኪና
  • ሓደ ናይ መድሕን ምስክር ወረቐት መኪና.

ን ዝያዳ ሓበሬታ Réfugiés.info : "Assurer une voiture"

ሓዳስ መኪና ዝኸውን ሰነዳት።

  • ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ንምርካብ ዝቐርብ መመልከቲ (cerfa n°13749*05)
  • እቲ ሸያጢ ዝሃቦ ፋክቱር
  • ፍቓድ ዘለዎ በዓል ሞያ (ጋራጅ፡ ዲለርሺፕ) ወይ ትፈልጦ ሰብ ነቲ ምዝገባ እንተ ኣካይዱልካ: እቲ ዕማም (cerfa 13757*03)
  • እታ መኪና ኣብ ካልእ ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ እንተገዚእካያ: ናይ ግብሪ ምጽራይ ምስክር ወረቐት ከድልየካ እዩ። ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ ici.

ሰነዳት ንሓንቲ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለት መኪና

  • ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ንምርካብ ዝቐርብ መመልከቲ (cerfa 13750*07)
  • ፈለማ እቲ ናይ ምስግጋር መግለጺ (cerfa 15776*02)
  • ብድሕሪዚ ን15 መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ምትሕልላፍ ኮድ፡ ብሸያጣይ ኣብ "መኪናይ ሸጥ ወይ ምውህሃው " ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ France Titres ቲትረስ ዝሓተቶ
  • እቲ ናይ ቀደም ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ብሸያጢ ተሰኒዱ፣ ዕለትን ዝተፈረመሉን
  • እቲ ትሕቲ 6 ወርሒ ዝዕድሚኡ (እታ ተሽከርካሪት ልዕሊ 4 ዓመት እንተኾይና) ብሸያጢ ዝተዋህበ ናይ ተሽከርካሪ መርመራ ምስክር ወረቐት
  • እቲ certificat de situation administrative (CSA)  ካብ ሸያጢ ትሕቲ 15 መዓልታት
  • ፍቓድ ዘለዎ በዓል ሞያ (ጋራጅ፡ ዲለርሺፕ) ወይ ትፈልጦ ሰብ ምዝገባ ዝገብረልኩም እንተኾይኑ: እቲ ዕማም ይበሃል (cerfa 13757*03)
  • እታ መኪና ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተገዚእኩማ : እቲ ናይ ግብሪ ምጽራይ ምስክር ወረቐትን ካልእን ዝገልጽ ሰነድ ኣብዚ ረአዩ ። ici.
  • እታ መኪና ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተገዚእካያ፡ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ: ናይ ጉምሩክ ምጽራይ ምስክር ወረቐት 846A ከድልየኩም እዩ። ኩሉ ይግለጽ። ici
ምፍላጡ ዘገድስ ኣብ እዝ ገጽ እዚ ብምጥዋቕ ዝርዝር ናይ ምስ ኩነታት ምኺናኹም ዝኸይድ ኩነታት ዝኸውን ሓበሬታ ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ cette page. ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ Réfugiés.info : "Scanner un document"ኩሎም ሰነዳት ብዲጂታላዊ ቅርጺ (ስእሊ ወይ ስካን) ክኾኑ ኣለኩም።

መኪና ዝገዛእክምሉ በዓል ሞያ ነቲ ናይ ምዝገባ መመልከቲ ብቐጥታ ከካይዶ ይግባእ ፤ ስለዚ ንስኹም ዋላ ሓንቲ ክትገብር ኣየድልየኩምን እዩ።

ነቲ ናይ ምዝገባ ሰነድ እናተጸበኹም ቁጽሪ ታርጋን ግዝያዊ ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ይህበኩም እዚ ድማ መጸዒኡ ዝበሃል certificat provisoire d’immatriculation

ምስ ካልእ ብቑዕ በዓል ሞያ

እቲ ሰነዳት እሞ ንሱ ድማ ብስምካ ምምዝጋብ የሰላስሎ

Cliquez ici pour trouver un professionnel ኣብ ኣከባቢኹም

እዚ ኣገልግሎት መብዛሕትኡ ግዜ ክፍሊት ከም ዝኽፈል (ብዘይካ ወጻኢታት ምስክር ወረቐት ምዝገባ ተሽከርካሪት) ከም ዝኽፈል ኣስተውዕሉ።

ነቲ ናይ ምዝገባ ሰነድ እናተጸበኻ ቁጽሪ ታርጋን ግዝያዊ ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ይህበኩም ምዃኑ ፍለጡ። certificat provisoire d’immatriculation

ንስኻ ባዕልኻ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ቲትረስ France Titres

ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ረአዩ 3

1.=ካብኡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ቲትረስ : "Utiliser France Connect pour se connecter à un site internet"ኣካውንት ምፍጣር ከኣሉ

France Connect. ፈረንሳ ኮኔክት ተጠቒም ምትእስሳር እውን ይከኣል እዩ ።
" ናብ መርበብ ሓበሬታ ንምእታው ፈረንሳ ምትእስሳር ምጥቃም" ዝብል ናይ Refugees.info ሓበሬታ ወረቐት ኣንብቡ።

2. ኣብ ዝብል ጠውቕ
ሓድሽ ጠለብ"Nouvelle demande"
ማትሪኩላሽን ወይ ፈተና "L’immatriculation"
ምጥላብ "Faire une autre demande".

3. ሓበሬታ ብምምላእ ሰነዳት ምልኣኽ ይግባእ።

4. ብባንክ ካርድ ምኽፋል ይከኣል።

ዋጋኡ ከከም ሓይሊ፡ ዕድመን ዞባን ናይታ መኪና ይፈላለ እዩ። ኣብዚ ብምጥዋቕ en cliquant ici. ክትሕስቡ ትኽእሉ ኢኹም ።

5. ግዝያዊ ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ኣውሪድኩም ኣሕትምዎ።

ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ክትቅበል ኣብ እትጽበየሉ እዋን ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ እዩ።

ምፋጡ ዘገድስ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ቲትረስ ንምምዝጋብ እንተተጸጊምኩም፡ ኣብ ዲጂታላዊ መቐበሊ ኣጋይሽ ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ሲምፕሊማት Simplimmat ወግዓዊ ናይ መንግስቲ ሞባይል ኣፕሊኬሽን ኮይኑ ፡ ብዘይ ናይ ወረቐት ሰነድ ዕድጊት ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለት መኪና ክትእውጅን ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ክትሓትትን ዘኽእለካ እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ ሸያጣይን ዓዳጊን ኣብ ሓደ እዋን ናብቲ መተግበሪ ክኣትዉ ይግደዱ።

ናይ ፈረንሳ ኮኔክት ኣካውንት ክህልወካ ኣለዎ።
" ናብ መርበብ ሓበሬታ ንምእታው ፈረንሳ ምትእስሳር ምጥቃም" ዝብል ናይ Refugees.info ሓበሬታ ወረቐት ኣንብብ።

ኩሉ ኣብዚ ብምጥዋቕ ኣብ ቪድዮ ተገሊጹ ኣሎ ።

- ሊንክ ነቲ ኣፕሊኬሽን ኣብ ኣፕ ስቶር (ኣፕል) ንምውራድ
- ሊንክ ነቲ ኣፕሊኬሽን ኣብ ፕለይ ስቶር (ኣንድሮይድ) ንምውራድ

ብድሕሪኡ’ከ ?

France Titres :

ኣብ ቦታ ናይ France Titres :

  • ብቀጥራ ኣብ እዚ ጠውቑ espace personnelእንተደኣ ንስኹም ኲይንኩም እቶም ጠለብቲ
  • ነቲ ሕቶ ዘቕረበ በዓል ሞያ እንተኾይኑ ምስቲ ፋይል ቁጽሪ።

Il existe 5 statuts.

ምፍላጡ ዘገድስ ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ 7 ክሳብ 10 መዓልታት ናይ መኪና ምዝገባ ምስክር ወረቐትኩም ብፖስታ ክትረኽቡ ኢኹም።

ይኹን እምበር ከከም ብዝሒ ኣፕሊኬሽናትን ፋይልኩም ምሉእ እንተዘይኮይኑን ዝያዳ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ንማእከል ርክብ ፈረንሳ ቲትረስ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹምFrance Titres :

  • ቴለፎን ወይ 34 00 ካብ ሰኑን ክሳብ ዓርቢ፣ ካብ ሰዓታት 7 ክሳብ45 19 ከምኡውን ቀዳም ካብ ሰዓት 8 ክሳብ 17 ናይ ምሸት (ነጻ ብዝኾነ ቁጽሪ)
  • ዝዕብ ፎርሙላ ኮንታችክ ኣለኩም formulaire de contact.

እንተደኣኣ ኣብ ወብሳይት ናይ France Titres, ምስልሳል ተጸጊምኩም ፣ ኣብ ን ኦኡ ምሕጋዝ ዝኽእሉ point d’accueil numérique.ምኻድ ይግባእ።

ኣብ ኣድራሻኦም ብምኻድ፣.ኢንተርነት ዘለዋ ኮምፒተር ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም፡ ሰብ ሞያ ድማ እቲ መርበብ ሓበሬታ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ክገልጹልኩም እዮም።

ዝኾነ ሕቶ ኾነ ሓበሬታ ምስ ዝህልወኩም ኣብዚ ብምጥቃቕ ici ሕእፈሻዊ መልስታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እንተደኣ ናይ መኪና ምዝገባ ሰነድ እንተጠፊኡኩም፣ እንተተሰሪቑኩም፣ ወይ እንተተበላሽዩኩም ድፕሊኬት duplicata, ክትሓትት ኣለኩም፤ ከም ወግዓዊ ቅዳሕ ናይቲ ሰነድ እዩ ዘገልግል።

ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ ።

እንተተሰጋጊርኩም፡ ነዞም ሰነዳት ተጠቒምኩም ኣብ ውሽጢ 1 ሓደ ወርሒ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ቲትረስ ኣብ ሰነድ ምዝገባ ተሽከርከርትኹም ዘሎ ኣድራሻ ክትቅይሩ ኣለኩም፤

  • እቲ ናይ ተሽከርከርቲ ምዝገባ ሰነድ la carte grise
  • ምህላው ትሕቲ 6 ወርሒ ዝዕድሚኡ ኣድራሻ መርትዖ
  • ምህላው ቅኑዕ ናይ መንነት ሰነድ።

ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ ።

እንትደኣ ኣብቲ ሰነድ ጌጋ እንተረኺብኩም እውን ኣብዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ቲትረስ ክትሕብሩ ግበኣኩም ።

ሓድሽ ዝተኣረመ ናይ መኪና ምዝገባ ምስክር ወረቐት ክትረኽቡ ኢኹም።

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

claudia mclaudia mምምሕዳር
xavidumxavidumምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
noornoorተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
ammar bazzaziammar bazzaziተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
marianne georgesmarianne georgesተርጓሚ/ሚት

Liens utiles