Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
ኣካላትብቅዓት = ክእለትመምርሒ ፍቓድ መኪና፣ ምውሓስ ንመኪናኹም ዝምልከት መስርሕ

ምውሓስ ንመኪናኹም ዝምልከት መስርሕ

Comité de la Démarche Accessibleኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 3 mois

መኪና እንተገዚእካ መድሕን መኪና ክህልወካ ግዴታ እዩ። መኪና ምስ ገዛእኩም ፣ ምውሓስናይ ግድን እዩ።

መድሕን መኪናኹም ከተስዕቦ እትኽእል ንዋታዊ ዕንወት (ዝተበላሸወት መኪና፡ ዝተሰብረ ነገራት ወዘተ)ን ኣካላዊ መጉዳእቲ (ኣብ ገዛእ ርእስኹም ወይ ንኻልኦት ዝበጽሕ መጉዳእቲ)ን ይሽፍን። መድሕን ንስርቂ፣ ባርዕ፣ ንዝተሰብረ መስትያት ወይ መስኮት እውን ክሽፍን ዘጠቓልል ይኽእል ኮይኑ፣ ብተወሳኺ እውን እንተደኣ ዕንወት ኣብ መኢናኹም እንተጋጢሙ ድማ ክሕግዘኩም ይኽእል ።

ውሕስነት ናይ ተሽከርከርትኹም ምህላው ናይ ግድን እዩ

  • ንውልቃዊ ወይ ንሞያዊ ኣጠቓቕማ ዝውዕላ መካይን፡ ፍቓድ ዘይብለን መካይን፡ ቫን፡ ትራክተራት፡ ናይ ሕርሻ ማሽነሪታት፡ 2 ወይ 3 ጎማ ዘለወን ሞተር ብሽክለታ ወይ ስኩተር፡ ኳድ ወይ “ሚኒ-ሞተር ብሽክለታ”“mini-motos”
  • ናይ ጽዕነት መካይን
  • ዝተተሓሓዙ (ተተሓሒዞም)ን ዘይተኣሳሰሩን ተጎታቲ
  • ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ብሽክለታታት ልዕሊ 25 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት ፍጥነት ዘለወን
  • ስሩዓትን ትሮቲነት ብኤሌክትሪክን ዝጥቀሙ ስኩተር እውን
ኣገዳሲ!
ብዘይ መድሕን ርኡይ ሓደጋታት የጋጥመካ፤
- ክሳብ €3,750 ዝበጽሕ መቕጻዕትን ፍቓድን/ወይ መኪናን ምጥፋእን።
- ሓደጋ እንተኣጋጢምኩም ነቲ ግዳይ ብዙሕ ካሕሳ ክትከፍሉ ኣለኩም።
ዋላ’ውን ብዙሕ ግዜ ዘይትዝውር እንተኾንካ፡ ዋላ’ውን እታ መኪና ኣብ ጋራጅ ወይ መዕረፊ መካይን እንተጸንሐት፡ ዋላ’ውን ታርጋ እንተዘይሃለወ፡ መድሕን ግዴታ ኮይኑ ይቕጽል።
ምፍላጡ ዝገድስ!
ንዝያዳ ሓበሬታን ዝርዝራትን ኣብ Réfugiés.info : ፋይላት ናይ ተወከሱ
- Passer le permis de conduire avec une auto-école
- Passer le permis de conduire en candidat libre
- Demander la fabrication du permis de conduire
- Échanger le permis de conduire
- Acheter une voiture

ከመይ ንገብሮ?

ካብ መንጎ እቲ ሰለስተ ዓበይቲ ምድባት ናይ መድሕን ፣ እቲ ክትከፍልዎ እትኽእሉ ምረጹ

  • ጠቕላላ መድሕን : እዚ ዓይነት መድሕን (ይኸፍል ) እንተደኣ መኪናኹም ምስ ካልእ ሰብ ብምግጫዋ ዝስዕብ ዕንወት መሕወዩ ዝኸውን እዩ። ብ ኣንጻሩ እንተደኣ ንስኹም እናዘወርኩማ ን ገዛእ ርእስኹም ሓደጋ ወሪዱ ግን ኣይከፍልለኩምን እዩ።
  • ናይ ሳልሳይ ኣካል መድሕ፣ እዚ ዓይነት መድሕን እዚ ን ካብ ሳልሳይ ኣካል ዝወርድ ሓደጋታት ንኣብነት ከም እኒ ም መስረቕቲ ፣ ምቅጻል ሓዊ ፣ ብውጽሕጅ ምውሳድ ወዘተ … ዝኸውን እዩ
  • ናይ ኩሉ ሓደጋታት መድሕን። እዚ ጠቕላላ መድሕን እዩ ። እዚ ኣባኹምን ኣብ ካልኦትን ዝወርድ ሓደጋታት፣ ዘውሕስ እዩ ።
ምፍላጡ ዝገድስ ሳልሳይ ወገን መድሕን እቲ ዝሓሰረ ደረጃ መድሕን እዩ። እቲ ግዴታዊ ምዃኑ ዘይምርሳዕ

ሓያሎ ትካላት ናይ መድሕን ውዕላት ይህባ እየን

  • ናይ መድሕን ኩባንያ (AXA, Direct Assurance, MACIF, MAAF, Allianz, ወዘተ)
  • ደላላይ መድሕን (ንሓያሎ ናይ መድሕን ኩባንያታት የነጻጽር: Ornikar, MieuxAssuré, Active Assurances,
  • ባንክ (መብዛሕትአን ባንክታት ናይ መኪና መድሕን ውዕል ይህባ)
  • ን መድሕን ወከል ኣካላት

ሓያሎ ዋጋታት ንምሕታት ወይ ድማ ናይ ኦንላይን ናይ መኪና መድሕን ምቕራብ ናይ ምውድዳር መሳርሒ ንምጥቃም ምስ ሓያሎ ትካላት ርክብ ምግባር ይምከር (ንኣብነት LeLynx, LesFurets, Assurland, ወዘተ)።

ምስ ኩነታትኩም ዝበለጸ ዝሰማማዕ ውዕል ንምምራጽ፤

1 ደረጃ ምምላስ ንብረት ንዋታዊ ዕንወት ውሰድ፣ ዓይነት መከላኸሊ መራሒ መኪና ውሰድ፣ መኪና እንተተበላሽትኩም ኣገልግሎት ምብትታን ወይ ካልእ መኪና ክትህልወካ ዘኽእል ኩነታት ፍለጡ

2 ዋጋ ውዕልካ ንምሕሳብ ሓበሬታ ምሃብን ሕቶታት ናይቲ መድሕን ብትኽክል መልስን፤

  • ኣብ ሰነድ ምዝገባ መኪና ዘሎ ሓበሬታ
  • ፍቓድካ ካብ ዝህልወካ ክንደይ ግዜ
  • መኪናኻ ናብ ስራሕ ክትከይድ እንተተጠቒምካሉ።
  • ሓበሬታ ኣብ ሰነድ ምዝገባ መኪና
  • ሕሉፍ ሓደጋታት
  • ካልእ ሰብ መኪናኻ ብቐጻሊ ክዝውር እንተኾይኑን ስሞምን።
  • ፍቓድ ምእጋድ ወይ ምስሓብ...
ምፍላጡ ዘገድስ ኩሉ ግዜ ንመድሕን ቅኑዕ ሓበሬታ ክትህቡ ኣለኩም።
ሓቂ እንተዘይተዛሪብኩም ወይ ሓበሬታ እንተረሲዕኩም ን ስኣዕቤኑ ተሓተትቲ ኢኹም፡ እዚ ማለት ወላ ን ኽምለሰልኩም ዝግባኦ ነገር ፣ ወላ እንተፖሊስ ተጋግዩ ቀጺዕኩም ገንዘብኩም ተመላሽ ምዃን ኣየኽእሎን ።

3. ናይቲ መድሕን ዝሃቦ ዋጋ ኣጽኒዕካ ምፍታሽ፤ 

  • ዋጋታት (ንዓመትን ንወርሕን)
  • እቲ ውዕል ዝጅምረሉን ዝውድኣሉን ዕለት
  • ውሕስነትን ደረጃታት ምምላስ ገንዘብን።
  • ደረት ሽፋንን ምግላልን ዓንቀጻት (ክምለሰልኩም ዘይትኽእለሉ ኩነታት)
  • ዝቑረጽ: ድሕሪ ምምላስ ብናይ መድሕን ኩባንያ ክኽፈል ዝተረፈ መጠን ገንዘብ፣ ከከም ጸገም (ሓደጋ፣ ስርቂ፣ ባርዕ ወዘተ)
  • ኣብቲ ውዕል ዝምልከት ሕጊ
  • ጸገም እንተሃልዩካ ክትድውለሉ ዘለካ ቁጽሪ
    ዝኾነ ሕቶታት እንተሃልዩኩም፡ ቅድሚ ነቲ ዋጋ ምቕባልኩም ነቲ

ዝኾነ ሕቶታት እንተሃልዩኩም፡ ቅድሚ ነቲ ዋጋ ምቕባልኩም ነቲ ዝኾነ ሕቶታት እንተሃልዩኩም፡ ቅድሚ ነቲ ዋጋ ምቕባልኩም ነቲ መድሕን መብርሂ ሕተቱ።

ምፍላጡ ዝገድስ ምስ መኪናኻ ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙካ፡ እዚ ንዋጋ መድሕን መኪናኻ ክውስኽ ይኽእል። bonus-malus ici.
ሓደጋታት መቕጻዕቲ ሒዞም እዮም ዝያዳ ድማ ትኸፍል፤ ብዘይ ሓደጋ ቦነስ ትረክብን ትውሕድ ትኸፍልን።
ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ። ፍቓድካ ትሕቲ 3 ዓመት እንተሃልዩካ፡ “መንእሰይ መራሒ መኪና” ኢኻ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ውዕል መድሕንካ ዝያዳ ክኸፍል ይኽእል።
እቲ መድሕን ንዓኹም ውሕስነትውዕል ምሃብ ክኣቢ መሰል ኣለዎ፣ ንኣብነት ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ሓደጋታት እንተ ኣጋጢሙካ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ምስ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ደረጃ ምሃብ (BCT) ክትረኽብዎ ይግባእ።
ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ። ici.እቲ

ምስ ወሰንኩም : ናይቲ መድሕን ዋጋ ምስ ተቐበልኩሞዮ፡ ድሕሪኡ ክትገብርዎ ዘለኩም ነገራት

  • ናይቲ መድሕን ዋጋ ምስ ተቐበልካዮ፡ ድሕሪኡ ክትገብሮ ኣለኩም፤ብፖስታ ወይ ብኢንተርነት። ናይ ውዕል ምስክር ወረቐትን ናይ መድሕን ምስክር ወረቐትን ክትረኽቡ ኢኹም።
  • ዘይተመልአ ቅዳሕ ናይቲ ጸብጻብ ሓደጋ ሕተት እሞ ኣብ መኪናኹም ኣቐምጡ: እዚ ምስቲ ካልእ ዝተሳተፈ ሰብ ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙኩም ክትመልእዎ ዘለኩም ሰነድ እዩ።
ምፍላጡ ዝገድስ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ናይ መድሕን ስቲከር (ንእሽቶ ቀጠልያ ወረቐት) ኣብ መስትያት ንፋስካ ምትእስሳር ኣየድልን እዩ።
ምፍላጡ ዘገድስ እንተደኣ ብኢንተርነት እንተፈሪምካ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ውዕልካ ክትስርዞ ትኽእል ኢኻ፤
- ነቲ መድሕን ብተሌፎን፡ ብኢመይል ወይ ብፖስታ ድሕሪ ምርኻብካ ኢኻ ፈሪምኩም
- ገና ካብቲ መድሕን ሓገዝ ወይ ደገፍ እንተዘይሓተትኩም።


ብድሕሪኡ’ከ ?

 ምስ መድሕን ብምርኻብ ክትሓትት ይከኣል እዩ፤

  • እቲ ሓደጋ ትሑት እንተኾይኑ ዋጋ መድሕንካ ምጉዳል። ንኣብነት ድሕሪ ደጊም መኪናኻ ናብ ስራሕ ንምኻድ ኣይትጥቀመሉን ኢኻ።
  • ካብ ሳልሳይ ወገን ውዕል ናብ ኩለመዳያዊ ውዕል ንምቕያር ወይ ድማ ብኣንጻሩ
  • ድራይቨር ንምውሳኽ።
ምፍላጡ ዝገድስ እቲ መድሕን ንፖሊሲኻ ንምቕያር ዘቕረብካዮ ሕቶ ክቕበሎ ወይ ክነጽጎ ይኽእል።
እቲ ሓደጋ እንተወሰኸ፡ እቲ መድሕን ዋጋ መድሕን ናይ ምውሳኽ ወይ ነቲ ፖሊሲ ናይ ምቁራጽ መሰል ኣለዎ ("እቲ ውዕል ምስራዝ" ርአ)።

እቲ መድሕን ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት መልሲ እንተዘይሂቡ፡ ሕቶ ተቐባልነት ኣለዎ። ኣብቲ ውዕል ዝተገብረ ምምሕያሽ (ጽሑፍ ሰነድ) ምስቲ ሓድሽ ዋጋ ክሰዱልካ እዮም። ድሕሪኡ ነቲ እማመ ክትፍርምዎ ኣለኩም

ውዕልካ ዓመት ዓመት ብኣውቶማቲክ ይሕደስ ። ብተመሳሳሊ ውዕል ክትቅጽል እንተደሊኻ ዋላ ሓንቲ ምግባር ኣየድልየካን እዩ።

እቲ መድሕን ግን እንተወሓደ ቅድሚ እቲ ናይ ምቁራጽ (ምቁራጽ) ናይ መወዳእታ ግዜ 15 መዓልታት፡ ብሓፈሻ 2 ወርሒ ቅድሚ ምዝዛም ውዕል ናይ ምሕዳስ ምልክታ ክሰደልካ ኣለዎ።

ድሕሪ ናይ 1 ዓመት ውዕል መድሕን መኪናኻ ክትቅይር ትኽእል ኢኹም ።

መጀመርታ ካልእ መድሕን መሪጽካ ሓድሽ ውዕል ክትፍርም ኣለኩም።

ድሕሪኡ፡ እቲ ሓድሽ መድሕን ብፍቓድካ ነቲ ናይ ቀደም ውዕልካ ንምስርዝ ክከናኸን እዩ። ዋላ ሓንቲ ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ፣ መኪናኻ ድማ ኩሉ ግዜ መድሕን ኣለዋ።

ኩነታትኩም እንተተቐይሩ 1 ዓመት ክትጽበ ኣየድልየካኩምን እዩ፤
- ምቕያር ኣድራሻ
- ሓድሽ ሓዳር ወይ ፍትሕ እኝተፈጺምኩም
- ሓድሽ ሞያዊ ንጥፈት ወይ ጡረታ
- ምስ መኪናኻ ሓደጋ
- ስርቂ ወይ መሸጣ መኪና እንተፈጸምኩም።

ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ንዝተመዝገበ ናይ ምቁራጽ ደብዳበ ምስ ቅብሊት ምቕባል ናብ መድሕንካ ምስ ደገፍቲ ሰነዳት: ውዕል ስራሕ: ምስክር ወረቐት መርዓ ወዘተ ክትሰድድ ኣለካ።

ምስ መድሕን እንተዘይተሰማሚዕኩም፡ መጀመርታ ምስኦም ፍታሕ ክትረክብ ክትፍትን ኣለኩም።
ካልኦት ናይ ይግባይ ተኽእሎታት ኣለዉ።

ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ ።

12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

claudia mclaudia mምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
amintatariamintatariተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
katyakatyaተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት

Liens utiles