Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
ኣካላትስራሕምምዝጋብ ኣብ France Travail ፈረንሳ ትራቫይል ብ ቀጥታ

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ዜጋታት ፈረንሳ

ዋጋ

ብነጻ

ኩነታት

መንበሪ ፍቓድ ካርድ ወይ ወረቐት ምህላው

ምምዝጋብ ኣብ France Travail ፈረንሳ ትራቫይል ብ ቀጥታ

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 5 mois

ካብ ጥሪ 2025 ን ሕጊ ንሙሉእ ስራሕን፡ ምዝገባ ምስ ፈረንሳ ትራቫይል ኣውቶማቲክ ን...les bénéficiaires ou demandeurs de RSA, ተጠቀምቲ ወይ ኣመልከትቲ RSA , ወይ ብናይ ከባቢ ተልእኾ (መንእሰያት) ክትድገፍ እንተኾንካ ወይ ክትድገፍ እንተደሊኻ

እዚ ምዝገባ እዚ ንኽትገብሮ ዘኽእለካ፤

  • ኣብ ስራሕ ወይ ስልጠና ምድላይካ ተወሳኺ ደገፍ ተጠቐም፣
  • ምስቶም ዝድግፉኻ ሰብ ሞያ ኣገባባትካ ምቕላል። እቲ ዕላማ: ንዓኻ ዝምጥን ኩለመዳያዊ ክትትልን ምላሽን ውሕስነት ምሃብ።
ኣብ ፈረንሳ ትራቫይል France Travail ብምምዝጋብ ፡ ከከም ውልቃዊ ኩነታትካ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝ ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ነዚ ንምፍላጥ rendez-vous sur le site de France Travail ናብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ትራቫይል ብምእታው ስሚዩሽን ግበሩ።

ምስ ምዝገባኻ፡ ንኹሉ ኣገልግሎታት ፈረንሳ ትራቫይል France Travail ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ እዚ ድማ ኣብ ኣገባባት ክሕግዘኩም ዝቐርብ ዕድላት ክትረክብን የኽእል። ሕጂ ፋይልኩም ንምምሕዳር፣ ፖስታኻ ንምንባብን ተግባራትካ ብኢንተርነት ንምክትታልን ውልቃዊ ናይ ፈረንሳ ትራቫይል ቦታ ኣለኩም።

ኣገዳሲ ሓበሬታ ክልተ ናይ ኣውቶማቲክ ምዝገባ ጉዳያት ኣለዉ ፣ ብወገንኩም ዝኾነ ስጉምቲ ከይወሰዱ (ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ኣማራጺታት ርአ)።

ከመይ ንገብሮ?

እንተደኣ ኣብ France Travail ብ ቀጥታ ኣብ ፈረንሳ ትራቫይል ትምዝገቡ እንተኴይንኩም እዞም ዝውዕቡ ኩነታት ክህልወኩም ኣለዎ

  • ተቐበልቲ Revenu de Solidarité Active (RSA).ኩን
  • ወይ መጻምድቲ፡ ናይ ሓባር ሕጊ መሻርኽቲ ወይ ሲቪላዊ መሻርኽቲ ናይ ሓደ ተቐባሊ RSA። RSA ንሓደ ስድራቤት ማሕበራዊ ረብሓ እዩ: ንስኻ እውን ተጠቃሚ ናይቲ RSA ኢኻ። ስለዚ ዋላ ትሰርሕ እንተኾንካ ኣብ ፈረንሳ ትራቫይል ተመዝጊብካ ኣለኻ።
  • ወይ ምስ ናይ ከባቢ ተልእኾ ተመዝጊቡ : ኣብ ውዕላዊ መንገዲ ንደገፍ ናብ ስራሕን ርእሰ-ምሕደራን (PACEA) ወይ ኣብ ውዕል ተወፋይነት መንእሰያት (CEJ)።
- ድሮ ብሓደ ትካል ትድገፍ እንተኾንካ ድጋፍካ ብዘይ ለውጢ ይቕጽል።
- ገና ብሓደ ትካል እንተዘይተደጊፍካ ምዝገባኻ ምቹእ ደገፍ ክህልወካ የኽእለካ። እቲ ንኹነታትካን ድሌታትካን ብዝበለጸ ዝሰማማዕ ትካል ክረኽበካ እዩ (ቤት ምኽሪ ክፍሊ ወይ መሻርኽቲ፡ ሚሽን ሎካል፡ ፈረንሳ ትራቫይል ወዘተ)። መንገዲ ስራሕካ ምስቲ ካብቲ ትካል ዝድግፈካ ሰብ እዩ ዝህነጽ።

እቲ ሕጂ ዘለካ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይተቐየረን። ንኽትቅበሎም ልሙድ ስጉምትታትካ ክትቅጽል ጥራይ እዩ ዘድልየካ። ንኣብነት ፥

  • ንስኻ ኣብ ውዕላዊ መንገዲ ንስራሕን ርእሰ-ምሕደራን (PACEA) ወይ ኣብ ውዕል ተወፋይነት መንእሰያት (CEJ) ዘለኻ መንእሰይ ኢኻ ። ምዝገባኻ ንካሕሳኻ ኣይቅይሮን እዩ (ACEJ, PACEA)። እቲ ኩነታት ከም ቀደሙ ይቕጽል፣ ርክባትካ ከም ቀደሙ ይቕጽል።
  • ተቐባሊ RSA ኢኻ RSA ናትካ ንምርካብ፡ ንምሕላውን ንምኽፋልን ዝሕግዙ ቅድመ ኩነታት ኣይቅየሩን እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3 ወርሒ ንልሙድ ርክባትካ ናይ ጸጋታት መግለጺ ምግባርካ ክትቅጽል ኣለካ።

ኣብ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ስለ ዘለኻ ብኣውቶማቲክ ኣብ ፈረንሳ ትራቫይል France Travail ትምዝገቡ ይግባእ።

  • ወይ ንንጡፍ ምትሕግጋዝ እቶት (RSA) ኣመልክቱ ኣለኻ
  • ወይ መጻምድትኻ፡ ናይ ሓባር ሕጊ መጻምድትኻ ወይ ሲቪላዊ መጻምድትኻ ንRSA ኣመልኪቱ ኣሎ። RSA ንሓደ ስድራቤት ማሕበራዊ ረብሓ እዩ: ንስኻ እውን ተጠቃሚ ናይቲ RSA ኢኻ። ስለዚ ዋላ ትሰርሕ እንተኾንካ ኣብ ፈረንሳ ትራቫይል ተመዝጊብካ ኣለኻ።
  • ወይ ስራሕ ትደሊ ኣለኻን ካብ ናይ ከባቢ ተልእኾ ደገፍ ሓቲትካን ኣለኻ።
ኣገዳሲ ሓበሬታ እንተደኣ ንRSA ኣመልኪትኩም ወይ መጻምድትኩም ንRSA ሕቶ ምስ ዝህሉ ፡ እዚ ምዝገባ እዚ ማለት ናይ RSA መመልከቲኹም ተቐባልነት ረኺቡ ማለት ኣይኮነን።
እቲ ነዚ ሕቶ ዘቕረብካሉ ናይ ስድራቤት ኣበል ፈንድ (CAF) ወይ MSA (Mutualité Sociale Agricole) ብዛዕባ ውሳኔኡ ክሕብረካ እዩ። ብዛዕባ ምዕባለ መመልከቲኹም ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ርኸብዎም።

ቀጻሊ ስጉምትታት እንታይ እዮም?

  1. እቲ ንኹነታትኩም ብዝበለጸ ዝሰማማዕ ትካል ኣብ ሓጺር ግዜ ክረኽበካ እዩ (ፈረንሳ ትራቫይል፡ France Travail, ቤት ምኽሪ ክፍሊ ወይ መሻርኽቲ፡ ከባብያዊ ተልእኾ ወዘተ)
  2. ስራሕ ንምርካብ ኣብ እትገብሮ ጉዕዞ ክትግበሩ ዘለዎም ተግባራት ብዝርዝር ዝገልጽ ብሕታዊ ገምጋም ምስ ኣማኻሪ ክትገብር ኢኻ። እዞም ንጥፈታት እዚኦም ኣብ “ውዕል ቃል ኪዳን” "contrat d’engagement".ክካተቱ እዮም።
  3. ከከም ኩነታትኩም፡ ተመዝጊብካ ንኽትቅጽልን ካብ ደገፍካን ኣገልግሎታትካን ተጠቃሚ ምዃንኩም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ምስ ፈረንሳ ትራቫይል ሓበሬታኻ ከተመሓይሽ ከድልየኩም እዩ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ድሕሪ ምዝገባ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ፈረንሳ "s’actualiser" ግዴታ እዩ። እዚ ድማ መሰልካ ጥቕምታት እንተሃልዩካ ክትዕቅብ፣ ከምኡ’ውን ደገፍን ተዛማዲ ሓገዝን ክትረክብ የኽእለካ ።

ኩነታትካ ምዕባይ ማለት ገና ስራሕ ትደሊ ኣለኻ ወይ ስራሕ ረኺብካ ማለት እዩ።

ኣብቲ ወርሒ ዝነበረካ ኩሉ ብደሞዝን ዘይደሞዝን ንጥፈታት (ናይ ውሱን ግዜ ውዕሊ፣ ቀዋሚ ውዕሊ፣ ግዝያዊ ስራሕ፣ በዓል ሃፍቲ፣ CDD, CDI, intérim ስልጠና ወዘተ)፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ኔርካኩም እንተኔርኩም ክትገልጹ ኣለኩም ።

ምፍላጡ ዝገድስ ኣብ ፈረንሳ ትራቫይል ተመዝጊብካ ንኽትቅጽል ምዕራፍ ግዴታ እዩ። ኣብ መንጎ 28 ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒን 15 ናይታ ዝቕጽል ወርሒን ክግበር ኣለዎ ።
እንተረሲዕካዮ ፡ ካብ ፈረንሳ ትራቫይል (ካብ ዝርዝር ተጠቀምቲ ፈረንሳ ትራቫይል France Travail ክትስረዝ) ሓደጋ ኣለካ።

ኩነታትካ ከተመሓይሽ ትኽእል ኢኻ ፤

ነዚ ሲሙለተር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ትራቫይል ተጠቒምካ ብዘይ ሓደጋ ምዕዳም ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ ። ኣብዚ ሲሙለተር ዝመሓላለፍ ሓበሬታ ኣብ ውልቃዊ ፋይልካ ኣይቅመጥን እዩ።

ፈረንሳ ትራቫይል ካብ ካልኦት ምምሕዳራት ከም ግብሪ ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ክትረክብ ትኽእል እያ። ዝተፈላለየ ሓበሬታ ምስ እትሕብሩ ወይ እንተተጋግኹም፡ ነዚ ናብ ፈረንሳ ትራቫይል እውን ክትሕብሩ ኣለኩም።

ፈረንሳ ትራቫይል ምስ ኩነታትካ ብዝተኣሳሰር ብዙሕ ገንዘብ እንተሰዲዱልካ ("ልዕሊ ዓቐን ክፍሊት")፡ ክትመልሰልካ ክሓተካ ግዴታ ኣለዎ። ግን ተጠንቀቑ፣ ጌጋ እንተዘይሓቢርኩም “ምትላል” እዩ። ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ።

ቀንዲ ሕቶታት actualisation ብዛዕባ ምዕባለን ለውጢ changements de situation ኩነታትን ኣብዚ ኣለዉ ምስ ሓፈሻዊ መልስታት። ኩነታትካ ንምዕራፍን ክፍሊት ናይ ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝካ ንምርካብን ከተኽብር ዘለካ ዕለታት ክትፈልጥ እንተደሊኻ ፡ ኣብዚ ኪድ .

ክህልወካ ኣለዎ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ወይ ሰነድ titre ou document de séjour en cours de validité (ግዜኡ ዘይሓለፈ) ኣብ ፈረንሳ ትራቫይል ተመዝጊቡ ንኽቕጽል።

  1. ነዚ ንምግባር ድማ መንበሪ ፍቓድኩም ወይ ሰነድኩም እንተወሓደ ቅድሚ እቲ ዝወድአሉ ዕለት 3 ወርሒ ከተሐድሱ ኣለኩም ። እዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ Étrangers en France (ANEF) ወይ ወጻእተኛታት ኣብ ፈረንሳ (ANEF) ወይ ኣብቲ ፕረፈክቸር ከከም ኩነታትኩም ክትገብርዎ ትኽእልሉ ኢኹም ።
    > ኣንብብ፡ እቲ Réfugiés.info ዝብል ናይ ሓቂ ወረቐት “ ምሕዳስ መንበሪ ፍቓድ
  2. ናይ መምርሒ ምንዋሕ ምስክር ወረቐትካ (API) ወይ ቅብሊትካ ምስ ተቐበልካ ፡ ናብቲ ኣብ ጥቓ ገዛኻ ዝርከብ ትካል ፈረንሳ ትራቫይል መቐበሊ ኣጋይሽ ከተቕርቦ ኣለካ።
  3. ውዱእ መንበሪ ፍቓድካ ምስ እትረክብ ፣ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ናይ ፈረንሳ ትራቫይል ትካል እውን ከተቕርቦ ኣለኩም።
ምፍላጡ ዘገድስ እዞም ስጉምትታት ከም ደላዪ ስራሕ ተመዝጊብካ ክትቅጽል ፣ ከምኡ’ውን መሰል እንተሃልዩካ ካብ ፈረንሳ ትራቫይል ናይ ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝ (ፋይናንሳዊ ሓገዝ) ክትቅጽል ኣድለይቲ እዮም።
ኣብ ላዕሊ ገጽ

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
xavidumxavidumምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
veronicasiveronicasiተርጓሚ/ሚት
nour alhindinour alhindiተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
shayanroushanshayanroushanተርጓሚ/ሚት
andrei samokhotkinandrei samokhotkinተርጓሚ/ሚት
igornrgigornrgተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት