Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
ኣካላትጥዕናክትትል እዋን ጥንሲ ብግቡእ ምፍጻም

ክትትል እዋን ጥንሲ ብግቡእ ምፍጻም

Comité de la Démarche Accessibleኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 7 mois

ግቡእ ምክትታል ጥንሲ፡ እቲ ጥንሲ ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ ንምርግጋጽን ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ጸገማት ከይፍጠርን ሓያሎ ሕክምናዊ ቆጸራታት የጠቓልል ኣዝዩ ኣገዳሲ መስርሕ እዋን ጥንሲ እዩ።

ቤተሰብ ወይ እውን ነፍሰጾር እዚ ምግባር ይከኣል ጥራይ ዘይኮነ እዚ ስስዕብ እውን ምክትታል

  • ፈለማ ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ብምኻድ ፡ ሓኪም ማህጸን ወይ መሕረሲት ምውካስ።
  • ከምኡውን ኣብ ሓደ ማእከል ጥዕና
  • ብዓቢኡ ድማ ኣብ ሆስፒታል ብምኻድ።
ምፍላጡ ዘገድስ / ጥንስኺ ዝኾነ ፍሉይ ጸገም ከምዘይብሉ ንምርግጋጽ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ቀዳማይ ቆጸራ ክትሕዝዙ ይግባእ።

እዚ መድረኽ ዶክቶሊብ Doctolib.ናይ መጀመርታ ቆጸራምሓዝ እውን ይከኣል እዩ። ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ቆጸራታት ንምርካብ "suivi de grossesse"ኢልኩም ብምጽሓፍ ድራሻኹም ምእታው ይግባእ ።

ንዝያዳ ሓበሬት ኣብ ኣንብቡ፡ እቲ Réfugiés.info ዝብል ናይ ሓቂ ወረቐት "Prendre un rendez-vous médical sur Doctolib" "ኣብ ዶክቶሊብ ሕክምናዊ ቆጸራ ውሰድ"።

ምፍላጡ ዘገድስ፣ ንጥንሲ ዝግበር ግዴታዊ ሕክምናዊ ቆጸራታት ብመድሕን ጥዕና 100% ይምለሱ (ብዘይካ እተን ቀዳሞት ክልተ ኣልትራሳውንድ 70% እየን ብሓገዝ ዝኽፈላ፣ እዚ ኣውን ስማዊ ክፍሊት ጥራይ እዩ)።

ከመይ ንገብሮ?

ኣብእዋን ጥንሲ ምሉእ ክትትል ምግባር ፡ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ናይ ሕክምና ቆጸራታ ምውሳድ እዩ ፡ ጥዕና ኣደን ውሉድን ውክንኻን።

  • ኣብታ ቀዳመይቲ ወርሒ ፡ መርመራ ደም ክትገብርን ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ንምርግጋጽን ናይ መጀመርታ ቆጸራ ምውሳድ።
  • ኣብ 3ይ ወርሒ ፡ ናይ መጀመርታ ኣልትራሳውንድ ። ንውላድ ኣብ ማህጸን ምራይ ፣ ዘኽእል መሳርሒ እዩ። እዚ ኣልትራሳውንድ እዚ ዕለተ ጥንስን ኩሉ ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ ክትምርምርን የኽእል። ኣብዚ ቆጸራ እዚ ኣብ ክፍሊ ምውሳድ ይግባእ ።
  • ኣብ 4ይ ወርሒ ፡ ብዛዕባ ጥንሲምስ ሓኪም ክትዛተዩ ቆጸራ ምሓዝ። ን ነፍሰጾር ዝስመዓ ምኽሪ ይህብ እዩ።
  • ኣብ 5ይ ወርሒ ፣ እቲ ህጻን ጽቡቕ ዕብየት ከምዘለዎ ንምርግጋጽ ካልኣይ ኣልትራሳውንድ ትገብር። ኣስናንካ እውን ይምርመር።
  • ኣብ 6ይ ወርሒ ፡ ናይ ጥንሲ ሕማም ሽኮር ትምርመር። ኣብ እዋን ጥንሲ ክረአ ዝኽእል ሕማም እዩ ዝፍተሽ።
  • ኣብ 7ይ ወርሒ ፣ ሳልሳይ ኣልትራሳውንድ ብምግባር፣ እዚ ድማ ግዴታ ኣይኮነን። ኣቀማምጣ እቲ ህጻን ኣብ ማህጸን ንምፍታሽ ይጥቅም ግን ግዴታ ኣይኮነን።
  • ኣብ 8ይ ወርሒ ፣ ምስ ሓኪም መደንዘዚ ቆጸራ ፣ ኣብ እዋን ሕርሲ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ምቅርራብኣብኡ ክህሉ እዩ።
  • ኣብ 9ይ ወርሒ ፡ ንሕርሲ ንምድላው ናይ መወዳእታ ቆጸራ ምሓዝ።
ምፍላጡ ዘገድስ እተን ቀዳሞት ክልተ ኣልትራሳውንድ እንተኸፊልኩመን ብመድሕን ጥዕና ብ70% ይምለሳ። ካልኦት ኩሎም ናይ ሕክምና ቆጸራታት 100% ይምለሱ።
ኣዝዩ ዘገድስ፣ ኣብ እዋን ጥንሲ ዝኾነ ጸገም ምስ ዝህሉ ንሓኪምኪ ወይ መሕረሲትኪ ተወከሱ። ህጹጽ ኩነታት እንተሃልዩኩም ሕክምናዊ (ከቢድ ምፍሳስ ደም፡ ምውዳቕ፡ ከቢድ ቃንዛ ወዘተ) ፡ ብቐጥታ ናብ 15 ምድዋል ይግባእ።

ንምድላው ሕርሲ 7 ቆጸራታት ምሓዝ ይከኣል ። እዚ ቆጸራታት እዚ ምስ ሓኪም በይንኽን፡ ወይ ብንእሽቶ ጉጅለ ክግበር ይከኣል። ዝለመዱ ድማ፤

  • ደረጃታት ጥንሲ፡ ሕርሲ፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ሕርሲ እንታይ ከም ዘጋጥም ምርዳእ
  • ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ጽቡቕን ኽፍጸም ዘዛንዩ ናይ ምዝንጋዕን ናይ ምስትንፋስ ልምምዳትን ኣካላዊ ምንቅስቓሳትን ተመሃራ
  • ኣብ እዋን ጥንስኺ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ሓካይም ተራ ምርዳእ
  • ድሕሪ ምውላድ ውላድ ብከመይ ንህጻን ከም እትከናኸኖ ተማሃርን ምስ ውላድኪ ናብ ገዛኻ ንምምላስ የዳልዉ።
ምፍላጡ ዘገድስ እዞም 7 ቆጸራታት 100% ብመድሕን ጥዕና ዝምለሱ እዮም።

ኣገዳሲ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ቅድሚ ሕርስን ድሕሪ ሕርስን ከተዕርፍ እትኽእለሉ እዋን እዩ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ገለ ክፋል ደሞዝ ምቕባል ይቕጽል። ስራሕ ዘይብክን ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ ፣ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ቅድሚ ሕርሲ ካብ 6 ክሳብ 24 ሰሙን ክጸንሕ ይኽእል፣ ድሕሪ ሕርሲ ድማ ካብ 10 ክሳብ 22 ሰሙን ክጸንሕ ይኽእል።

እምበኣርከስ ኣብ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ንኽህልወኩም፡ ናብ ኣስራሒኻ ደብዳበ ምስዳድ ይግባእ፡ ምስ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ካብ ሓኪም ምርካብ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ምፍለጥ ዘለዎ ፣ሓደ ቆልዓ ኣብ ፈረንሳ ክውለድ ከሎ ልደቱ ምእዋጅ ግዴታ እዩ።

በዚ ድማ እቲ ኣዋጅ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ ኩነታት ክወሃብ ኣለዎ ። ገሊኦም ኣብ ሆስፒታላትን ኣብ ኣዳራሻት ከተማ ኣለዉ። እቲ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ብቕጽበት ብሲቪላዊ መዝገብ ይስራሕ።

ምፍላኣጡ ዘገድስ ፣ እቲ ኣዋጅ ኣብ እዋን ሕርሲ ብዝነበረ ሰብ: ኣቦ: ሓኪም: መሕረሲት ወዘተ ክኸውን ኣለዎ።
ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ፣ እቲ ናይ ልደት መግለጺ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ክግበር ኣለዎ (መዓልቲ ሕርሲ ኣይቁጸርን)። እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኣብ ቀዳም፡ ሰንበት ወይ ህዝባዊ በዓል እንተወዲቓ፡ እቲ ኣዋጅ ኣብታ ዝቕጽል ናይ ስራሕ መዓልቲ ክግበር ይከኣል።

እዞም ሰነዳት ሒዝኩም ክትመጹ ኣለኩም፤

  • ናይ ክልቲኦም ወለዲ መንነት ሰነዳት።
  • ካብ ሓኪም ወይ መሕረሲት ምስክር ወረቐት

እምበኣርከስ እቲ ቆልዓ ምስ ናይ ክልቲኦም ወለዲ ናይ ጥዕና ካርድታት ክተሓሓዝ ንማሕበራዊ ድሕነት ምሕታይ ይግባእ።

በዚ ማ ፣ ድሕሪ ምእዋጅ ሕርሲ ካብ 5 ክሳብ 8 መዓልታት ክግበር ይከኣል ።

ነዚ ንምግባር ድማ፤

  • 3646 ፣ ምድዋል
  • ወይ ድማ ናብቲ ameli.fr "ኣገባባተይ" ዝብል ክፍሊ >"Mes démarches" "ናይ ኩነታት ለውጢ ምእዋጅ" > "ሓድሽ ዝተወልደ ኣዋጅ" "Déclarer un changement de situation" > ናብ ameli.fr ኣካውንት ብምእታው እዩ ዝፍጸም።

ዝያኣ ሓበሬታ ኣንብብ፡ እቲ Réfugiés.info ዝብል ናይ ሓቂ ወረቐት "Avoir une carte Vitale" "ቪታለ ካርድ ምህላው"።

ልደት ውላድኩም ናብ CAF ምእዋጅ ፍሉይ ማሕበራዊ ሓገዝ ክትረክብ የኽእለኩም።

እዚ ኣዋጅ እዚ ቆልዓ ምስ ተወልደ ብቕልጡፍ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም ።

ነዚ ንምግባር ናብ ናይ CAF ኣካውንትካ እቶ ፣ ኣብቲ "ሕሳበይ" > "ኣገባባተይ" > "ለውጢ ምእዋጅ" > "ልደት ምእዋጅ" ዝብል ክፍሊ።

ኣንብብ፡ እቲ Réfugiés.info ዝብል ናይ ሓቂ ወረቐት "ምዝገቡን ካብ CAF ሓገዝ ሕተቱን"።

ናይ ሓባር መድሕን እንተሃልዩኩም፡ ምውላድ ውላድኩም እውን ክትሕብሩሎም ኣለኩም።

እቶም ወለዲ ዝተፈላለየ ናይ ሓባር መድሕን ትካላት እንተሃልይዎም፡ እቲ ሕርሲ ናብ ክልቲኦም ናይ ሓባር መድሕን ኩባንያታት ክሕበር ኣለዎ።

ወለዲ እንተደኣ እንተሃልዩ ካልኣይ ወላዲ ናይቲ ቆልዓ ንውላድኩም ንምቕባል ዝሕግዘኩም ዝኽፈል ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክረክብ መሰል ኣለዎ።

እቲ ካልኣይ ወላዲ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክወስድ ግዴታ ኣለዎ : እዚኦም ድሕሪ 3 መዓልቲ ሕርሲ እዮም፣ ኣብ ዘይሰርሑሉን ንቡር ደሞዝ ኣብ ዝኽፈሉን እዋን እዮም።

ድሕሪ እዘን 3 መዓልታት እቲ ካልኣይ ወላዲ ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ ክወስድ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ክጸንሕ ይኽእል እዩ፤

  • ኣብ መንጎ 4 መዓልቲ ክሳብ 25 መዓልቲ (1 ቆልዓ እንተወሊድኩ`)
  • ወይ ድማ ካብ 4 መዓልቲ ክሳብ 32 መዓልቲ (2 ወይ ልዕሊኡ ቆልዑ እንተወሊድኩም)።
ምፍላጡ ዘገድስ እቲ ካልኣይ ወላዲ እንተወሓደ ቅድሚ ምጅማር ዕረፍቲ 1 ወርሒ ንኣስራሒኹም ከፍልጥ ኣለዎ ።
እቲ ቆልዓ ካብ ዝውለድ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ዕረፍቲ ክውሰድ ኣለዎ ።

ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ካብ ዝተወለድኩምሉ ፡ እቲ እትኸፍሎ መጠን ገንዘብ ምስ ብዝሒ ሰባት ኣብ ገዛኻ ንምትዕርራይ ናብ በዓል መዚ ግብሪ ክትእውጁ ኣለኩም።

ነዚ ንምግባር ድማ ናብ መርበብ ሓበሬታ impots.gouv.fr ክትኣቱ ኣለካ ፣ ኣብቲ "ናይ ምቁራጽ ግብሪይ ኣመሓድር" >"Gérer mon prélèvement à la source" > "Déclarer un changement" "ለውጢ ምእዋጅ" ዝብል ክፍሊ።

ኣንብብ፡ እቲ Réfugiés.info ዝብል ናይ ሓቂ ወረቐትfo "Déclarer les revenus et payer les impôts" "ኣታዊ ምእዋጅን ግብሪ ምኽፋልን"።

16 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

a mugniera mugnierምምሕዳር
elisa01elisa01ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
sevasevaተርጓሚ/ሚት
hendhendተርጓሚ/ሚት
igornrgigornrgተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
nour alhindinour alhindiተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
shayanroushanshayanroushanተርጓሚ/ሚት
ahmad mrahmad mrተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
rzgar-bapirirzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት

Liens utiles