ኣገደቲ ሓበሬታ
ኣዳላዊ
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ኣበይ ?
ምምላእ ናይ ስድራቤት መወከሲ ወረቐት ብግቡእ
እንታዩ’ዩ ?
ስደተኛታት ምስ እትኾኑ ወይ ወይ ናይ ንኡስ ሓለዋ ወይ ናይ ቤተሰብ ወረቐት ምስ ዝህልወኩም፡ እቲ ኦፍፕራ ክምላእ ዘለዎ ሰነድ መሊእኩም ምምላእ ከእላኡ፡ እቲ ፋይል መጸውዒኡ ናይ ስድራቤት መወከሲ ፋይል እዩ።
"ናይ ኣፍልጦ ሓቅነት " እዩ፣ ኣብቲ ሰነድ ዘሎ ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ ብወግዒ ትእውጅ ማለት ወይ ምንጋር እዩ።
እቲ ናይ ስድራቤት መወከሲ ቅጥዒ ንኦፍፕራ ኩነታት ሓዳርካ (መንነትካ ኣብ ፈረንሳ) ከረጋግጽን ንናይ ስድራቤት ምጥርናፍ ሕቶ እንተቐሪቡ ኩነታት ስድራቤትካ ከረጋግጽን ዘኽእሎ ሰነድ እዩ።
ብፈረንሳ መሊእካ ክትፍርም ኣለካ።
እቲ ናይ ስድራቤት መወከሲ ቅጥዒ ብትኽክል እንተተመልአ፡ መስርሕ ፋይል ዝቐልጠፈ እዩ።
ውልቃዊ ባርኮድ ኣለዋ ። ስለዚ ናይ ካልእ ሰብ ናይ ስድራቤት መወከሲ ቅጥዒ ወሲድካ ክትመልኦ ከምዘይከኣል ኣስተውዕሉ።
- እቲ ናይ ምእታው ውሳነ ካብ Ofpra ኣብ ውልቃዊ ዲጂታላዊ ቦታኻ እንተተቐቢልካዮ ፣ ናይ ስድራቤትካ መወከሲ ፋይል ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናብ ዲጂታላዊ መዝገብ መኽዘን ብምልኣኽ ዓቕብዎ።
- ድሕሪ ውሳነ ብሲኤንዲኤ (ሃገራዊ ቤት ፍርዲ መሰል ዑቕባ) ኣህጉራዊ ሓለዋኻ እንተረኺብካ፡ እቲ ናይ ስድራቤት መወከሲ ፋይል ብፖስታ ክትቅበል ኢኻ።
- ኣብ እዋን መስርሕ ምጽራይካ (መደብ ዳግመ-ምጥያስ) ናይ ስድራቤትካ መወከሲ ወረቐት እንተመሊእካዮ፡ ኣብቲ ዲጂታላዊ መወከስ ኣይቅመጥን እዩ።
ከመይ ንገብሮ?
ኣብ እቲ Ofpra ኩሉ ኣብ ፋይልኩም ዘሎ ሓበሬታ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
- ናይ ዑቕባ መመልከቲ ቅጥዒ
- ኣብ ኦፍፕራ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት።
- እቲ ክኸውን ዝኽእል ውሳነ ሲኤንዲኤ
- እቲ ናይ ስድራቤት መወከሲ ፋይል
- እቶም ዝተመሓላለፉ ሰነዳት (ፓስፖርት፣ ሰነዳት መንነት፣ ሰነዳት ሲቪላዊ ኩነታት ወዘተ)
- ፈለማ ናይ መብርሂ ደብዳበ
- ካልእ ዝኾነ ነቲ ዘይምስምማዕ ዝገልጽ ሰነዳት።
እቲ ቀዳማይ ስም ምሉእ ብምሉእ ክትጽሕፎ ኣለካ ንኣብነት፤
ጁንየር፡ ጁንየር
Md: መሓመድ
ማስት፡ ሞሳማት
ስለዚ ኣስተውዕሉ፣ ኣብ ቀዳማይ ስም ቁጽሪ፡ ወይ ኣብ ፊደላት ፈረንሳ ዘይህሉ ምልክታት ክህልወካ ኣይክእልን እዩ።
ካብ ፋይልካ ሓበሬታ እንተጎዲሉ፡ ኦፍፕራ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ሕቶ ክሰደልካ'ዩ።
ካብዚ ንምውጋድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ኩሉ ብትኽክል ክትውድኦ ይምከር።
ገጽ 1፡ መንነት ኣድራሻ ኣብ ፈረንሳ
- ኩነታት ሓዳርካ : ኩሉ እቲ ብዛዕባ መንነትካ ዝምልከት ክፍልታት ብትኽክል ምልኣዮ። ናይ ኩሎም ዝተሓተቱ ዕለታት መዓልታትን ኣዋርሕን ዓመታትን ጽሓፉ፣ እንተፈሊጥኩም።
- ኣድራሻን ርክብን : ካብ ኦፍፕራ ፖስታ ከም ዝመጸካ ንምርግጋጽ ምሉእ ኣድራሻኻ ኣመልክት። ኣስተውዕል፣ ኣድራሻኻ፣ ቁጽሪ ተሌፎንካ ወይ ኢመይልካ እንተቐይርካ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኦፍፕራ ዝርዝር ርክብካ ክትቅይሮ ኣለካ ( ኣብ ታሕቲ ናይዚ ወረቐት “ውልቃዊ ኩነታትካ እንተተቐይሩ” ዝብል ክፍሊ ርአ)።
ገጽ 2፡ ህሉው ኩነታት ሓዳር
ብዝተኻእለ መጠን ከከም ኩነታትኩም ብልክዕ ምልኣዮ፤
- ንጽል : ኣብዚ ሕጂ እዋን ንጽል እንተኾይንካ ናብ ዝቕጽል ገጽ ክትዘልል ትኽእል ኢኻ።
- ሓባራዊ ምንባር : ምስ ሓደ ብወግዒ ዘይተመርዓወ ሰብ ትነብር እንተኾንካ ፡ "መጻምድትኻ " ምናልባት'ውን " ካብዚ ሕብረት ዝመጽእ ቆልዑ " ዝብል ክፍሊ ምልኣዮ ።
- ተመርዕዩ : ምስ በዓል ቤትካ ወይ በዓልቲ ቤትካ ትነብርን ብወግዒ ተመርዕኻ እንተኾንካን፡ ክፋል " a - ተመርዕኻ እንተኾንካ " " መጻምድትኻ " ከምኡ ውን ምናልባት " ካብዚ ሕብረት ዝወጹ ቆልዑ " ምልኣዮ።
- ዝተፋትሕካ : ብወግዒ ተመርዕኻ እንተኾንካ፡ ግን ድሕሪ ደጊም ምስቲ ሰብ ርክብ እንተዘይሃልዩካን ፍትሕካ ብወግዒ ተመዝጊቡ እንተኾይኑን፡ ክፋላት " ሀ- ተመርዕዩ እንተኾንካ" " እንተተፋቲሕካ (ኪ) "" መጻምድትኻ " ምሉእ ብምሉእ። ከምኡ'ውን " ቆልዑ ካብዚ ሕብረት " ክኾኑ ይኽእሉ።
- መበለት: ሰብኣይኪ ወይ በዓልቲ ቤትኪ ሞይቱ እንተኾይኑ፡ ክፋላት " ሀ - ተመርዕያ እንተኾንኪ " "ሐ - መበለት እንተኾይንኪ " " መጻምድትኺ " ከምኡ'ውን ምናልባት "ደቂ ካብዚ ሕብረት " ምልኣዮ።
ኣየናይ በዓል ስልጣን እዩ ነቲ መርዓ ዘብዓሎን ኣብታ መበቆል ሃገር (ኣዳራሽ ከተማ፣ ቆንስላ ወዘተ) ብወግዒ ተመዝጊቡ እንተኾይኑ ምጽሓፍ የድሊ። መልክዕ ሓዳር (ሲቪላዊ፡ ሃይማኖታዊ ወዘተ) ንመሰል ምጥርናፍ ስድራቤት ኣብ ሕቶ ዘእቱ ኣይኮነን።
ንምንባብ: እቲ Refugees.info ዝብል ወረቐት: "ንምጥርናፍ ስድራቤት ምሕታት ".
- ተፋቲሕኩም እንተኾይንኩም፤
ኣየናይ በዓል ስልጣን እዩ ነቲ ፍትሕ ብወግዒ ኣዊጁ (ዳኛ፡ ቤት ፍርዲ ወዘተ) ምጽሓፍ የድሊ።
ገጽ 3፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረኩም ሕብረት
ኣብቲ ንገጽ 2 ዝኸውን ቅጥዒ ገጽ 3 ምምምላእ።
ቅድሚ ሕጂ ሓያሎ ማሕበራት እንተሃልዩኩም (ብዙሕ ግዜ ተመርዕኹም እንተኾይንኩም)፡ ነቲ ገጽ ቅዳሕ ብምግባር ኣብ ነጻ ወረቐት (ንበይኑ ጻዕዳ ገጽ) ብምምላእ ምስቲ ኣብቲ ናብ ኦፍፕራ ዝጸሓፍካዮ ደብዳበ ምስቲ ናይ ስድራቤት መወከሲ ወረቐት ክትውስኾ።
ንኣብነት ተመርዕየ ድሕሪኡ ተፈላልየ እንተበልካ፡ ነቲ " ናይ ቀደም ሕብረትካ " ዝብል ክፍሊ ምስ ኩሉ እቲ ዝተሓተተ ሓበሬታ ክትመልኦ ኣለካ።
ገጽ 4፡ ዕለትን ፌርማን ዘይምርሳዕ
ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ዕለት ምጽሓፍን ምፍራምን ኣይትረስዑ ።
ብድሕሪኡ’ከ ?
እቲ ፋይል ምሉእ ምዃኑ ኣረጋግጽ፣ ምስ፤
- እቲ 4 ገጻት ናይቲ ናይ ስድራቤት መወከሲ ወረቐት
- ዝኾነ ኦርጅናል ሰነዳት ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንOfpra ብግልጺ ወረቐት ከተመሓላልፎ እትደሊ።
ብድሕሪኡ ምሉእ ፋይልኩም ብፖስታ ናብዚ ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም፤
OFFICE FRANÇAIS DE PROTECTION DES REFUGIES ET APATRIDES
201, RUE CARNOT
94136 FONTENAY-SOUS-BOIS CEDEX እዚ እዩ ኣድራሻና
ብቕልጡፍ ንኦፍፕራ ክትሕብሩ ይግባእ፤
- እንተገዛ ቀይርኩም : ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ክቕየር ዘለዎ ኣድራሻ
> ንምንባብ: እቲ Réfugiés.info ዝብል ወረቐት “ንOFPRA ብዛዕባ ለውጢ ዝርዝር ርክብ ምሕባር” ”.
- ኩነታት ስድራቤትካ እንተቐይርካ (ሓዳር፡ ምፍልላይ፡ ሞት ወዘተ): ነቲ ደጋፊ ሰነዳት ብፖስታ ስደዶ።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ