ህጹጽ መጽለሊ ንምርካብ 115 ምድዋል

ህጹጽ መጽለሊ ንምርካብ 115 ምድዋል

ብሕጽር ዝበለ፣
መጨርሽታ ጊዜ ምሕዳስ8 avr. 2022

እንታይ ኢዩ?

ቁጽሪ 115፣ እንተደኣ መጽለሊ ዘይብልኩም ዝድወሎ ቁጽሪ እዩ። (ምናልባት ካብ ገዛ ምስጓግ ምስ ዘጋጥም፣ገዛ ምስ ዘይህልወኩም ወይ'ውን ገዛ ምስ እትስእኑ) ወይ እውን ግዳይ ናይ ቤተሰባዊ ዓመጽ ምስ እትኾኑ ወዘተ ክኸውን ይኽእል።

ኩሉ ናብ 115 ዝድውል ድማ፣ ብነጻ ግዝያዊ መጽለሊን ህጹጽ መዕቖቢንይረክብ።

i ምፍላጡ ኣገዳሲ :ቁጽሪ 115 ኩሉ እዋን ማለት 24/24 ሰዓታት ንምሉእ ዓመትን ነጻ ኣገልግሎት ዝህብ ኮይኑ ኩሉ መዓታት፣ ኣብ መላእ ፈረንሳ ክፉት እዩ።.ወላ እውን ናይ ቴለፎን ካርድ ሕሳብ እንተዘይብልኩም ክትድውልሉ ትኽእሉ ኢኽም (ልክዕ ከም ካልኦት ናይ ህጹጽ ሓደጋ ቁጽርታት ከም እኒ፣ ፖሊስ፣: ፖሊስ,መጥፋእቲ ሓዊ ወዘተ).

ተጠንቀቑ! እዚ ኣብ ገለ ገለ ናይ 115 ቁጽሪ ጠለባት ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፣ መስመር ቴለፎኑ ትሑዝ ስለ ዝኸውን ፣ ቦታ ንምርካብ ደጋጊምኩም ምድዋል ይግብኣኩም። ናብዚ ቁጽሪ እዚ ንኽትድውሉ ዘለኩም ካልእ ኣማራጺታት ምስ ዘይ ህልወኩም ጥራይ ክኸውን ይግባእ። (ንኣብነት ብ ፈተውቲን, ቤተሰብን ካልኦትን ምጽላል ምስ ዘይትረኽቡ)

ቅድሚ ናብ ቁጽሪ 115 ምድዋልኩም፣ ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎት ማሕበራት ኮነ ምምሕዳር ናይ ገዛውትኹም ፣ ኣማራጺታት እንተሎ እውን ሕተቱ።

ግዳያት ናይ ዓመጽ እንተ ኴንኩም (ማህረምቲ …) ወይ እውን ንቑሪ ዝተቓላዕኩም ምስ እትኾኑ ን ቁጽሪ 115 ብቐጥታ ካብ ምድዋል ንድሕሪት ኣይትበሉ።

ንመን ኢዩ ፧

ቦታ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ቦታ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ብኸመይ ይኸውን

1

ቁጽሪ 115 ደውሉ

ኣብ እቲ ቁጽሪ 115.ምስ ደወልኩም

ሓደ ሰብ ክምልሰልኩም እዩ .

i ንምፍላጡ ኣገዳሲ

ኣዚ ኣገልግሎት እዚ፣ ብቋንቋኹም ፣ ኣስተርጎምቲ ናይ ምዝርራብ ተኽእሎ እውን ኣለኩም.

ብዝዕባ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ክትረኽቡ እውን ትኽእሉ ኢኹም :

  • ግዝያዊ መደቀሲእትረኽሉ ቦታ
  • መመገቢ
  • መከታተሊ ኩናታት (ጥዕናኹም),
  • lሶሻል ወይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ኣከባቢኹም .
2

ኣብቲ መዕቆቢ ዝረክበኩም ሰብ ነቲ ኩነታት ምጽናሕ ናይቲ መዕቆቢ ይገልጸልኩም

እቲ 115 ሰራሕተኛ፣ ኣከባቢኹም ቦታ ዘሎ ማእከላት ቦታ ምስ ረኸበ ፣ተመሊሱ ይሕብረኩም። ብሓፈሻ፣ እቲ መዕቆቢ ማእከል ምሳኽም ብቐጥታ ብምርኻብ ።

ከከም ኩናታት ኣሰራርሐኦም ኣከባቢኹም፣ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መዕቆቢ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

  • ኣብ ናይ ህጹጽ መዕቆቢ ማእከላት
  • ኣብ ፣ ቆልዑ ዘለዎም፣ ጽምዲ ዘይኮኑ ኣዴታት ወይ ኣቦታት ጥራይ ዝዕቆቡ ክኸውን ይኽእል
  • ኣብ ናይ ሰራሕተኛታት መዕቆቢ
  • ኣብ መዕቆብ ስደተኛታታ.

ከከም ኩነታት መጽለሊ መሕተቲኹም ፣ዝፈላለ ክኸውን ይእክእ፣ እቲ እትረኽብዎ ኣገልግሎት ንኣብነት እንተደኣ

ግዳይ ናይ ዓመጽ ኴንኩም፣ ንዕኡ ዝከውን ፍሉይ መዕቆቢ ክወሃበኩም ይኽእል

3

ህጹጽ ናይ ሓደጋ መጽለሊ ምስ ረኸብኩም

ብ ሓፈሻ። እተን ናይ መዕቆቢ ማእከላት ፣ መሰረታውያን ነገራት ከም እኒ

  • መጽለሊ (መሞቒ ወይ መጸቀሲ)
  • መግቢ (መዐንገሊ )
  • ክንክን(መሕጸቢ). እየን ዘቕርባ

i ክፍለጥ ዘለዎ!

ኣብ ገለ ገለ ማእከላት፣ እቲ ምጽላል ን ቀትሪን ለይቲን ክኸውን እንከሎ ። ኣብ ገሊአን ድማ ለይቲ ጥራይ እዩ። ብ ኣንጻሩ እውን ፣ ገሊአን ማእከላት "ናይ ቀትሪ ጥራይ " ብምባል ይፍለጣ፣ ቀትሪ የዕቁባ ፣ ለይቲ ግን ይዓጽዋ።

ንውሓት እዋን ናይቲ ምጽላል ወይ ምዕቋብ ይፈለለ እዩ።. እንተደኣ ንንውሕ ዝበለ ኮይኑ ናይ ምጽላል ጠለብኩም ዝቕጽል። (ኣብ ናይ ሶሻል፣ ወይ ናይ መንግስቲ ገዛውቲ ናይ ምጽላልኩም መስርሕ ክጅመር ኣለዎ ) ምስ ሰራሕተኛታይ ሶሻል ብምዃን።

ብድሕሪኡ ዝቅጽል

እንተደኣ ገዛ ዘይረኺብኩም ኣብ DAHO ኣመልክቱ

እንተደኣ ዝኾነ ካልእ ኣማራጺ መዕቆቢ ስኢልኩም፣ ብ ዳሎ መጽለሊ ናይ ሽጉራት ቀዳምነት ስለ ዝህብ ብእኡ ኣቢልኩም መጽለልሊ ንኽትረኽቡ ፋይል ክፈቱ። (DAHO).

እቲ ኣብ ህጹጽን ሕማቕን ኩነታት ምውዳቕኩም ፣ ዳግማይ ገዛ ናይ ምርካብ ዕድል ከውህበኩም ይኽእል ይኸውን እዩ። ስለዚ ቆጸራ ንምሓዝ ኣብዚ ሊንክ ብምእታው ጠውቑ። Rendez-vous sur cette fiche Réfugiés.info pour en savoir plus.

ኣገዳሲ ዝኾነ ሓቤሬታት ረኺብኩም ዶ ?
ኣምስግኖም ነቶም ንዓኻ ኣብርክቶ ዝገበሩ ኣብ ተሳትፍኦም
142 🙏
ኣበርከቲ ዓድም
11እዛ ገጽ ጹቡቅ ጌርካ ኣጽናዓያ መታን ን ሕቶታት ምምላጽስ ክትጠቅመካ
Proposé par
Comité de la Démarche Accessible

Comité de la Démarche Accessible