ምርካብ ህጹጽ መጽለሊ ናብ 115 ብምድዋል
ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 10 moisቁጽሪ 115፣ እንተደኣ መጽለሊ ዘይብልኩም ዝድወሎ ቁጽሪ እዩ። (ምናልባት ካብ ገዛ ምስጓግ ምስ ዘጋጥም፣ገዛ ምስ ዘይህልወኩም ወይ'ውን ገዛ ምስ እትስእኑ) ወይ እውን ግዳይ ናይ ቤተሰባዊ ዓመጽ ምስ እትኾኑ ወዘተ ክኸውን ይኽእል።
ኩሉ ናብ 115 ዝድውል ድማ፣ ብነጻ ግዝያዊ መጽለሊን ህጹጽ መዕቖቢንይረክብ።
ኣገዳሲ!
ምፍላጡ ኣገዳሲ :ቁጽሪ 115 ኩሉ እዋን ማለት 24/24 ሰዓታት ንምሉእ ዓመትን ነጻ ኣገልግሎት ዝህብ ኮይኑ ኩሉ መዓታት፣ ኣብ መላእ ፈረንሳ ክፉት እዩ።.ወላ እውን ናይ ቴለፎን ካርድ ሕሳብ እንተዘይብልኩም ክትድውልሉ ትኽእሉ ኢኽም (ልክዕ ከም ካልኦት ናይ ህጹጽ ሓደጋ ቁጽርታት ከም እኒ፣ ፖሊስ፣: ፖሊስ መጥፋእቲ ሓዊ ወዘተ). (comme les autres numéros d’urgence : pompiers, SAMU, police, etc.). ኣስተውዕሉ ኣብ ማእከላት ህጹጽ መንበሪ ኣባይቲ ዝርከቡ ቦታታት ውሱናት ኮይኖም 115 ድማ ልዑል ጠለብ ከምዘለዎም ኣስተውዕሉ። ብዙሕ ግዜ ብዙሕ ግዜ ክትድውል ስለዘለካ ኩሉ ግዜ ቦታ ክትረክብ ኣይከኣልን እዩ።

ምድዋል ናብ 115 ኣብ ህጹጽ እዋን ጥራይ ደውሉ ካልእ መፍትሒታት ምስ ዘይብልኩም ጥራይ ን ኣብነት (ምስ ዘመድ መንበሪ ወዘተ)። ኣብ ጽርግያ ሓደጋ እንተሃልዩኩም ወይ ኣብ ደገ ቁሪ እንተሃልዩ ክሳብ ምሸት ከይተጸበኹም ብቐጥታ ናብ 115 ክትድውሉ ይግባእ።
እንተኺኢልኩም ርጉእ ፍታሕ ንምርካብ ናይ ከተማኹም ኣዳራሽ mairie, ፣ ማሕበራዊ ሰራሕተኛኹም ወይ ኣብ ከተማኻ ዝርከብ ማሕበር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርአዩ።
ምፍላጡ ዘገድስ ንገዛእ ርእስኻ ወይ ኣብ ጽርግያ ንዝተጸገመ ሰብ ናብ 115 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ፓሪስ እውን ነዚ መርበብ ሓበሬታ ce site internet ብምጥቃም ይከኣል እዩ
ከመይ ንገብሮ?
ብድሕሪኡ’ከ ?
12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ
claudia m
a mugnier
olga b.ተርጓሚ/ሚት
diplosamተርጓሚ/ሚት
noorተርጓሚ/ሚት
marianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaተርጓሚ/ሚት
rohullah expertተርጓሚ/ሚት
kim.delaunayተርጓሚ/ሚት