ናይ ባንኪ ሕሳብ ወይ ኣካውንት ምውጻእ

ናይ ባንኪ ሕሳብ ወይ ኣካውንት ምውጻእ

ብሕጽር ዝበለ፣
መጨርሽታ ጊዜ ምሕዳስ25 août 2022

እንታይ ኢዩ?

ሓንቲ ባንኪ ኣብ ውሑስ ዝኾነ ቦታ ገንዝብ ንክ ዕቕቡ ወይ ከተቐምጡ ተፍቅድ፣ ሓፈሻዊ ክፍሊት ናይ ገንዘብ ፣ ናይ ኢንሽራንስ ማላዲ ሰክርቲ ሶሲያል መሐከሚ ዝተኸፍለ ናብ ሕሳብኩም\ክን ንክምለስ ኻልእን ይሕግዝ :: ሕሳብኩም ን ኣብነት ኤልተሪክ ናይ ልቺ ፣ ገዛ ኽራይ ፣ ግብሪ ፣ ማይ ኢንትርነት ፣ ካርት ናይ ሞጎዓዝያ ፣ ካል እን ኣብ ምኽፋል ይጠቅም ::

ንኣፍልጦ!

ነዚ ንምስላጥ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ምልከት ዘለዎ ሰብ ከሰንየኩም ይግባእ።

ዝተፈለኣለዩ ዓይነት ኣገባብ ክንከፍል ንኽእል ፣ : la carte bancaire, le chéquier, le prélèvement, le virement. ከም ኣብነት ክጥቐስ ይከኣል።

ብሳላ እዚ ሕሳብ ምህላው፣ ፣ ካብ ማሽን ናይ ባንኪ ገንዘብ ድሕሪ ብጥሪኡ ገንዘብ ክንሕዝ ንኽእል። ሕሳብና ከንውጽእ እንተ ደሊና፣ ኣብ ባንክና ወይ ካብ ዝኾነ ባንኪ ካብ ማሽን ከነውጽእ ንኽእል ::

ንመን ኢዩ ፧

ቦታ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ቦታ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ብኸመይ ይኸውን

1

ናብ ሓንቲ ወኪል ባንኪ ምኻድ

ሕሳብ ከነውጽእ ምስ ዝድለ ፣ ዝቐርበኩም ብምኻድ ነዚ ዝስዕብ ግበሩ

ኣብ ባንኪ ናይ መቀበሊ ቦታ፣ ሓደ ቅጥዒ፣ ዝምላእ ሕሳብ ንምውጻእ ምስ ኣብ ባንኪ ሰራሕተኛ ብቐጥታ ምኽፋ ብምዃን ምኽፋት ይከኣል ::

ሳላ ነዚ ፎርሙል ናይ ሕሳብ መውጽኢ ዝመላእኩም ፣ ሓደ ፋይል ሕሳብ ክፈቱ ::

እዚ ፋይልኩም ነዞም ዝስዕቡ ረቓሕቲ የማልእ :

• ፋይል ናይ ሕሳብ መኽፈቲ ምምላእ ምሕታት

• መሰነይታ ምጽሑፍ መንገዲ ሕሳብ ክንከፍት እንደሊ ምቅራብ ::

• ሓንቲ ካርት ታሴራ ብመንግስቲ ሃገረ ፈረንሳ ዝተወብሃና ክኸውን ይግባእ ::

2

ናይ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት ፎርሙል መሕተቲ ምምላእ

መጀመርያ ናይ ፎርሙል ቅጥዒ መሕተቲ ሕሳብ መወጽኢ ክትመልኡ\ኣ ኣለኩም\ክን

ከም ኵነታቱ ናትኩም\ክን ድሕረ ባይታ ፣ መደብ ፣ ፕሮጀክት፣ ድለየት ዝዛመድ ኣክውንቲ ሕሳብ ናይ ባንኪ ንክተወጽ ኡ\ኣ መታን እታ ባንኪ ዝተፈለላለዩ ዓይነት ኣገባብ ካርት ኣማራጺታት ከተቕርበልኩን\ክን ኢያ ::

ካርት ጆን ብጫ ካርት ንመንእሰያት ፤

ሕሳብ ናይ ሰብ ሞያ ፤

ሕሳብ ናይ ክፍሊት ፤

ፍሉይ ካርት ካብ ርሑቕ ዝቆጸጻር ፤

ን ኣፍልጦ ምፍላጡ ኣገድስቲ ነጥብታት፣ ኣስትወዕል ሓደ ሓደ ካርት ባንኪ ኣስራርሓ ናቶም ብኽፍሊት ናይ ገንዘብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ፣ ዝያዳ ተወሳኺ መብርሂ ሓበሬታት ምስ እትደልዩ ን ሓደ ኣማኻሪ ኣብ ምሕታት ኣይትጠራጠሩ ብሓባር ኮንኩም ዘድሊ ፍታሕ ክትረኽቡ ትኽእሉ::

ምስ እዚ ፎርሙል ተወሳኺ ሓንቲ ምስክር መረጋጋጺ ወረቐት ከተቅርቡ ኣለኩም ::

3

ታሴራዶክሜንት ወረቐት ኣቅርቡ

ብመንግስቲ ሃገረ ፈረንሳይ ዝተወሃበ ፍቃድ መንበሪ ወረቐት ካርት ሰጁር ወይ ረሲፕሲ ብቕዓት ዘለዎ መዓልቱ ዘይወደቀ ከተቅርቡ ኣለኩም ::

መዓልጡ ዝሓለፈ ወረቐት ብዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ተቀባነት የብሉን::

ኣብ ዝኾነ እዋን ናትኩ ካርት ሰጁር ማዓልቱ ሓሊፉ ምስ ዝወደቅ ፣ መሰነይታ ወረቐት ካርት ሰጁር ኣብ መስርሕ ናይ ምሕዳስ ከም ዘሎ ዝሕብር ጭብጢ ምቕራብ ይግባእ ::

ምፍላጡ ኣገድስቲ ነጥቢ

፣ ካርት ሰጁር ማዓልቱ ዘይወደቀን ስእሊኹም ንጹር ዝርኣይ ክኸወን ኣለዎ ::

4

መሰነይታ ወረቐት ሕሳብ ናይ ባንኪ ክትኸፍቱ ከም ዝደለኹም ብጽሑፍ ኣቅርቡ ::

ምስ ካርት ሰጁር ግዚኡ ማዓልቱ ዘይወደቀን ፣ናትኩም መሰነይታ ወረቐት ሕሳብ ናይ ባንኪ ክትኸፍቱታ ከም ዝደለኹም ብጽሑፍ ኣቅርቡ ::

እዚ ዝቀርብ ጽሑፍ ናትኩም ሕቶ ወግዓዊ ንከኸወን ይሕግዘኩም ::

ኣብዚ ዝቀረብ ጽሑፍ ናትኩም ፌርማ ብንጹር ዝርኣይ ክህልዎ ኣለዎ ::

5

ፋይልኩም ክሳብ ብቅዓት ናይ ተቀባልነት ዝርከብ ተጸበዩ::

ሓንሳብ ተቀብልነት ብንባኪ ምስ ረኸበ፣ ሕሳብኩም ክሳብ ዝኽፈት ኣስታት 15 መዓልቲ ክወስድ ይኽእል ::

ን ኣፍልጦ

ዝኾነ ባንኪ ናቶም መሰረተዊ ናቶም ሕጋጋት ነጻ ዕዳጋ ባንኪ ዓሚል ክቅብሉን ክንጸጉን መሰል ኣለዎም :: ዝሓተትኩማ ባንኪ ሕሳብ ክትከፍቱ ኣኣለኩም፣

=>ንዝያድ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ጠወቑ : cliquez ici pour lire notre fiche "Accéder à la procédure de droit au compte".

ብድሕሪኡ ዝቅጽል

ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ ናይ ኣከፋፍላ ኣሎ

ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ ሜላ ናይ ኣከፋፍላ ስለ ዘሎ ንናትኩም ባንኪ ካርት በቲ ትደሊዎ\ኦ ክትሓቱ ትኽእሉ ::

ዝተፈላለዩ ዓይነት ካርት ባንኪ ኣሎ :

•ካርት ሩትረት መሳሕቢ, ካብ ማሺን ብቀጥታ ገንዘብ ንክትስሕቡ ዘኽእል

:•ካርቲ ደቢ ብገንዘብ ጌርኩም\ክን ዝብላዕ መግቢ ጥራሕ ንኽትዕድጉ\ጋ የፍቀልደኩም\ክን::

• ካርት ክረዲ ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ክትዕድጉ\ጋ\ን ካብ ማሺን ገንዘብ ክትስሕቡ\ባን ከምኡውን ካብ ሕሳብኩም\ክን ክትከፍሉ\ላን ብየፍቅደልኩም\ክን ::

ቸክ ናይ ባንኪ

ፕረለቭሞ ካብ ሕሳብና ብቐጥታ ለቃሕ ንክንህብ ዓቀን ናይ ገንዘብ ፍቃድ ክንገብር ንኽእል ::

ሊ ቪርሞ ሓደ መስርሕ ናይ ምትሕልላፍ ካብ ሓደ ሕሳብ ናብ ካልእ ሕሳብ ክንሰድድ ምስ እንደሊ ን ናትና ባንኪ ክንሕብር ንኽእል ::

ንምፍላጡ ኣገዳሲ ነገር : ኣስተውዕል\ሊ ዋና ባንኪ ብዘይ ሓደ ምኽንያት ከየቀረበ ክንጸግ ኽእል እዩ::

ሳላ ኣብ ባንኪ ሕሳብ ኣክውንቲ ዝኸፈተና ፣ ካብ ባንኪ ጥረ ገንዘብ ክንስሕብ ንኽእል ኢና ፣ ን ኣብነት ኣብ ባንኪ መቀበሊ ወይ ካብ ማሽን ጥረ ገንዘብ ክንስሕብ ንኽእል ኢና ::

ቀጻሊ ሕሳብምክን ንከተረጋግጹክትሓስቡ ኣለኩም ::

ሕሳብኩም ገንዘብ ጥርሑ ከይትረፍ መታን ቀጻሊ ንከተረጋግጹ ንላበወኩም\ክን ፣ ሳላ ናይ ዝተፈላለያ ዓይነት ባንኪ ዝቀርቡ ኣፕሊኬሽን ገንዘብኩም ብ መስመር ኦንላይን ክትቆጻጸሩትኽእሉ ::

ምፍላጡ ኣገደስቲ ነገራት ፣ ኣብ ሕሳብና ገንዘብ ዘይምህልውና ሓደ ዓቢ ኽሳራ ከምጽኣልና ይኽእል ፣ ን ኣብነት ቸክ ክንጽሕፍ ምስ እንደሊ ተቀብልነት የብሉን ፣ ኣብ ሕሳብኩም ገንዘብ ዘይብልኩምገንዘብ ምስ እትጽሕፉ ብሕጊ ከሕትተኩም ይኽእል ስለ`ዚ ካብ ባንኪ ምጥቃም ክትክልከሉ ትኽእሉ ::

ዝርዝር ናይ ሕሳብካ ምቅባል

ዝርዝር ቅብሊት ናይ ሕሳብካ ወርሓዊ ዝገብርካ ኣታውን ወጻእን ገንዘብካ ፣ ክንደይ ገንዘብ ከም ዝጠቀምካ ዝሕብር ኢዩ ( ን ኣብነት ብዛዕባ ገንዘብና ክንደይ ስሒብና ፣ ክንደይ ዓቂብና ወይ ኣቀሚጥና ክንደይ የሕልፍና፣ ናይ`ዚ ወርሒ ክንርኢ ንኽእል ::

ዝርዝር ናይ ሕሳብ ዝበዝሕ ግዜ ብደብዳቤ ይለኣኽ ፣ እንተ ደሊኹም ግን ብኢመይል ንኽትቅበሉ ትኽእሉ::

ኣገዳሲ ዝኾነ ሓቤሬታት ረኺብኩም ዶ ?
ኣምስግኖም ነቶም ንዓኻ ኣብርክቶ ዝገበሩ ኣብ ተሳትፍኦም
167 🙏
ኣበርከቲ ዓድም
13እዛ ገጽ ጹቡቅ ጌርካ ኣጽናዓያ መታን ን ሕቶታት ምምላጽስ ክትጠቅመካ
Proposé par
Comité de la Démarche Accessible

Comité de la Démarche Accessible