ናይ ባንኪ ሕሳብ ወይ ኣካውንት ምውጻእ
እንታይ ኢዩ?
ሓንቲ ባንኪ ኣብ ውሑስ ዝኾነ ቦታ ገንዝብ ንክ ዕቕቡ ወይ ከተቐምጡ ተፍቅድ፣ ሓፈሻዊ ክፍሊት ናይ ገንዘብ ፣ ናይ ኢንሽራንስ ማላዲ ሰክርቲ ሶሲያል መሐከሚ ዝተኸፍለ ናብ ሕሳብኩም\ክን ንክምለስ ኻልእን ይሕግዝ :: ሕሳብኩም ን ኣብነት ኤልተሪክ ናይ ልቺ ፣ ገዛ ኽራይ ፣ ግብሪ ፣ ማይ ኢንትርነት ፣ ካርት ናይ ሞጎዓዝያ ፣ ካል እን ኣብ ምኽፋል ይጠቅም ::
ንኣፍልጦ!
ነዚ ንምስላጥ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ምልከት ዘለዎ ሰብ ከሰንየኩም ይግባእ።
ዝተፈለኣለዩ ዓይነት ኣገባብ ክንከፍል ንኽእል ፣ : la carte bancaire, le chéquier, le prélèvement, le virement. ከም ኣብነት ክጥቐስ ይከኣል።
ብሳላ እዚ ሕሳብ ምህላው፣ ፣ ካብ ማሽን ናይ ባንኪ ገንዘብ ድሕሪ ብጥሪኡ ገንዘብ ክንሕዝ ንኽእል። ሕሳብና ከንውጽእ እንተ ደሊና፣ ኣብ ባንክና ወይ ካብ ዝኾነ ባንኪ ካብ ማሽን ከነውጽእ ንኽእል ::
ንመን ኢዩ ፧
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ብኸመይ ይኸውን
ናብ ሓንቲ ወኪል ባንኪ ምኻድ
ሕሳብ ከነውጽእ ምስ ዝድለ ፣ ዝቐርበኩም ብምኻድ ነዚ ዝስዕብ ግበሩ
ኣብ ባንኪ ናይ መቀበሊ ቦታ፣ ሓደ ቅጥዒ፣ ዝምላእ ሕሳብ ንምውጻእ ምስ ኣብ ባንኪ ሰራሕተኛ ብቐጥታ ምኽፋ ብምዃን ምኽፋት ይከኣል ::
ሳላ ነዚ ፎርሙል ናይ ሕሳብ መውጽኢ ዝመላእኩም ፣ ሓደ ፋይል ሕሳብ ክፈቱ ::
እዚ ፋይልኩም ነዞም ዝስዕቡ ረቓሕቲ የማልእ :
• ፋይል ናይ ሕሳብ መኽፈቲ ምምላእ ምሕታት
• መሰነይታ ምጽሑፍ መንገዲ ሕሳብ ክንከፍት እንደሊ ምቅራብ ::
• ሓንቲ ካርት ታሴራ ብመንግስቲ ሃገረ ፈረንሳ ዝተወብሃና ክኸውን ይግባእ ::
ናይ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት ፎርሙል መሕተቲ ምምላእ
መጀመርያ ናይ ፎርሙል ቅጥዒ መሕተቲ ሕሳብ መወጽኢ ክትመልኡ\ኣ ኣለኩም\ክን
ከም ኵነታቱ ናትኩም\ክን ድሕረ ባይታ ፣ መደብ ፣ ፕሮጀክት፣ ድለየት ዝዛመድ ኣክውንቲ ሕሳብ ናይ ባንኪ ንክተወጽ ኡ\ኣ መታን እታ ባንኪ ዝተፈለላለዩ ዓይነት ኣገባብ ካርት ኣማራጺታት ከተቕርበልኩን\ክን ኢያ ::
ካርት ጆን ብጫ ካርት ንመንእሰያት ፤
ሕሳብ ናይ ሰብ ሞያ ፤
ሕሳብ ናይ ክፍሊት ፤
ፍሉይ ካርት ካብ ርሑቕ ዝቆጸጻር ፤
ን ኣፍልጦ ምፍላጡ ኣገድስቲ ነጥብታት፣ ኣስትወዕል ሓደ ሓደ ካርት ባንኪ ኣስራርሓ ናቶም ብኽፍሊት ናይ ገንዘብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ፣ ዝያዳ ተወሳኺ መብርሂ ሓበሬታት ምስ እትደልዩ ን ሓደ ኣማኻሪ ኣብ ምሕታት ኣይትጠራጠሩ ብሓባር ኮንኩም ዘድሊ ፍታሕ ክትረኽቡ ትኽእሉ::
ምስ እዚ ፎርሙል ተወሳኺ ሓንቲ ምስክር መረጋጋጺ ወረቐት ከተቅርቡ ኣለኩም ::
ታሴራዶክሜንት ወረቐት ኣቅርቡ
ብመንግስቲ ሃገረ ፈረንሳይ ዝተወሃበ ፍቃድ መንበሪ ወረቐት ካርት ሰጁር ወይ ረሲፕሲ ብቕዓት ዘለዎ መዓልቱ ዘይወደቀ ከተቅርቡ ኣለኩም ::
መዓልጡ ዝሓለፈ ወረቐት ብዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ተቀባነት የብሉን::
ኣብ ዝኾነ እዋን ናትኩ ካርት ሰጁር ማዓልቱ ሓሊፉ ምስ ዝወደቅ ፣ መሰነይታ ወረቐት ካርት ሰጁር ኣብ መስርሕ ናይ ምሕዳስ ከም ዘሎ ዝሕብር ጭብጢ ምቕራብ ይግባእ ::
ምፍላጡ ኣገድስቲ ነጥቢ
፣ ካርት ሰጁር ማዓልቱ ዘይወደቀን ስእሊኹም ንጹር ዝርኣይ ክኸወን ኣለዎ ::
መሰነይታ ወረቐት ሕሳብ ናይ ባንኪ ክትኸፍቱ ከም ዝደለኹም ብጽሑፍ ኣቅርቡ ::
ምስ ካርት ሰጁር ግዚኡ ማዓልቱ ዘይወደቀን ፣ናትኩም መሰነይታ ወረቐት ሕሳብ ናይ ባንኪ ክትኸፍቱታ ከም ዝደለኹም ብጽሑፍ ኣቅርቡ ::
እዚ ዝቀርብ ጽሑፍ ናትኩም ሕቶ ወግዓዊ ንከኸወን ይሕግዘኩም ::
ኣብዚ ዝቀረብ ጽሑፍ ናትኩም ፌርማ ብንጹር ዝርኣይ ክህልዎ ኣለዎ ::
ፋይልኩም ክሳብ ብቅዓት ናይ ተቀባልነት ዝርከብ ተጸበዩ::
ሓንሳብ ተቀብልነት ብንባኪ ምስ ረኸበ፣ ሕሳብኩም ክሳብ ዝኽፈት ኣስታት 15 መዓልቲ ክወስድ ይኽእል ::
ን ኣፍልጦ
ዝኾነ ባንኪ ናቶም መሰረተዊ ናቶም ሕጋጋት ነጻ ዕዳጋ ባንኪ ዓሚል ክቅብሉን ክንጸጉን መሰል ኣለዎም :: ዝሓተትኩማ ባንኪ ሕሳብ ክትከፍቱ ኣኣለኩም፣
=>ንዝያድ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ጠወቑ : cliquez ici pour lire notre fiche "Accéder à la procédure de droit au compte".
ብድሕሪኡ ዝቅጽል
ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ ናይ ኣከፋፍላ ኣሎ
ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ ሜላ ናይ ኣከፋፍላ ስለ ዘሎ ንናትኩም ባንኪ ካርት በቲ ትደሊዎ\ኦ ክትሓቱ ትኽእሉ ::
ዝተፈላለዩ ዓይነት ካርት ባንኪ ኣሎ :
•ካርት ሩትረት መሳሕቢ, ካብ ማሺን ብቀጥታ ገንዘብ ንክትስሕቡ ዘኽእል
:•ካርቲ ደቢ ብገንዘብ ጌርኩም\ክን ዝብላዕ መግቢ ጥራሕ ንኽትዕድጉ\ጋ የፍቀልደኩም\ክን::
• ካርት ክረዲ ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ክትዕድጉ\ጋ\ን ካብ ማሺን ገንዘብ ክትስሕቡ\ባን ከምኡውን ካብ ሕሳብኩም\ክን ክትከፍሉ\ላን ብየፍቅደልኩም\ክን ::
ቸክ ናይ ባንኪ
ፕረለቭሞ ካብ ሕሳብና ብቐጥታ ለቃሕ ንክንህብ ዓቀን ናይ ገንዘብ ፍቃድ ክንገብር ንኽእል ::
ሊ ቪርሞ ሓደ መስርሕ ናይ ምትሕልላፍ ካብ ሓደ ሕሳብ ናብ ካልእ ሕሳብ ክንሰድድ ምስ እንደሊ ን ናትና ባንኪ ክንሕብር ንኽእል ::
ንምፍላጡ ኣገዳሲ ነገር : ኣስተውዕል\ሊ ዋና ባንኪ ብዘይ ሓደ ምኽንያት ከየቀረበ ክንጸግ ኽእል እዩ::
ሳላ ኣብ ባንኪ ሕሳብ ኣክውንቲ ዝኸፈተና ፣ ካብ ባንኪ ጥረ ገንዘብ ክንስሕብ ንኽእል ኢና ፣ ን ኣብነት ኣብ ባንኪ መቀበሊ ወይ ካብ ማሽን ጥረ ገንዘብ ክንስሕብ ንኽእል ኢና ::
ቀጻሊ ሕሳብምክን ንከተረጋግጹክትሓስቡ ኣለኩም ::
ሕሳብኩም ገንዘብ ጥርሑ ከይትረፍ መታን ቀጻሊ ንከተረጋግጹ ንላበወኩም\ክን ፣ ሳላ ናይ ዝተፈላለያ ዓይነት ባንኪ ዝቀርቡ ኣፕሊኬሽን ገንዘብኩም ብ መስመር ኦንላይን ክትቆጻጸሩትኽእሉ ::
ምፍላጡ ኣገደስቲ ነገራት ፣ ኣብ ሕሳብና ገንዘብ ዘይምህልውና ሓደ ዓቢ ኽሳራ ከምጽኣልና ይኽእል ፣ ን ኣብነት ቸክ ክንጽሕፍ ምስ እንደሊ ተቀብልነት የብሉን ፣ ኣብ ሕሳብኩም ገንዘብ ዘይብልኩምገንዘብ ምስ እትጽሕፉ ብሕጊ ከሕትተኩም ይኽእል ስለ`ዚ ካብ ባንኪ ምጥቃም ክትክልከሉ ትኽእሉ ::
ዝርዝር ናይ ሕሳብካ ምቅባል
ዝርዝር ቅብሊት ናይ ሕሳብካ ወርሓዊ ዝገብርካ ኣታውን ወጻእን ገንዘብካ ፣ ክንደይ ገንዘብ ከም ዝጠቀምካ ዝሕብር ኢዩ ( ን ኣብነት ብዛዕባ ገንዘብና ክንደይ ስሒብና ፣ ክንደይ ዓቂብና ወይ ኣቀሚጥና ክንደይ የሕልፍና፣ ናይ`ዚ ወርሒ ክንርኢ ንኽእል ::
ዝርዝር ናይ ሕሳብ ዝበዝሕ ግዜ ብደብዳቤ ይለኣኽ ፣ እንተ ደሊኹም ግን ብኢመይል ንኽትቅበሉ ትኽእሉ::