ናይ ጥዕና መርመራ ምግባር
እንታይ ኢዩ?
ብዛዕባ ኵነታት ጥዕናና ሓደ መዕለቢ ንምግባር ኵነታትና ንምፍላጥ ፣ ምክልኻል ክንክን ናይ ጥዕና ንምግባር ፣ ሕክምናዊ ቆጸራ ምግባርን ፣ ኵሉ ዝግበር ናይ ሕክምናዊ መርመራ ብ ሰክርቲ ሶሲያል ይምወል ::
ምስ ሰብ ሞያ ናይ ሕክምና ክፍሊ ምልኣተ ጥዕና ንምቅይያር ፣ ምስ ሓኪም ፣ ምስ ነረስ ፣ ምስ ናይ ስኒ ሓኪም ፣ ምስ ካልኦትን ሓካይም ኣብ ናይ ሕክምናዊ ምልኣተ ክፍሊ ጥዕና ሓፈሻዊ ዝግበር ቆጸራ ናይ ሕክምናዊ ፣
ናትካ\ኪ ክንክን ሓፈሻዊ ሂወት ኣካላዊ ጽርየት ንምግባር ::
ምስ ናትካ\ኪ ኵነታት ዝዛመድ ፣ ናይ ምጽራይ መርመራ ክትገብር\ሪ ትኽእል\ሊ ::
ምፍላጡ ኣገዳሲ ፣ መርመራ ናይ ምክልኻል ክንክን ምልኣተ ጥዕና ኵሉ ግዜ ኣብ ናይ 5 ዓመት መርመራ ክንገብር ኣለና ፣ መርመራ ን ከነካይድ ኣስታት ክልተ ሰዓት ፈረቓን 2H30 ይወስደልና : ኣብ ማእከል መርመራ ክፍሊ ምልኣተ ጥዕና ይካየድ፣
ኣብ ሃገረ ግዝኣት ፈረንሳይ ኣስታት 85 መ መርመሪ ክፍሊ ናይ ምልኣተ ጥዕና ኣሎ ::
ማንም ሰብ ካብ 16 ክሊ ዕደመ ንዘለው ናይ ሰክርቲ ሶስያል ዝምልክቶ ናይ`ዚ ዕድል ተጠቀምቲ ንሙኻን መርመራ ከካይድ ይኽእል ::
ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ እንተ`ሎ ናይ`ዚ ዕድል ተጠቅምቲ ንሙኻን ቀዳምነት ንምርካብ ካብ`ዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ዘመላእና ክንከውን ኣለና ፣
ንኣብነት ፣ ተጠቅምቲ ናይ RSA ኤረ ሳ፣ ከም ኡውን ናይ መመላእታ ኣብ ምትሕብባር ናይ ምልኣተ ጥዕና ዘለና ክንክውን ኣለና፣ ዕድመና ካብ ክሊ 16 ዕድመ ክሳብ 25 ዓመት ክሊ ዕድመ ክንከውን ኣለና ፣ ኣብ ፖል ኣምፕልዋ ዝተመዝገብና ስራሕ ንሓትት ወይ ንደሊ ክንከወን ኣለና ፣ ወይ ናይ ስንክልና ጸገም ክህልወና ኣለዎ ::
ንመን ኢዩ ፧
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ብኸመይ ይኸውን
ኵነታት ናይ ጥዕናና ንምፍላጥ መርመራ ንምክያድ ክንሓትት ኣለና
ቆጸራ ንምሓዝ በዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ክትውከሱ\ሳ ትኽእሉ\ላ ::
ብተሌፎን 36 46,
- ወይ ብ ኣፕሊኬሽን ወይ ዌብ ሳይት ameli : rubrique « Ma messagerie » ኣመሊ ርቡሪክ ማ መሰንጃሪ ብናትና ሕሳብ ኣቲና ክንውከስ ወይ ሕቶና ቀንቅርብ ንኽእል ::
- ኣብ ማእከል ክፍሊ ምልኣተ ጥዕና ሓደ ቆጸራ ክንህበኩም\ክን ኢና ፤ ብድሕሪ እዚ ብመንገዲ ደብዳቤ ሓደ መልእኽቲ ክመጽኩም`ክን ኢዩ ::
- ናይ ቆጸራ ወረቐት ኣብ ናይ ቆጸራ መዓልቲ ንመርመራ ሒዝና ክንቀርብ ኣለና ::
- ቅድሚ ኣብ ማእከል ክፍሊ ጥዕና ምቅራብና ፣ ቅጥዒ ናይ ሕቶታት መሊእና ሒዝና ክንቀርብ ኣለና ::
ኵነታት ናይ ጥዕናና ንምርግጋጽ መርመራ ወይ ቸክ ምግባር
ምጽራይ መርመራ ናይ ምልኣተ ጥዕና ኵሉ ግዜ ናይ ንግሆ ይካየድ ፣ መርመራ ክሳብ 2h30 ግዜ ክወስድ ይኽእል ::
መተሓሳሰቢ ፣ ምፍላጡ ኣገዳሲ ነገር፣ ቅድሚ ናይ ቆጸራ መዓልቲ ክንጸውም ይግባእ እዚ ማለት ቆጸራና ን ንግሆ እንተ ኾይኑ ቅድምኣ ዘላ መዓልቲ ካብ ፍርቂ ለይቲ ካብ መግብን ዝስተ ፈሳስን ጠጠው ከንብል ይግባእ መታን ናይ ደም ምጽራይ መርመራ ክንገብር ::
ናይ ዕደመ ቆጸራ ሰዓትኩም ኣኽብርኩም\ክን ክትረከቡ\ባ ይግባእ ::
ናትካ\ኪ ናይ ዕደመ ቆጸራ
ናትካ\ኪ ቅጥዒ ናይ ሕቶታት
•ናትካ\ኪ ምስከር ወረቐት ናይ መሰል ናይ ግቡእካ\ኪ ዘመልእ ናይ ሕክምና ( (carte vitale ካርት ቪታል ou ወይ ምስክር ወረቐት ሲ ኤስ ኤስ attestation CSS)
ኣብ ናይ መርመራ መዓልቲ ነዞም ዝስዕቡ ቀደም ቅጥዒ ክማልኡ ኢዮም ፣
•ሓንቲ ነርስ ናይ ሽንቲን ደምን መርመራ ንምግባር ክትዕደምኩም\ክን ኢያ
•ምስ ሓኪም ናይ ስኒ መርመራ ምጽራይ ስኒ መርመራ ምግባር ::
•ድሕሪ እዚ ቀደም ተኸተል ምስ ኣማላእኩም\ክን ቁርሲ ውዑይ ፈሳሲ ዝስተ ነገር ክውሃበኩም\ክን ኢዩ ::
•ሓደ ሓኪም ናትካ\ኪ ዝመልኣካ\ኪ ዮ ሕቶታት ናይ ቅጥዒ ንምርኣይ ከእንግደኩም\ክን ኢዩ ፣ ኣብ ክሊንክ ዝተግበረ ምጽራይ ናይ መርመራ ( ጸቕጢ ምዕቃን \ ምስማዕ ናይ ህረመት ልቢ \ ኣብ ኣፍልቢ ሳንቡእ \ መርመራ ናይ ዓይኒ ፣ ሓፈሻዊ ካልእ ዝግበር መርመራ ::
•ብድሕሪ እዚ ሓኪም ተወሳኺ ዝግበር መርመራ እንተ ኣለኩም\ክን ክሕብረኩም\ክን ኢዩ ::
•ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ነርስ ፣ ኣድላዩ እንተ ኾይኑ ፣ ተወሳኺ መርመራ ክትገብርልኩም\ክን ኢያ ፣ ኣብ ናይ ዓቀን ክብደት ፣ ቁመት ፣ ኣድላዩ እንተ ኾይኑ ኻኣ ፣ ናይ ኤክስክረይ ዝግበር ስእሊ ፣ ዓቀን ኣብ ናይ ምስትንፋስ ፣ ኣብ ናይ ምርኣይ ፣ ምስማዕን መርመራ ምግባር ::
ናይ መርመራ ውጽኢት መልሲ ምርካብ
•ሕክምናዊ መርመራ ዝካይዱ ብምስጢር ይዕቀቡ ፣ ዝኾነ ዓይነት ካብ ናይ መርመራ ውጽኢት ናብ ካልእ ማሕበር ወይ ትካላት ኣይወጽእን ኢዩ ::
•ኣብ ናይ ቆጸራ ግዜ ምስ ከድና ፣ እተን ነርሳት ናትክን\ኩም ውጽኢት ብኸመይ ከም ዝለኣኽ ክሕብራኹም\ኽን ኢየን :: ኩሉ ግዜ ብመንገዲ ደብዳቤ ወይ ናትካ\ኪ ፍሉይ ሓደ\ሓንቲ ሓኪም ኣለካ\ኪ እንተ ኮይኑ ይለኣኽ ::
ብድሕሪኡ ዝቅጽል
እዚ ዝግበር ናይ ጥዕና ሕክምናዊ መርመራ ኵሉ ግዜ ኣብ ናይ 5 ዓመት ክትብገሩ\ራ ትኽእሉ\ላ ::
ነዚ ዕድል በ ነጻ ብዘይ ውልሓንቲ ክፍሊት ናይ ጥዕና ሕክምናዊ መርመራ ኵሉ ግዜ ኣብ ናይ 5 ዓመት ክትብገሩ\ራ ትኽእሉ\ላ ::
ብጀካ`ዚ ፍልይ ዝበለ ተወሳኺ ምክትታል ናይ ጥዕና ሕክምናዊ መርመራ ተጠቐምቲ ንሙኻን ዝግባ ኣኩም\ክን እንተ ኾይኑ ክሕብረኩም\ክን ኢዩ ::