ናይ ውልቃኻ\ኺ ስራሕ ንምክፋት

ናይ ውልቃኻ\ኺ ስራሕ ንምክፋት

ብሕጽር ዝበለ፣
መጨርሽታ ጊዜ ምሕዳስ5 juil. 2021

እንታይ ኢዩ?

ሓደ\ሓንቲ ብውልቁ\ቃ ዝ\ት\ስርሕ ሰብ ንሙኻን ናትካ\ኪ ትካል ንምኻፍት ናይ ንግዲ ፣ ናይ ኢድ ጥበብ፣ ወይ ነጻ ብውልቁ\ቃ ዝ\ት\ስርሕ ክንከወን ንኽእል ::

ኣስተውዕል\ሊ :- ናይ ውልቅኻ\ኺ ስራሕ ከፊትካ\ኪ ስራሕ ምስራሕ ክሳብ ኣብ ዚ ታሕቲ ተዝርዚሩ ዘሎ ገደብ ኣታዊ ናይ ገንዘብ ክኸውን ኣለዎ ::

•ንሰራሕተኛታት ናይ ኢደ ጥበብ፣ ወይ ናይ ውልቃዊ\ት፣ ዝሰርሑ\ሓ ( ንኣብነት :- ኣብ ምቱርጋም ፣ ሊቪረዚን ምብጽጻሕ ፣ ኣማኻሪ\ት ኻልእን) ኣብ ዓመት ክሳብ 72 600 € ክኸውን ኣለዎ ፣

ዝያዳ ሓበሬታት ንምርዳእ ኣብዚ
ሊንክ ንከተል ፣ ዝርዝር ናይ ኢደ ጥበብ ዝነጥፉ\ፋ ወይ ብውልቃዊ\ት ሞያዊ\ት ዝነጥፉ\ፋ :: Liste d’activités artisanales ; Liste des professions libérales

  • ኣብ ናይ ንግዲ ዝነጥፉ\ፋ ( ኣብ ምዕዳግን ምሻጥን ኣብ ናይ ጎደና ፣ ዝኾነ ዓይነት ንብረት፣ ፍርያት ፣ መግቢ ፣ ወይ መንበሪ ገዛ ምስ ኣቕሓ ምክራይ ፣ 176 200 € ክኸውን ኣለዎ ::
  • ግን እቲ ኣቕሓ ንብረት ክሳብ 70 000 €). እንተ ብውሑድ ዋጋ ዝበጸሕ እንተ ኮይኑ ::
  • ምፍላጡ ኣገደስቲ ነጥቢ ፣ መጀመርያ ሕሳብ ባንኪ ናይ ውልቃዊ ትክልና ክህልወና ኣለዎ :
  • ጥቅሚ ኣውንታዊ ናይ ውልቃኻ\ኺ ስራሕ ምክፋት :
  • ንኵሉ ክፉት ( ኣስራሒ ፣ ብዘይ ስራሕ ተማሃራይ ፣ ካልእን :
  • ናይ ውልቅኻ\ኺ ስራሕ ንምክፋት ዝኾነ ዓይነት ካቢታል ርእሰ ማል ክህልወና ግድን ኣይኮነን ::
  • ሕሳብ ኣከፋፍላ ገንዘብ ናይ ተሰታፍነት ቐሊል ኢዩ
  • ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝኾነ ዓይነት ኣታዊ ዘይረኽብኩም\ክን ፣ ናይ ግብሪን ኣብርክቶ ናይ ተሳትፍነት ምኽፋል ኣይድልን ኢዩ ::
  • ናትኩም\ክን ሕሳብ ቐሊል ኢዩ :
  • መጀመርያ ናይ ውልቃኻ\ኺ ስራሕ ክትከፍቱ\ታ ከለኹም\ኽን ወይ ክትቕጽሉ\ላ ምስ እትደልዩ ከም እንደገና ትካልኩም ንምሕዳስ ፣ (ACRE ናይ ሓገዝ ድጋፍ ክትረኽቡ\ባ ትኽእሉ\ላ ፤ እዚ ናይ ምጉዳል ዋጋ ሓድሽ ትካል ክትከፍት ወይ ከም እንደገና ንክትቅጽል\ሊ ምስ እቲ ደሊ ::
  • ኣሉታውያን ናይ ውልቃዊ\ት ትካል ምኽፋት
  • ውሕስነት ዘይምርካብ ውልቃዊ ትካል
  • ስራሕ ምስ ነቃርጽ ሓገዝ ናይ ገንዘብ ኣታዊ ዘይምርካብ፣ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ፣ ( ሕማም ፣ ሓደጋ ኣብ ግዜ ስራሕ ::

ምፍላጡ ኣገድስቲ ነጥቢ ፣ ብኻልእ ዓይነት ኣገባብ ውሕሰእነት ኣለው ፣ ግን ነዞም ውሕስነት ንምርካብ ኣብርክቶ ተሰታፍነት ናይ ግድን ዝያዳ ገንዘብ ክንከፍል ኣለና ::

ንመን ኢዩ ፧

ቦታ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ዕድመ ይሓትት
ቀጻሊ ነገር 16 ዕድመ
ቦታ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ዕድመ ይሓትት
ቀጻሊ ነገር 16 ዕድመ

ብኸመይ ይኸውን

1

ናይ ውልቃዊ\ት ትካል ንምግባር ኣብ ዌብ ሳይት ናይ ኡርሳፍ ኣካውንቲ ወይ ሕሳብ ከተውጽእ\ኢ ኣለካ\ኪ :: autoentrepreneur.urssaf.fr

ናይ ትካልኩም\ክን ደክላረ ወይ ኣታዊ ጸብጻብ ንምግባር ኣብዚ ዝስዕብ ዌብ ሳይት ሓደ ኣካውንቲ\ሕሳብ ከተውጽ ኡ\ኣ ኣለኩም\ክን ::

ናተይ ትካል ንምኽፋት

ምፍላጡ ኣገዳሲ ነገር :- ወላ እውን ጠቕላላ ቁጽሪ ናይ ሰክርቲ ሶሲያል ኣይሃልኹም\ኽን፤ ሕሳብ ናይ ኡርሳፍ ከተውጽ\ኡ\ኣ ምስ እተልደዩ\ያ ክኸወን ይኽእል ኢዩ ::

2

ካብ ኣክውንትኻ\ኺ\ሕሳብካ\ኪ ናይ ንጥፈታጥ ቅጥዒ ፎሩም ምምላእ ::

ድሕሪ ኣክውንቲ ምኽፋት ፣ ብናትኩም\ክን ኣክውንቲ ጌርኩም\ክን ኣታዊ ናይ ንጥፈታት ተካይድዎ\ኦ ክትሕብሩ\ራ ኣለኩም\ክን ::

ምፍላጡ ኣገደስቲ ነጥብታት፣ ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ገጽ 12ን 13 ክንውከስ ኣለና ፣ ብኸመይ መንገዲ ኣክውንቲ ከም ነውጽእ ሓበሬታት መምርሒ ክንረክብ ንኽእል ፤ ንክሉ ዝምልከቶ በብደርጀኡ ክሕብረና ኢዩ :: .

ኣብዚ ቅጥዒ ብዛዕባ ኣታዊታትና ንገብሮም ንጥፈታት ንምሕባር ከምኡ`ውን ብዛዕባ ድሕረ ባይታና ሓፈሻዊ ሓበሬታት ንምምላእ ይሕግዙ ::

3

ድሕሪ ናትና ቅጥዒ ኣረጋግጽና ምምላእ ምስ ናትና ካርት ታሴራ ጌርና ክንሰዶ ኣለና ::

ቅጥዒ ናይ ኣክውንቲ \ሕሳብ ናይ ንጥፈታት ሓንሳብ ምስ መላእኩም\ክን፣ እዚ ናይ መወዳእታ ዝተመልአ ቅጥዒ ኣብ ሕሳብኩም\ክን ክምዘግብ ኢዩ ::

ድሕሪ`ዚ ናትኩም\ክን ካርት ታሴራ ፣ ናይ ቅጥዒ ኣካውንቲ ናይ ስራሕ ንምፍጣር ዝምላእ ፎሩም ክትመልኡ\ኣ ትኽእሉ\ላ ::

•ብመንገዲ ኢንተርነት ካብ ሕሳብኩም\ክን ተሌ ደክላረ ናይ ርሑቕ ዝምላእ ኣካውንቲ ::

•ወይ ብመንገዲ ደብዳቤ ላፖስቲ ጌርካ\ኪ ናብ ዝስዕብ ኣድራሻ ምልኣኽ de l’URSSAF ተወሳኺ ናይ ቅጥዒ ሓበሬታት ምምላእ ::

ምፍላጡ ኣገድስቲ ነገራት ፣ ካርት ሰጁር ክሳብ ዝመጸእ ንግዝያዊ ረስፕሲ ናይ ስራሕ ፍቃድ ዘለዎ እንተ ኾይኑ ከም ታሴራ ክትጥቀምሉ\ላ ትኽእሉ\ላ ፤ ግን ናይ ረፍጂ ፍቃድ መንበሪ ክህልወኩም\ክን ኣለዎ ::

4

ናይ ውልቃዊ ትካል ከም ዝኸፈተኩም\ክን ሓደ ሰንድ ዶክሜንት ክትቅበሉ\ላ ኢኹም\ኽን ::

ናይ ውልቃዊ\ት ትካልኩም\ክን ምስ ከፈትኩም\ክን ሓደ ሓደ ኣገድስቲ ዶክሜንት ሓበሬታት በ መንገዲ ናይ ላፖስቲ ብደብዳቤ ክልኣኸኩም\ክን ኢዩ ::

•ቑጽሪ ታርጋ መፍልጢ ሲረን SIREN ከም ኡውን ሲረ SIRET ንትካልኩም\ክን ንክፍለጥ ከም መለለዪ ክሕግዘኩም\ክን ኢዩ ::

ምፍላጡ ኣገድስቲ ነገራት ቁጽሪ ናይ ሲረን 9 ቁጽሪ ኣለዎ፣ ቁጽሪ ናይ ስረ ክሳብ 14 ቁጽሪ ኣለዎ ::

•ሉ ኪብስ ዝብል Le Kbis ቃል ወጋዓዊ ትካል ናይ ንግዳዊ ከም ዝኸፈተኩም\ክን ይሕብር ::

ብድሕሪኡ ዝቅጽል

ናትካ\ኪ ኣታዊ`\ት ቀጻሊ ክትሕብር ኣለካ\ኪ

ናትና ናይ ውልቃዊ\ት ትካል ወርሓዊ ወይ ኣብ ስልስተ ወርሒ ዴክላረ ክንገብር ከለና ፣ ናትና መጠን ገንዘብ ኣታዊና ክንሕብር ኣለና፣ ኣከፋፍላ ገንዘብ ከም ዝመረጽናዮ ክኽወን ይኽእል ::

ደክላረ ክንገብር ምስ እንደሊ በዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ክንክተል ኣለና

•ካብ ኮምፒተር ኣብ ዌብ ሳይት ኢንተርነት autoentrepreneur.urssaf.frወይ ብቀጥታ ካብ ተሌፎን ኣፕሊኬሽን ኡርሳፍ ትብል ኣውርድና ብ ኦንድረይድ ወይ ኣፕ ስቶር ክንስርሕ ንኽእል ::

ምፍላጡ ኣግድስቲ ነጥቢ ፣ ናትና ኣታዊ ክንሕብር ኣለና ፣ ወላ ኣታዊ ዜሮ ይኹን ክንሕብር ኣለና ::

ሕቶ ኣለካ\ኪ ዲዩ ብዛዕባ ናይ ውልቃዊ\ት ትካል ?

ዝኾነ ዓይነት ፍሉይ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ\ኪ ምስ ኣማኻሪ\ት በዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ክትራኸቡ\ባ ትኽእሉ\ላ ::

ብደብዳቤ

ምፍላጡ ኣግደስቲ ፣ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ\ባ ምስ እተደለዩ ብቃንቃ ፈረንሳይ በዚ ዝስዕብ ሊንክ ብምጥዋቕ ሓበሬታት ክትረኽቡ\ባ ትኽእሉላ ::

ኣገዳሲ ዝኾነ ሓቤሬታት ረኺብኩም ዶ ?
ኣምስግኖም ነቶም ንዓኻ ኣብርክቶ ዝገበሩ ኣብ ተሳትፍኦም
151 🙏
ኣበርከቲ ዓድም
12እዛ ገጽ ጹቡቅ ጌርካ ኣጽናዓያ መታን ን ሕቶታት ምምላጽስ ክትጠቅመካ
Proposé par
Comité de la Démarche Accessible

Comité de la Démarche Accessible