Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምጥላብ ናይ ዕለተ ልደት ሰርትፍኬት ንምርካብ

ኣዳላዊ Ofpra ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 8 jours

ሰርቲፊኬት ዕለተ ትውልዲ፣ ወግዓዊ ሰነድ ናይ ዕለተ ልደትን ቦታ ትውልዲ ናይ ሓደ ሰብ ወይ ሓንቲ ሰብ ዝሕብር ሰነድ እዩ።


  • ምሉእ ሽም ማለት ናይ ኣቦ ወይ ክሳብ ኣባሓጎ
  • ናይ ስምኩም
  • ዕለትን ቦታን ልደኩም፣
  • ኣስማት ወለድን ዕለተ ልደትን ናይ ወለድኹምን።

እጢ ብ L’OFPRA ኦፍራ ዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ፣ ብዘይካ ናይ ዕለተልደት ጥራይ ዘይኮነ፣ ካልእ ኣገደስቲ ዶክመንታት ን ስደተኛታት፣ ን ናይ ቁዕባ ወረቐት ዘለዎም (ስደተኛታት፣ ከምኡ እውን ብዝተፈላለየ ወረቓቕቲ ዘለዎም ሰባት ), l'acte de mariage et le livret de famille.:ን ኣብነት ሓደ ካብኡ ናይ መርዓ ወረቐት፣ ናይ ቤተሰብ ወረቐት ዕተለ ልደት ናይ ወዘተ ሰነዳት ይህብ።

ሰርቲፊኬት ናይ ዕለተ ልደት፣ ኦፍራ l'OFPRA ሓደ ዶክሜንት document authentique (officiel) ወግዓዊ ወረቐት ሓያሎ ናይ ምምሕዳር ወረቐታትከም እኒ፣ (መርዓ፣ዜግነት፣ ንታሴራን …)ይጠቕም


ምፍላጡ ዘገድስ
ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ንላዕሊ፣ ናይ ምጽናሕ ግዜ የብሉን፣ ማለት ኣብ ምሉእ ህይወትካ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ እዩ። ዝለዚ ን ምምርዓው ምስ እትሓስቡ ንሓዳር ወይ ን PACS ግን ትሕቲ 3 ወርሒ ዝኾነ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት (ቅድሚ 3 ወርሒ ዘይመልእ ብ Ofpra ዝተላእከ) ከተቕርቡ ይግባኣ።

ከመይ ንገብሮ?

ድሕሪ ናይ ኦፍራ ፣ ወረቐት ካብ l’OFPRA ኣወንታዊ መልሲም ርካብኩም። ወይ እውን ብCNDA, ምስ ተረጋገጸልኩም፣ ናይ ትውልዲ ሰርትፍኬት ጠለብ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።.ን ዕኡ ንምጥላብ ድማ ““reconstituer” votre situation (ዕለተ ትውልዲን ቦታን፣ ናትኩምን ናይ ወለድኹም፣ ) l’OFPRA ኣብ ናይ ዓድኹም ዘሎ ሰነድተጸሒፉ ከም ዘሎ ትኽክለኛ (እንተደኣ ሃልይኩም) ኮይኑ ልክዕ ከምቲ
ን ዑቕባ ክትሓቱ እንከለኹም ዝመላእክሞ ፋይል ፣ ሓደ ዓይነት ክኸውን ኣለዎ።

  • እንተደኣ ሰነዳት ካብ መበቆል ሃገርካ (እንተሃልዩኩም)
  • ከምኡውን ኣብ እዋን ቃለ መሕትት ዑቕባ ዝሃብካዮ መግለጺታት
  • ምምላእን እቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ቅጥዒ...
ኣገዳሲ ሓበሬታ !
እንተደኣ እቲ ን Ofpra ዝሃብኩሞ ዝርዝር ናይ መንነት ንምርግጋጽ ብኢመይል ወይ ብፖስታ ተወሳኺ ሓበሬታ ክሓተካ ይኽእል እዩ።
ስለዚ እንተደኣ ፖስታ ኣድራሻኻ፡ ቁጽሪ ተሌፎንካ ወይ ኢመይልካ እንተቐይርካ፡ መልእኽቲ ንኽትቅበል ንኦፍፕራ ከተፍልጡ ይግባእ። ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ረፉጊ ኣንፎ ኣለኩም Réfugiés.info "Informer l'Ofpra d'un changement de coordonnées".
ምፍላጡ ዘገድስ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ዳግማይ ምቛም ግዜ ይወስድ: ኣስታት 10 ኣዋርሕ ድሕሪ እቲ ኣወንታዊ ውሳነ ኣብ ናይ ዑቕባ ወይ ሃገር ኣልቦነት ኩነታት መመልከቲ ምጽባይ ይግባእ።

ስለዚ ነቲ ሰነድ ብቕልጡፍ ንምርካብ ብኣካል ናብ ኦፍፕራ ምብጻሕ፡ ኢመይል ምልኣኽ፡ ወይ ምድዋል ኣየድልን።

መዝገብ ልደትካ ዳግማይ ምስ ተጣየሸ፡ ንገዛእ ርእስኻ ወይ ንኣባል ስድራቤትካ (መጻምድቲ፡ ወለዲ፡ ወይ ቆልዑ) ቅዳሕ ናይቲ ምስክር ወረቐት ልደት ብቐጥታ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ኦፍፕራ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ le site de l’Ofpra

ምፍላጡ ዘገድስ ኣብ ፈረንሳ ዝተወልደ ህጻን ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ብቐጥታ ካብ ኣዳራሽ ከተማ ናይቲ ዝተወልደሉ ቦታ ይርከብ፤ ኦፍፕራ ነዚ ኣይሕዞን እዩ ስለዚ ኣብኡ ኣይትሕተቱ ።

Demander une copie d'acte de naissance

1 -ኣብዚ ወብሳይት ምኻድ Demander un acte

2 - ምረጹ "Acte de naissance" ብምቕጻል "Suivant"

3 - ነቲ "Moi" ወይ "Quelqu’un de ma famille" ብምባል ምስ መረጽኩም "Suivant" ብምቕጻል

4 - ነዞም ዝስዕቡ መስርሕ ምልኦም et "Suivant".

ምፍላጡ ዘገድስ ናይ Ofpra ፋይል ​​ቁጽርኹም የድሊ የድልየካ።
ብመልክዕ XX-XX-XXXXX 9 ኣሃዝ ዘለዎ ቁጽሪ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብኦፍፕራ ዝለኣኽ ደብዳበ ኣብ ላዕለዋይ ጸጋም ተሓቲሙ ይርከብ።

ዝርዝር ወለዲ ዘይብሉextrait sans filiation (ብዛዕባ ወለዲ ሓበሬታ ከይሓወሰ) ቅንጥብጣብ ንምሕታት፡ ደብዳቤ ጽሒፍካ ናብዚ ኣድራሻ ክትሰድድ ኣለኩም፤

Ofpra
201 rue Carnot
94136 Fontenay-sous-Bois

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ እቲ መመልከቲ ምስ ተመዝገበ ድማ መከታተሊ ቁጽሪ un numéro de suivi ይመጸኩም፤ ኩነታት ናይቲ መመልከቲኻ ክትፈልጥ ምእንቲ ክትሕዞ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

1 - ኣብ ኢንተርኔት ብምኻድ démarches pour personne protégée

2 - ኣብ ታሕቲ , "Suivre ma démarche en ligne", ዝብል numéro de suivi ዝብል ኣሎ። (ናይ ምጥላብኩም መረጋገጺ ሰነድ ብ ኢመይል ክመጸኩም እዩ )

3 ሽዑ ኣብቲ "Suivre".ጠውቑ

ድሕሪ ምቕራብ መመልከቲ ካብ ኦፍፕራ ኢመይል ክመጸኩም እዩ።
ሓያሎ ክኾኑ ዝኽእሉ መልስታት ኣለዉ፤

  • "ሕቶኻ ተላኢኹ" "Votre acte a été envoyé": ቅዳሕ ናይቲ ምስክር ወረቐት ልደት ብፖስታ በቲ ዝሃብካዮ ኣድራሻ ፖስታ ክትቅበሉ ኢኹም (በጃኻ ኣስታት 10 መዓልታት ፍቐድ)።
  • "ቀዳማይ መዝገብ ገና ኣይተመስረተን""Premier acte non établi"፦ ኦፍፕራ ገና ናይ መጀመርታ መዝገብ ልደት ኣይፈጠረልኩምን (ድሕሪ እቲ ኣብ ሕቶ ዑቕባ ወይ ሃገር ኣልቦነትካ ዝወሃበካ ኣወንታዊ ውሳነ ኣስታት 10 ኣዋርሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣሎ)።
  • ከምኡውን "Contact Ofpra": ናይ ልደት ምስክር ወረቐትኩም ብደብዳቤ ሓቲትኩም ናብዚ ኣድራሻ ክትሰዱ ይግባኩም፤

Ofpra
201 rue Carnot
94136 Fontenay-sous-Bois

ኣብቲ ደብዳቤ ቁጽሪ ፋይል ናይ Ofpra ምጽሓፍ ኣይትረስዑ። እዚ 9 ኣሃዝ ዘለዎ ቁጽሪ ብመልክዕ XX-XX-XXXXXX ኮይኑ፡ ኣብ ላዕለዋይ ጸጋማይ ሸነኽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ብኦፍፕራ ዝለኣኽ ደብዳቤ ይርከብ።
ቅድሚ ምልኣኽካ ቅዳሕ ናይቲ ደብዳበ ምግባር ይምከር።

ኣብቲ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ጌጋ ወይ ዝጎደለ ሓበሬታ እንተሃልዩ "ሲቪላዊ ኩነታት ምእራም"rectification d'état civil" " ምግባር ይከኣል እዩይከኣል እዩ።

ቅድሚ ሕቶ ምቕራብካ፡ ነቲ ካብ ኦፍፕራ ዝተላእከ ደብዳበ ምስቲ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ብጥንቃቐ ምግምጋም ኣገዳሲ እዩ። Ofpra ንመዛግብቲ ሲቪላዊ ኩነታትካ ዝጥቀመሉ ሓበሬታ ብዝምልከት መብርሂታት ዝሓዘ እዩ።

ከከም ባህሪ ናይቲ ጌጋ፡ ወይ ምስ ቤት ፍርዲ ፍርዳዊ ፓሪስ ወይ ንኦፍፕራ ክትረኽብዎ ኣለኩም። ንሕቶ ምእራም ሲቪላዊ ኩነታት ናይ መስርሕ ግዜ ሓያሎ ኣዋርሕ ምዃኑ ፍለጡ።


ኣገዳሲ
- እንተደኣ እቲ ጌጋ ኣብ መንበሪ ፍቓድ እንተኾይኑን ካብቲ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ዝፍለ እንተኾይኑን: እቲ ፕረፈክቸር ነቲ መንበሪ ፍቓድ ክእርሞ ኣለዎ፤ ምስ ኦፍፕራ ምርኻብ ኣየድልን።
- እቲ ጌጋ ኣብ ምስክር ወረቐት ልደት ናይ ሓደ ኣብ ፈረንሳ ዝተወልደ ህጻን እንተኾይኑ: ቀበሌ ናይ ከተማ ናይቲ ዝተወልደሉ ቦታ ነቲ ምስክር ወረቐት ልደት ክእርሞ ኣለዎ፤ ምስ ኦፍፕራ ምርኻብ ኣየድልን።


ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ናይ ረፉጂ ኣንፎ ሰንድ ተወከሱ fiche Réfugiés.info : "Demander de corriger une erreur sur l'état civil"

ምስቲ ናይ መጀመርታ ናይ ልደት ምስክር ወረቐትካ "attestation d’équivalence" "ናይ ምዕሩይነት ምስክር ወረቐት" እንተተቐቢልኩም፡ ነቲ ሰነድ ክትሕዞን ቅዳሕ ማለት ፎቶኮፒ ምሓዝ ይግባእ ።
እዚ ሰነድ እዚ ኣብ መንጎ እቲ ብኦፍፕራ ዝተመስረተ መዝገብ ሲቪላዊ ኩነታትን ቅድሚ ምሕታት ዑቕባኻ ኣብ ፈረንሳ ዘሎ መንነትካን ዘሎ ፍልልይ ከም መርትዖ ኮይኑ የገልግል።

20 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • Jérémie G.ምምሕዳር
  • xavidumምምሕዳር
  • Aceምምሕዳር
  • claudia mምምሕዳር
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • nouተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • marina bondarenkoተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • rashaተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • aman expertተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • anastasiaተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • cm_ofpraኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • modernisation_protectionኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • marianne georgesተርጓሚ/ሚት

Liens utiles