መሰል ስራሕ ምርዳእ ወይ ምፍላጥ
እንታይ ኢዩ?
መሰል ናይ ስራሕ ሓፈሻዊ መምርሒ መስልን ግብኡን ንሰራሕተኛታት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ፣ ብዝተፈላለዩ ዓይነት ኣገባብ ናይ ውዕልን ኩነታት ናይ ስራሕ ኣብ መወዳእታ ናይ ስምምዕ ንምብጻሕ ተጻሒፎም ኣለው።
መግለጺ ናይ ውዕል ንኩሉ ነገራት ተዋሂብዎም ኣለው ንኣብነት፣ ኣብ ሕጊ ናይ ስራሕ ፣ ግዜ ስራሕ ፣ ክፍሊት ስራሕ ፣ ዕረፍቲን ጥሮታ ዝውጽኣሉ ግዜን ካልእን …….
ምፍላጥ መሰል ናይ ስራሕ ፣ ኣብ ናይ ስራሕ ሞያ ክብረት ይህብ ፣ ኣብ ዓንቀጽ መዝገብ ናይ ስራሕ ተምዝጊቡ ሓቤረታ ሰፊሩ ኣሎ ፣መሰል ናይ ስራሕ ንምፍላጥ ኣብ መሰመር ናይ ኢነትርነት በዚ ዝስዕብ ሊንክ ዝያዳ ሓቤረታ ክንረክብ ንኽእል፤፣ Code du travail
ንመን ኢዩ ፧
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ብኸመይ ይኸውን
ኣግደስቲ መሰረት መሰል ስራሕ ምፍላጥ
- ናይ 2021 ዝወሓደ ገንዘብ 10,25 ኢሮ ኣብ ሰዓት ፣ እዩ
- ግዜ ናይ ስራሕ ኣብ ሰሙን ክሳብ 35h ሰዓት ክንሰርሕ ይፍቀድ ፣ ኣብ ሰሙን ክሳብ 39h ክኸውን ይኽእል ፣ ዝያዳ ሰዓት ምስ እንስራሕ ተወሳኺ ግዜ ክንክፈሎ ይግባእ ፣ ግን ኣብ ገለ ገለ ቦታት ናይ ስራሕ ዝያዳ ሰዓታት ምስራሕ ኣብ ክንዲ ንኽፈል ዕረፍቲ ናይ ሓጺር ግዜ ክንወስድ ንኽእል፤፣
- ጥሮታ ንወጸሉ ግዜ ኣብ መንጎ 62 ዓመት 67 ዓመት
- ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣብ ወርሒ 2,5 መዓልቲ ይፍቀደና ፤፣
ሓበሬታ
* ሰዓታት ግዜ ናይ ስራሕ ክኽበሩ ኣለዎም ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ብዝኾነ ምኽንያት ወይ ጸገም ምስ ነብኩር, ምኽንያት መብኮሪና , መሰንይታ ከነቅርብ ይግባእ ፣ ን ኣብነት እንተ ሓሚምና ናይ ሕክምና ወረቐት ናብ ኣስራሒና ክነቅርብ ኣለና
* ኩ ሉ ክፍሊት ወረቐት ናይ ስራሕን ፣ከንቀምጦም ይግባእ። ምኽንያቱ እዋን ናይ ስራሕ ይህወትና፣ ከም ዝሰርሕና ንጥፈታት ከም ዝገብረና መጠን ፣ ኣብ እዋን ጥሮታ ጭብጢ ክኾኑና ይኽእል እዩ።
* ኣድልዎ ወይ ወገንነት ምግባር ፣ብምኽንያት ናይ መበቆል ዓዲ ፣ ጾታ ፣ ኩነታት ናብራ ስድራ :ጥንሲ:ብቅርጺ ናይ ኣካላት ኣብ ግዝፊ : ኣብ መጽውዒ ስም ናይ ወላዲ: ኣብ ኩንታት ናይ ጥዕና :ኣብ ስንክልና:ኣብ ባህርያት ተፈጥራዊ ተወራሲ ሕማም: ኣብ ቅርጺ ምቅይያር ናይ ጾታ:ኣብ ዕድመ: ርእይቶ ናይ ፖሊቲካ :ንጥፈታት ናይ ማሕበር ;ኣብ ምስሊ ግዳማዊ ትርኢት; ወይ ዘይ ግዳማዊ ትርኢት በንጻሩ ;ኣብ ዓሌት ;ኣብ ሃገር ; ኣብ መበቆል ;ኣብ ሃይማኖት; ኣብዞም ክሎም ዝተጠቀሱን ካልእን ምንእኣስ; ወይ ምፍልላይ ወገንነት ምግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ ::
ሞያኹም ተፈላጥነት ወይ ተቀባልነት ንምርካብ
ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ተማሳሰልቲ ጉጅለ መደብ ናይ ስራሕ ኣሎ ፣ በዚ ኣስራርሓ ናይ መደብ ሕግታት ዝተፍላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ፤፣ መሰልን ግብኡን ስምምዕ (ኮንትራት ናይ ስራሕ ንኣስራሕን ሰራሕተኛን )
ንኣብነት ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ንከተል ፣
•ስልጠና ፣ ብዝተፋለዩ መንገዲ ንተማሃሮ ሰልጠንቲ ናይ ሞያ ኣብ ሰምናዊ መደብ ተስሪዖም ኣለው ፣ ተማሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከል መሰልጠኒን ሰምንዊ ግዜ ናይ ስራሕ ኣብ ትካልን ፣ እንተማህርካኣብ ሰሙን ንሓንሳብ ኣብ ስራሕ ንሓንሳብ ኣብ ትካል መሰልጠኒ ፣ኮንትራት ናይ ምስልጣን ናይ ሰራሕተኛን ክንገብር ንኽእል ፣፣
•ስነ-ጥበብ ፣ ብኢድ ዝስራሕ ናይ ሞያ ኮይኑ ነብሱ ዝኽኣለ ኣስራሒ ኣለዎም፣ ንኣብነት ዳሕብስቲ ብሎንጀሪ ፣ ህንጻ ፣ ሰራሒ ሳእኒ ፣ ክዋፈር ዳ ጸጉሪ ፣ ኣብዚኦም ቦታ ንምስራሕ ናይ ሲ ኣ ፔ ወረቐት ፣ ወይ ተመጣጣኒ ናይ ዲፕሎም ወረቐት ፣ ወይ ናይ 6 ዓመት ተምክሮ ክህልወና ኣለዎ ፣
•ንግዲ ፣ ንግዲ ንክንሰርሕ ሓደ ቦታ ናይ ሸቐት ክህልወና ኣለዎ ፣ ን ኣብነት ቡቲክ ፣ ኣብ ጎደና ባንኮ ዘርግሕና፣ ዓባይ ማኪና ፣ ካልእን …. ከምኡ’ውን ምስ ሓንቲ ትካል ማርክ ምስራሕ ይከኣል ኢዩ፣ ብዝኾነ ሓደ ቦታ ውሑስ መሽጢ ቦታ
•ሓረስቶት ዝዘርኡ ከም ንቡር ዘራእቲ ኢዮም ዝጽውዑ ነፍሱዝኻአለ ኣስራ ሓ ኣለዎም። ን ናቶም ናይ ብሕቶም መሬት መሕረሲ ወይ መሬት ናይ ክራይ ንከፍርዩ።
•ሰርሕተኛ መንግስቲ ፣ ስራሕ ንምርካብ ኣብ ናይ ትካል መንግስቲ ብወድድር ብምስታፍ ስራሕ ትረክብ ፣ ውሕስነት ናይ ስራሕ ኣለዎም ፣ ምስ ህዝቢ ዝኸይድ ሕጊ ተቀይዶም ኢዮም ዝኸዱ፣ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ኣብ ሰልስተ ግሩብ ዝተመደበ ኢዩ ፣ ግሩብ A ደረጃ bac+3 ግሩብ B ደረጃ ባክ bac ግሩብ C ሲ ኣ ፐ CAP ክፍሊት ናቶም ከም ኩነታት ናይ ደረጅኦም ናይ ስራሕ ኢዮምን ዝኽፈሉ ፤፣ ሰርሕተኛ ናይ መንግስቲ ኮንካ ምስ ህዝቢ ምስራሕ ዜግነት ናይ ሃገረ ፈረንሳይ ወይ ናይ ሕብረተ ኢሮፓ ከድልየና ኢዩ ፣ በንጻሩ ግን ኣብ ሓደ ሓደ ቦታ ሰርሕተኛ ናይ መንግስቲ ኮንካ ንሓጺር ኮንትራት ክንስረሕ ይከኣል ኢዩ ፤፣
- ሰራሕተኛታት፣ብሓፈሻ ኣብ ናይ መንግስቲ ንህዝቢ ዝሰርሑ ሓፈሻዊ ፣ ወይ ኣብ ንውልቃዊ ፣ ኣብ ትካላት ፣ ከም ኩንታቱ ፍቃድ ኮድ ናይ ስራሕ ኣብ ገለ ቦታታት ምስ ኣስራሕቲ ብግዜ ናይ ሰዓት ስምምዕ ተጌሩ ክስራሕ ይከኣል ፣
- ግዝየውያን ሰርሕተኛታት ፣ ምስ ወኪል ትካላት ኣጀንሲ ናይ ግዝያዊ ሓጺር ስራሕ ኣብታ ትካል ፣ ስራሕ ንሓደ\ሓንቲ ካብ ሰራሕተኛታት ምስ ዘብኩር ኣብ ምትካእ ክኸውን ይኽእል ፣ ወይ ከኣ ናይ ህጹጽ ስራሕ በታ ትካል ጠለብ ቀሪቡ ተዳልዪ ክኸውን ይኽእል፣ ግዝያዊ ስምምዕ ብመንግዲ ናይ ኣንተር ሪም ወይ ብ ኣጀንሲ ብቀጥታ ናብ ሕሳብ ናይ ኣክውንቲ ክኽፈል ይኽእል፤ ሓደ ሓደ ግዜ ስራሕ ቀጻልነት ዘለዎ ንክሉ ግዜ ምስ ትካላት ስራሕ ክረከብ ይከኣል ኢዩ ፤፣
- እዋናውያን ፣ ሰራሕተኛታት፣ ፣ ስራሕ ምስ ግዜ ዝተኣሳሰር ኢዩ ፣ ስምምዕ ናይ ስራሕ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክሳብ ኣስታት 8 ወርሒ ክኸውን ይኽእል ፣ ን ኣብነት ኣብ ግዜ ቀውዒ ምህርቲ ዝሕፈሰሉ ፣ ኣብ ጎቦ መንገዲ ምምራሕ ፣ ሞኒተር ኣብ እስኪ ካልእን ………
- ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ንእሽተይ ነገር ፍልይ ዝበሉ ንጥፈታት ምስታፍ ምስራሕን
- ንእስታጅ ወይ ናይ ስራሕ ልምዲ ንምጥራይ ዝሰርሑ። ፣ ምስ እታ ትካል ፣ ምስ ማሕበር …ካልእን ንኣብነት ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ዩንቨርስቲን ካልእን … እስታጅ ዝግበረሉ ግዜ ካብ ክልተ ወርሒ እንተ ሓሊፉ ኣብ ሓንቲ ግዜ ወይ ኣብ ሓንቲ ዓመት ፣ ተማሃራይ ኮርስ ዝወስድ ሰብ እስታጅ ዝገብር ክሉ ግዜ ኣብ ወርሒ ክፍሊት ናይ ገንዘብ ኣለዎ።
- ወለንታዊ ሰራሕተኛታት፣ ገበርቲ ሰናይ ካብ ናይ ናይ ሞያ ክእለቶም፣ ሓገዝ ንምብርካት ንጥፈታታ ንካልእ ሰብ ወይ ንሓንቲ ትካል ናይ ማሕበር ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ይህብ፣ ግን ኣብ ሓደ ትካልት ናይ ማሕበር ኣብ ናይ ትራንስፖርት መጎዓዝያ ናይ ትኬት ወይ ወጻኢታት ዝወጸ ክምልሰሉ ይኽእል ፣ ገበርቲ ሰናይ ስምምዕ ናይ ኮንትራት ምሉእ ግዜ ዘይወድቅ ክህልዎ ይኽእል፣ ኣበርክቶ ስራሕ ንኩሉ ዝጠቅም ካሕሳ ሞጎስ ክረክብ ይኽእል ።
ውዕል ስምምዕ ናይ ስራሕ ኮንትራት ምርካብ
ሰራሕተኛታት ውዕል ስምምዕ ስራሖም ምስ ዝሰርሕዎ ዝተሓሓዝ ክህልዎ ይግባእ።.
ኣብዚ ስምምዕ ናይ ስራሕ ብዝርዝር ብግልጺ እንተ ተጻሒፉ ፣ ን ኣስራሕን ሰርሕተኛታት ካብ ዝኾነ ዓመጽን ምብላጽን ከገላግል ይኽእል፣ ከ ከም ኩነታቶም ስምምዕ ናይ ስራሕ ብዝተፋለለዩ ዓይነት ኣገባብ ተጻሒፎም ኣለዎ ፤፣
•ስምምዕ ስልጠና ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ሞያ ስምምዕ d'alternance ናይ ምትካእ ማለት ንክልተ ዓይነት ስምምዕ ኮይኑ ኣብ መንጎ መሰልጠኒ ሞያ ትምህርትን ምስ ትካል ናይ ሞያን በብ እብረ እና ተማህርና እና ሰራሕናን እንገብሮ ስምምዕ ኮይኑ ብበዓይነቱ ውዕል ክንገብር ንኽእል ንኣብነት ግዚያዊ ስምምዕ ናይ ሰዲዲ CDD ወይ ዘይወድቅ ስምምዕ ናይ ሰዲኢCDI ክንረክብ ንኽእል።
•ስምምዕ ናይ (CUI) ብቀዳምነት ንጸገም ዘለዎም\ወን ሰባት ዝውሃብ ኢዩ እዚ ዕድል ናይ ስራሕ ብቀዳምነት ነጸገም ዘለዎም\ወን ሰባት ዝውሃብ ስራሕ ኢዩ ፤፣
•ግዝያዊ ስምምዕ ናይ ስራሕ (CTT) ወይ ኣንተሪም ብክልተ ዓይነት ናይ ኣካይዳ ናይ ስራሕ ኣሎ ፣ ንኣብነት ፣ ምስ እታ ንሰራሓላ ትካል ብቀጥታ ግዝያዊ ስራሕ እንሕደሰና ብበግዚኡ ክንሰርሕ ንኽእል ወይ ከኣ ምስ ወኪል ናይ ኣጀንሲ ወይ ኣንተሪም ስምምዕ ብምፍራም ብመንገዲ ናይ ኣንተሪም እና ኣሕደስና ክንሰርሕ ንኽእል ።
•ስምምዕ ናይ ውሱን ግዜ (CDD) እንተ ነዊሑ ክሳብ 18 ወርሒ ክኸውን ይኽእል ፣ ኣብ መጨረሽታ ስምምዕ ከኽትም ይኽእል።
•መፈጸምታ ዘይብሉ ዘይወድቅ ስምምዕ (CDI) ፍሉጥ ስራሕ ኮይኑ ኣብ መጀምርያ ግዜ ስራሕ ክንጅምር ከለና ኩሉ በደቂቅ ተዘርዚሩ ንረኽቦ።
ብድሕሪኡ ዝቅጽል
ስራሕ ምቅያር ወይ ምልቃቕ ስራሕ
ስራሕ ምቅያር ወይ ምልቃቕ ስራሕ
ስምምዕ ኮንትራት ናይ ስራሕ ጠጠው ንከነብል ብዝተፋለልዩ ዓይነት መንገዲ ኣለው
•ስምምዕ ናይ ውሱን ግዜ እንተ ኮይኑ ኣብ ግዚኡ ምስ ኣከለ ናይ ስምምዕ ግዜ ከብቅዕ ኢዩ ስራሕ ምስ ወዳእና ከኣ ሾማሽ ንክንሓትት መሰል ኣለና ፤፣
ምልቃቕ ናይ ስራሕ ምልቃቕ ናይ ስራሕ ፣ ብጀካ ኣብ ናይ ምፍታን ግዜ ፣ ምስ ኣስራሒ ብስምምዕ ምልቃቕ ናይ ስራሕ ይከኣል ኢዩ፣ ብዘይ ፍቃድ ናይ ኣስራሒ ካብ ዓቅሚ ወጻኢ እንተ ኮይኑ ፣ ሓገዝ ናይ ሾማሽ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና ፣ ብጀካ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ናይ ምብካር ተመድቡ ዝነበረ ፣ ማለት ሰራሕተኛ ዕረፍቲ ዘይወዱ\ዳ እንተ ኔሩ
•በኣንጻሩ ግን ምብራር ካብ ስራሕ ሓደ ምኽንያት ጸገም ናይ ቁጠባ ወይ ውልቃዊ ጸገም እንተ ፈጠሩልና ሓገዝ ናይ ካሕሳ ክንሓትት ንኽእል፣
ኩሉ ግዜ ኣብ መወዳእታ ናይ ስራሕ ስምምዕ ሰራሕተኛ እዘን ዝስዕባ ዝርዝር ክረክብ ይግብኦ።
ሰርትፊኬት ናይ ስራሕ
ሓንቲ ደገፍ ምስክር ወረቐት ናይ ስራሕ ንፖል ኣምፕልዋ
ቅብሊት ምጉዳል ናይ ሕሳብ