ኣገደቲ ሓበሬታ
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ኣበይ ?
ምፍላጥ ንመሰል ስራሕ ምግንዛብን
እንታዩ’ዩ ?
ሕጊ ዕዮ ንኹሉ መሰላትን ግቡኣትን ሰራሕተኛታት ኣብ ቋንቋ ፈረንሳ ምፍላጥ እዩ።
እዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ድማ የተኩር
- ምፍላጥ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውዕል ስራሕን
- ምህላው ኣፍልጦ ብዛዕባ ናይ ምቑጻር ኩነታትን ናይ ስራሕ ውዕል ምፍራምን ምዃኑ’ዩ።
- ውዕል ስራሕ ንምቁራጽ ዝሕግዙ ቅድመ ኩነታት
- ስርዓታት ኣብ መንጎ ሰራሕተኛን ኣስራሒን ዘሎ ውዕል ምንጻር
- ናይ ስራሕ ግዜ: ክፍሊት: ዕረፍቲ: ጡረታ ወዘተ ዝምልከት ሕግታት።
ከመይ ንገብሮ?
- ደሞዝ፡ ኣብ 2025፡ እቲ ዝተሓተ ደሞዝ (SMIC) €1,426.30 ጽሩይ ኣብ ወርሒ (€1,801.80 ሳንቲም ጽሩይ ኣታዊ ) ከምኡ’ውን €9.40 ጽሩይ ናይ ሰዓት ክፍሊት (€11.88 ጠቕላላ) እዩ። ከከም ሞያዊ ደረጃን ውዕልን ፍልልያት ክህሉ ይኽእል እዩ።
- ንውሓት ናይ ስራሕ ግዜ፦ እቲ ሕጋዊ ናይ ስራሕ ግዜ ኣብ ሰሙን 35 ሰዓታት ኮይኑ። ዝኾነ ተወሳኺ ሰዓታት ስራሕ ክኽፈል ኣለዎ።
- ገለ ውዕላት ኣብ ሰሙን 39 ሰዓታት እዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሰራሕተኛ ፍርቂ መዓልቲ ወይ መዓልታት RTT ዝበሃል ደንቢ ናይ (ብኩራት ግዜ ስራሕ) ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም።
- ዕድመ ጡረታ፡ ናይ ጡረታ ዕድመ 62 ክሳብ 67 ዓመት፡ ኣብ ዓመት ልደትን ብዝሒ ዝሰርሕኩምሉ ዓመታትን ldépend de l'année de naissance ይምርኮስ ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ኣለኩም።
- ተኸፋሊ ዝኽፈል ዕረፍቲ፦ እቲ ሕጋዊ ቁጽሪ ዕረፍቲ ኣብ ወርሒ 2.5 መዓልታት ዝሰርሐ፡ ኣብ ዓመት 5 ሰሙን ዕረፍቲ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኩባንያ ንበዓላት (ዝምከሩ እዋናት፡ ዕጹው ኣብያተ ጽሕፈት፡ ኣዋርሕ ልዑል ምንቅስቓስ ዘለዎም፡ ጋንታታት ወዘተ)…). Les conditions pour prendre les congés payés ፍሉይ ትካል ኣለዎ። ዝኽፈል ዕረፍቲ ናይ ምውሳድ ቅድመ ኩነት ከከም ሞያዊ ኩነታትን ኣስራሒን ይፈላለ እዩ። ናይ 2021 ሕጊ ዕዮ ዘጽደቖ ዝወሓደ ክፍሊት 10,25 ኢሮ ኣብ ሰዓት (SMIC brut) እዩ
- ናይ ስራሕ ሰዓታት፦ ናይ ስራሕ ሰዓታት ብሓፈሻ ኣብ ውዕል ስራሕ ዝተጻሕፈ ኮይኑ ክኽበር ኣለዎ። እንተዘይሃሊኻ መርትዖ ክትሰድድ ኣለካ እንተሓሚምካ ድማ ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት ክትሰድድ ኣለካ።
- ናይ ደሞዝ ወረቐት፦ ናይ ሞያዊ ንጥፈታትካ መርትዖ ንኽህልወኩም ጡረታ ንኽትሕሰብን ኩሉ ናይ ደሞዝ ወረቐትካ ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ።
ኣድልዎ ንሓደ ሰብ ብሰንኪ ስሙ፡ ሕብሪ ቆርበቱ፡ ዕድሚኡ ወይ ስንክልናኡ፡ ንኣብነት ብኣሉታ ዝሕዞ ተግባር ወይ ውሳነ እዩ። ብሕጊ ዝተኸልከሉ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣድልዎ ኣለዉ loi.
ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝተፈላለየ ጉጅለ መደብ ናይ ስራሕ ኣሎ ፣ በዚ ኣስራርሓ ናይ መደብ ሕግታት ዝተፍላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ፤ መሰልን ግብኡን ስምምዕ (ውዕል ይ ስራሕ ንኣስራሕን ሰራሕተኛን )ንኣብነት ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ንከተል ፣
- ስልጠና ፣ ብዝተፋለዩ መንገዲ ንተማሃሮ ሰልጠንቲ ናይ ሞያ ኣብ ሰምናዊ መደብ ተስሪዖም ኣለው ተማሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከል መሰልጠኒን ሰምንዊ ግዜ ናይ ስራሕ ኣብ ትካልን ፣ un CFA (centre de formation d'apprentis) eሰሙን ንሓንሳብ ኣብ ስራሕ ንሓንሳብ ኣብ ትካል መሰልጠኒ ፣ኮንትራት ናይ ምስልጣን ናይ ሰራሕተኛን ክንገብር ንኽእል ።
- ስነ-ጥበብ ኢደጥበባዊ ስርሓት ፣ ብኢድ ዝስራሕ ናይ ሞያ ኮይኑ ነብሱ ዝኽኣለ ኣስራሒ ኣለዎም፣ ንኣብነት ዳሕብስቲ ብሎንጀሪ ፣ ህንጻ ፣ ሰራሒ ሳእኒ ፣ ክዋፈር ዳ ጸጉሪ ፣ ኣብዚኦም ቦታ ንምስራሕ ናይ ሲ ኣ ፔ ወረቐት ፣ ወይ ተመጣጣኒ ናይ ዲፕሎም ወረቐት CAP (certificat d’aptitude professionnelle) ፣ ወይ ናይ 3 ዓመት ተምክሮ ክህልወና ኣለዎ።
- ንግዲ ፣ ንግዲ ንክንሰርሕ ሓደ ቦታ ናይ ሸቐት ክህልወና ኣለዎ ፣ ን ኣብነት ቡቲክ ፣ ኣብ ጎደና ባንኮ ዘርግሕና፣ ዓባይ ማኪና፣ ካልእን …. ከምኡ’ውን ምስ ሓንቲ ትካል ማርክ ምስራሕ ይከኣል ኢዩ፣ ብዝኾነ ሓደ ቦታ ውሑስ መሽጢ ቦታ ኣብዚ ምውካስ ይከኣል franchise.
• ሓረስቶት ዝዘርኡ ከም ንቡር ዘራእቲ ኢዮም ዝጽውዑ ነፍሱዝኻአለ ኣስራ ሓ ኣለዎም። ን ናቶም ናይ ብሕቶም መሬት መሕረሲ ወይ መሬት ናይ ክራይ ንከፍርዩ።
• ሰራሕተኛ መንግስቲ ፣ ስራሕ ንምርካብ ኣብ ናይ ትካል መንግስቲ ብወድድር ብምስታፍ ስራሕ ትረክብ ፣ ውሕስነት ናይ ስራሕ ኣለዎም ፣ ምስ ህዝቢ ዝኸይድ ሕጊ ተቀይዶም ኢዮም ዝኸዱ፣ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ኣብ ሰልስተ ግሩብ ዝተመደበ ኢዩ ፣ ግሩብ A ደረጃ bac+3 ግሩብ B ደረጃ ባክ bac ግሩብ C ሲ ኣ ፐ CAP ክፍሊት ናቶም ከም ኩነታት ናይ ደረጅኦም ናይ ስራሕ ኢዮምን ዝኽፈሉ ፤፣ ሰርሕተኛ ናይ መንግስቲ ኮንካ ምስ ህዝቢ ምስራሕ ዜግነት ናይ ሃገረ ፈረንሳይ ወይ ናይ ሕብረተ ኢሮፓ ከድልየና ኢዩ ፣ በንጻሩ ግን ኣብ ሓደ ሓደ ቦታ ሰርሕተኛ ናይ መንግስቲ ኮንካ ንሓጺር ኮንትራት ክንስረሕ ይከኣል ኢዩ ።
- ሰራሕተኛታት፣ ብሓፈሻ ኣብ ናይ መንግስቲ ንህዝቢ ዝሰርሑ ሓፈሻዊ ፣ ወይ ኣብ ንውልቃዊ ፣ ኣብ ትካላት ፣ ከም ኩንታቱ ፍቃድ ኮድ ናይ ስራሕ ኣብ ገለ ቦታታት ምስ ኣስራሕቲ ብግዜ ናይ ሰዓት ስምምዕ ተጌሩ ክስራሕ ይከኣል።
- ግዝያውያን ሰርሕተኛታት ፣ ምስ ወኪል ትካላት ኣጀንሲ ናይ ግዝያዊ ሓጺር ስራሕ ኣብታ ትካል ፣ ስራሕ ን ካብ ሰራሕተኛታት ምስ ዘብኩር ኣብ ምትካእ ክኸውን ይኽእል ፣ ወይ ከኣ ናይ ህጹጽ ስራሕ በታ ትካል ጠለብ ቀሪቡ ተዳልዪ ክኸውን ይኽእል፣ ግዝያዊ ስምምዕ ብመንግዲ ናይ ኣንተር ሪም (agence d’intérim) ወይ ብ ኣጀንሲ ብቀጥታ ናብ ሕሳብ ናይ ኣክውንቲ ክኽፈል ይኽእል፤ ሓደ ሓደ ግዜ ስራሕ ቀጻልነት ዘለዎ ንክሉ ግዜ ምስ ትካላት ስራሕ ክረከብ ይከኣል ኢዩ።
- ግዝያውያን ፣ ሰራሕተኛታት፣ ስራሕ ምስ ግዜ ዝተኣሳሰር ኢዩ ፣ ስምምዕ ናይ ስራሕ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክሳብ ኣስታት 8 ወርሒ ክኸውን ይኽእል ፣ ን ኣብነት ኣብ ግዜ ቀውዒ ምህርቲ ዝሕፈሰሉ ski ኣብ ጎቦ መንገዲ ምምራሕ ፣ ሞኒተር ኣብ እስኪ ካልእን ………
- ተለማመድቲ ሰራሕተኛታት፡- ውዕሎም ንወቕቲ ወይ ካብ ዕለት ክሳብ ዕለት፡ እንተበዝሐ ን 2 ኣዋርሕ ይፍጸም። ኣብነታት ሞያታት፡ ምእካብ ወይኒ፡ ምልቃም፡ መራሒ ኣኽራን፡ መምህር ስኪ ምንሽርታት ኣብ በረድ ወዘተ።ኣብ ትሕቲ ካልኦት ክልተ ቁሩብ ዝተፈላለዩ ኩነታት gratification ሓደ ንጥፈት ምፍጻም እውን ይከኣል እዩ።
• ሰልጠንቲን ወለንተኛታትን፦ ወለንተኛታት: ግዜኦምን ክእለቶምን ንኻልእ ሰብ ወይ ንማሕበር ይህቡ። ደሞዝ የብሎምን፡ እንተኾነ ግን ንዝተወሰነ ወጻኢታት (ናይ መጓዓዝያ ትኬት፡ መሳርሒታት ወዘተ) ክምለሰሎም ይከኣል እዩ። ወለንተኛታት ሓፈሻዊ ረብሓን ክፍሊትን ዘለዎ ተልእኾ ንምፍጻም ናይ ምሉእ ግዜ ውዕል ኣለዎም።
ሰራሕተኛታት ውዕል ስምምዕ ስራሖም ምስ ዝሰርሕዎ ዝተሓሓዝ ክህልዎ ይግባእ።.ኣብዚ ስምምዕ ናይ ስራሕ ብዝርዝር ብግልጺ እንተ ተጻሒፉ ፣ ን ኣስራሕን ሰርሕተኛታት ካብ ዝኾነ ዓመጽን ምብላጽን ከገላግል ይኽእል፣ ከ ከም ኩነታቶም ስምምዕ ናይ ስራሕ ብዝተፋለለዩ ዓይነት ኣገባብ ተጻሒፎም ኣለዎ ፤
ብዙሕ ዓይነት ናይ ስራሕ ውዕል ኣሎ
• ስምምዕ ስልጠና ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ሞያ ስምም contrat d'apprentissage ou de professionnalisation : ናይ ምትካእ ማለት ንክልተ ዓይነት ስምምዕ ኮይኑ ኣብ መንጎ መሰልጠኒ ሞያ ትምህርትን ምስ ትካል ናይ ሞያን በብ እብረ እና ተማህርና እና ሰራሕናን እንገብሮ ስምምዕ ኮይኑ ብበዓይነቱ ውዕል ክንገብር ንኽእል ንኣብነት ግዚያዊ ስምምዕ ናይ ሰዲዲ CDD ወይ ዘይወድቅ ስምምዕ ናይ ሰዲኢ CDI ክንረክብ ንኽእል።
• ስምምዕ ናይ Le contrat unique d'insertion (CUI) (CUI) ብቀዳምነት ንጸገም ዘለዎም ሰባት ዝውሃብ ኢዩ እዚ ዕድል ናይ ስራሕ ብቀዳምነት ነጸገም ዘለዎ ሰባት ዝውሃብ ስራሕ ኢዩ።
• ግዝያዊ ስምምዕ ናይ ስራሕ (CTT) Le contrat de travail temporaire (CTT) ou intérim :ወይ ኣንተሪም ብክልተ ዓይነት ናይ ኣካይዳ ናይ ስራሕ ኣሎ ፣ ንኣብነት ፣ ምስ እታ ንሰራሓላ ትካል ብቀጥታ ግዝያዊ ስራሕ እንሕደሰና ብበግዚኡ ክንሰርሕ ንኽእል ወይ ከኣ ምስ ወኪል ናይ ኣጀንሲ ወይ ኣንተሪም ስምምዕ ብምፍራም ብመንገዲ ናይ ኣንተሪም እና ኣሕደስና ክንሰርሕ ንኽእል ።
• ስምምዕ ናይ ውሱን ግዜ (CDD) Le contrat à durée déterminée (CDD) እንተ ነዊሑ ክሳብ 18 ወርሒ ክኸውን ይኽእል ፣ ኣብ መጨረሽታ ስምምዕ ከኽትም ይኽእል።እዚ ውዕል እዚ ካብ 36 ኣዋርሕ ንላዕሊ ክጸንሕ የብሉን።
• መፈጸምታ ዘይብሉ ዘይወድቅ ስምምዕ Le contrat CDI de chantier ou d'opération : (CDI) ንፕሮጀክት ወይ ንሓደ ተግባር ዝተፈረመ እንተኾይኑ፡ እቶም ተልእኾታት ምስተዛዘሙ ብኣስራሒ ደው ክብል ይኽእል። እቲ ሰራሕተኛ፡ ነቲ ቅድመ ኩነት እንተ ኣማሊኡ፡ ናይ መሰናበቲ ክፍሊት ክረክብ ይኽእል።
- Le contrat de travail intermittent (CDII ou CD2I) : እዚ CDI ኣብ ዝተወሰኑ ዓውድታት (መዘናግዒ፣ ቱሪዝም ወዘተ) ቀዋሚ ውዕል ምስ ርኡይ ለውጢ ኣብ ንጥፈታት። እቲ ሰራሕተኛ ናይ ምንቅስቓስ እዋናትን ናይ ዘይስራሕ እዋናትን ክፈላለ የኽእሎ።
- Le contrat à durée indéterminée (CDI) : እዚ ቀዋሚ ውዕል እዚ ናይ መወዳእታ ዕለት ዘይብሉን ክፉትን እዩ
ብድሕሪኡ’ከ ?
ብዛዕባ ውዕል ስራሕ ንምውዳእ ዝተፈላለየ መንገድታት ኣሎ (እዚ ምፍራስ ውዕል ይበሃል)።
- , እቲ ምቁራጽ ብኣስራሒ እንተተሓቲቱ እዚ licenciement ምስጓግ ይበሃል ። እዚ እንተደኣ ይበሃል ቁጠባዊ ወይ ውልቃዊ ምኽንያት እንተጋጢሙ፡ እቲ ሰራሕተኛ ካሕሳ ይረክብ (እዚ ድማ ኣብ ሽመት፡ ደሞዝ፡ ኣብታ ዝወጹላ መዓልቲ ዝነበሮ ኩነታት እቲ ሰራሕተኛን ውዕል ስራሕን ይምርኮስ)። ዲሲፕሊናዊ ምኽንያት (ናይ ሰራሕተኛ ጌጋ፣ ውዕሊ ዘይምኽባር) እንተሃልዩ እቲ ሰራሕተኛ ካሕሳ ኣይረክብን።
- እቲ ምቁራጽ ብሰራሕተኛ እንተተሓቲቱ, እዚ ድማ démission : ምልቃቕ ስራሕ ይበሃል። ካብቲ ትካል ክወጽእ ይውስንን ነቲ ናይ ምፍላጥ ግዜ ከኽብር ኣለዎ። እቲ ሰራሕተኛ ካሕሳ ኣይረክብን እዩ፣ እንተኾነ ግን ኣስራሒ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ምልክታ ግዜ ናይ መወዳእታ ደሞዙ፣ ሚዛን ዝኾነ ሕሳብ፣ ናይ በዓል ደሞዝን ዝኾነ ቦነስን ክኸፍሎ ኣለዎ።
ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ሰራሕተኛ ስርሑ ክቕጽልን ተልእኾኡ ክፍጽምን ኣለዎ። እቲ ኣስራሒ ነቲ ሰራሕተኛ ናይ ምልክታ ግዜኡ ካብ ምፍጻም ነጻ እንተገይርዎ (ከምኡ ክገብር ከምዘይብሉ ወሲኑ) እቲ ሰራሕተኛ ናይ ምልክታ ካሕሳ ይረክብ።
ሰሪሖም ተልእኾኦም ይፍጽሙ። እቲ ኣስራሒ ነቲ ሰራሕተኛ ናይ ምልክታ ግዜኡ ካብ ምፍጻም ነጻ እንተገይርዎ (ከምኡ ክገብር ከምዘይብሉ ወሲኑ) እቲ ሰራሕተኛ ናይ ምልክታ ካሕሳ ይረክብ። ኣብቲ ናይ ፈተነ ግዜ (ምጅማር ቀዋሚ ውዕሊ፣ ናይ ውሱን ግዜ ውዕሊ፣ ግዝያዊ ወይ ናይ ስራሕ ልምምድ ውዕሊ) ሰራሕተኛን ኣስራሒን ምልክታ ከይሃቡ ነቲ ናይ ስራሕ ውዕሊ ከቋርጸዎ ናጻ እዮም።
- ምልቃቕ ናይ ስራሕ ምልቃቕ ናይ ስራሕ ፣ ብጀካ ኣብ ናይ ምፍታን ግዜ ፣ ምስ ኣስራሒ ብስምምዕ ምልቃቕ ናይ ስራሕ ይከኣል ኢዩ፣ እቲ ሰራሕተኛን ኣስራሒን ብሓባራዊ ስምምዕ ደው ክብሉ እንተ ወሲኖም፡ ልሙድ ምቁራጽ እዩ: rupture conventionnelle :
- እቲ ውዕል ዝውድኣሉ መዓልቲ እንተበጺሑ ወይ እቲ ተልእኾ ወይ ወቕቲ እንተተዛዚሙ እዚ ውዕል ምፍራስ ኣይኮነን።
ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ውዕል፡ እቲ ሰራሕተኛ፤ ክረኽቦም ዘለዎ ኣገደስቲ ነገራት
-- ናይ ስራሕ ምስክር ወረቐት
- ንፈረንሳ ትራቫይል (ናይ ቀደም Pôle emploi) ምስክር ወረቐት ሚዛን ናይ ዝኾነ ሕሳብ። - le solde de tout compte
ጸገም እንተሃልዩ ወይ ሕጋዊ ምኽሪ ምስ ዘድልየኩም ብነጻ ጠበቓ ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም ። ኣብ ሓደ ትካል ሞያዊ ኩነታትካ እንተቐይርካ ንኣብነት ልምምድ ወይ ሰልጠንቲ ኔርካun avocat ሰራሕተኛ እንተኾንካ ሓድሽ ውዕል ክትፍርም ኣለካ።
ጸገም እንተሃልዩካ ወይ ሕጋዊ ምኽሪ ምስ ዘድልየካ ብነጻ ጠበቓ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
22 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ