ምሕላፍ ፣ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና

እቲ B ፍቓድ ዝፍለጥ መምርሒ ን ካብ 3.5 ቶን ዘይበዝሕን ዝበዝሐ 9 ወንበር ዘለዋን ተሽከርከርቲ ምዝዋር ይኽእለኩም ። ከምኡውን ቀሊል ማለት 125cc ሞተር ሳይክል ወይ 3 ኣእጋር ዘለወን ጎማ ስኩተር ምዝዋር እውን የኽእል።
ፍቓድ B ንምርካብ ክልተ ኣገባባት ኣለዉ፤
- ክልሰ-ሓሳባዊ ፈተና (ኮድ ጽርግያምሕላፍ)
- ግብራዊ ፈተና (ምዝዋር መኪና ምኽኣል)።
ነዚ ንምውሳድ ዕድሜኻ 17 ዓመትን ልዕሊኡን ክኸውን ኣለዎ፡ እንተኾነ ግን ካብ 15 ዓመት (ኣቐዲምካ ምዝዋር መኪና ምምሃር) ወይ 15 ዓመት (ክላሲክ ትምህርቲ) ጀሚርኩም ነቲ ኮድ ክትምዝገብ ይከኣል እዩ።
ድሮ ኣብ መበቆል ሃገርካ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ፍቓድ መዘወሪ መኪና እንተረኺብካ፡ ዳግማይ ፈተና ከይወሰድካ፡ ንፈረንሳዊ ፍቓድ ምልዋጡ ክትሓትት ይከኣል እዩ። እዚ ግን ንኹለን ናይ ወጻኢ ሃገራት ኣይምልከትን እዩ። ኣብዚ ወረቐት ኣብ ምልውዋጥ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ዘለዉ ኩሎም ቅድመ ኩነታት ርኸቡ።
ምፍላጡ ዘገድስ!: እንተደኣ ድሮ ኣብ መበቆል ሃገርካ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ፍቓድ መዘወሪ መኪና እንተረኺብኩም፡ ዳግማይ ፈተና ከይወሰድኩም፡ ንፈረንሳዊ ፍቓድ ምልዋጡ ክትሓትት ይከኣል እዩ። እዚ ግን ንኹለን ናይ ወጻኢ ሃገራት ኣይምልከትን እዩ። ኣብዚ ወረቐት ኣብ ምልውዋጥ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ዘለዉ ኩሎም ቅድመ ኩነታት ርኸቡ።
> ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ Réfugiés.info Échanger le permis de conduire
እንተደኣ ዚ ናይ ፍቓድ ምልውዋጥ እንተዘይተኻኢሉ፡ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ከይሓዝካ ኣብ ፈረንሳ ዳግማይ ፈተና ክትወስድ ከም እትኽእል ፍለጥ: ከም “ናጻ ሕጹይ”ተመዝገቡ። >ንዝያዳ ሓበሬታ ኣዚ ተወከሱ Réfugiés.info Passer le permis de conduire en candidat libre
ከመይ ንገብሮ?
ንፈተና ንምድላውን ንምምዝጋብን፡ዘድልዩ ቅጥዕታት
- ዕድመኹም 17 ዓመትን ልዕሊኡን ክኸውን (ወይ ድማ ንፍቓድ ብኣግኡ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና 15 ዓመት ምዃን)
- እዚ ናይ መጀመርታ እንተደኣ 1988 እንተተወሊድኩም ኮይንኩም l’ASSR 2 ou de l’ASR ዝበሃል ሰርቲፍኪተ ምህላ
- እንተወሓደ ን6 ኣዋርሕ ኣብ ፈረንሳ ዝነበርካን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክህልወካን ኣለዎ carte de séjour ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከሱ
- እንተደኣ ስንክልና ወይ ስንክልና ዝፈጥር ሕማም እንተሃልዩኩም "ብቑዕ ምዝዋር" ዝብል ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት ይሃልኹም ici
ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ ታሽዓይ ክፍሊ ነዚ ፈተና ክወስዱ ይግደዱ፣ እዚ ፈተና እዚ ደረጃ 2 ናይ ጽርግያ ድሕነት ቤት ትምህርቲ ምስክር ወረቐት (ASSR 2) ተባሂሉ ይጽዋዕእውን እዩ።
ንፈተና ምዝዋር መኪና ንምኽፋልን ንምሕላፍን ዝተፈላለዩ ገንዘባዊ ሓገዛት ኣለዉ፣ እቶም ኩነታት እዞም ዝስዕቡ እዮም
- ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 25 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት
- ዕድሚኦም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ተማሃሮ፣
- እንተደኣ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ኮይኖም፣
- ከምኡውን ስንኩላን ምስ ዝኾኑ ሰባት
ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ ici.ኣብ ጥቓኹም እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከምዘሎ ንምፍላጥ ነዚ ስሚዩለተር ክትጥቀመሉ ትኽእሉ ኢኹም simulateur።
> ኣብ Réfugiés.info ዝብል ናይ ሓቂ ወረቐት ኣንብብ። ውልቃዊ ናይ ስልጠና ሕሳብኩምን ተወከሱ (CPF) Utiliser le compte personnel de formation (CPF)ምጥቃም
> ንዝያዳ ሓበሬታ ኣኣብ ተፉጂ ኣንፎ ተአከሱ Réfugiés.info Utiliser le compte personnel de formation (CPF)
ነዚ ምንግባር እዞም ሰነዳት ብዲጂታላዊ ስሪት (ስካን ወይ ስእሊ) የድልዩኹም እዮም፤
1. ናይ መንነት ሰነድ ወይ ታሴራ: ወይ ፓስፖርት carte de séjour ዕለቱ ዘይወደቀ
ትሕቲ ዕድመ (ትሕቲ 18 ዓመት) ወይ ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ሞግዚትነት ዘለዉ ሰባት እውን ቅዳሕ ናይቲ ሕጋዊ ወኪሎም (ወላዲ ወይ ኣላዪ) መንነት ሰነድ የድልየኩም።
2. Justificatif de domicile ትሕቲ 6 ወርሒ ዝዕድሚኡ ኣድራሻ መረጋገጺ: ሕሳብ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝ: ሕሳብ ሞባይል ወዘተ ምህላው።
> ንዝያዳ ሓበሬታ ዝብል ናይ ሓቂ ወረቐት ኣንብብ። ሰነድ ስካን ግበሩ። Réfugiés.info Scanner un document
3. ኣብቲ ብ E-photo (ወይ ዲጂታላዊ ኣወሳስዳ ስእሊ )ውሰዱ ፣ ነዚ ኣገባቡ ኣብ
> ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ Réfugiés.info Faire et utiliser une e-photo
4.እንተደኣ ሓኪም ብፍላይ ምርኣይ የድልየኩም ኮይኑ ኣብዚ ተወከሱ avis médical (formulaire cerfa n°14880)
ከከም ኩነታትኩም ካልኦት ሰነዳት ክድለዩ ከም ዝኽእሉ ኣስተውዕል፤
- ድሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ተመዝጊብኩም እንተኾንኩም እቲ ናይ ትምህርቲ livret d’apprentissage መዝገብ መጽሓፍ
- ናይ ካልእ ምድብ ፍቓድ እንተሃልዩኩም copie du permis de conduire ወይ ድማ ናይ ጽርግያ ኮድ ፈተና እንተዘይወሲድካ ቅዳሕ ናይ መዘወሪ ፍቓድካ
- ፍቓድ መዘወሪ መኪና ናይ ምስራዝ፡ ምፍራስ ወይ ምቁራጽ ውሳነ...
እትመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪናኻ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣለኩም።
እንተኾነ ግን ቅኑዕ ምርጫ ንምግባር፡ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፤
- ምኽንያቱ ዋጋ ናይቲ ፍቓድ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ኣብያተ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ርኡይ ፍልልያት ኣሎ።
- ካብ ገዛኻ ወይ ስራሕካ ዘሎ ርሕቀት፡ ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ ሰዓታት
- እቲ ደገፍ፡ መምህራን፡ ቦታ
- እቲ ፈተና ንምውሳድ ዝግበር ማእከላይ ናይ ምጽባይ ግዜ
- ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ዝተመዝገቡ ናይ ፈተና ዕዉትነት
- ካብ ዓርኪ ወይ ዘመድ ብዛዕባ ሓደ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ዝመጽእ ለበዋታት...
ነዚ ካርታ ተጠቒምኩም ሓበሬታ carte ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ክትረክብ ትኽእሉ ኢኹም
ድሕሪ ምምዝጋብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ክትቅይር ትኽእሉ ኢኹም።
ግን ናይቲ ሕጂ ዘለኩም ውዕል ናይ ምስራዝ ውዕላት መርምር: ድሮ ዝተዛዘመ ሰዓታት ምምላስ ገንዘብ: ክኽፈል ዝኽእል ክፍሊት ወዘተ: ከምኡውን ናብቲ ዝሓለፈ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪናኻ ቅብሊት ከም ዝረኸብካ ዘረጋግጽ ምዝጉብ ደብዳበ ስደድ (ቅድሚ ምልኣኽካ ቅዳሕ ናይቲ ደብዳበ ክትሰርሕ ኣይትረስዑ)። ፋይልካ ናብ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ንምስግጋር፡ ከድልየካ እዩ፤
- NEPH ናትኩም (ዝተሰማምዐ ቁጽሪ ምዝገባ ፕረፈክቸራል፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪናኹም ወይ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም) ce site
- ናይ ትምህርቲ መዝገብ ካርድ
- ናይ ምክትታል ወረቐትኩም
እዚ ፈተና ኮድ ጽርግያ ("ሓፈሻዊ ክልሰ-ሓሳብ ፈተና" ወይ "ETG" ተባሂሉ'ውን ይጽዋዕ) ኣብ 11 ኣርእስታት 40 ሕቶታት ዝሓዘ መሕተቲ ጽሑፍ እዩ፡ ሕግታት መዕረፊ መካይን፡ ምልክታት ጽርግያ፡ ብግሉጽ ኣገባባት ምክኣል ወዘተ።
ከምኡውን ነቲ ፈተና ንምሕላፍ እንተወሓደ 35 ቅኑዕ መልሲ ክህልወኩም ኣለዎ።
ምዝዋር መኪና ንምምሃርን ግብራዊ ፈተና ፍቓድ B ንምውሳድን ናይ ጽርግያ ኮድ ፈተና ምሕላፍ ግዴታ እዩ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ንዓኹም ዝምጥን ናይ ስልጠና መደብ ምስ...እዚ ዝስዕብ ንምኽኣል ይሕግዝ :
- ንእሽቶ መጽሓፍ መብርሂ ሕግታትን ምልክታትን ዝሓዘት
- ኣብ ቦታ ትምህርቲ ብምኻድ
- ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወይ ኣፕሊኬሽን ልምምድ ናይ ምግባር ኣማራጺ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ንኹሉ ኣገባባት ናይቲ ናይ ጽርግያ ኮድ ፈተና ይምልከት፤
- demande de NEPH ሕቶ NEPH (ዝተሰማምዐ ቁጽሪ ምዝገባ ፕረፈክቸራል) ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ቲትረስ (ናይ ቀደም ANTS፡ ሃገራዊ ትካል ውሑስ ርእሰ-ማላት) France Titres (anciennement ANTS, agence nationale des titres sécurisés)
- inscription ኣብ ማእከል ፈተና፣ በቲ ዝሰማማዕ ኣድራሻ፣ ዕለትን ሰዓትን ምዝገባ።
ብድሕሪኡ ብኢመይል ዕድመ ይመጸኩም ምስ ኩሉ ሓበሬታ ክትሕትም: ዕለትን ቦታን፣ ኣብ መዓልቲ ፈተና ምሳኻ ክትወስዶም ዘለካ ደገፍቲ ሰነዳት (ሰነድ መንነት፣ NEPH)።
> Réfugiés.info ዝብል ናይ ሓቂ ወረቐት ኣንብብ፡ Passer le permis de conduire en candidat libreናከም ናጻ ሕጹይ ናይ ምዝዋር ፈተና ምውሳድ
ነቲ ኮድ ንምሕላፍ እንተደሊኩም፤
- ዕመኹም ካብ 15 ዓመት l'apprentissage anticipé de la conduite
- ካብ ዕድመ 16 ዓመት ብ ወግዓዊ ኣገባብ
እቲ ፈተና 30 ዩሮ እዩ። እንተወዲቕካ፡ ነቲ ፈተና ዳግማይ ንምውሳእ ካልእ 30 ዩሮ ክትከፍል ኣለካ። እቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ተወሳኺ ናይ ስልጠና ክፍሊት ክሓተካ ይኽእል እዩ።
ክፍለጥ ዘለዎ !
እንተደኣ ፈረንሳ ጽቡቕ ጌርኩም ዘይትዛረቡ እንተኾይንኩም፡ ኣብ መዓልቲ ፈተና ነቶም ሕቶታት ናብ ቋንቋ ዓደኹም ክትርጉሞም ተርጓሚ ቆጺርኩም ክትሰርሑ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ኣገልግሎት ክትከፍሉን ከምቲ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ሰርቲፊኬት ዘለዎ በዓል ሞያ ክትመርጹን ኣለኩም é ici.
ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ክፍልኻ ዝርከብ ሓላፊ ግዝኣታት (DDT ወይ DDTM) Direction départementale en charge des territoires (DDT ou DDTM) de votre département pour ዝመርሕ ክፍሊ ዳይረክቶሬት ርክብ ብምግባር ዕለታት፣ ሰዓታትን ቦታታትን ናይቲ ፈተና፣ ከምኡ’ውን ሒዝካ ክትመጽኡ ዘለካ ሰነዳት ክትፈልጥን ይግባእ።
ንምክያድ ምዝዋር መኪና ንምምሃር 5 ኣማራጺታት ኣለዉ፤
1. la formule classique (ምስ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ጥራይ)ካብ 16 ዓመት ጀሚሩ
ሓደ መምህር ብስሩዕ ናይ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ትምህርቲ ከመይ ጌርካ ከም እትዝውር ይምህረካ። እቲ ስልጠና እንተወሓደ 20 ሰዓታት ዝወስድ ኮይኑ፡ ኣብ ህዝባዊ ጽርግያታት 15 ሰዓታት (ወይ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ናይ ምዝዋር ስሚዩለተር እንተተጠቒምካ እንተወሓደ 10 ሰዓታት)።
.ዝያዳ ናይ ምዝዋር ሰዓታት እንተድኣ ኣድልዩካ፡ ተወሳኺ ሰዓት ክትከፍል ኣለካ።
2. እቲ la formule accélérée ዝፍለጥ (ምስ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ጥራይ)ካብ 16 ዓመት ጀሚሩ
ሓደ መምህር ከመይ ጌርኡም ከም እትዝውር ብሓጺር ትምህርቲ ይምህረኩም፣ ኣብ መዓልቲ ሓያሎ ሰዓታት፣ ፈተናኻ ቀልጢፍጅይል ክትሓልፉ ይሕግዘኩም።
ናህሪ ናይቲ ስልጠና ጽዑቕ ኮይኑ፡ ዋጋታት ድማ ኣዝዩ ልዑል (ብማእከላይ ገምጋም €2,000) እዩ።
3.እቲ ብ la conduite accompagnée ዝፍለጥ ( ምስ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ድሕሪኡ ምስ ሓደ ምስናይ ሰብ ) ካብ 15 ዓመት ጀሚሩ
ምስኡ ዝኸይድ ምዝዋር መኪና "ምዕቡል መምርሒ ምዝዋር መኪና" (AAC) እውን ይበሃል፡ እንተወሓደ ድማ ን1 ዓመት ይጸንሕ። ሓደ መምህር ብስሩዕ ትምህርቲ ምዝዋር ይምህረካ፣ ድሕሪኡ ኣብ ፈረንሳ እንተወሓደ 3000 ኪ.ሜ (ኣብ ወጻኢ ሃገር ምዝዋር ክልኩል እዩ) ምስ ሓደ መሰነይታ መራሒ መኪና ክትዝውር ኣለካ።
ኩሉ ንምፍላጥ ኣብዚ ተውቑ ici.
4እቲ . la conduite encadrée ዝፍለጥ (ምስ ዓጀብቲ ወይ በዓል ሞያ )ካብ 16 ዓመት ጀሚሩ
ክትትል ዝግበረሉ ምዝዋር ን፤
- ዕድሚኦም 16 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ኣብ ሞያዊ ስልጠና ዝርከቡ መንእሰያት፡ ከም BEP (ናይ ሞያ መጽናዕቲ ምስክር ወረቐት) ወይ CAP (professional aptitude certificate) ንመራሕቲ መካይን ጽርግያ ዝኣመሰለ ዲፕሎማ ዝዳለዉ
- ዕድሚኦም 18 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ዓበይቲ ኣብ ሞያዊ ስልጠና፣ ካብ ሚኒስትሪ ዕዮ ዲፕሎማ ዘዳልዉ ዘለዉ: መራሒ ህዝባዊ መጓዓዝያ ጽርግያ፣ መራሒ መጓዓዝያ ጽዕነት ጽርግያ ወዘተ።
ዝያዳ ንምፍላጥ ici.
5.ኣቲ la conduite supervisée ዝፍለጥ (ምስቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ድሕሪኡ ምስ ሓደ ወይ ልዕሊኡ መሰነይታ ዘለዎም ሰባት ) ካብ 18 ዓመት ጀሚሩ
ሓደ መምህር ብስሩዕ ትምህርቲ ከመይ ጌርካ መኪና ከም እትዝውር ይምህረካ፣ ድሕሪኡ ምስ ዓርክኻ ወይ ዘመድካ ትዝውር።
ምስ መሰነይታ ምዝዋር ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ክትስዕቦ ዘለካ ዝተሓተ ርሕቀት ወይ ንውሓት ግዜ ግን የለን።
ንምምዝጋብ :ንዝያዳ ምፍላጥን ici.
ንመሰነይታ ምዝዋር፣ ክትትል ዝግበረሉ ምዝዋርን ክትትል ዝግበረሉ ምዝዋርን፣ እቲ ምሳኻ ዝዝውር ዘመድ ንልዕሊ 5 ዓመት ፍቓድ ዝሓዘ ክኸውንን ስምምዕ ናይ መድሕን ትካሎም ክህልዎን ኣለዎ።
> ንዝያዳ ሓበሬታ Réfugiés.info Assurer une voiture.
ብሓፈሻ ቅድሚ ፈተና ፍቓድ መዘወሪ መኪና ምውሳድካ ካብ 30 ክሳብ 35 ሰዓታት ናይ ምዝዋር ግዜ የድልየካ። ብማእከላይ ገምጋም 20 ሰዓታት ምዝዋር መኪና ከከም ክፍሊ ካብ €900 ክሳብ €1,300 ይውድእ።ብድሕሪኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ተወሳኺ ሰዓት ምዝዋር ካብ €45 ክሳብ €55፡ ኣብ ፓሪስ ድማ ክሳብ €75 ይኸውን።
ክፍለጥ ዘለዎ !
ብተወሳኺ ኣውቶማቲክ ትራንስሚሽን ናይ ምዝዋር ኣማራጺ ኣሎ፡ እዚ ድማ ዝሓጸረ ናይ ልምምድ ግዜ (ብውሑዱ 13 ሰዓታት) ይሓትት። በዚ ፍቓድ እዚ ኣውቶማቲክ መካይን ጥራይ ኢኻ ክትዝውር እትኽእል። ማንዋል ትራንስሚሽን ዘለወን መካይን ንምዝዋር፡ ናይ 7 ሰዓታት ስልጠና ክትውድእ ኣለካ።
ድሉው ምስ ኮንካን ብስምምዕ መምህርን ፡ ናይ ምዝዋር ፈተና ክትወስድ ትኽእል ኢኻ .
ንቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪናኻ ኣብ Permisdeconduire.gouv.fr ንፈተና ምዝዋር መኪና ንኽምዝገበካ "ፍቓድ" ክትህቦ ትኽእል ኢኻ (እዚ ማለት ነቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ብስምካ ክምዝገብ ፍቓድ ትህቦ ማለት እዩ)።
ንስኻን መምህርካን ማእከል ፈተና፡ ዕለትን ሰዓትን ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ብድሕሪኡ እቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ናብ espace personnel etንምእታውን ነቲ መስርሕ ንምዝዛምን ዝርዝር መእተዊኻ (ኢመይልን ፓስዎርድን) ክህበካ እዩ ።
> Réfugiés.info ዝብል ወረቐት ኣንብብ Utiliser FranceConnect pour se connecter à un site internet
ኩሉ እቲ ንመዝገብ ፈተናኻ ዝምልከት ሓበሬታ ብኢመይል ክትቅበል ኢኻ ፡ ቦታ፡ ዕለት፡ ሰዓትን ዕድመ ንሕትመትን።
እቲ ፈተና ኣስታት 30 ደቓይቕ ይወስድ , ብውሑዱ 25 ደቓይቕ ምዝዋር።
ገለ ምልውዋጥ (ምዕቃብ መኪና፡ ምምላስ ወዘተ) ክትገብርን ገለ ሕቶታት ክትምልስን እውን ክትግደድ ኢኻ .
እቲ ተቖጻጻሪ ኣብ መኪና ምሳኻ ኮይኑ ካብ 31 ነጥቢ ነጥቢ ይህበካ።
ነቲ ፈተና ንምሕላፍ እንተወሓደ 20 ነጥቢ ክህልወካን ካብ ብቕዓት ናይ ምእላይ ጌጋታት ክትቁጠብን ኣለካ (ንኣብነት ቀጻሊ መስመር ምሕላፍ፡ ብጸጋም ምዝዋር፡ ምልክት ደው ምባል ዘይምኽባር ወዘተ)።
ብድሕሪኡ’ከ ?
እቲ ውጽኢት ብኢንተርነት ኣብr Permisdeconduire.gouv.fr ድሕሪ ፈተና ዝመጽእ መዓልቲ።
- እቲ ውጽኢት " ዘይእኹል " እንተኾይኑ (ትሕቲ 20 ነጥቢን/ወይ ምስ ናይ ምውጋድ ጌጋን)፡ ዳግማይ ፈተና ክትወስድን ምስ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪናኻ ሓድሽ ዕለት ክትመርጽን ክትግደድ ኢኻ።
- ውጽኢቱ " ምቹእ " እንተኾይኑ (20 ነጥቢ ዝተሓተ ኮይኑ ናይ ምውጋድ ጌጋ የለን)፡ ተዓዊትኩም ኣለኹም፡ እንቋዕ ሓጎሰኩም! ብድሕሪኡ ናይ መዘወሪ ፍቓድ ፈተና ምስክር ወረቐትካ (CEPC) ከተውርድ ትኽእል ኢኹም።
ከምኡ እውን ይከኣል እዩ demander une version papier du CEPC ናይ ምዝዋር ፈተና ከይወሰድካ ነቲ ኮድ ድሕሪ ምሕላፍካ ከተውርዶ እንተዘይክኢልካ
ክፍለጥ ዘለዎ !
CEPC ድሕሪ ፈተና ን4 ኣዋርሕ ኣብ ፈረንሳ ክትዝውር ፍቓድ ይህበካ፣ ብመንነት ሰነድ ተሰንዩ።
ናይ ምዝዋር ፍቓድ ፈተና ምስክር ወረቐትካ (CEPC) ምስ ረኸብኩ`፡ ናብ መርበብ ሓበሬታ ፈረንሳ ቲትረስ (ናይ ቀደም ANTS) ብምእታው ፍቓድ ምዝዋር መኪናኻ ንኽቐርብ ሕተት ።
ምፍራይን ኣወሃህባን ፍቓድኩም ብኢንተርነት ክትከታተሉ ትኽእሉ ኢኹም።
> ነቲ Réfugiés.info ዝብል ወረቐት ኣንብብ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ንኽቐርብ ሕተት።
13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ












