Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ምስ Préformation pour jeunes exilés

Weavers France
ኣዳላዊWeavers France

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ስደተኛታት, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት, ሓተትቲ ዑቕባ
ደረጃ ርድኢት ቋንቋ ፈረንሳA1, A2

ዋጋ

ብነጻ

ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ

ንውሓት ዝጸንሓሉ ግዜትኽኽል 4 ወርሒ
ቐጻሊ ተሳትፎትኽኽል 30 ሰዓት ኣብ ሰሙን
ዝርከበሉ መዓልቲሰኑይ, ሰሉስ, ረቡዕ, ሓሙስ, ዓርብ

ኩነታት

መንበሪ ፍቓድ ካርድ ወይ ወረቐት ምህላው
ናይ ባንክ ሕሳብ ምህላው

ኣበይ ?

ምውሳድ ስልጠና ኢንዱስትሪ ዓለባ ንምስራሕ

ኣቐድዲሙ ዝነበረ 6 місяців тому

እንታዩ’ዩ ?

ሞያ ዓለባ ኦፕሬተር ንምምሃር ናይ 4 ወርሒ ስልጠና ኮርስ ምስ

  • ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ኮርሳት
  • ዲጂታላዊ ኮርሳት ምውሳድ
  • ምኽሪ ብዛዕባ ስራሕ ምህላው (ሲቪ፡ ፍልጠት ሞያዊ ዓለም ወዘተ) ውልቃዊ ምዕባለ (ምትእምማን፡ ድርኺት ወዘተ)
  • ኣብ ሓደ ትካል ናይ 3 ሰሙን ስራሕ ልምምድ ምግባር ።

ምፍላጡ ዘገድስ
እቲ ስልጠና ንተጠቀምቲ ኣህጉራዊ ሓለዋን ልዕሊ 6 ወርሒ ዝዕድሚኦም ሓተትቲ ዑቕባን ክፉት ’ ዩ ።
ዕለታት ዝቕጽል መድረኽ፡ ካብ 6 ሕዳር 2023 ክሳብ 1 መጋቢት 2024 ኣብ ቱር ዱ ፒን።
ካልኦት ስልጠናታት ኣብ 2024 ክውደቡ እዮም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ስልጠና ኣብ ጽላት ኢንዱስትሪ ዓለባ ውዕል ስራሕ ውሕስነት ይወሃቦ።
ዕላማ፡ ኣብ መሻርኽቲ ኩባንያ ምስራሕ፡ ንኣብነት ኢንዱስትርያዊ ጨርቂ ማሽናት ዘለዎ ፋብሪካ።

ኣገዳሲ!
እዚ ቅድመ ስልጠና ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ዲፕሎማ ዘይኮነስ ኣብ መወዳእታ ምስክር ወረቐት ዝህብ እዩ።
ኣብ ምሉእ እቲ ንውሓት ግዜ፡ ንሞያዊ ስልጠና ዝኽፈል ክፍሊት ኣሎ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብ ጽላት ምፍራይ ዓለባ ዝርከባ መሻርኽቲ ኩባንያታት ንነፍሲ ወከፍ ዝሰልጠነ ሰብ ስራሕ ከም ዝህባ ቃል ይኣትዋ።

ኣብ እዋን ስልጠና ካብ ሰብ ሞያ ኢንዱስትሪን ናይ ሓቂ ዓለም ስናርዮታትን ቴክኒካዊ ክእለት ትመሃር።

ን4 ኣዋርሕ፡ ናይ ሞያዊ ስልጠና ሰልጠንቲ ደረጃ ኣለካ፡ ካብ ዞባ ኦቨርን ሮን ኣልፕስ ድማ ክፍሊት ትረክብ።

እቲ ስልጠና ን175 ሰዓታት ናይ ፈረንሳ ከም ቋንቋ ወጻኢ ኮርሳት ዝህብ ኮይኑ፡ ን30 ሰዓታት ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ስነ-ቓላት ሞያታት ኢንዱስትሪ ዓለባ ሓዊሱ እዩ።

- ፍልጠት ጽላት ኢንዱስትሪ ዓለባ
- ምስ ሰብ ሞያ ምርኻብ፣
- ኣጠቓቕማ ኮምፒተር፣
- ህንፀት እቲ ውልቃውን ሞያውን ፕሮጀክት።

ከመይ ንገብሮ?

ኣብዚ ጠውቑ እሞ ነቲ ቅጥዒ ምልኣዮ።
ድሕሪኡ ሓደ ሓላፊ ብተሌፎን ክረኽበካ እዩ።


ቅድሚ እቲ ስልጠና ናይ ሓባር ኣኼባን ናይ ኩባንያ ምብጻሕን ይውደብ።

ንጀራልዲን ቻለ ተወከሱ

ኣብ ላዕሊ ገጽ

12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
claudia mclaudia mምምሕዳር
géraldinegéraldineኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
mohamed sayed shokrimohamed sayed shokriተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
rezgar-bapirirezgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
ghannamghannamተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት