ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ Programme LIA (Langue, Inclusion, Animation)

ኣዳላዊKabubu
ዋጋ
ብነጻ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ንውሓት ዝጸንሓሉ ግዜትኽኽል 3 ወርሒ
ቐጻሊ ተሳትፎትኽኽል 4 መዓልቲ ኣብ ሰሙን
ኩነታት
ናይ CIR ን ናይ OFII ኮርሳት ወዲእኩም እንተኮይንኩም
መንበሪ ፍቓድ ካርድ ወይ ወረቐት ምህላው
ኣበይ ?
ምምሃር ኣሰራርሓ ኣኒሜሽን ብቋንቋ ፈረንሳ ቅሰሙ
እንታዩ’ዩ ?
ነቲ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ምጽሓፍን ምዝራብን ንምምሕያሽን ኣብ ስራሕካ ርእሰ ምምሕዳር ንምዃንን ዝወሃብ ስልጠና እዩ ።
እዚ መደብ ’ ዚ ኣብ ማሕበራውን ስፖርታውን ንጥፈታት ክሰርሑ ንዝደልዩ ሰባት ዝዓለመ ’ ዩ ።
እቲ መደብ ከምዚ ዝስዕብ ይህብ፤
- ትምህርቲ ፈረንሳን ምምሃር ስነ-ቓላት ኣኒሜሽንን።
- ምስ ናይ ስፖርትን መዘናግዕን ኩባንያታትን ሰብ ሞያን ኣኼባታት ምክያድ
- ማሕበራውን ምምሕዳራውን ደገፍ
- ስፖርታዊ ንጥፈታት።
ንምንታይከ የዘገድስ?
እቲ ኣብ ጽሑፍን ምዝራብን ንኽትስጉም ምስ ደረጃኻ ዝተመጣጠነ ኮርሳት ፈረንሳ (180 ሰዓታት) ንዝስዕቡ ይቐርብ፤
- መሰረታዊ ፍልጠት (ንባብ፣ ምጽሓፍ) ዳግም ምግምጋምን ደረጃ B1 ምብጻሕን።
- ምስ ሞያታት ኣኒሜሽን ዝተኣሳሰር ቴክኒካዊ ቃላት ምርዳእ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ስልጠና፡ ዲፕሎማ መጽናዕቲ ቋንቋ ፈረንሳ (DELF) B1 ክትሓልፍ ኢኻ ።
እቲ ሞያታት ኣኒሜሽንን ስፖርትን ክትረክብን ኣብዚ ዓውዲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፕሮፌሽናል ፕሮጀክት ክትሃንጽን ትኽእል ኢኻ ።
- ሲቪን ናይ መጽናዕቲ ምምስሳልን ስርሑ፣ ተመኩሮኹም ኣጉልሑ፣ ንቃለ መሕትት ተዳለዉ...
- ኮምፒተር ናይ ምጥቃምን ኣብ ኢንተርነት ናይ ምዝዋርን ክእለት።
ከመይ ንገብሮ?
እቲ ኣብቲ መደብ ተገዳስነት እንተሃልዩኩም ኣብዚሊንክ ብምጥዋቕ ብኢንተርነት ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ዝቕጽል መደብ፡ ካብ 2 ጥቅምቲ ክሳብ 22 ታሕሳስ 2023።
በዚ ኣድራሻ ክትጽሕፉ ትኽእሉ ኢኹም ፡ formation@kabubu.fr
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
ፈረንሳይ
ምስልጣን ሞያ
ኣብ ስርሔይ ክሕግዘኒ መታን ቋንቋ ፈረንሳይ እመሃር፣
እኹል ምድላው እገብር፣ናይ ዲልፍ ደልፍ ዳልፍ ተሰኤፍ "DILF, DELF, DALF, TCF" ዲፕሎም ንምውናን ተፈተኑ፣
ስልጠናታት ውሰድ፣
ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሞያ ስልጠና ምርካብ፣
ኣብ ሞያ ስፖርት ስልጠና ምርካብ፣
7 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ