ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ Association Revivre
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ምምሃር ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ፓሪስ
እንታዩ’ዩ ?
ሰሙን
እዚ ኣብ ፓሪስ ዝዋሃብ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ኮርሳት ነዞም ዝስዕቡ ደረጃታት A1.1 , A1, A2 ወይ B1 የጠዋልል።
ኣብ መዓልቲ ናይ 3 ሰዓታት ትምህርቲ ኣሎ። ሰኑይ፡ ሰሉስ፡ ሓሙስን ዓርብን (ብድምር ኣብ ሰሙን 12 ሰዓታት ማለት እዩ)። እቲ ኮርሳት ብደረጃ ዝተመደብኮሞ ግሮብ ናይ ንግሆ ወይ ድሕሪ ቀትሪ ክኸዉን ይኽእል።
ኣብ ዓመት ክልተ ስልጠናታት ኣሎ፡ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ለካቲት፡ ድሕሪኡ ካብ መጋቢት ክሳብ ሰነ። ንDELF ክትሓልፉ እትደልዩ፡ ንኽልቲኡ ስልጠናታት ክትወስዱ ኣለኩም።
ዝመጽእ መደብ : ካብ 2 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ክሳብ ናይ ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት (ን15 ሳምንታት)፡ ድሕሪኡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ሰነ 30, 2024 (ን16 ሰሙን) ክኸዉን'ዩ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
ብቅዓት ቋንቋ ፈረንሳ ብምምዕባል፡ ምስ ካልኦት ክትረዳዳእን ኣብ ፈረንሳ ኣብ መዓልታዊ ሂይወትኩም ንዘድልዮኻ ንጥፈታት ከም መጓዓዝያ ፡ ሕክምናውን ምምሕዳራውን ቆጸራታት ነፍስኻ ክኢልካ ባዕልኻ ንኽትገብር የኽእለካ።
ማሕበር ኸቪቭኽ (Revivre) ብዛዕባ ታሪኽን ስልጣነን ፈረንሳ ንምፍላጥ፣ ኣብ ቤተ መዘክርን ካልኦት ባህላዊ ቦታታትን ናይ ምብጻሕ መደባት የዳሉ።
ጎድኒ ጎኒ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ፡ ትምህርቲ ማሕበርና (Revivre) እዞም ዝስዕቡ ደገፋት እውን ይህብ እዩ
- ኣብ ምምሕዳራዊ ንጥፈታትን መንበሪ ገዛ ኣብ ምርካብን ን ስያዳ ሓበሬታ ፣ ብዛኦብኡ ን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ (Refugeees.info ፋይል ርአ) ፣
- ስራሕ ወይ ስልጠና ንምርካብን (Refugees.info ርአ)።
ከመይ ንገብሮ?
ን ናይ መመልከቲ ቅጥዒና ኣብ ነዚ ናይ ኦንላይ ክትመልእዎ ይግብእ ፡ https://airtable.com/shrOu3J2UXsUrn1qD
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
9 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ