ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ Du Pain et des Roses
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ኩነታት
ምስልጣን ብሞያ ዕምባባ ምሻጥ ዓውደ መጽናዕቲ ተሳተፉ
እንታዩ’ዩ ?
ኣብ እዚኦም ናይ 3 መዓልታት ዓውደ መጽናዕትን ንጥፈታትን (ኣስታት 20h) ኣብ ዙርያ ንግዲን ]ዕምባባታት ኮይኖም ፡ ንደቂ ኣንስትዮን ካብ ስራሕ ዝረሓቑ ኣብ ውሑዳት ጾታታት ዝርከቡ ሰባትን ክፉታት እዮም።
እቲ ዕላማ ንጥፈታት ሓደ ሸያጢ ዕምባባታት ምርካብን ሞያዊ ፕሮጀክት ምግላጽን እዩ። ብድሕሪኡ ግዱሳት ሕጹያትe formation d’assistant fleuriste ከም ተሓጋጋዚ ዕምባባ ዝሸይጥ ስልጠና ተኸቲሎም ናይ ሞያዊ ብቕዓት ምስክር ወረቐት (CQP) ክረኽቡ ይኽእሉ።
ኣብቲ መደብ :
- ኣብ ዙርያ ዕምባባ ዝካየዱ ንጥፈታት፡ ዕንበባታት ፍሩይ ዕምባባታት፡ ዕንበባታት ዝነቐጹ ዕምባባታት፡ ኮከዳማ፡ ትምህርታዊ ንምብጻሕ...
- ሞያ ዕምባባ ዝሸይጥ ንምልላይ
- ኣብ ክእለቶም ርእሰ ምትእምማን ንምጥራይ ።
- ብጉጅለ ክትምስራሕ ምምሃር
- ኣብ ናይ ቃላት ወይ ዘረባ ኣገላልጻ ብስራሕ ምምዕባል ።
እዞም ናይ ሰለስተ መዓልታት ዓውደ መጽናዕትታት ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ኣብ ቀጽሪ ማሕበርና Pain & des Roses፡ ኣብ 20ᵉ arrondissement ይካየዱ ። እተን ሰለስተ መዓልታት ካብ ሰዓት 10 ክሳብ 17 ዝካየዳ ኮይነን፡ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ናይ ሓደ ሰዓት ዕረፍቲ ኣለዋ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
- ፍልጠት ሞያ ምሻጥ ዕምባባ ዝሸይጥ፣ ሜላታት ዕምባባዊ ቅንብር ርኸቡ፣ መሸጣ ፍለጡ..
- ብዛዕባ ሆርቲካልቸር l'horticulture (ምፍራይ ዕምባባ) ተማሃሩ።
ኣብ ዙርያ ዕምባባታት ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ድሕሪ ምስታፍና፡la formation d’assistant fleuriste. ምስ ስልጠና ሓጋዚ ዕምባባታት ክትቅጽሉ ትደልዩ እንተኾይንኩም ንምርኣይ ምሳኹም ንዘራረብ ።
እቲ ስልጠና ብንኣሽቱ ጉጅለታት እዩ ዝካየድ።
ኣብ ሓልዮት ዘለዎ ቦታ ክትሰርሕ ኢኻ፣ ኣብኡ ድማ፤
- ኣብ ክእለትካ ዳግማይ ምትእምማን ንምርካብ
- ምስ ሓደስቲ ሰባት ተራኺብካ ኣፋዊ ርክብካ ምምሕያሽ
- ፈጠራኻ ብናይ ዕምባባታት ቅንብር ይግለጽ: ዕንበባታት ፍሩይ ዕምባባታት: ዕንበባታት ዝነቐጹ ዕምባባታት...
ከመይ ንገብሮ?
ንምስታፍ ግድን፤
- ናብ ዕዳጋ ስራሕ ዳግማይ ንምውህሃድ ጸገማት ምስ ዝህልውኹም
- ከምኡውን ብተዛማዲ ጽቡቕ ኣካላዊ ኩነታት እንተለኹም፣ እዩ እዚ ስራሕ እዚ ዝምችእ፣ ምኽንያቱ ስራሕ ዕምባባ ዕዳጋ ብቐንዱ ደው ኢልካ ዝፍጸም ኮይኑ ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ጽዕነት (መትሓዚታትማይን) ምጽዓን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ።
ንምምዝጋብ ነዚ ናይ ኦንላይን ቅጥዒ ምልኣዮ፤ ligne :
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
8 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ