Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ምስ Du Pain et des Roses

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲሃገር ኣልባ ሰባት, ሓተትቲ ዑቕባ, ዜጋታት ፈረንሳ, ስደተኛታት, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ
ደረጃ ርድኢት ቋንቋ ፈረንሳB1
ፍሉያት ተሳተፍቲደቐንስትዮ, ሰብ ፍሉያት ጾታ

ዋጋ

ብነጻ

ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ

ንውሓት ዝጸንሓሉ ግዜትኽኽል 3 መዓልቲ
ዝርከበሉ መዓልቲሰኑይ, ሰሉስ, ረቡዕ

ኩነታት

ኣብ ፖለምፕልዋ ተመዝገቡ
መንበሪ ፍቓድ ካርድ ወይ ወረቐት ምህላው

ምስልጣን ብሞያ ዕምባባ ምሻጥ ዓውደ መጽናዕቲ ተሳተፉ

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 9 mois

እንታዩ’ዩ ?

ኣብ እዚኦም ናይ 3 መዓልታት ዓውደ መጽናዕትን ንጥፈታትን (ኣስታት 20h) ኣብ ዙርያ ንግዲን ]ዕምባባታት ኮይኖም ፡ ንደቂ ኣንስትዮን ካብ ስራሕ ዝረሓቑ ኣብ ውሑዳት ጾታታት ዝርከቡ ሰባትን ክፉታት እዮም።

እቲ ዕላማ ንጥፈታት ሓደ ሸያጢ ዕምባባታት ምርካብን ሞያዊ ፕሮጀክት ምግላጽን እዩ። ብድሕሪኡ ግዱሳት ሕጹያትe formation d’assistant fleuriste ከም ተሓጋጋዚ ዕምባባ ዝሸይጥ ስልጠና ተኸቲሎም ናይ ሞያዊ ብቕዓት ምስክር ወረቐት (CQP) ክረኽቡ ይኽእሉ።

ኣብቲ መደብ :

  • ኣብ ዙርያ ዕምባባ ዝካየዱ ንጥፈታት፡ ዕንበባታት ፍሩይ ዕምባባታት፡ ዕንበባታት ዝነቐጹ ዕምባባታት፡ ኮከዳማ፡ ትምህርታዊ ንምብጻሕ...
  • ሞያ ዕምባባ ዝሸይጥ ንምልላይ
  • ኣብ ክእለቶም ርእሰ ምትእምማን ንምጥራይ ።
  • ብጉጅለ ክትምስራሕ ምምሃር
  • ኣብ ናይ ቃላት ወይ ዘረባ ኣገላልጻ ብስራሕ ምምዕባል ።
ምፍልጡ ዘገድስ!
እዞም ናይ ሰለስተ መዓልታት ዓውደ መጽናዕትታት ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ኣብ ቀጽሪ ማሕበርና Pain & des Roses፡ ኣብ 20ᵉ arrondissement ይካየዱ ። እተን ሰለስተ መዓልታት ካብ ሰዓት 10 ክሳብ 17 ዝካየዳ ኮይነን፡ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ናይ ሓደ ሰዓት ዕረፍቲ ኣለዋ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

  • ፍልጠት ሞያ ምሻጥ ዕምባባ ዝሸይጥ፣ ሜላታት ዕምባባዊ ቅንብር ርኸቡ፣ መሸጣ ፍለጡ..
  • ብዛዕባ ሆርቲካልቸር l'horticulture (ምፍራይ ዕምባባ) ተማሃሩ።

ኣብ ዙርያ ዕምባባታት ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ድሕሪ ምስታፍና፡la formation d’assistant fleuriste. ምስ ስልጠና ሓጋዚ ዕምባባታት ክትቅጽሉ ትደልዩ እንተኾይንኩም ንምርኣይ ምሳኹም ንዘራረብ ።

እቲ ስልጠና ብንኣሽቱ ጉጅለታት እዩ ዝካየድ።

ኣብ ሓልዮት ዘለዎ ቦታ ክትሰርሕ ኢኻ፣ ኣብኡ ድማ፤

  • ኣብ ክእለትካ ዳግማይ ምትእምማን ንምርካብ
  • ምስ ሓደስቲ ሰባት ተራኺብካ ኣፋዊ ርክብካ ምምሕያሽ
  • ፈጠራኻ ብናይ ዕምባባታት ቅንብር ይግለጽ: ዕንበባታት ፍሩይ ዕምባባታት: ዕንበባታት ዝነቐጹ ዕምባባታት...

ከመይ ንገብሮ?

ንምስታፍ ግድን፤

  • ናብ ዕዳጋ ስራሕ ዳግማይ ንምውህሃድ ጸገማት ምስ ዝህልውኹም
  • ከምኡውን ብተዛማዲ ጽቡቕ ኣካላዊ ኩነታት እንተለኹም፣ እዩ እዚ ስራሕ እዚ ዝምችእ፣ ምኽንያቱ ስራሕ ዕምባባ ዕዳጋ ብቐንዱ ደው ኢልካ ዝፍጸም ኮይኑ ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ጽዕነት (መትሓዚታትማይን) ምጽዓን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ።

ንምምዝጋብ ነዚ ናይ ኦንላይን ቅጥዒ ምልኣዮ፤ ligne :

Inscription cycle 2023 ምልእዎ

ኣብ ቦታ ምብላዕ ይከኣል እዩ፣ ማይክሮዌቭን ሸሓኒን ኣለና። ተሳተፍቲ ገለ ዕምባባታት ንምምላስ ቀሊል ንምግባር ቦርሳታት ሒዞም ክመጹ ይኽእሉ።
ኣብ ላዕሊ ገጽ

12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
xavidumxavidumምምሕዳር
du pain et des rosesdu pain et des rosesኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
nounouተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
rezgar-bapirirezgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት