ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ Kabubu

ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ኩነታት
ምድላው ንዲፕሎማ ኣሰልጣኒ ስፖርት ዝግበር ስልጠና
እንታዩ’ዩ ?
እቶም ቅድመ -ምብጻሕ ስልጠና እዚ ድማ ንናይ BPJEPS ስልጠና (ሞያዊ ምስክር ወረቐት መንእሰያት፣ ህዝባዊ ትምህርትን ስፖርትን፣ ደረጃ ዲፕሎማ ግዝኣት 4) ንምውህሃድ ምድላውን ድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለየ ስፖርት ኣሰልጣኒ ወይ መምህር ስፖርት ክትኮኑ ምብቃዕ ።
እቲ ስልጠና ዕላምኡ እዚ ዝስዕብ እዩ
- ትምህርቲ ፈረንሳ ብስፖርትን መዘናግዕን ስነ-ቓላት ናብ ደረጃ B1 ንምብጻሕ
- ሞያዊ ምድላው ንሞያ (ምድላው ንBPJEPS፣ ኣጠቓቕማ ኮምፒተር፣ ምድላይ ስራሕ፣ ሕጊ ዕዮ)
- ናይ ስራሕ ልምምድ ስራሕ
- ማሕበራውን ምምሕዳራውን ደገፍ።
እቲ መደብ ካብናይ 2025 ኣብ እዚ ብምእታው ተዓዘቡ kabubu.fr !
ኣብዚ ስልጠና ንምስታፍ ኣብ Pôle Emploi ክትምዝገብ ኣለኩም ።
ከከም ኩነታትካ ንውሓት ግዜ እቲ ስልጠና ብ Pôle Emploi ክኽፈል ይኽእል እዩ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
ብሳላ እዚ ናይ ምድላው መደብ ድሕሪኡ ብቑዕ ስልጠና BPJEPS (ሞያዊ ምስክር ወረቐት መንእሰያት፣ ህቡብ ትምህርትን ስፖርትን) ኣማራጺ APT (ኣካላዊ ንጥፈታት ንኹሉ) ወይ CQP ALS (ኣሰልጣኒ ናይ ስፖርት ንምዃን ክትክእሉ ኢኹም) ክትገብር፣ ከም ኣሰልጣኒ፣ መምህር ወይ ስፖርት ክትሰርሕ ትኽ።እዚኦም ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ዘለዎም ሞያታት እዮም።
እቲ መደብ ንልዕሊ 200 ሰዓታት ሞያዊ ትምህርቲ ፈረንሳ ዘጠቓልል እዩ።(ቃላት ሓረጋት ፣ ምኽሪ ማዕዳ፣ ናይ ድሕንነት ነገራት ... የጠቓልል).
- ዲጂታላዊ ስልጠና፡ ኣጠቓቕማ ኮምፒተር፡
- ስራሕ ንምድላይ ዝሕግዙ መሰላትን ተግባራትን ዝምልከት ዓውደ መጽናዕትታት፣
- ልምምድ ናይ ስራሕ ምግባርን እውን የተኣሳስር
ከመይ ንገብሮ?
- ኣብቲ መደብ ተገዳስነት እንተሃልዩኩም፡ ነዚ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ርኸብዎ ici. ክትመልእዎ ትኽእሉ ኢኹም .
- ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ናብዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም ፡ formation@kabubu.fr
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ