ምድላው ንፈተና DELF B1
እንታዩ’ዩ ?
እቲ ንፈተና DELF B1 ዝኸውን ናይ ምድላው ዓውደ መጽናዕትታት፤
- ኣብ ሰሙን 3 ግዜ (ሰኑይ፣ ረቡዕ፣ ሓሙስ)
- ንሓደ ክፍለ ግዜ 2h30 ።
- ካብ ሚያዝያ 2024 ክሳብ መወዳእታ 30 ግንቦት 2024 .
ኣገዳሲ!
ምዝገባ €30 (ከከም ኣታዊኹም) + ክፋል ናይቲ ናይ ፈተና ክፍሊት እዩ።
ምዝገባ ማሕበር ኮሎነ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድሕሪ ምሕላፍ ደረጃ ፈተና እዩ።
ኣብዚ ስልጠና ንምስታፍ ደረጃ B1 ክትዛዝም ኣለካ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
እቲ 2 ኣዋርሕ ኣብ ሰሙን 7.30 ሰዓታት ምድላው ብምግባር፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምድላው ፈተና ከተተኩር ትኽእል።
እቶም ዓውደ መጽናዕትታት ንኹሎም ደረጃ B1 ዘጥረዩ ሰባት ክፉታት እዮም።
ብፍላይ እቲ DELF B1 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንDU Passerelleን ንናይ ፈረንሳ ዜግነት ፋይልን ንምምልካት ዘድልየኩም እዩ።
ብዘይካ እቲ ናይ ምድላው መደባት፡ ኣብ ዝስዕቡ ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም፤
- ዓውደ መጽናዕትታት ብዛዕባ ዲጂታል (ኣጠቓቕማ ኮምፒተር)፣
- ትምህርቲ እንግሊዝኛ፣
- ባህላዊ ምብጻሕ፣
- ዓውደ መጽናዕቲ ጥዕና፣
- ዓውደ መጽናዕትታት መሰላት ወጻእተኛታት...
ከመይ ንገብሮ?
- Sur place
- ኣብቲ ቦታ፡ 7 Boulevard d'Algérie, 75019 Paris
- ብስልኪ፡ 09 87 16 06 81
- ብኢመይል ፡ ines.kolone@gmail.com
ንደረጃ ፈተና ቆጸራ ክንህበኩም ኢና።
ከከም ውጽኢትን ፕሮፋይልካን ድሕሪኡ ኣብቲ ማሕበር ተመዝጊብካ ንፈተና ምድላው ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።
ከከም ውጽኢትን ፕሮፋይልካን ድሕሪኡ ኣብቲ ማሕበር ተመዝጊብካ ንፈተና ምድላው ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
ፈረንሳይ
ቤት ጽሕፈታት
ባህላዊን ናይ ምዝንጋዕን ንጥፈታት
እኹል ምድላው እገብር፣ናይ ዲልፍ ደልፍ ዳልፍ ተሰኤፍ "DILF, DELF, DALF, TCF" ዲፕሎም ንምውናን ተፈተኑ፣
ስልጠናታት ውሰድ፣
ካብ ናይ ስምልጠና ቦታ ወጻኢ ኣብ ቴሌፎንን ምስ ሰባትን ልምምድ ግበር፣
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጉዳያተይ ባዕለይ አሳልጥ፣
ምፍላጥ ሕግን መሰላተይትን ከምዝኽበር ምግባሩን፣
ጉዳያተይ ንምስላጥ ሓገዝ ምርካብ፣
ምንጣፍ ኣብ ባህላዊ መደባት
ምልላይ ምስ ሓደሽታት ሰባት፣
7 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ