ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ Dispositif de valorisation de vos compétences
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ኩነታት
ኣበይ ?
ንምርካብ ደገፍን ስልጠናን ስራሕን
እንታዩ’ዩ ?
እምበኣር ስራሕ ወይ ስልጠና ትደልዩ ኣንተኲንኩም? ኣብ ፈረንሳ ንሞያዊ ፕሮጀክትካ ምኽሪ ምስ እትደልዩን?
ውልቃዊ ደገፍ ምስ ዝስዕብ ንህበሉ ዓውድታት ፤
1. ድሌታትኩም ንምምላእን ስራሕ ወይ ስልጠና ንምርካብን ውልቃዊ ቃለ መሕትት ምግባር ከምኡውን
2. ጸገማትካ ንምስራሕ ናይ ጉጅለ ዓውደ መጽናዕትታት ንምድጋፍ ንሕግዝ ።
ኣብዚ ንምስታፍ ኣብዚ ስርዓት ንምጽንባር እንተወሓደ A2 ደረጃ ፈረንሳ (ጽሑፍን ምዝራብን) ክህልወካ ኣለዎ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
- ሲቪን CV ናይ ተበግሶ ደብዳቤን ከመይ ጌርካ ከም እትሰርሕ ምፍላጥ፣ ናይ መጽናዕቲ ምምስሳል ምግባር፣ ንቃለ መሕትት ምድላዋት...
- ናይ ንግዲ ዓለም ኮዳት ፍለጥ
- ርእሰ ተኣማንነትካን ርእሰ-ምትእምማንካን ኣማዕብል (ናይ ጉጅለ ዓውደ መጽናዕትታትን ምስታፍ)።
ኣብ ሞያዊ ህይወትኩም ናጻ ክትኮኑን ናይ ኮምፒተር ወርክሾፕከምኡ እውን ርእሰተኣማማንነትንምሕዳር ዘኽእል መደብ ይቐርብ ።
ኣብ ንኹነታትኩም ብዕምቆት መርመራ ንገብርን ሞያዊ ፕሮጀክትኩም ኣብ ምህናጽ ንደግፈኩምን። ዲፕሎማታትኩም ከተለልዩን ተመኩሮኹም ከተዕብዩን እውን ንሕግዘኩም።
ሞያዊ ውህደትኩም ንምምችቻው ምስ መሻርኽትና ኩባንያታት ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ቆጸራታት _ . ንኹነታትኩም ንምግምጋም ስሕግዙ ርኽክባት ብስሩዕ ( ኣብ ሰሙን 3 ግዜ ) ተወዲቦም ኣለዉ ።
ኣሰራርሓ መሓውራት ማሕበራዊ ተግባር፣ ንዝርግሐ መሰላትን ንስራሕ ዝግበር ደገፍን ንምርዳእ ሓባራዊ ኣኼባታት ይውደቡ: ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፣ ወኪል CaF ካፍ፣ ማእከል መንበሪ ወዘተ ዝምልከቱ ክኾኑ ይኽእሉ።
ከመይ ንገብሮ?
እንተደድኣ ደሊኹምና ብ ቁጽሪ ቁጽሪ ተሌፎንኩም ብምምልካትን ብኢመይል bonjour@metishima.org ስደዱልና ። ናይ ኣኼባ ዕለት ንምውሳን ክንረኽበኩም ኢና።
ብቆጸራ ጥራይ ኢና እንረኽቦ።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ