ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ Français langue étrangère niveau A2
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ኩነታት
ኣበይ ?
ትምህርቲ ፈረንሳ ቅሰሙ
እንታዩ’ዩ ?
ናብ ደረጃ A2 ንምብጻሕ ነጻ ናይ ጉጅለ ትምህርቲ ፈረንሳ።
እቲ ስልጠና ብድምር ኣብ ውሽጢ 5 ሰሙን 100 ሰዓታት ትምህርቲ ፈረንሳ ዝህብ እዩ።
- መንበሪ ፍቓድ ወይ ለሲፐሰ ፣ ክህልወኩም ይግባኣ
- ውዕል ውህደት ሪፓብሊካን (CIR) ፈሪሞምን ኣብ OFII ደረጃ A1 ኮርሳት ን ኽትውዳኡ ውዕል ምፍራምን ኣለኩም።
ንምንታይከ የዘገድስ?
ኣብ እዋን ትምህርቲ፡ ኣብ ምጽሓፍን ምዝራብን ትሰርሕ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ እንተበዝሐ 15 ሰባት ኣለዉ፣ ጽቡቕ ጌርካ ክትርዳእን ክትዛረብን ንምትብባዕን ዘጠቓለለ እዩ
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኮርስ፡ ናይ ፈረንሳ ፍልጠት ፈተና "ውህደት፡ መንበሪን ዜግነትን" (TCF IRN) ናይ ምውሳድ ተኽእሎ ኣሎካ፡ ወግዓዊ መርትዖ ደረጃኻ ንኽህልወኩም
ብሳላ እቶም ኮርሳት ኣብ መዓልታዊ ህይወትካን ኣብ ስራሕካን ዝያዳ ናጻ ክትከውን ኢኻ፡ እዚ ድማ ኣብ ፈረንሳ ንውህደትካ ክሕግዘካ እዩ።
ከመይ ንገብሮ?
እንተተገዲስኩም ኢመይል ወይ ደዊልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፤
- ናይ ሓበሬታ ኣኼባታት ዝካየደሉ ዕለታት፣
- ኣብ ዝመጽእ ስልጠናታት ዝካየደሉ ቦታታትን ዕለታትን ምዃኑ’ዩ።
- ኣብ ናይ ጉጅለ ሓበሬታ ኣኼባ ክትሳተፉ፣ መብርሂ ክትረኽቡን ሕቶታት ክትሓቱ ክትክእሉን ንዕድም።
መንበሪ ፍቓድኩም፡ ዝተፈረመ ውዕል ውህደት ሪፓብሊካን (CIR)ን ደረጃ A1 ከም ዝወዳእኩም ዘርኢ ሰነድን ሒዝኩም ምምጻእ ኣይትረስዑ።
2. ሕጂ ውን ተገዳስነት እንተሃልዩካ ነቲ ናይ መመልከቲ ፋይል ምልኡ
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ