Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
መተግበሪምምሃርምስ DU Passerelle (niveau A2 vers B1) / Université Paris Dauphine - PSL ኣብ ናይ 8 ክፍልታት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ ፈረንሳ ተማሃሩ (ዞባ ወይ ክልል 16)

ምስ ምስ DU Passerelle (niveau A2 vers B1) / Université Paris Dauphine - PSL

Université Paris Dauphine-PSLኣዳላዊ Université Paris Dauphine-PSL , Université Paris Dauphine - PSLኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a un mois

ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ (DU) Passerelle ሓተትቲ ዑቕባ፡ ተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ስደተኛታትን ሃገር ዘይብሎም ሰባትን፡ ኣብ ፈረንሳ ንኽመሃሩ ዝሓሸ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ክህልዎም የኽእል።

እዚ ስልጠና እዚ፤

  • ናይ ፈረንሳ ኮርሳት
  • ንጥፈታት (ምውጻእ፣ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታት)
  • ኣብ ፈረንሳ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክትኩም ንምህናጽ ዝግበር ደገፍ...

ጽቡቕ ምፍላጥ :

እቲ ስልጠና ንኽልተ ሰሚስተር (8 ኣዋርሕ) ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ቀጺሉ ድማ ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት እዩ።

ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 40 ተመሳሳሊ ስልጠናታት ኣለዉ። እዚ ወረቐት ’ ዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ ዳውፊን - ፒኤስኤል ዝተዋህበ ስልጠና ዘቕርብ እዩ።

> ብዛዕባ DU Passerelle ዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብ Refugees.info ፋይል ርአ

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብ DU Passerelle ናይ ዩኒቨርሲቲ Paris Dauphine PSL ን 240 ሰዓታት ትምህርቲ ፈረንሳ ኣሎ። ኣብ ሰሙን 10 ሰዓታት ትምህርቲ ክህልወካ እዩ፣ ካብ ሰኑይ ክሳብ ረቡዕ።

ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ንምርካብ ፈተናታት ክትወስድ ኢኻ። ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሰሚስተር (ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓደ ግዜ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት) TCF ክትወስዱ ኢኹም። እቲ ዕላማ ኣብ መወዳእታ እቲ ስልጠና ደረጃ B1 ምርግጋፅ እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ
ወረቐት ዘለኩም ማለት :ተጠቃሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ወይ ተጠቃሚ ግዝያዊ ሓለዋ እንተኾንካን ትሕቲ 35 ዓመት እንተኾንካን፡ ንገንዘባዊ ሓገዝ (ብማሕበራዊ መዐቀኒታት ዝተመርኮሰ ስኮላርሺፕ ወይ ፍሉይ ዓመታዊ ሓገዝ)ን ንዓመት ዝኸውን መንበሪን ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።


ኣብ እዋን ስልጠና እቲ ፡ ኣብ ፈረንሳ ዘሎ ስርዓት ዩኒቨርሲቲ ክትረክቡ ኢኹም፡ ተማሃራይ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ከምኡውን ኮርሳትን ፈተናታትን ብኸመይ ይውደቡ፡ እንታይ ዓይነት ዲግሪታትን ኮርሳትን ኣለዉ... ዝኣመስሉ ኣብ እዋን ኣስተምህሮታት ከመይ ጌርካ መዘከርታ ትወስድ፡ ካብ ክፍሊ ወጻኢ ትኽልሶ፡ መግለጺታት ትህብ፡ ንፈተናታት ትዳሎ...ወዘተ

ናይ መጽናዕቲ ፕሮጀክትካ ምህናጽ ግዜን ተወፋይነትን ይሓትት።

ኣብ እዋን ስልጠና ኣባል ጋንታ ዲዩን l'équipe du DU ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝመጽእ ተመሃራይን ንነፍሲ ወከፍ ተምሃራሮ ኣብ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክቱ ኣብ ዘስተንትኖ ብውልቂ የሰንይዎ። ድሕሪኡ እንታይነት ናይቲ ደገፍ ኣብ ምዕባለ ናይቲ ተማሃራይ ኣብ ዓመት ዝምርኮስ ክኸውን እዩ፤

  • ኣብ መወዳእታ ዓመት ኣብ ደረጃ B2 ዝበጽሑ ተምሃሮ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ኣብ ዘቕርብዎ መመልከቲ ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ። ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሞያዊ ውህደትን ኣገልግሎት ኣብ መመልከቲታቶም ክሕግዞም፣ ሲቪን ናይ ሽፋን ደብዳቤታትን ክጽሕፉ፣ ናይ ስራሕ-መጽናዕቲ ፕሮግራም ዝገብሩሉ ናይ ስራሕ ልምምድ ወይ ትካል ክረኽቡ፣ ድሕሪ ምቕባል ንስልጠና ክምዝገቡ ወዘተ ይኽእል።( ዕላማ ናብ B2 ምብጽሖም እዩ)
  • ኣብ መወዳእታ ዓመት ኣብ ደረጃ B1 ዘይበጽሑ ተማሃሮ ፡ ትምህርቶም ፈረንሳ ክቕጽሉሉ ዝኽእሉ መደባት ኣብ ምድላይ ክድገፉ ይኽእሉ።

ከከም ሓፈሻዊ ደረጃን ድሌት ተምሃሮን፡ ሓባራዊ ኦሬንቴሽን ዓውደ መጽናዕትታት (ኣቀራርባ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣብ ፈረንሳ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ መመልከቲ መድረኻት ምልላይ፡ ናይ ሲቪን CV ናይ ተበግሶ ደብዳቤን ዓውደ መጽናዕቲ ወዘተ) ነቲ ውልቃዊ ምክትታል ክዛዝም ይኽእል።

ኣብ እዋን ስልጠና ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትረኽቡ ኢኹም፤

  • ባህላዊ ዑደት ምግባር።
  • ምክፋል ኣን ናይ መእተዊ ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ኣገባብ ዩኒቨርሲቲ
  • ትያትር ምስ ምቕራጽ ትርኢታት ብተማሃሮ ዝተጻሕፉ
  • ናይ ጽሑፍን ዕላልን ዓውደ መጽናዕትታት
  • ከምኡውን ቤተ መጻሕፍቲ ዩኒቨርሲቲን ናብ ትካላት ስፖርት ፒኤስኤልን ብነጻ ምብጻሕተኽእሎ ይህልወኩም

ከመይ ንገብሮ?

ከመይ ጌርኩም ትምዝገቡ : ኣብ cette page aux ብምጥዋቕ ነቲ ቅጥዒ ምልኡ

  • ናይ ምዝገባ ዕለት : መዓልታት መመልከቲ: ካብ 2 ሰነ ጀሚሩ ንዓመተ 2025-2026 ተዓጽዩ። ናይ ዓመት 2026-2027 ዕለታት ኣብ መጀመርታ 2026ክሕተም እዩ።
  • ብኢመይል ርክብ :: exil@dauphine.psl.eu

ድሕሪ ምልኣኽ መመልከቲ ፋይልኩም ተቐባልነት እንተረኺቡን፣ እቲ ብ ኮንቪኬሽን ፣ ይመጸኩም ፣ እዚ ድማ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ፈተና ትገብሩ፣ ድሕሪ እዚ ኣንተደኣ ነቲ ፈተና ሓሊፍኩም እሞ ፣ ምስቶም ምሩጻት ኴይንኩም፣ ካልእ ኮንቨንሽን ይወሃበኩም እሞ፣ ድሕሪ እዚ ፣ ወግዓውያን ተመሃሮ ንምዃን መስርሑ ትጅምርዎ።

Lieu d'accueil

Chargement de la carte...

12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

xavidumxavidumምምሕዳር
claudia mclaudia mምምሕዳር
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
ammar bazzaziammar bazzaziተርጓሚ/ሚት
utilisateur_14587093utilisateur_14587093ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
noornoorተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
parisdauphinepslparisdauphinepslኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት

Liens utiles