Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምርካብ ስልጠና ን ስራሕ ምኽሻን መግቢ

ምስ ምስ SAWA

ኣዳላዊ SAWA , Maison Bakhita ኣቐድዲሙ ዝነበረ 5 місяців тому

እቲ ስልጠና ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ንፈተና ንኮሚስ ደ ኩይዚን ሞያዊ መዓርግ (ደረጃ 3 ዲፕሎማ፡ ማዕረ CAP) የዳልወካ።

መደብ

  • መሰረታዊ ሜላታት ምብሳል ምምሃር፣ ስልጠና HACCP (ጽሬትን ድሕነትን ክሽነ)
  • ኣብ ምብሳልን ምጥሓንን ግብራዊ ስራሕ
  • ሞያዊ ኮርሳት ፈረንሳ፡ ዲጂታላዊ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ናይ ስራሕ ደገፍ ዓውደ መጽናዕቲ
  • 1 ናይ ምሉእ ግዜ ልምምድ ኣብ ሓደ ትካል
ምፍላጡ ዘገድስ!
ተሳተፍቲ ስልጠና ደረጅኦም ንምግምጋም “ህዝባዊ ቦታ” "tout public"ናይ ፈረንሳ ፍልጠት ፈተና (TCF TP) ይወስዱ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

  • ናይ ስራሕ ልምምድ ዕድል
  • ናይ ፎኦድ ትራክ ፣ ምኽሻን ኣብ መኪና ንምልላይ
ምፍላጥ ዘገድስ!
ናይ መግቢ መኪና ምግቢ ንምድላውን ንምሻጥን ዝተዓጠቐት መኪና እያ።

ኣመጋግባ፡ ከምኡውን HACCP (ጽሬትን ድሕነትን ኣብ ክሽነ)... ብቕዓት ንምርግጋጽ ዘኽእል ምኽኣል የድሊ

  • ምፍላጥ ሞያዊ ስነ-ቓላት ሞያ ምብሳል ምግቢ
  • ምስ መምህራን ፕሮፌሽናል ፋይል ምድላው
ንኣብነት ብዛዕባ ሞያዊን/ወይ ወለንታዊን ተመኩሮታትካ ኣብ ዓውዲ ምብሳል ክትዛረብ ትኽእል ኢኹም።
  • ጽፉፍ ዝኾነ መግለጺታት ተማሃርን ኣብ ቅድሚ ኣስራሒ ቅኑዕ ኣቃውማ ውሰድን።

ንስራሕ ምድላይካ፣ ኮነ ን ኻልእ፣ ጠቐምቲ ዲጂታላዊ መሳርሒታት፣ ከመይ ጌርኩም ከም እትጥቀምሉ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ። ንኣብነት ሲቪ ምጽሓፍ፡ ናይተበግሶ ደብዳቤ ምጽሓፍ ወዘተ ምኽኣል።

ኣብ ምድላይ ስራሕካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታት ክትሳተፉ። ንኣብነት ኣብ ናይ ስራሕ ቃለ መሕትት ከመይ ጌርካ ትዕወት፣ ኣበይን ብኸመይን ስራሕ ትደሊ? ወዘተ

ኣብ መወዳእታ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ናይ ሓደ ወርሒ ልምምድ ክትገብር ክትግደድ ኢኻ። ነዚ ናይ ስራሕ ልምምድ ኣብ ምድላይ ከነሰንየኩም ኢና።

ኣብ መወዳእታ ስልጠናኻ እትረኽቦ ዲፕሎማ ሞያዊ ብቕዓት እዩ። ንዕኡ ንምርካብ ዝግበር ፈተናታት ኣብ ምምራሕ ሞያዊ ክእለት ማለት ከም ሼፍ ንምስራሕ ዘድሊ ሜላታት ምብሳል ዘተኮረ እዩ።

ከመይ ንገብሮ?

ነዚ ናይ ምዝገባ ቅጥዒ ክትመልእዎ ትኽእሉ ኢኹምce formulaire d'inscription.

ዕለታት ናይ ሓባራዊ ሓበሬታ ኣኼባታትን ዝመጽእ ስልጠና ኮርሳትን ንምፍላጥ፡ ብ 06 50 49 37 15 ደውሉ ወይ ድማ ናብ luanlacroix@sawa-asso.org ኢመይል ስደዱ

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • claudia mምምሕዳር
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • nouተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • meryem lakchiniተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • sawaኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ

Liens utiles