Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
መተግበሪምምሃርምስ le DU Passerelle Espoir - Université de Poitiers (86 - Vienne)

ኣብ ዩኒቨርሲቲ Poitiers ፕዋትየኽ ቋንቋ ፈረንሳ ተማሃሩ

ምስ ምስ le DU Passerelle Espoir - Université de Poitiers

RÉSEAU MEnSኣዳላዊ RÉSEAU MEnS , Université de Poitiers, Ville de Poitiers, Territoire d'intégrationኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 7 mois

እቲ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ (DU) Passerelle ተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ስደተኛታትን ሃገር ዘይብሎም ሰባትን ፡ ኣብ ፈረንሳ ንኽመሃሩ ዝሓሸ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ክህልዎም ዘኽእል መደብ እዩ።

እዚ ናይ 273 ሰዓታት ናይ DU Passerelle HOPE ስልጠና ኮርስ፤

  • ናይ ፈረንሳ ኮርሳት፣
  • ንጡፋት ክፍልታ
  • ኣብ ፈረንሳ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክትኩም ንምህናጽ ዝግበር ደገፍ...
እቲ ስልጠና እንተወሓደ ን 1 ሰሚስተር (4 ወርሒ) ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ድሕሪኡ ድማ ካብ ጥሪ ክሳብ ግንቦት ይወስድ።

ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 40 ተመሳሳሊ ስልጠና ታት ኣለዉ። እዚ ወረቐት እዚ ስልጠና ዩኒቨርሲቲ ፖይቲየስ ዘቕርብ እዩ።

> ብዛዕባ DU Passerelle ዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብ Refugees.info ፋይል ርአ

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብ DU Passerelle Espoir ካብ 272 ክሳብ 274 ሰዓታት ዝወስድ ትምህርቲ ፈረንሳ ኣሎ።
ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ሰሙን ኣስታት 18 ሰዓታት ትምህርቲ ክህልወካ እዩ።

ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ንምርካብ ፈተናታት ክትሓልፍ ኢኻ።

ኣብ መወዳእታ ስልጠና (ክፍሊት) እውን DELF/TCF ምውሳድ ይከኣል እዩ።

ተጠቃሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ወይ ተጠቃሚ ግዝያዊ ሓለዋ እንተኴንኩም ትሕቲ 35 ዓመት እንተኾንካን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ገንዘባዊ ሓገዝ (ብማሕበራዊ መዐቀኒታት ወይ ፍሉይ ዓመታዊ ሓገዝ ዝተመርኮሰ ስኮላርሺፕ)ን ንስልጠና ዝኸውን መንበሪን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ክትረኽብዎ እትኽእሉ ኣገባባት ከም እኒ፣ ናይ ተመሃራት ህይወት ፡ እንታይ ምዃኑ፡ እቶም ኮርሳትን ፈተናታትን ብኸመይ ከም ዝውደቡ፡ እንታይ እንታይ ናይ ዲፕሎማን ስልጠናን ኣለዉ፡ ኣብ እዋን ትምህርቲ ማስታወሻታት፣ ወይ ኖት ምውሳድን ከም ዝከኣልን፣ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ወይ መጽናዕቲ ከመይ ከም እትገብሩ ክትመሃሩ፡ ከምኡ ውን መግለጺታት ክትገብሩን፡ ንፈተናታት ክትዳለዉ ከም እትኽእሉ ዘገልጹ ነገራት ዘጠቓለለ ትምህርቲ ኣለኩም።

  • "ቋንቋ ፈረንሳኛ ንዕላማ ዩኒቨርሲቲ" ዝብል ኣማራጺ ኮርስ (ካብ B2)
  • ቱተርያል ትምህርቲ ቋንቋ ምስ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ
  • ብተወሳኺ ናይ ደገ ኮርስ (ኣብ C1)

ከም ዝፍለጥ እቲ ስርዓተ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፈረንሳ ዝተሓላለኸ ስለ ዝኾነ ።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ሰብ ሞያ ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ብውልቂ ፡ ከከም ተኽእሎታት፡ ብዛዕባ እቲ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክት የሙቑኹም።

እቶም ሰብ ሞያ ሲቪኹምን CV ናይ ሽፋን ተበግሶ ደብዳቤታትካን ክትጽሕፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝምስጠኩም ኮርሳት ክትምዝገብ’ውን ይሕግዝኹም።

  • ዝተፈላለየ ዓውደ መጽናዕታት "ምህናጽ ሞያዊ ፕሮጀክትኩም"
  • ብጉጅለ ድሕሪኡ ውልቃዊ ኣኼባታት ምስ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምርሒ ኣማኸርቲ ዘለዎ ምስናይ ወዘተ

ብተወሳኺ ኣብ እዋን ስልጠና ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትረኽቡ ኢኹም፤

  • ከም እኒ ናይ ትያትር ዓውደ መጽናዕታት
  • ናይ ሬድዮ ዓውደ መጽናዕቲ,ዘካተተ
  • ባህላዊ ምዝንጋዓትን ምውጻእ (ሲነማ፡ ትያትር፡ ቤተ መዘክር...)ምብጻሕ ወዘተ
  • ብተማሃሮ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ፍቓድ ስፖርት ዝቐርብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ምክያድ
  • ናይ ዩኒቨርሲቲ ስፖርታዊ ንጥፈታት ምብጻሕ ምግባር

ከመይ ንገብሮ?

  • ኣት እቲ ዩኒቸርስቶ ብከመይ ከም ትምዝገቡ: ኣብብዚ ኣለኩም እቲ ዝርዝር le site de l'université ብምእታው ከመይ ጌርኩም ከም እትምዝገቡ ፍለጡ።
  • ከምኡውን ናይ ምምልካት መዓልታት (ኣዋርሕ ብሓፈሻ) : ካብ መጋቢት ክሳብ ሰነ እዩ
  • ኣብዚ ኣቲኹም ተመዝገቡ : etudiantsrefugies@univ-poitiers.fr

ድሕሪ ምልኣኽ መመልከቲ፡ መመልከቲኹም ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ንናይ ኣቀማምጣ ፈተና ዕድመ ዝሓዘ ኢመይል ይመጸኩም እዩ።

Lieu d'accueil

Chargement de la carte...

14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

xavidumxavidumምምሕዳር
claudia mclaudia mምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
admin-du-poitiersadmin-du-poitiersኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
mariammariamተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
rzgar-bapirirzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
anastasiia12345anastasiia12345ተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት

Liens utiles