Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምምሃር ኣብ ኦርሊ Orléans ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ፈረንሳ ተማሃሩ

ምስ ምስ DU Passerelle FLE ተማሃሮ ኣብ ስደት / ፈረንሳዊ ትካል - ዩኒቨርሲቲ ኦርሊንስ

ኣዳላዊ RÉSEAU MEnS , Institut de français - Université d'Orléansኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 11 jours

ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ Diplôme Universitaire (DU) Passerelle ሓተትቲ ዑቕባ፡ ተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ስደተኛታትን ሃገር ኣልቦ ሰባትን፡ ኣብ ፈረንሳ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ faire des études ክጅምሩ ወይ ዳግማይ ክጅምሩ የኽእሎም።

እዚ ሓበሬታ እዚ "DU Passerelle FLE étudiants et étudiantes en exil" ነዞም ኣገልግሎት ናይ ትምህርቲ ኣለኩም:

  • ፈለማ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ኮርሳት፣
  • ኣብ ፈረንሳ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክትኩም ንምህናጽ ዝግበር ደገፍ
  • ኣብ ፈረንሳ ትምህርቲ ንምቕጻል ወይ ድሕሪ ስልጠና ስራሕ ንምርካብ ዝግበር ደገፍ...ወዘትር
  • ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦርሊንስ ሕክምናውን ማሕበራውን ደገፍ ናይ ምርካብ ተኽእሎ።
ኣገዳሲ ሓበሬታ! እዚ ስልጠና እዚ  ሰሚስተር semestre (13 ሰሚስተር ), መስከረም ክሳብ ታሕታትከምኡውን ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ

ዳርጋ  ከባቢ 40 ዝኾኑ ተመሳሰልቲ ናይ ስልጠና ትካላት ኣለዉ፣ እዚ ሓበሬታ እዚ ናይ l’Université d'Orléans. ዩኒቨርሲትይ፣ ኦርልይ እዩ

> ብዛዕባ DU Passerelle ዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብ Refugees.info ፋይል ርአዩ

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብ DU Passerelle FLE ኣብ ስደት ዝርከቡ ተማሃሮ፡ ከከም ደረጃኡ ኣብ ሓደ ሰሚስተር ካብ 235 ክሳብ 248 ሰዓታት ትምህርቲ ፈረንሳ ኣሎ።

ኣብ ሰሙን ከከም ደረጃኡ ካብ ሰዓት 18 ክሳብ 21 ናይ ትምህርቲ እዋን ትምህርቲ ፣ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፣ ከምኡ’ውን ናይ ትዕዝብቲ ወይ ወለንታዊ ስራሕ ግዜ፣ ን20 ሰዓታት ዝጸንሕ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ስልጠና፡ ብኹለን ዩኒቨርሲቲታት ፈረንሳ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ንምርካብ ፈተናታት ይህብ።

ጽቡቕ ምፍላጥ! ተጠቃሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ወይ ተጠቃሚ ግዝያዊ ሓለዋ እንተኴይንኩም ትሕቲ 35 ዓመት ንዝዕድሚኦም ሰባት ወርሓዊ ክፍሊት ገንዘብ ኣለዎ (እቲ ክፍሊት መዐቀኒታት፣ ዝተመርኮሰ ስኮላርሺፕ እዩ)ንስልጠና ዝኸውን መንበሪን ምርካብ እውን ተአኽእሎ ኣለዎ ኢኻ።

ፈለማ ኣብ እዋን እቲ መደብ፡ ኣብ ፈረንሳ ናይ ዩኒቨርሲቲ ህይወት ክትረኽቡ ኢኹም፡ ተማሃራይ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ኮርሳትን ፈተናታትን ብኸመይ ይውደቡ፡ እንታይ ዓይነት ዲግሪታትን መደባትን ይርከቡ፡ ኣብ እዋን ኣስተምህሮታት ከመይ ጌርካ ማስታወሻታት ትወስድን ካብ ክፍሊ ወጻኢ ከመይ ጌርካ ትኽልሶን፡ ከመይ ጌርካ መግለጺታት ትህብ፡ ንፈተናታት ብኸመይ ትዳሎን ካልእን ክትረክብ ኢኻ።

ኩሎም ኣብ ፕሮግራም ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ጌትዌይ ዝተመዝገቡ ተማሃሮ፡ ደረጅኦም (B1, B2, ወይ C1) ብዘየገድስ፡ ንኣካዳሚያዊ ዕላማታት ኮርስ ፈረንሳ ክወስዱ ይኽእሉ።

ስርዓተ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፈረንሳ ዝተሓላለኸ ብምዃኑ።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ሰብ ሞያ ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ብውልቂ ኣሰንዮም፡ ከከም ተኽእሎታትካ፡ ብዛዕባ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክት የሰንይኹም።

እዚ መምርሒ ክልተ ክፋላት ዝሓዘ እዩ፤

  • ateliers professionnels: ሰብ ሞያ ዓቕሚ ናይ ተበግሶ ደብዳቤታት ክትጽሕፉ ፣ ክእለትኩም ከተጉልሕን ብዛዕባ ሞያዊ ዕላማ ከተስተንትንን ይሕግዙ።
  • accompagnement individualisé : : ኣብ ስደት ንዝርከቡ ተማሃሮ ኣማኻሪ ምሳኻ ኣብ መደብ ዳግማይ ትምህርት ንምጅማር ይሰርሕን ኣብ መስርሕ ምምልካት ይሕግዘዝኹም ።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ንኹሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦርሊንስ ንተማሃሮ ክፉት ዝኾነ ንጥፈታት ብነጻ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፤

  • ልምምድ ብዙሓት ስፖርታዊ ንጥፈታት (ጂምናዝየም፡ ዮጋ፡ ሳዕስዒት፡ ኩዕሶ ኢድ ወዘተ) ከም ኣካል ኣገልግሎት SUAPSE
  • ኣብቲ ብማእከል ባህሊ ዩኒቨርሲቲ ለ ቦይሎን ዝቐርብ መደብ ናይ ምክፋል ተኽእሎ (ፊልምታት፡ ኮንሰርታት፡ ኣኼባታት-ክትዕ፡ ተዋስኦታት ወዘተ)
  • ሳላ ሓያሎ ማሕበራት ተመሃሮ ምስ ፈረንሳውያን ተማሃሮ ናይ ምርኻብ ዕድል ረኺቡ።

ከም ኩሎም ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኦርሊንስ፡ ዝኾነ ጸገም እንተሃልዩኩም ዝሕግዙኹም ኣገልግሎታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፤

  • ቤት ጽሕፈት ሓገዝ፡ AIDE ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ተማሃሮ ሓገዝ (ማሕበራዊ፡ ፋይናንሳዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ሕክምናዊ ወዘተ)፡ ህጹጽ ድሌታት (ምክፍፋል መግቢ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ወዘተ)፡ ምስ ምቹኣት ሰብ ሞያ ርክብ
  • ልቓሕ ወይ ኮምፒተርን ብሽክለታን ንምግዛእ ሓገዝ ምግባር
  • ናይ ዩኒቨርሲቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት።

ከመይ ንገብሮ?

ድሕሪ መመልከቲ ምስዳድ፣ ጠለብኩም ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ንቃለ መሕትት ዝዕድም ኢመይል ትቕበሉ። እዚ ድማ ፣ምምሃርን ምምሕዳርን ጉጅለ ናይቱ ትካል፣ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳኹም፣ ተበግሶኹም፣ ክፈልጡ የኽእሎም።

ምምሃር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦርሊንስ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ተማሃሮ መራኸቢት ዝኾነት ኒና ሬንዱሊክ ክትረኽብዋ ናጻ ትኾኑ፤

referent.etudiants.exil@univ-orleans.fr

Lieu d'accueil

10 Rue de Tours, 45100 Orléans, France

02 38 49 45 03

scolarite.idf@univ-orleans.fr

Chargement de la carte...

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • claudia mምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • nouተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • rzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • deboተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት

Liens utiles