Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
መተግበሪምምሃርምስ le Projet PASREL - Université Clermont Auvergne (63 - Puy-de-Dôme)

ምምሃር ቋንቋ ፈረንሳ ዩኒቨርሲቲ Clermont-Ferrand

ምስ ምስ le Projet PASREL - Université Clermont Auvergne

RÉSEAU MEnSኣዳላዊ RÉSEAU MEnS , Université Clermont Auvergneኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 2 ans

ፕሮጀክት ፓስረል (ስፖርታዊ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት፡ ኣኼባታት፡ ፈጠራዊ ጽሑፍ፡ ቋንቋ ፈረንሳ) ሓተትቲ ዑቕባ፡ ተጠቀምቲ ንኡሳን ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ስደተኛታትን ሃገር ኣልባ ሰባትን፡ ዝሓሸ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ክህልዎም ኣብ ፈረንሳ ንኽመሃሩ የኽእል።

እዚ ኣስታት 180 ሰዓታት ዝወሰደ ስልጠና፤

  • ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ኮርሳት፣
  • ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት፣
  • ኣብ ፈረንሳ ዩኒቨርሲቲኹምን ሞያዊ ፕሮጀክትኩምን ንምህናጽ ዝግበር ደገፍ...
`ፍለጡ ዘገድስ
እቲ ስልጠና 1 ሰሚስተር ኣብ ሓደ ደረጃ ይጸንሕ ፣ ካብ ጥቅምቲ- ጥሪ ድሕሪኡ ካብ ለካቲት -ሰነ ይወሃብ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብ ፕሮጀክት ፓስረል ዩኒቨርሲቲ ክለርሞንት ኦቨርን ን90 ሰዓታት ትምህርቲ ፈረንሳ ኣሎ።
ኣብ ሰሙን ኣስታት 9 ሰዓታት ትምህርቲ ክህልወካ ይህብ።

ንናይ DELF A1 ወይ DELF A2 ምስክር ወረቐት ናይ 8 ሰዓታት ምድላው ክህልወካ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ስልጠናኻ ናይ DELF A1 ወይ A2 ምስክር ወረቐት ክትሓልፍ ኢኻ።

ኣብቲ ስልጠና ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲን ብሰንኪ ፕሮጀክት ፓስረል ዝመጽእ DU Passerelleን ክትረኽቡ ኢኹም።

> ኣብ DU Passerelle ናይ Clermont Auvergne University ዝርከብ Réfugiés.info ፋይል ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ

ኣብቲ ስልጠና እቲ ምስ ናይቲ ከባቢ መሻርኽቲ ኣካላት ዝግበር ኣኼባታት ውህደት ተምሃሮ ንምድንፋዕ ይሕግዝ።

ብዘይካ ኣዚ ኣብ እዋን ስልጠና ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትረኽቡ ኢኹም ንኣብነት ገለ ካብኣቶም፤

  • ናይ ጽሑፍ ዓውደ መጽናዕቲ
  • ትያትር፣ ሙዚቃን ኣብ መንጎ ባህልታትን ዓውደ መጽናዕቲ
  • ባህላውን ስፖርታውን ምውጻእ
  • ኣኼባታት ስነጥበባውያን...ወዘተ ዘጠቓለለ እዩ

ከመይ ንገብሮ?

  • ኩነታት ምዝገባ ፡ ከመይ ጌርካ ከም እትምዝገብ ንምፍላጥ ናብle site de l'université ብምእታው።
  • ናይ ምምልካት መዓልታት (ሓፈሻዊ ኣዋርሕ) : ካብ ታሕሳስ ክሳብ ጥሪ ወይ ካብ ሰነ ክሳብ ሓምለ
  • ርክቡና : pasrel.centre-fleura@uca.fr

ድሕሪ ምልኣኽ መመልከቲ፡ መመልከቲኻ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ንቃለ መሕትት ዕድመ ዝሓዘ ኢመይል ይመጸኩም እዩ።

Lieu d'accueil

Chargement de la carte...

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

claudia mclaudia mምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
admin-du-clermontadmin-du-clermontተርጓሚ/ሚት
mohamed sayed shokrimohamed sayed shokriተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
ellaellaተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
rzgar-bapirirzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት

Liens utiles