Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
መተግበሪምምሃርምስ DUPasserelle / Université Paris 8 Vincennes Saint-Denis ኣብ ናይ 8 ክፍልታት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሴንት ደኒስ Saint-Denis ፈረንሳ ተማሃሩ

ምስ ምስ DUPasserelle / Université Paris 8 Vincennes Saint-Denis

RÉSEAU MEnSኣዳላዊ RÉSEAU MEnS , Université Paris 8ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 7 mois


ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ (DU) Passerelle ሓተትቲ ዑቕባ፡ ተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ስደተኛታትን ሃገር ዘይብሎም ሰባትን፡ ኣብ ፈረንሳ ንኽመሃሩ ዝሓሸ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ክህልዎም የኽእል።

እዚ ን480 ሰዓታት ዝጸንሕ ናይ DU Passerelle FLE ስልጠና ኮርስ ንናይ ስደት ተማሃሮ ኣብ ውህደት ዩኒቨርሲቲ፤

  • ናይ ፈረንሳ ኮርሳት፣
  • ግብራውያን ክፍልታት
  • ኣብ ፈረንሳ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክትኩም ንምህናጽ ዝግበር ደገፍ...
ኣዝዩ ኣገዳሲ!
ግብሪ ዝከፈልክሉ ወረቐት ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ ፣ ዋላ ግብሪ እንተዘይከፈልካ ናይ ግብሪ ምልክታኻ ክትሕሉ ኣለካ።

ብዙሓት ምምሕዳራትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ነዚ ሰነድ ተጠቒሞም ኣገባባት (ሓገዝ እቲ ስልጠና ንኽልተ ሰሚስተር (8 ኣዋርሕ) ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ካብ ሕዳር ክሳብ ሓምለ እዩ።

ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 40 ተመሳሳሊ ስልጠናታት ኣለዉ። እዚ ወረቐት ስልጠና ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ Vincennes Saint-Denis.ቪንሰን ሴንት ደኒስ ዘቕርብ እዩ።

> ብዛዕባ DU Passerelle ዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብ Refugees.info ፋይል ርአ

ንምንታይከ የዘገድስ?

ካብ ዩኒቨርሲቲ l'Université Paris 8 à Saint-Denis ዝመጸ ዲዩ ፓሰረል ዓመታዊ ዲፕሎማ ኮይኑ 480 ሰዓታት ስልጠና ዘጠቓልል እዩ። ኣብ መንጎ ዓመተ ትምህርቲ ዓመት ዝኾነ ተማሃራይ ተቐባልነት የብሉን። ስለዚ ናይ ምዝገባ እዋን ናይ ዓመት 2025-2026 ናይ ምልመላ ግዜ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡ ካብ 19 ግንቦት ክሳብ 06 ሰነ 2025።

እዚ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ 8 DU Passerelle እዚ ፣ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ 2 ጉጅለ ተማሃሮ ክቕበል እዩ። ቀዳመይቲ ጉጅለ ብመሰረት CECRL, ዝረኸብዎ A1 መእተዊ ደረጃ ዘለዎም ተማሃሮ ክትቅበል እያ፣ እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ስልጠና ደረጃ B1 ንምርካብ ዝዓለመ እዩ። ካልኣይ ጉጅለ ኣብ ምጅማር ስልጠና A2 ደረጃ ዘለዎምን ኣብ መወዳእታ ስልጠና B2 ደረጃ ናይ CECRLቡ ዝደልዩን ተማሃሮ ክቕበል እዩ።

ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሰሙን 15 ሰዓታት ትምህርቲ ኣሎ።

ንቅድመ ምርጫ ዝተመርጹ ሕጹያት ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ናይ ጽሑፍ ፈተናን ኣፋዊ ቃለ መሕትትን ክገብሩ ክዕደሙ እዮም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ነቲ ተምሃራይ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ኣብ መሻርኽቲ ማእኸል ንናይ DELF/TCF ክፍለ ግዜ ክምዝግቦ ክኽእል እዩ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ!
ተጠቃሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ወይ ተጠቃሚ ግዝያዊ ሓለዋ እንተኾንካን ትሕቲ 35 ዓመት እንተኾንካኩም ድማ ፡ ንገንዘባዊ ሓገዝ (ብማሕበራዊ መዐቀኒታት ዝተመርኮሰ ድጋፍ ወይ ፍሉይ ዓመታዊ ሓገዝ) ከተመልክት ትኽእል ኢኹም።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ክትረኽብዎ ኢኹም፡ ተማሃራይ ምዃን እንታይ ምዃኑ፡ እቶም ኮርሳትን ፈተናታትን ብኸመይ ይውደቡ፡ እንታይ ዲፕሎማን ስልጠናን ኣለዉ፡ ኣብ እዋን ኮርሳት ማስታወሻታት ምውሳድን ካብቲ ኮርሳት ወጻኢ ምኽላስን ክትመሃሩ፡ መግለጺታት ምቕራብ ፣ ንፈተናታት ተዳሎ... ኣብ ምሉእ ስልጠናኻ ምምሕዳራዊ ደገፍ እውን ይወሃበካ።

ስርዓተ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፈረንሳ ዝተሓላለኸ እዩ።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ሰብ ሞያ ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ብውልቂ ኣሰንዮም፡ ከከም ተኽእሎታት፡ ብዛዕባ እቲ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክት የስተንትኑ።

እቶም ሰብ ሞያ ሲቪኻን ናይ ሽፋን ደብዳቤታትካን ክትጽሕፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝምስጠካ ኮርሳት ክትምዝገብ’ውን ይሕግዙኻ።

ብዘይካ እዚ ከምኡውን ኣብ እዋን ስልጠና ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትረኽቡ ኢኹም፤

  • ዑደት ባህላዊ ምውጻእ፣
  • ዕላል ቡን፣
  • ከምእውን ስፖርታዊ ንጥፈታት፣
  • ምስናይ መዓልቲ ውህደት፡
  • ዛዕባ መዓልታት ዛዕባ ፣
  • ልፍንቲ ምግባር ወዘተ

ከመይ ንገብሮ?

  • መዝገባ ናይ ዩኒቨርስቲ ንማታው r le site de l'université ከመይ ጌርኩም ከም እትምዝገቡ ምፍላጥ።
  • ናይ ምምልካት መዓልታት (ኣዋርሕ ብሓፈሻ) : ሰኑይ 19 ግንቦት ክሳብ 06 መስከረም 2025
  • ርክቡና : dufle-refugies.admission@univ-paris8.fr

ድሕሪ ምልኣኽ መመልከቲ ፋይልካ ተቐባልነት እንተረኺቡ ንቃለ መሕትት ዕድመ ዝሓዘ ኢመይል ይመጸካ።

Lieu d'accueil

Chargement de la carte...

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

xavidumxavidumምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
ammar bazzaziammar bazzaziተርጓሚ/ሚት
utilisateur_14587093utilisateur_14587093ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
noornoorተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
sarah jacquardsarah jacquardኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
laetitia-p8laetitia-p8ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ

Liens utiles