Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምምሃር ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ Rennes

ምስ ምስ le DU Passerelle - CIREFE - Université Rennes 2

ኣዳላዊ RÉSEAU MEnS , Université Rennes 2ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 9 heures

እዚ ብ ዲፕሎማ ዩኒቨርሲቲ ፓሰረል (DU) ፡ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ስደተኛታትን ሃገር ኣልቦ ሰባትን ፡ ኣብ ፈረንሳ ንኽመሃሩ ዝሓሸ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ክህልዎም የኽእሎም።

እዚ ን230 ሰዓታት ዝወሃብ ስልጠና፤

  • ምስታፍ ናይ ቋንቋ ንፈረንሳ ኮርሳት፣
  • ምስጣፍ ንጥፈታት ስራሕቲ
  • ኣብ ፈረንሳ ዩኒቨርሲቲኹምን ሞያዊ ፕሮጀክት ንምህናጽ ዝግበር ደገፍ...ተጠቀምቲ ትኾኑ
ምፍሳጡ ዘገድስ እቲ ስልጠና እንተወሓደ ን 1 ሰሚስተር (4 ወርሒ)፣ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ድሕሪኡ ካብ ጥሪ ክሳብ ግንቦት እዩ ዝወሃብ ።

ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 40 ተመሳሳሊ ስልጠናታት መውሃቢ ቦታት ኣለዉ። እዚ ዲብሎማ እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ l'Université Rennes 2 ዝወሃብ ስልጠና ዘቕርብ እዩ።

>ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ DU Passerelle ዝያዳ ፍለጥ: ኣብ Réfugiés.info ዝብል ወረቐት ርአ

ንምንታይከ የዘገድስ?

እቲ ኣብ DU Passerelle ናይ ረንስ 2 ዩኒቨርሲቲ፡ ኣስታት 230 ሰዓታት ናይ ፈረንሳ ትምህርቲ ኣለኩም ።
ናይ ትምህርቲ ሰዓታታ ኣብ ሰሙን ካብ 16 ክሳብ 18 ሰዓታት ትምህርቲ ክህልወኩም ይግባእ ፣ ካብ ሰዓት 8:30 ክሳብ 18 .

ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ንምርካብ ፈተናታት ክትወስዱ ኢኹም ።

ኣብ መወዳእታ ስልጠና DELF ምውሳድ እውን ይከኣል እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ!
እንተድደኣ ወረቓት ናይ ዑቕ=ባ ሃልይኩም እሞ ዕድል አኹም ትሕቲ 35 ዓመት ከም ዝኸውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ገንዘባዊ ሓገዝ (ከከም ኣታዊኹም ዝዕቀን ዝውጠን ) ክትረኽቡ ትኽእሉ ፣ ብተወሳኺ እውን ነቲ ስልጠና ንምዝዛም መንበሪ ገዛን ክህልወኩምን ይኽእል እዩ።

ስርዓተ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፈረንሳ ዝተሓላለኸ ስለ ዝኾኑ። እምበርከስ ኣብ እዋን ስልጠና፡ ኣብ ፈረንሳ ስርዓተ ዩኒቨርሲቲ ክትድህስስዎ ኢኹም፡ ተማሃራይ ምዃን እንታይ ምዃኑ፡ ኮርሳትን ፈተናታትን ብኸመይ ይውደቡ፡ እንታይን ክንደይን ዲፕሎማን ስልጠናን ኣለዉ፡ ኣብ እዋን ክፍሊ መዘከርታ ምውሳድን ካብ ክፍሊ ወጻኢ ምኽላስን ክትመሃሩ፡ መግለጺታት ምቕራብ፡ ንምድላው ፈተናታት...ወዘተ ይከኣል

  • ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦሬንቴሽንን ሞያዊ ምምዳብን ኮርሳት ምስታፍ
  • ምርካብ ኣገልግሎት ሓበሬታን መምርሕን ዩኒቨርሲቲ
  • ናይ ሲቪን ናይ ሽፋን CV ደብዳቤን ጽሑፍ ዓውደ መጽናዕቲ
  • ምርካብ ብመንገዲ ማሕበር ምምዳብ ሞያ ዝረኽብዎ ነጻ ደገፍ።

ስርዓተ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፈረንሳ ዝተሓለኸ ከም ምዃኑ ብምዃኑ።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ሰብ ሞያ ብውልቂ ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ኣሰንዮም፡ ዓቕምኹም ፣ ድሕረ ባይታኹምን ብዛዕባ እቲ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክት የከተሰላስሉ ይከኣል።

  • ምስታፍ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኦሬንቴሽንን ሞያዊ ውህደትን ኮርሳት
  • ምርካብ ኣገልግሎት ሓበሬታን ኦሬንቴሽንን ዩኒቨርሲቲ ምርካብ
  • ምኽኣል ናይ CVናይ ተበግሶ ደብዳቤን ኣገባብ ምኽኣል
  • ከምኡ ውን ምኽኣል ካብ ማሕበር ሞያዊ ውህደት ዝከኣል ነጻ ደገፍ ንምርካብ ይሕግዙ እውን ኢኹም

ኣብ እዋን ስልጠና ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም ገለ ካብኡ ፤

  • ምውጻእ ባህላዊ ዑደት (ቤተ መዘክር ምብጻሕ፡ ፡ ባህላዊ ፕሮጀክትታት ወዘተ)
  • ምኻል ስነ-ጥበባዊ ስርሓት (ሲነማ፡ ሬድዮ፡ ጽሑፍ፡ ትያትር፡ ኮንሰርት ወዘተ)ምስታፍ
  • ብዩኒቨርሲቲ ዝቐርብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ምርካብ ዝኣመሰሉ ዘጠቓልልሉ እውን እዮም

  • ምኽኣል ናይ ዩኒቨርሲቲ ቤተ መጻሕፍቲ ምጥቃም
  • ምርካብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ጥዕና ተመሃሮ (ማሕበራውን ጥዕናውን ኣገልግሎት)
  • ምኽኣል ኣገልግሎት ህይወት ተመሃሮ (ኣቀባብላ፣ ሓበሬታ፣ ምክትታል ተመሃሮ)
  • ምስታፍ ንጥፈታት ኣገልግሎት ኣብ መንጎ ዩኒቨርሲቲታት ንኣካላውን ስፖርታውን ንጥፈታት
  • ዩኒቨርስቲ ኣገልግሎት ሓበሬታ ኦሬንቴሽንን ሞያዊ ውህደትን ዩኒቨርሲቲ
  • እቲ ባህላዊ ኣገልግሎት (ፍጻመታት፡ ምርኢታት፡ ሲነማ፡ ምርኢታት ወዘተ ብነጻ) ወዘተ

ከመይ ንገብሮ?

  • ናይ ምዝገባ ኣገባብ ፡ ብከመይ ከም እትምዝገቡ ንምፍላጥ ምስ እትደልዩ le site de l'université ኣብዚ ኣለኩም።
  • መመልከቲ ደብብዳቤ ናይ ሕጹያትምእንታው (ሓፈሻዊ ወርሒ) : ለካቲት እዩ
  • ርክከቡናብ ኢመኡል : cirefe-contact@univ-rennes2.fr
ምፍላጡ ዘገድስ ውጽኢት መመልከቲ ኣብ መንጎ መወዳእታ ወርሒ ሰነን መጀመርታ ወርሒ ሓምለን ዝለኣኽ ኮይኑ፡ ትምህርቲ ካብ መስከረም ይጅምር እዩ ።

Lieu d'accueil

Place du Recteur Henri Le Moal, 35000 Rennes, France

Chargement de la carte...

16 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • claudia mምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • admin-du-rennesኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • ghannam laspresesተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • mohamedsayedx81@gmail.comተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • rzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
  • foxtrotተርጓሚ/ሚት
  • cha_antnተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት

Liens utiles