Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምምሃር ኣብ Besançon ዩኒቨርሲቲ ቋንቋ ፈረንሳ

ምስ ምስ Avec DU Passerelle - Université Marie et Louis Pasteur de Besançon

ኣዳላዊ CLA - Centre de Linguistique Appliquée - Université Marie et Louis Pasteur , Réseau MEnSኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 6 heures

እዚ መደብ እዚ ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ Diplôme Universitaire (DU) Passerelle ሓተትቲ ዑቕባ፡ ተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ስደተኛታትን ከምኡንው ሃገር ዘይብሎም ሰባትን ፡ ኣብ ፈረንሳ ንኽመሃሩ ዝሓሸ ብቅዓት ኣት ቋንቋ ፈረንሳ ክህልዎም የኽእል።

እዚ ስልጠና እዚ፤

  • ምምሃር ናይ ፈረንሳ ኮርሳት (ሓፈሻውን ፍሉይን ኮርሳት )
  • ከምኡውንን፣ ናይ ዩኒቨርሲቲ ሜቶዶሎጂ ኮርሳት
  • ምስታፍ ኣብ ዓውደ መጽናዕቲ ባህሊ ፈረንሳ
  • ምስታፍ ኣብ ኣክቲቪቲ ስራሕቲ
  • ምርካብ ደገፍ ኣብ ፈረንሳ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክት ንምህናጽ ዝግበር ።
ምፍላጡ ዘገድስ እቲ ስልጠና እንተወሓደ ሓደ ሰሚስተር (4 ኣዋርሕ)፡ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ድሕሪኡ ድማ ካብ ጥሪ ክሳብ ግንቦት ዝጸንሕ ምዃኑ ክንፈልጠኩ ይግባእ።

እዚኣኦም ዝመስሉ ዩኒቨርስታት ፣ ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 40 ተመሳሳሊ ስልጠናታት ኣለዉ። እዚ ወረቐት እዚ ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍራንቸ-ኮምተ ኣብ ቤሳንሶን ዝተዋህበ ስልጠና ከም ኣካል ናይቲ "መደብ ስልጠናን ደገፍን ንስደተኛታት ተዓዘብቲ" የቕርብ።

>ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ረፉጂ ኣንፎ En savoir plus sur le DU Passerelle : voir la fiche Réfugiés.info

ንምንታይከ የዘገድስ?

እዚ ኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍራንቸ-ኮምተ ኣብ ዝርከብ DU Passerelle ፡ ከከም ደረጃኻ ካብ 254,50 ሰዓታት ዝወስድ ትምህርቲ ፈረንሳ ኣሎ ።

ኣብ ሰሙን 18 ሰዓታት ትምህርቲ ክህልወኩም እዩ፣ ንግሆን ድሕሪ ቀትርን እዩ።

ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ንምርካብ ፈተናታት ክትሓልፍ ኢኹም።

ምስታፍ ኣብ መወዳእታ ስልጠና DELF / TCF ምውሳድ እውን ይከኣል እዩ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ተጠቃሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ወይ ተጠቃሚ ግዝያዊ ሓለዋ እንተኾንኩም ትሕቲ 35 ዓመት እንተኾንኩም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ገንዘባዊ ሓገዝ (ብማሕበራዊ መዐቀኒታት ወይ ፍሉይ ዓመታዊ ሓገዝ ዝተመርኮሰ ስኮላርሺፕ)ን ንስልጠና ዝኸውን መንበሪን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብሳላ ኣብቲ መደብ፡ ኣብ ፈረንሳ ናይ ዩኒቨርሲቲ ህይወትን ተመኩሮታት ተመሃሮን ክትረኽቡ ኢኹም፤

  • ምኽኣል ኮርስን ፈተናን ኣወዳድን
  • ምህላው እንታይ ዓይነት ዲግሪን ፕሮግራማትን ።
  • ኣብ እዋን ኣስተምህሮታት ኖት ምውሳድን ካብ ክፍሊ ወጻኢ ምግምጋምን ምምሃር
  • ከምኡውን ኣቀራርባታት ምሃብ
  • ምድላው ንፈተናታት ኣብ...

ስለዚ ድማ ኣብ እዋን ስልጠና፡ ሰብ ሞያ ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ብውልቂ ኣሰንዮም ብዛዕባ እቲ ዩኒቨርሲቲን ሞያዊ ፕሮጀክትን፡ ብመሰረት ተኽእሎታት ይሓስቡ።

እቶም ሰብ ሞያ ሲቪኻን ናይ ሽፋን ደብዳቤታትካን ክትጽሕፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝምስጥኹም ኮርሳት ክትምዝገብ’ውን ይሕግዙኹም።

  • ክፍሊ ቀጻሊ ትምህርትን ስራሕ-መጽናዕትን (SeFoC'Al)

- ምኽኣል ኣቀራርባ ስራሕ-መጽናዕቲ (ኣብ ሓደ ግዜ ኣብ ዓውድኹም እናሰራሕኩም ዝግበር መጽናዕቲ)

- ምፍላጥ ምቅርራብ ሞያዊ ተመኩሮኹም ንምርግጋጽን ምስክር ወረቐት ንምርካብን ኣገባባት ምጽዳቕ ዝተረኸበን ተመኩሮን (VAE) ።

  • ምኽኣል ናይ ስራሕ ልምምድ ኦሬንቴሽን ኣገልግሎት (OSE)

-ምሕጋዝ ሲቪን ናይ መሸፈኒ ደብዳቤን ንምጽሓፍ

- ምርካብ ሓገዝ ኣብ ምርካብ ስራሕ ልምምድ ዝግበር ...

እነሆ ኣብ እዋን ስልጠና ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትረኽቡ ኢኹም፤

  • ባህላዊ ኣገልግሎት ማእከል ተግባራዊ ስነ-ቋንቋ፡ ስፖርት፡ ባህሊ፡ ዑደት፡ ናይ ትርፊ ግዜ ንጥፈታት...
  • ቤተ-መጻሕፍቲ ሚድያ፡ ልብ-ወለድ፡ ኮሚክ መጻሕፍቲ፡ መጽሔታት፡ DVD, ዲቪዲ፡ ኮምፒዩተራት ምስ ነጻ ኢንተርነት።

ከመይ ንገብሮ?

  • ብከመይ ከም እትምዝገቡ: site de l'université ብምእታው ከመይ ጌርኩም ከም እትምዝገቡ ፍለጡ።
  • መዓልታት መመልከቲ (ብሓፈሻ ኣዋርሕ) : ግንቦት - ሰነ ንመስከረም ምቕባል፣ ሕዳር - ታሕሳስ ንጥሪ ምቕባል እዩ
  • ርክቡና : fle-pem@univ-fcomte.fr

ድሕሪ ንስኹም ምልኣኽ መመልከቲ ፋይልኩም ተቐባልነት እንተረኺቡ ንቃለ መሕትት ዕድመ ዝሓዘ ኢመይል ይመጸኩም።

Lieu d'accueil

6 Rue Gabriel Plançon, 25000 Besançon, France

fle-pem@univ-fcomte.fr

Chargement de la carte...

18 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • claudia mምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • fle-pemኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • faramarzተርጓሚ/ሚት
  • lameaተርጓሚ/ሚት
  • mariamተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • velidchuk oleksandrተርጓሚ/ሚት
  • javadተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • anastasiia12345ተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • Utilisateurኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ

Liens utiles