Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምምሃር ኣብ ከተማ ካን Caen ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ፈረንሳ

ምስ ምስ Passerelle (DUPEX) / Université de Caen Normandie

ኣዳላዊ RÉSEAU MEnS , Université de Caen Normandieኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 11 jours

ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ (DU) Passerelle ሓተትቲ ዑቕባ፡ ተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ስደተኛታትን ሃገር ኣልቦ ሰባትን፡ ኣብ ፈረንሳ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ክጅምሩ ወይ ዳግማይ ክጅምሩ የኽእሎም።

እዚ ስልጠና ዝወሃቡ ኮርሳር

  • ምምሃር ኣብ ናይ ቋንቋ ናይ ፈረንሳ ኮርሳት፣
  • ንምስታፍ ባህላዊ ዓውደ መጽናዕታት፣
  • ከምኡውን ኣብ ፈረንሳ ትምህርቲ ንምቕጻል ወይ ድሕሪ ስልጠና ስራሕ ንምርካብ ዝግበር ደገፍ...ወዘተ
ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ! እቲ ስልጠና እንተወሓደ ሓደ ሰሚስተር (4 ኣዋርሕ) ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ካብ መስከረም -ታሕሳስ ወይ ካብ ጥሪ-ግንቦት እዩ ዝጸንሕ ።

ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 40 ዝኾና ተመሳሳሊ ስልጠናታት ኣለዉ። እዚ ወረቐት እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲCaen.ዝተዋህበ ስልጠና ዘቕርብ እዩ።

> En savoir plus sur le DU Passerelle : fiche Réfugiés.info

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብዚ ስልጠና 276 ሰዓታት ትምህርቲ ፈረንሳ ኣሎ። ኣብ ሰሙን 23 ሰዓታት ትምህርቲ ዘለዎ፣ ን12 ሰሙን ሓደ ሰሚስተርትምህርቲ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ ሰዓታት 8፡00 ክሳብ 1800

ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ንምርካብ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሰሚስተር ፈተናታት ይህብ።

ኣብ መወዳእታ ስልጠና DELF/TCF ምውሳድ ግድን እዩ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓባሬታ ተጠቃሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ወይ ተጠቃሚ ግዝያዊ ሓለዋ እንተኴይንኩም ትሕቲ 35 ዓመት ንዝዕድሚኦም ሰባት ወርሓዊ ክፍሊት ገንዘብ ኣለዎ (እቲ ክፍሊት መዐቀኒታት፣ ዝተመርኮሰ ስኮላርሺፕ እዩ)ንስልጠና ዝኸውን መንበሪን ምርካብ እውን ተአኽእሎ ኣለዎ ኢኻ።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣሰራርሓ ክትድህስሱ ኢኹም፡ ተማሃራይ ምዃን እንታይ ምዃኑ፡ እቶም ኮርሳትን ፈተናታትን ብኸመይ ይውደቡ፡ እንታይ ዲፕሎማን ስልጠናን ኣለዉ፡ ኣብ እዋን ኮርስ መዘከርታ ብምጽሓፍ ምውሳድን ካብቲ ኮርሳት ወጻኢን ምኽላስን ክትመሃሩ፡ መግለጺታት ምቕራብ ፣ ንፈተናታት ተዳለዉ እዮም...

ስርዓተ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፈረንሳ ዝተሓላለኸ ከም ምዃኑ መጠን።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ብመሰረት ተኽእሎታት፡ ብዛዕባ ዩኒቨርሲቲካን ሞያዊ ፕሮጀክት ክትሓስብ መሰነይታ ክህልወኩም ይኽእል።

ሰብ ሞያ ሲቪኻን CV ናይትተበግሶ ደብዳቤታትኩምን ክትጽሕፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝምስጥኹም ኮርሳት ክትምዝገብ’ውን ይሕግዙ።

እዚ ስልጠና(ዚ ብተወሳኺ፤

  • ንምምሕዳራውን ኣካዳሚያውን ደገፍ ዝኸውን ሰሙናዊ ኣገልግሎት፣
  • ኣብ ፈረንሳ ንዝካየድ ኮርሳት ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝምልከት ናይ ኣቀራርባ ዓውደ መጽናዕትታት፡
  • ተሳትፎ ኣብ ምርኢት ተመሃሮን ምርኢት ኦሬንቴሽንን ሞያታትን...
  • ዓውደ መጽናዕትታት ብዝተፈላለዩ ናይ ኦሬንቴሽን መድረኻት Parcoursup, Trouver Mon Master, E-Candidat...ንምጅማርን ኣብ ኣፕሊኬሽናት ንምሕጋዝን እዩ።

ኣብዚ ስልጠና ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትረኽቡ ኢኹም፤

  • ተሳትፎ ኣብ መድረኽ ኖርማንዲ ንሰላም
  • ናይ ምርኢት ምብጻሕ
  • ናብ ሲነማ ዝግበር ምውጻእ እዩ።
  • ኣብ ኖርማንዲ ኣብ ዝርከቡ ናይ በጻሕቲ ቦታታት ምብጻሕ፡
  • ዩኒቨርሲቲ ስፖርት...
  • ናይ ኢምፕሮቫይዘሽን ትያትር ዓውደ መጽናዕትታት
  • ከምኡውን ኣብ ምፍጣር ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ተሳትፎ (ስእሊ ኤግዚቢሽን ምፍጣር፣ ሬድዮ ሾው ምፍጣር፣ ኮንሰርት ምፍጣርን ምልላይን)

ከመይ ንገብሮ?

ዝርዝር ምዝገባ፡ ብኸመይ ከም እትምዝገቡ ንምፍላጥ ኣብ sur le site de l'université poመርበብ ሓበሬታ ዩኒቨርሲቲ ተወከሱ።

ናይ ምምልካት መዓልታት፡ መጋቢት ንሰሚስተር 1፡ ጥቅምቲ ድማ ንሰሚስተር 2

መርከቢ:

  • ብ ኢመይል: intl.fle.soutien@unicaen.fr
  • ብ ቴለፎን : 02 31 56 53 63 መመልከቲኻ ምስ ኣቕረብ፡ መመልከቲ ዕዉት እንተኾይኑ፡ ንቃለ መሕትት ዕድመ ዝሓዘ ኢመይል ይመጸካኩም።

Lieu d'accueil

Maison des langues et de l'international, 14000 Caen, France

02 31 56 53 63

intl.fle.soutien@unicaen.fr

Chargement de la carte...

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_14587093ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • eliséaተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • rzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
  • admin-du-unicaenኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • noorተርጓሚ/ሚት

Liens utiles