Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኣንጀ ፈረንሳ ተማሃሩ

ምስ ምስ DU Passerelle / ዩኒቨርሲቲ ኣንጀ

ኣዳላዊ RÉSEAU MEnS , Université d'Angersኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 21 heures

ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ (DU) Passerelle ዑቕባ ንዝሓተቱ፡ ንተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ ዝለዎም ስደተኛታትን፣ ከምኡውን ሃገር ኣልቦ ሰባትን፣ ኣብ ፈረንሳ ንኽመሃሩ ዝሓሸ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ክህልዎም ይሕግዝ።

እዚ ስልጠና'ዚ፤

  • ኮርስ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ
  • ዕዮገዛን ንጥፈታት
  • ኣብ ፈረንሳ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክት ንምህናጽ ዝግበር ደገፍ...ምርካብ
ጽቡቕ ምፍላጡ እቲ ስልጠና ን10 ሰሙናት ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ካብ መስከረም ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ቀጺሉ ድማ ካብ ለካቲት ክሳብ መፋርቕ ግንቦት እዩ።

ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 40 ተመሳሳሊ ስልጠናታት ኣለዉን እዚ ወረቐት እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣንጀ ዝተዋህበ ስልጠና ዘቕርብ ።

ምፍላጡ ዘገድ ኣብዚ ኮርስ ንምምዝጋብ፡ ምስ ናይ ፈረንሳ ባካሎሬት ዝመጣጠን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምቁራጽ ዲፕሎማ ክህልወካ ኣለዎ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣንጀ d'Angers ኣብ DU Passerelle ን 222 ሰዓታት ትምህርቲ ፈረንሳ ኣሎ። ኣብ ሰሙን ኣስታት 20 ሰዓታት ትምህርቲ ካብ ሰኑይ - ዓርቢ።

እቶም ኮርሳትን ፈተናታትን ኣብ ውሽጢ 10 ሰሙን ይውደቡ።

ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ንምርካብ ፈተናታት ምሕላፍ ይግባእ ።

ጽቡቕ ምፍላጥ ! ተጠቃሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ወይ ተጠቃሚ ግዝያዊ ሓለዋ ትሕቲ 28 ዓመት ንዝኾኑ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ገንዘባዊ ሓገዝ (ብማሕበራዊ መለክዒታት ዝተዎርኮሰ ስልዒት) ናይ ሓገዝ ምርካብ ይከኣል።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ንምፍላጥ ዕድል ክትረኽብዎ ኢኹም፡ ተማሃራይ ምዃን እንታይ ምዃኑ፡ እቶም ኮርሳትን ፈተናታትን ብኸመይ ይውደቡ፡ እንታይ ዲፕሎማን ስልጠናታት ይሕበሩ፡ ኣብ እዋን ትምህርቲ፣ ኣገባብ ኣጻሓሕፋ፡ መግለጺታት ምቕራብ ፣ ንፈተናታት ተዳለዉ...

ስርዓተ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፈረንሳ ዝተሓላለኸ ስለዝኾነ።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ብመሰረት ተኽእሎታት፡ ብዛዕባ ዩኒቨርሲ ሞያዊ ፕሮጀክትን ክትሓስብ መሰነይታ ክህልወኩም ይኽእል።

እቶም ሰብ ሞያ ሲቪኻን ናይ ተበግሶ ደብዳቤታትካን ምጽሓፍን ከምኡ’ውን ኣብ ዝምስጠኩም ኮርሳት ክትምዝገብ’ውን ይሕግዙ እዮም።

ኣብ እዋን ስልጠና ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትረኽቡ ኢኹም፤

  • ምውጻእ (ኣዳራሽ ከተማ፡ ናይ ከባቢ ትካላት ንግዲ፡ ሲነማ፡ ትያትር ወዘተ)
  • ስፖንሰርሺፕ ብኻልኦት ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፣
  • ኣብ ውሽጢ ዲዩ ዝካየዱ ንጥፈታት (ናይ ትያትር ዓውደ መጽናዕቲ፡ ናይ ደርፊ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ፊልም-ክትዕ፡ ስእልታት...)።

ምጥቃም ተማሃራይ ዲፕሎማ ዩኒቨርሲቲ ፓሰርለ ምዃን ማለት ካብ ኩሉ ኣገልግሎት ዩኒቨርሲቲ ተጠቃሚ ምዃን ማለት እዩ፤

  • ምኻኣል ቤተ መጻሕፍቲ ዩኒቨርሲቲ
  • ኣገልግሎት ጥዕና ዩኒቨርሲቲ
  • ምስታፍ ክፍሊ ስፖርት ዩኒቨርሲቲ
  • ኣገልግሎት ሓበሬታን ኦሬንቴሽንን ዩኒቨርሲቲ
  • ክፍሊ ባህሊ ምዃኑ’ዩ።

ከመይ ንገብሮ?

ድሕሪ ምልኣኽ መመልከቲ ፋይልኩም ተቐባልነት እንተረኺቡ ንቃለ መሕትት ዕድመ ዝሓዘ ኢመይል ይመጸኩም።

Lieu d'accueil

2 rue Lakanal 49045 Angers Cedex 01, France

02 44 68 86 45

celfe@univ-angers.fr

Chargement de la carte...

14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • nourምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_14587093ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • mgoተርጓሚ/ሚት
  • rzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • marianne georgesተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት

Liens utiles