ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ l'ATMF ዝብል ትካል እዩ።
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ናብ ተዓዘብቲሓተትቲ ዑቕባ, ስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት, ዜጋታት ፈረንሳ
ደረጃ ርድኢት ቋንቋ ፈረንሳምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእል, A1, A2, B1, B2, C1, C2
ዋጋ
ብነጻ
ኣብ ኢንተርነት ምምሕዳራዊ ኣገባባት ምግባር ተማሃሩ
እንታዩ’ዩ ?
መሰላትካ (ጥቕምታትካ፡ ኣገልግሎት ወዘተ) ንምፍላጥን ንምምልካትን ዝግበር ደገፍ፡ ከምኡ’ውን ብኮምፒተር ወይ ስማርትፎን ምምሕዳራዊ ኣገባባት ከመይ ጌርካ ከም እተካይድ ንምፍላጥ ዝግበር ሓጸርቲ ስልጠናታት።
ኣብ ፓሪስ፡ ኣብ መንጎ መስከረምን ታሕሳስን 2023 ሓያሎ ዓውደ መጽናዕትታት ኣለዉ፤
- ዓውደ መጽናዕቲ n°1: "መእተዊ ዲጂታል": 4 ሰዓታት ስልጠና፣ 10 ተሳተፍቲ
- ዓውደ መጽናዕቲ n°2: "ኣገባባት ምስ ፋንድ ኣበል ስድራቤት (CAF)"፣ 7 ሰዓታት ስልጠና፣ 10 ተሳተፍቲ
- ዓውደ መጽናዕቲ n°3: "ኣገባባት ምስ ፕረፈክቸር"፣ 7 ሰዓታት ስልጠና፣ 10 ተሳተፍቲ
- ዓውደ መጽናዕቲ n°4: "ኣቀራርባታት ምስ Pôle Emploi"፣ 7 ሰዓታት ስልጠና፣ 10 ተሳተፍቲ
ጽቡቕ ምፍላጥ
: ዕለታት ናይቶም ዓውደ መጽናዕትታት፡ 12 መስከረም፡ 6 ጥቅምቲ፡ 16 ሕዳርን 12 ታሕሳስ 2023ን እዮም።
ምምዝጋብ ግዴታ እዩ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
ከከምኩነታኩም፡ ካብ Pôle Emploiን CAFን እንታይ ዓይነት ኣገልግሎታት ክትረክብ መሰል ከም ዘለካ፡ ከምኡ’ውን ብኸመይ ኣብ ኢንተርነት ከም እትሓቶ ክትፈልጥ ኢኻ፡ ንኣብነት RSA፡ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝ ወዘተ...
እቲ ዕላማ ኣብ ኢንተርነት ንበይንኻ ስጉምትታት ክትገብሮም ምኽኣል እዩ፣ ንኣብነት: ነቲ ርብዒ ዓመት ዝወሃቦ መግለጺ ናብ CAF ምግባር፣ ሰነድ ምምላእን ናብ Pôle Emploi ምልኣኽን፣ ኣብቲ ፕረፈክቸር ቆጸራ ምሓዝ...
ከመይ ንገብሮ?
ንምምዝጋብ ድማ፤
- ብ 01 42 55 91 82 ደውሉ።
- ናብ national@atmf.org ኢመይል ስደዱ
- ናብ ቤት ጽሕፈት ATMF ምጹ: 10 rue Affre 75018 Paris, ሰሉስን ዓርብን
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
ቤት ጽሕፈታት
Les démarches pour mon statut
Apprendre à faire mes démarches sur internet
Avoir de l'aide pour mes démarches
Mon budget
Connaître et faire respecter mes droits 
8 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ