Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምምሃር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፈረንሳ

ምስ ምስ DIU Passerelle - DILAMI

ኣዳላዊ Comue de Toulouse , MEnS, Union Européenne, Région Occitanieኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 20 heures

ትምህርት ክትጅምሩ ትደልዩ ዲኹም?

ንኢንተርዩኒቨርሲቲ ፓሰረል ዲፕሎማ (DIUP) ካብ ዩኒቨርሲቲታት ቱሉዝ ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።

እዚ መደብ እዚ ብቋንቋ ፈረንሳ ዝካየድ መደብ (ደረጃታት A2, B1, B2) ኮይኑ፡ ብሕብረት ኤውሮጳን ዞባ ኦክሲታኒን ብሓባር ዝምወል ኮይኑ፡ ንዝተሰደዱ ውልቀሰባት ኣብ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክትታቶም ዝድግፍ እዩ።

ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣብቲ ስልጠና ንምስታፍ ግድን፤ - ሓተትቲ ዑቕባ ፣ ተጠቃሚ ንኡስ ሓለዋ፣ ስደተኛ፣ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ ወይ ወረቐት ምህላው - ብውሑዱ 18 ዓመት ዝዕድሚኡን ዝተሓተ ደረጃ ባካሎሬት (ወይ ተመጣጣኒ) ዘለዎን ክኸውን - ኣብ ቱሉዝ Toulouseወይ ኣብ ጥቓኡ ትነብር - ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምቕጻል ወይ ዳግማይ ንምጅማር መደብ ይሃልኹም - ነዚ ስልጠና ንምውሳድ ድራኸን ድሉውን ምዃን።

>ንዝያዳ ሓበሬታ ክትዕዘቡ ትኽእሉ ኢኹም : voir la fiche réfugiés.info

ንምንታይከ የዘገድስ?

ምኻኣል ብኢንተር-ዩኒቨርሲቲ ብሪጅንግ ዲፕሎማ (DIUP) ዲላሚ - ደረጃ B2፡
- ኣብ ዝመረጽክ ኮርስ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ ክምዝገብ
- ከምኡ’ውን/ወይ ስራሕ።

ኣብዚ መደብ እዚ ፣ ብዘይካ ፈረንሳ ከም ቋንቋ ወጻኢ (FLE) ዝብል ኮርሳት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲን ፕሮፌሽናል ኦሬንቴሽን ፕሮጀክትን ዝረኽብዎ ደገፍ ይጥቀም።

መመልከቲኹም ተቐባልነት እንተረኺቡ ድማ ናይ ምዝገባ ክፍሊት ከይከፈልኩ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ክምዝገብ ይኽእል እየ።

ብተወሳኺ ናይ ተምሃራይ ደረጃን CROUS ስኮላርሺፕን (ትሕቲ 28 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ኣብ ማሕበራዊ መዐቀኒታት ዝተመርኮሰ ስኮላርሺፕን ካብ 28 ክሳብ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም ተምሃሮ ፍሉይ ዓመታዊ ኣበልን) ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም ።

  • ምስታፍ ኣብ ቋንቋ ፈረንሳ ንሲቪካዊ ህይወት ንምድላው ዝዓለመ ዓውደ መጽናዕትታት
  • ምርካብ ቅርስን ባህላዊ ህይወትን ኣኣብ ቱሉዝቱሉዝ toulousaine
  • ምህላው ፕሮጀክት ኣብ ዓመት ትምህርቲ ምስ ጉጅለን መምህረ ዘዳልዎ ዘለኹ ስነ-ጥበባዊ ፕሮጀክት
  • ምርካብ ምስ ካልኦት ተምሃሮ ንምርኻብን ሓሳባት ንምልውዋጥን ዝሕግዝ ናይ ተማሃራይ ምኽሪ ።

ከመይ ንገብሮ?

ኣብዚ ብምጥዋቕ ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም internet du DILAMI.

ነቲ ፋይል ምስ ተመልአን ፣ ዘድልዮ መረጋገጺታት ብምስናይ ናብ እዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ናይ ኢመይል ስደዱልና : dilami@univ-toulouse.fr ኣብ መንጎ ጥሪን መጋቢትን ዘሎ እዋን ናብ ዩኒቨርስቲ ስደድዎ።

እንተደኣ እቲ ፋይልኩም ምሉእን ቅቡልን ኮይኑ፣ ሓደ ናይ ቅቡልነት መረጋገጺ ደብዳቤ ክስደደልኩም እዩ። በዚ ድማ ናብቲ ስልጠና ክትመዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ድሕሪ ድማ በዚ ናይ መረጋገጹ ብ ኢመይል ፋይልኩም ቅቡል ምዃን ዘይምዃንን ዝሕብር ኢመይል ክስደደልኩም እዩ

  • ጠቕላላ ቁጽሪ ሰዓታት ፡ 400 ሰዓታት ምምሃር ፈረንሳ ከም ቋንቋ ወጻኢ (FLE) ፡ ካብ መስከረም ክሳብ ሰነ
  • ህርመት፡ ኣብ ሰሙን 20 ሰዓታት፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ

Lieu d'accueil

41 All. Jules Guesde, 31000 Toulouse, France

05 61 14 80 10

contact@univ-toulouse.fr

Chargement de la carte...

16 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • support aepaafተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • basheer al ghothaniተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_14587093ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • meryem lakchiniተርጓሚ/ሚት
  • cécileተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • laborde-tuyaኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • dilamiኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • le dilamiኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ

Liens utiles