ዜግነታዊ ኣገልግሎት ግበር
ምስ ቮሎንት'ኣር Volont R

ዜግነታዊ ኣገልግሎት ግበር

ምስ 
ቮሎንት'ኣር Volont R

መጨርሽታ ጊዜ ምሕዳስ1 août 2022

እንታይ ኢዩ?

ዜግነታዊ ኣገልግሎት ኣብ ሓደ ማሕበር ወይ ህዝባዊ ትካል ኣብ ኣገልግሎት ሕብረተሰብ ክትሰርሕ ዘኽእለካ ሓፈሻዊ ረብሓ ዘለዎ ተልእኾ እዩ ። ቁሩብ ከም ኢንተርንሺፕ እዩ ዝመስል፡ ግን ንኽትገብሮ ዲፕሎማ ወይ ስራሕ ክህልወካ ኣየድልየካን እዩ።

ሓደ ዜግነታዊ ኣገልግሎት ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ዝጸንሕ እዩ። ኣብ መወዳእታ ዜግነታዊ ኣገልግሎትካ ምስክር ወረቐት ትረክብ።

ኣብ እዋን ዜግነታዊ ኣገልግሎትካ ምስ ሞያዊ ፕሮጀክትካ ተተሓሒዝካ ኣብ ንጥፈታትን መዓልታዊ ህይወትን ማሕበርካ ትሳተፍ።

🎬 ኣብ ቪድዮ ርኸቡ!

ጽቡቕ ክትፈልጥ : ሰሙንካ ኣብ መንጎ ተልእኾኻ (ኣስታት 24 ሰዓታት ኣብ ሰሙን)ን ምስ ደረጃኻ ዝተመጣጠነ ነጻ ትምህርቲ ፈረንሳን (ኣስታት 4 ሰዓታት ኣብ ሰሙን) ክካፈል እዩ።

ንመን ኢዩ ፧

ኣገዳሲ

ናይ ባንክ ሕሳብ ክህልወካ ኣለዎ።

ህዝቢ ተኮር ጉዳይ ወይ ንህዝቢ ዝምልክት፣
ዑቕባ ዝረኸቡ
ዕድመ ይሓትት
ካብ 18 ናብ 25 ዕድመ
ግዜ

ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ

ደረጃ ቃንቃ ፈረንሳይ
ጀማሪ
ዋጋ ክንደይ ይውድእ ?
ነጻ
ቦታ ናይ ተግባር ወይ ፍጻመ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ኣገዳሲ

ናይ ባንክ ሕሳብ ክህልወካ ኣለዎ።

ህዝቢ ተኮር ጉዳይ ወይ ንህዝቢ ዝምልክት፣
ዑቕባ ዝረኸቡ
ዕድመ ይሓትት
ካብ 18 ናብ 25 ዕድመ
ግዜ

ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ

ደረጃ ቃንቃ ፈረንሳይ
ጀማሪ
ዋጋ ክንደይ ይውድእ ?
ነጻ
ቦታ ናይ ተግባር ወይ ፍጻመ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧

ምስ መንእሰያት ፈረንሳ ምትእስሳር ምፍጣር

ኣብ ዝተሓዋወሱን መንእሰያትን ጋንታታት ክትሰርሕ ኢኻ፡ ምስ ብዙሓት ሰባት ክትራኸብ ድማ ዕድል ክትረክብ ኢኻ።

ተዓጀብ ኩን።

ኣብ ስራሕካ ዝሕግዘካን ኣብ መጻኢ ፕሮጀክትካ ዝመርሓካን መምህር ክትዕጀብ ኢኻ።

ሓፈሻዊ ረብሓ ዘለዎ ተልእኾ ምፍፃም

ተልእኾ ዜግነታዊ ኣገልግሎት ንሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ፡ ዜግነትን ሓባራዊ ረብሓን ዝተወፈየ ግዜ እዩ።

ተልእኾኻ ክትፍጽመሎም እትኽእል ቀንዲ መዳያት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ ባህሊ፡ ምትሕግጋዝ፡ ከባቢ፡ ስፖርት፡ ትምህርቲ ወይ ሰብኣዊ ሓገዝ።

ወርሓዊ ኣበል ምቕባል

ኣብ እዋን ዜግነታዊ ኣገልግሎትካ፡ ንውሓት ግዜ ናይቲ ውዕል ብዘየገድስ፡ ብመንግስቲ ዝምወል ኣበል €489.59 ጽሩይ ኣብ ወርሒ ትረክብ

ብተወሳኺ፡ መሓውር መቐበሊ ኣጋይሽካ €111.45 ዝግመት ሓገዝ ክኸፍለካ እዩ፤

  • ወይ ብገንዘብ
  • ወይ ብዓይነት: ትኬት ቤት መግቢ: መግቢ: ካንሸሎ...

ሞያዊ መርበብ ምፍጣር

ሳላ መምህርካ ሓድሽ ክእለት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መወዳእታ ተልእኾኻ ኣብ ሲቪኻ ክትውስኾ እትኽእል ምስክር ወረቐት ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ እዋን ተልእኾኻ፡ ምስ ሰብ ሞያ ክትራኸብ ኢኻ: መርበብካ ንምህናጽ ጽቡቕ ዕድል እዩ!

ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ

ናይ ዜግነታዊ ኣገልግሎት ተልእኾ ድለ

👉🏼 ኣብዚ ብምጥዋቕ ተልእኾ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣገዳሲ ዝኾነ ሓቤሬታት ረኺብኩም ዶ ?
ኣምስግኖም ነቶም ንዓኻ ኣብርክቶ ዝገበሩ ኣብ ተሳትፍኦም
29 🙏
ኣበርከቲ ዓድም
10እዛ ገጽ ጹቡቅ ጌርካ ኣጽናዓያ መታን ን ሕቶታት ምምላጽስ ክትጠቅመካ
Proposé par
Délégation interministérielle pour l'accueil et l'intégration des réfugiés

Délégation interministérielle pour l'accueil et l'intégration des réfugiés