ኣብ ምምሕዳራዊ ኣገባባት ሓገዝ ውሰድ
ምስ እቲ መድረኽ
ኣብ ምምሕዳራዊ ኣገባባት ሓገዝ ውሰድ
ምስ እቲ መድረኽ
መጨርሽታ ጊዜ ምሕዳስ : 28 sept. 2022
እንታይ ኢዩ?
ሓደ ቤት ፅሕፈትን 3 ፍሉያት ሰብ ሞያን ኣብ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ብነፃ ንምቕባልን ንምሕጋዝን፤
- መንነት ወረቐት ምግባር፣ መንበሪ ፍቓድ ምሕታት፣ .
- ፋይል ምምላእ ወይ ምልኣኽ፣ ደብዳበ ምርዳእ ወይ መልሲ ምሃብ፣
- ስራሕ ምድላይ፣ መመልከቲ ምልኣኽ፣ .
- መንበሪ ኣባይቲ ምድላይን ሰነዳት ምምላእን፣
- ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክትሓትት (CAF, Pôle emploi ወዘተ)
ፎቶኮፒ ምግባር፡ ሰነዳት ስካን ምግባር፡ ምስተን ዘለዋ ኮምፒዩተራት ኢ-መይል ምልኣኽ እውን ይከኣል እዩ።
ጽቡቕ ክትፈልጥ ዘገድስ !
ንውልቃውን ኣገዳስን ሕቶታት፡ ቆጸራ ምሓዝ ይምከር።
ንመን ኢዩ ፧
ደረጃ ቃንቃ ፈረንሳይ
ኩሎም ደረጀታት
ህዝቢ ተኮር ጉዳይ ወይ ንህዝቢ ዝምልክት፣
ኒ ኹሉ ህዝቢ
ዋጋ ክንደይ ይውድእ ?
ነጻ
ቦታ ናይ ተግባር ወይ ፍጻመ
ዞባ\ ዴባርትሞ
26 - Drôme
ደረጃ ቃንቃ ፈረንሳይ
ኩሎም ደረጀታት
ህዝቢ ተኮር ጉዳይ ወይ ንህዝቢ ዝምልክት፣
ኒ ኹሉ ህዝቢ
ዋጋ ክንደይ ይውድእ ?
ነጻ
ቦታ ናይ ተግባር ወይ ፍጻመ
ዞባ\ ዴባርትሞ
26 - Drôme
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ብሕታዊ ዝኾነ ደገፍ
ድሕሪ ቀዳማይ ቆጸራ፡ ኩነታትካ ዝተሓላለኸ እንተኾይኑ፡ ጋንታ ፎረም ኣሰንዩካ ምስ ካልኦት ሰብ ሞያታት ከራኽበካ ይኽእል።
ኮምፒተር ምጥቃም ንምምሃር ዕድል ምሃብ
እቲ ጋንታ ከመይ ጌርካ ነታ ኮምፒተር ተጠቒምካ ሰነዳት ስካን ክትሰድን፡ ኢ-መይል ክትጽሕፍን... ከምኡ’ውን ኣብ ኢንተርነት ኣገባባት ብቐሊሉ ክትገብር ከም እትኽእል ክገልጸልካ ይኽእል።
ሓደስቲ ሰባት እትራኸበሉ ቦታ
ምስ ደቂ ዓዲ ክትራኸቡን ክትዘራረቡን ትኽእሉ ኢኹም፣ ከምኡ’ውን ብሓባር ኣብ ንጥፈታት ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ቆጸራ ውሰድ
ቆጸራ ምሓዝ ይከኣል እዩ፤
- ብስልኪ ቁጽሪ፡ 04 75 22 31 71
- ብኢመይል፡ contact@le-forum.info ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።
- ብቐጥታ ኣብ መድረኽ፡ 13 rue Raoul Lambert, 26340 SAILLANS
ጽቡቕ ክትፈልጥ !
ናይ ስራሕ ሰዓታት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 9፡15 a.m ክሳብ 12:30 p.m ከምኡ’ውን ካብ 1:45 p.m ክሳብ 6 p.m (ብዘይካ ሰሉስ 3 p.m ክሳብ 6 p.m) እዩ።
ኣዛራቢ ምርካብ :
ኣበርከቲ ዓድም
10እዛ ገጽ ጹቡቅ ጌርካ ኣጽናዓያ መታን ን ሕቶታት ምምላጽስ ክትጠቅመካ