ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ኣኦ ደ ላ ፍሮንቴር
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ኣብ እንዳ ዓበይቲ ንምስራሕ ዘክእል ስልጠና ንምውሳድ ምእንቲ ክትክእሉ
እንታዩ’ዩ ?
ሓደ ምሉእ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ፈረንሳን ስልጠና፣ ከምኡውን ኣብ ንሰባት ምሕጋዝ ዝዓምም ስራሕ ምውፋርን
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ስልጠና፣ ቀዋሚ ስራሕ ናይ CDI በተን ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈራ ትካላት ክትረክብ ትኽእል።
ንዕኡ ንኽትገብርን ናይቲ ስራሕ ተቐባልነትን ምኽሪ ካልኦት ምስማዕን ፣ ጽቡቕ ዝኾነ ተበግሶን ምህላው እዩ ኣገዳሲ።
i ኣገዳሲ ሓበሬታ :እቶም ስልጠናታት ካብ ግንቦት ክሳብ መስከረም እዮም (ከከም ክፉት ናይ ስልጠና ቦታ ምህላዉ) ይውሰኑ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
- 200 ሰዓታት ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ትምህርቲ ቅድሚ ናይ ስራሕ ምውፋርን
- ደሓር 400 ጽዑቕ ናይ ስራሕ ሰዓታት
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ስራሕ ፣ ናይ ሞያ ሰርቲፊኬት ይወሃበኩም
ሓደ ስራሕ CDI እውን ውሑስ እዩ ንዓኹም፣ ምስ እተን ተሓጋገዝቲ ናይ ስራሕ ትካላት ብምስምማዕ።
ነፍሲወከፍ ሰሙን፣ ኣሰልጠንቲ እቲ ሞያ እናኣሰነይኹም ናብቲ ስራሕ እብ እትጽንበርሉ
ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት እውን ብተወሳኺ ትረኽቡ
- ናይ ስራሕ ፈተና ቃላ መጠይቕ ዘኽእል ብቕዓት ምጥራይ
- ሓደ CV ምስራሕ
- ናይ ስራሕ ተበግሶ ደብዳቤ ምጽሓፍ ምሕጋዝ።
ከመይ ንገብሮ?
ኢመይል : alezramoshe@gmail.com
ደብዳቤ እውን ናብ (ብ ቋንቋ ፈረንሳ ወይ እንግሊዝ ) : ክትሰዱልና ትኽእሉ ኢኹም
- ዝርዝር መንነትኩም
- ናይ ሌላኹም ደብዳቤ
- ናይ ስራሕ ተበግሶኹም ደብዳቤ
-CV
- ናይ ስደተኛ ምዃንኩም ዝሕብር ሰነድ (ካርድ ሰጁኽ , ወይ ረሲፒሰ)
- ናይ እንግሊዝ ወይ ናይ ፈረንሳ ክእለትኩም
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
10 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ