ስራሕ ዝህብ ስልጠና ምውሳድ
ምስ ኢ ደ ማ ፍሮንቴኽ Au-delà des frontières
እንታይ ኢዩ?
ሓደ ምሉእ ስልጠና ናይ ን መንእሰያት ካብ ደቂ 18 ክሳብ 30 ዝዕድሚኦም ቋንቋ ፈረንሳ እናኣጽንዑ፣ ድሕሪኡ ድማ፣ ን ሓደ ናይ ስራሕ ኮንትራት ኣብ ስራሕ ዓለም ዝጽምርሉ ባይታ ምጥጣሕ
እቲ ስልጠና ኣብ 3 ዓውደ-ስርሓት ማለት :
- ኣብ ምልዓል ዓበይቲ
- ክንክን ህጻናት
- ምስራሕ መግቢ እዩ።
ናብቲ መድብ ንምስታፍ፣ ንኡድ ዝኾነ ተበግሶን ክውንነትን ክህልወኩም ኣለዎ
! ኣገዳሲ ሓበሬታ ! እቲ ምዝገባ ካብ ግንቦት ክሳብ መስከረም እዩ። (ከከም ዘሎ ናይ ቦታን ኩነታትን ድማ ይውሰን )
ንመን ኢዩ ፧
ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ
ዞባ\ ዴባርትሞ
ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ
ዞባ\ ዴባርትሞ
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ቅድሚ ምጅማር ስልጠና ፣ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ትምህርቲ ኮርሳት ይወሃብ
- 200 ሰዓታ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ስልጠና ኣብ ፈለማ
- ድሕሪኣኡ 1,5 መዓልቲ ስልጠና፣ ምስ ሞኒተራት ሰብ እቲ ሞያ።
ወግዓዊ ሰርትፊኬት ንምሓዝን ኣብ ስራሕ ዓለም ምጽንባርን
ኣብ መወዳእታ፣ ከም ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ምዃንኩም ምብቃዕኩም ዝሕብር ሓደ ሓደ ብ ሚንስቲሪ ትምህርቲ ቕቡል ዝኾነ ዲፕሎም ነነቲ ዝወሰድኩሞ ኮርስ መሰረት ሰናዳት ክወወሃብኩም እዩ ።
ምስ ተሓበርቲ ናይ ስራሕ ትካላት ብምዃን ፣ ሓደ ኮንትራት ናይ ስራሕ ን 1 ዓመት ኣውሕሱ።
ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ንምጽንባር ውሕስነት ምርካብ
ነስፍወከፍ ሰሙን ፣ነናቱ ዝኾነ መደብ ኣሰናይነት ናይ ስራሕ ዝተሓዝአ እዩ።
እዚ ዝስዕብ ነገር ኣብ ምትግባር
- ን ናይ ስራሕ ቃለመጠይቕ ምድላው
- ሓደ CV ምድላው
- ናይ ስራሕ ተበግሶ ደብዳቤ ኣብ ምድላው
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ተወዳደርቲ ኴንኩም ቅረቡ
ብ ኢመይልን : alezramoshe@gmail.com
ናይ መወዳደሪ ሰነድኩም (ብ ቋንቋታ ፈረንሳ ወይ እንግሊዝ ክትሰድዎ ትኻሉ ኢኹም) :
- ኣድራሻ መንነት ወዘተ
- ምስ ነበስኹም ኣላምዩ
- ናይ ተበግሶ ደብዳቤ
- CV
- ናይ ስደተኛ መረጋገጺ ክለ እኒ (ካርድ ሰጁኩኽ ለኢሴፒሴ )
- ደረጃ ብቕዓት ቋንቋታት እንግሊዝን ፈረንሳን