Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ምስ ሰንተር አኢሰኮ 63 CENTRE ESSOR 63

Forum réfugiés
ኣዳላዊForum réfugiés

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት, ሓተትቲ ዑቕባ

ዋጋ

ብነጻ

ምርካብ ኣካላዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ሕክምና

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 7 mois

እንታዩ’ዩ ?

ማእከል ESSOR 63 ማሕበር Forum Réfugiés ምስ ስደት ዝተኣሳሰር ስነ-ኣእምሮኣዊ ስቓይ ዘለዎም ሰባት፡ ከምኡ’ውን ግዳያት ዓመጽ ወይ ስቅያት ዝኾኑ ሰባት ብነጻ ይሕግዝን ይድግፍን እዩ።

ማእከል ESSOR 63 ማሕበር Forum Réfugiés ምስ ስደት ዝተኣሳሰር ስነ-ኣእምሮኣዊ ስቓይ ዘለዎም ሰባት፡ ከምኡ’ውን ግዳያት ዓመጽ ወይ ስቅያት ዝኾኑ ሰባት ብነጻ ይሕግዝን ይድግፍን እዩ።

እቲ ማእከል ንኹሎም ሓደስቲ መጻእቲ፡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፡ ብዘይ ኣፈላላይ ጾታ፡ ዕድመ ወይ ዜግነት ይቕበል።


ኣገዳሲ!
ደረጃ ፈረንሳዊ ቋንቋኻ ጽቡቕ ጌርካ ክትገልጽ እንተዘይፈቒዱልካ፡ ብቋንቋኻ ሞያዊ ተርጓሚ ኩሉ ግዜ ይርከብ።
.

ንምንታይከ የዘገድስ?

ካብ ሃገርካ፡ ምልክታት መሬትካ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ስድራኻን እትፈትዎም ሰባትን ምውጻእ ኣዝዩ ከቢድ መስርሕ እዩ። ናብ ፈረንሳ ምምጻእ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ዓመጽ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ስደት ድማ ምንጪ ስነ-ኣእምሮኣውን/ወይ ኣካላውን ስንባደ ክኸውን ይኽእል።

ሓደስቲ መዐቀኒታት ኣብ ምህናጽ ክትዛረብ፡ ክትካፈል፡ ክትዕጀብን ክትድገፍን ኣድላይነት ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ማእከላይ ጋንታ ESSOR 63 ብሓጎስ ይቕበለካን ይሰምዓካን፣ ምስ ድሌታትካ ዝተመጣጠነ ደገፍ ንኽህበካ። ኣብዚ መስርሕ ሕክምና ተዋሳኣይ ኢኻ፡ እቶም ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላታት ድማ ክሳብ ዝደለኻዮ ይድግፉኻ።

ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ሓሳብካን ስምዒታትካን ክትገልጽ ምቹእ ክኸውን እንተዘይፈቒዱልካ፡ ብቋንቋኻ ሞያዊ ተርጓሚ ንጽውዕ።

ምስ ሓኪምን/ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላን ኣብ እትገብሩሉ እዋን፡ ወይ ብተሌፎን፡ ንምትርጓምን ዘተ ንምምችቻውን ክህሉ ይኽእል።

ማእከል ክንክን ESSOR 63 ንኹሎም ሓደስቲ መጻእቲ፡ ጾታ፡ ዕድመ ወይ ዜግነት ብዘየገድስ፡ ብነጻ ውልቃውን ስድራቤታውን ምኽሪ ይህብ።

ከመይ ንገብሮ?

Cእዚ በዓል ሞያ ክንክን ጥዕና፡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ፡ በዓል ሞያ ትምህርቲ ወይ ወለንተኛ ክኸውን ይኽእል።

እዚ ሰብ እዚ ናይ ኦሬንቴሽን ቅጥዒ ይመልእ፣ ብኢመይል ድማ ናብ ESSOR 63 ማእከል ጋንታ ይሰዶ: centreessor63@forumrefugies.org

ኣገዳሲ !ናብ ተመሳሳሊ ኣድራሻ ኢመይል ብምልኣኽ ናይ ኦሬንቴሽን ወረቓቕቲ ምሕታት እውን ይከኣል እዩ።
እቲ ናይ ESSOR 63 ማእከል ጉጅለ ነቲ ናይ ኦሬንቴሽን ሕቶ ምስቲ በዓል ሞያ ብምርኻብን/ወይ ድማ ብቐጥታ ምሳኻን ብምርኻብ መልሲ ይህብ።

ኣብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ፣ናይ ESSOR 63, ብ ቴለፎን እውን ኣዛርቡና

04 63 46 89 80 ወይ 06 14 96 71 66.

Le centre ESSOR 63 ኣድራሻና ድማ:
Centre Commercial Croix-Neyrat
"Auchan Nord", 1er étage
Rue du Torpilleur Sirocco
63100 CLERMONT-FERRAND

መጓዓዝያ TRAM A ትራም ኤከምኡ እውን ኣውቶቡስ ቁጽሪ Bus Ligne 22, arrêt "Hauts de Chanturgue". እዩ

ማእከልና ESSOR 63 ኣብ ዝስዕብ እዋን ክፉት እዩ
- ሰሉስ ድሕሪ -ቀትሪ, ኣብ ሰዓት 14h 17h,
- ረቡዕ ካብ ሰዓታት mercredአዝቡዕረ 9h30 ክሳብ 17h
- ሓሙስ ካብ ሰዓታት 9h ክሳብ 17h

ብበዓል ሞያ ድሕሪ ኦሬንቴሽን፡ ወይ ድሕሪ ምብጻሕካ ቆጸራ ምስ ተዋህበካ፡ ካብ ናይ መጀመርታ ናይ ምቕባል ቃለ መሕትት ትጥቀም።

ብናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላን ምናልባት እውን ብሓፈሻዊ ሓኪምን ክትረአ ኢኻ፣ ንኹነታትካን ድሌታትካን ንምግምጋም።

ብ መሰረት ናይ ፈለማ ርኽኽብና ምሳኹም፣ እቲ ዝረኸብኩሞ ሓኪም ብቐጻሊ ክከታተለኩም ድዩ ወይ እውን ኣይፋልን። ኣብ ምርጫኹም እዩ ዝውሰን ፣ ሓኪምኩም ምረጹ።

እንተደኣ ማእከል ESSOR 63 ምስ ድሌታትኩም ዘይከይዱን ፣ ,ከልእ ማኣከላትን ሕክምናታት ንምርኣይ ደሊኹም ብዘይ ጥርጥር ሕተቱ፣

ከምኡ ኣውን ምስ ተመዝገብኩም፣ እቲ ናይ ኽህምና ክትትል ን ኻልእ እዋን ከተሰጋግሩን፣ ኣብ ዝተዳለኹምሉ እዋን ክኸውን ከም ዘለዎ ክትውስኑ ትኽእሉ ኹም። ሽዑ ኣብ ድሉዋት ምስ ኮንኩም ሓደ እዋን። ኣብ ዝተዳለኹምሉ ግዜ ነቲ ማእከል ክትውከስዎ ትኽእሉ ኢኹም፣ ኣብ ዝመረጽኩሞ እዋን ተኣንገዱ!


ኣገዳሲ
ቅድሚ ምክትታል ምጅማርካ ክትጽበ ከም እትመርጽ እውን ክትውስን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ምስቲ ማእከል ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፡ እዚ ድማ ድሉው ኮይንኩም ምስ ዝስምዓኩም ብሓጎስ ክቕበለኩም እዩ።
ኣብ ላዕሊ ገጽ
ብ ሊንክ ወይ ፈለግ ሼር ግበሩዎ

14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

a mugniera mugnierምምሕዳር
marianne georgesmarianne georgesምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
basheer al ghothanibasheer al ghothaniተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
verotangoverotangoተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
ellie 04ellie 04ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
olgamyolgamyተርጓሚ/ሚት
essor 63essor 63ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ