ኣብ ስርሓት ህንጻ ንምውፋር ወይ ንምስራሕ ስልጠና ምውሳድ፣
ምስ ኣብ ምህናጽ፣
እንታይ ኢዩ?
ምስ ባቲር(Bâtir)ወይ ትርጉሙ ምህናጽ ዝተባህለ መደብ ስልጠና፣
ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ስራሕ ህንጻ ናይ ጥበባት (ቴክኒክ) ስርሓት ማሽናትን ስልጠናን ዝህብ እዩ።
ድሕሪ እዚ ስልጠና እዚ፣ ፕሎምበሪ ማለት ዕዮ ናይ ክሽነን ናይ ማይን፣ ናይ ሽቓቕን፣ ዝርግሔ ሓደስቲ ሻምቦቃታት መስመር ምዝርጋሕን ምሕዳስ ንዝኣረገ መስመርን ሞያ፣ ናይ ጽዓት በዓል ሞያ ወይ ኤሌክትሪሻን (ናይ ኤሌክትሪክ ሞያ)፣ ምልካይ ቦያ፣ ሃናጻይን፣ ነዘን ዝተጠቕሳ ሞያታት ንኽትመሃሩ ውልቃዊ ዝኾነ ሓገዝን ምስናይን ተዳልዩልኩም ኣሎ።
ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፣ ኣሳልጦ ምሕደራዊ ስራሓት ወይ ናይ ቤት ጽሕፈታት ጉዳያትኩም ንምስላጥ ከሰንይኹም፣ ክፍሊት ወይ ማሃያ ናይ ዝወሃበኩም ስልጠናን ናይ ጠዕናዊ ኣገልግሎትን፣ ኣብ ከባቢ ልዮን መንበሪ ገዛ ንምርካብ እትገብርዎ ምሕደራዊ ምስላጥ ሓገዝ ይወሃበኩም።
ንመን ኢዩ ፧
ን 3 ኣዋርሕ፣
ዞባ\ ዴባርትሞ
69 - Rhône
ን 3 ኣዋርሕ፣
ዞባ\ ዴባርትሞ
69 - Rhône
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ነቲ ኣብ ናይ ህንጻ ስራሕ ዝነበረካ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ልክዕነቱ ምርጋጋጽ፣
ን 150 ሰዓታት ናይ ስራሕ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ህንጻ ቴክኒካዊ ነገራት ስራሓት ህንጻ ካልኣይ መደብ ወይ ሰኮንድ ኦቭር(second oeuvre)፣ ከም እኒ ሞያ ፕሎምበሪ(Plomberie)ማለት ዕዮ ናይ ክሽነን ናይ ማይን፣ ናይ ሽቓቕን፣ ዝርግሔ ሓደስቲ ሻምቦቃታት መስመር ምዝርጋሕን ምሕዳስን ምጽጋንን ንዝኣረገ መስመርን፣ ሞያ ናይ ጽዓት ወይ በዓል ሞያ ናይ ጽዓት(ኤሌክትሪሻን ናይ ኤሌክትሪክ ሞያ)(électricité) ፣ ምልቕላቕ ቀለምን ወይ ሕብሪ(peinture )፣ ሃነጽቲ ነጸላ መንደቕ(placo)፣ ብስራሓት ዕንጨይቲ ዝግበሩ ጥበባትን ምስላም ኣባይትን ዝሰርሑ ሰብ ሞያን(menuiserie)፣ ኣዕኑድ ዝቑምዎ ናይ ሓደ ህንጻ ናይ ቅድሚት ዝሃንጹ ሃነጽትን (façadier...)ዝኣመሰሉ ስልጠናታትን ይህብ እዩ።
ቋንቋ ፈረንሳ ንምምሃር፣
ምስ እዚ ናይ ሞያ ህንጻ ዝሰማማዕን ዝኸይድን ናይ ኣስታት ክልተ ሚእቲ 200 ሰዓታት ዝኣክል ናይ ቋንቋ ፈረንሳይ ትምህርቲ ተዳልዩ ኣሎ።
ብውልቂ ዝካየድ ዝስነ ክትትልን ናይ ስራሕ ሓገዝን ፣
ብፍሉያት ሰብ ሞያ ዝተሰነየ ን 12 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ሞያውንያን ክትትል ፣
ከምኡውን ኣብ ምሕደራውን ኣብ ማሕበራውን ጉዳያትኩም ዝተፈላለዩ ሓገዛት፣ ነዚ ስልጠና ንምውሳድ ዝኽፈለኩም መንግስታዊ ስልዒትን፣
ኣብ ጥዕናውን ኣብ ናይ መንበሪ ገዛ ምርካብን ዝግበሩ ሓገዛት፣
ኣብቲ ግላዊ ውጥን ዕዮኹምን ብቅዓት ዘለዎ ሞያምጥራይን ከምኡውን ስራሕ ኣብ ምርካብን ዝግበር ሓገዝ፣
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ርኸቡና
በዚ ዝስዕብ ናይ መርበብ ሓበሬታ መልእኽቲ መቐበልን መጽሓፍን ኣድራሻና ማለት ኢመይል ክትጽሕፉልና እውን ትኽእሉ ኢኹም፣: ep@lesclesdelatelier.fr
ናይ እዚ ስልጠና ዝርዝር ሓበሬታ ንምውካስ ዝወስደኩም መርበብ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ ኣሎ፣