ትምህርትን ናይ ተግባር ልምምድን ዝሓቖፈ ናይ ምኽሻን ናይ ስልጠና መደብ ምድላው።
ምስ ኣብ ከተማ ዲጆን ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሞያ፥ ኤኮል ደ ሜትየ ዲጆን ሜትሮፖል (Métiers Dijon Métropole)፣
እንታይ ኢዩ?
ብራሰሪ ሎንካ (Brasserie l'Encas) ዝጽዋዕ ትካል፣ ናብ ሞያዊ ዓለም ናይ ምጽምባርን ምውህሃድን ዓውዲ፣ ነቶም ኣብ ስልጠና ዘለዉ ተመሃሮታቱን፣ ነቶም ቀወምቲ ሰራሕተኛታቱን፣ ንውልቃውያን ዓደግቲ ወይ ተጠቀምቲን ዝዓለመ ካብ ሰኑይ ስጋብ ዓርቢ ንመዓልቲ ክልተ ግዜ ማለት ሰዓት ዓሰርተ ክልተን(12) ማለት ፋዱስን ሰዓት ሓደን ማለት ሰዓት ዓሰርተ ሰለስተ(13) ብኣቆጻጽራ ፈረንሳ መግቢ ናይ ምዕዳል ኣገልግሎታት ከምዘሎ የፍልጥ።
ንመን ኢዩ ፧
ዞባ\ ዴባርትሞ
21 - Côte-d'Or
ካብ 0 ክሳብ 24 ኣዋርሕ
ዞባ\ ዴባርትሞ
21 - Côte-d'Or
ካብ 0 ክሳብ 24 ኣዋርሕ
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ከም ሰራሕተኛ በዓል መሃያ ኮይንካ ትቑጸርን እቲ ምስኡ ዝኸይድ ስምን ክብርን ቦታን ድማ ትረኽቦ።
ኣብዚ ናብ ሞያዊ ዓለም ናይ ምጽምባርን ምውህሃድን ናይ ትምህርትን ልምምድን ዓውዲ እዚ ብምስታፍኩም ከም ናይ ትካልና ኣባልን መሃያ ዝቕበል ሰራሕተኛን ኮይንኩም ክትቁጸሩ ኢኹም።
ክትስነዩን ክትሕገዙን፣
ኣብ ትካልና ኮይኖም ዝስልጥኑ ኣብ እዋን ስልጠና፣ ሓገዝን ምክትታልን ናይ ፍሉይ ውልቃዊ ኣማኻሪ ይረኽቡ።
ደረጃ ክእለት ቛንቋ ፈረንሳ ምምሕያሽ፣
ኣብዚ ኤኮል ደ ሜትየ ( l’École des Métiers ) ዝበሃል ቤት ትምህርቲ ሞያ፣ ማዕረ ማዕረ እቲ ናይ ስራሕ እዋን ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ እትመሃሩሉ ዕድል ኣዳልዩልኩም ኣሎ።
ስራሕን ስልጠና ሞያን ደሊኻ ምርካብ፣
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ትካል ናብ ሞያዊ ዓለም ናይ ምጽምባርን ምውህሃድን ዓውዲ መደብ እምበኣር ናይ ሞያ ልጠናን ማለት ፎርማስዮንን ብዓብዩ ድማ ስራሕ ኣብ ምርካብ ብዙሕ ንዝተሸገሩ ሰባት ንምሕጋዝ ዝዓለመ መደብ እዩ።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ርኸቡና
እንድሕር ደኣ ናብዚ መደብ ናይ ምጽምባር ድልየትን መደብን ሃልዩኩም ነቶም ኣብ መዓልታዊ ሂወትኩም ዝተሓጋገዙኹም ናይ ማሕበራውያን ተሕጋገዝትኹምን ኣማከርትኹምን ምስ ናይዚ መደብ ኣካየድቲ ብዛዕባ ንስኹም ናብዚ መደብ እትጽምበሩሉ ጉዳይ ክዛረቡልኩም ተወከስዎም፣
- ብዛዕባ እዚ ስልጠና ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ኽትረኽቡ ምስእትደልዩ በዘን ዝስዕባ ክትረኽቡና እትኽእሉለን መስመራት ቁጽሪ ስልክናን ኣብ መርበብ ሓበሬታ መልእኽቲ መቐበሊ ኣድራሻና ማለት ኢመይልና ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም፣ :
- ኢመይልና : contact@ecoledesmetiers.fr
- ቁጽሪ ስልክና : 0380684880